ስደተኛ መንእሰይ፡ በዓል ነጻነት ናበይ?
ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም እትነብር ዘሎኻ ስደተኛ ጎበዝ ሃገርና፡ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጽሑፈይ ምሳኻ ግጠም ይብለኒ ኣሎ። “ኣንታ እቲ መንእሰይ እሞ…መንእሰይ መንእሰይ ንብል ኮይና እምበር፡ ደይ ከም ህዝቡ’ዩ።” እንተበልክዎ፡ “ላላእ! ኩሉ ነገር አእዋኑን ገግዚኡን ኣለዎ። ዕላል ይኹን መዛረቢ ኣርእስቲ፡ ዛዕባታት ከይተረፈ ብግዜ’ዩ ዝግዛእ።
ካብኡ ወጻኢ ዝኾነ መቐረት ኣይህብን። እዚ እዋን እዚ ድማ ግዜ በዓል ነጻነት’ዩ እሞ፡ ምስ’ዚ ስደተኛ መንእሰይን ነጻነቱን ዘጓጅመካ ኣገዳሲ ኣርስቲ ድኣ ኣምጽእ፡” ብማለት፡ ካልእ ንኹሉ ዝዓምም ኣርእስቲ ከምጽእ ኢለ ተሓንጠጥ እንተበልኩዎ፡ እብይ-ኣቕብጽ ኣቢሉኒ። በል ክቡር መንእሰይ ጽሑፈይ ኣይተጋገየን፡ ግዜኻ’ዩ። ብኣኻ ጀሚረ ብኣኻ ክውድእ ዘገደሰኒ፡ ክንእደካ ወይ ክኹንነካ ዘይኮንኩስ፡ እታ ሕልናኻ ንኣውያተይን ንጥርዓነይን ክትሰምዓኒ ስለዝደለኽዋ’ዩ። ሽግርካ እንታይ ከም ምዃኑ ካባኻ ክረኽቦ ስለዘይከኣልኩ፡ ንሳ መልሱ ክትነግረኒ።
ኣብቲ ስግራ፡ ኣብቲ ከባቢኣ እውን እንተኾነ፡ ንድሕነታን ድሕነት ህዝባን ዝዓጠቐ ጠሊ ናይ ለውጢ እንዳነፈሰ እንከሎ፡ ንሕልናኻ ሓሸውሸው ኢላ ነቒጻ ዝወሰደ ክወስዳ፡ ኣብ ሰብ ክድይቦ ዘይክእል ከውሒ ምስቃልካ፡ እንታይ ከምዝኾነ ብልሓቱ ኣይተረድኣንን። ከውሒ ልቡ ከይብለካ፡ ክኹንነካ ኢለ ኣይተበገስኩን። እንተኾነ ግና፡ ልክዕ ከም ዘርኢ እኽሊ ኣብ ነቕዓት መሬት ወይ ኣብ ሕሩስ ተደፊና፡ ሓመድ ንኽርሕስን ንኽጠልልን ለውጢ ኣየር ክመጸላ እትጽበ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዓመታት እዚ ኣብ ሃገርና ለውጢ ክመጽእ ዘይብህግ ስደተኛ ዜጋ እንተሎ፡ ዘይባህርያዊ ስለዝኾነ፡ ሽግሩ ክፍለጥ ኣለዎ። ምኽንያቱ ሽግርካ ምፍላጥ እውን፡ ኣብ ቁምነገር ከተብል ንምብጋስ ተባሂሉ ዝውሰድ ዓብይ ስጉምቲ ንለውጢ’ዩ።
ፖለቲካ እንተ ኣልዓልኩልካ፡ ንነዊሕ ዓመታት ፖለቲካ ሃገርና ለውጢ ዘይብሉ ረኺብካዮ፡ ኣሰልክዩካን ጽልኣት ኣሕዲሩልካን “ክላእ እዚ ድማ!!” ከይትብለኒ፡ ወይ ከኣ ገና ከይጀመርኩ ንነብስኻ ክትከላኸልን ምኽንያታት ክትቀራርብን ሸበድበድ ትብል ትህሉ ኣይብልን። ምኽንያቱ ንሕልናኻ ክጠርዕ ኣፍቅደለይ ኢለ ክሓተካ እንከለኹ፡ ንኣእምሮኻ ካብቲ ኣዚዝካዮ ዘሎኻ ወጻኢ ሰጊሩ ንኽሰምዕን ንኽመምን ነጻነት እንተድኣ ዘይሂብካዮን፡ ንፋስ ለውጢ ከኣትዎ ከፊትካ እንተዘይገዲፍካዮን፡ ሓደስቲ ነገራት ንኽብድህ እንተዘይቀሪብካዮን እሞ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እቲ ለውጢ ክኸውን።
ኣብዚ ወርሓት እዚ፡ መፋርቕ ወርሒ ግንቦት ጥርዓነይ ከቕርብ ዝመደብኩ ከኣ፡ መበል 20 ዓመት ነጻነት ይቀራረብ ሰለዘሎ፡ እዚ ብኽንደይ መስዋእትነት ዝተረጋገጸ በዓልና ኣማዕሪግናዮ ብሓንሳብ ክንውዕል፡ ሓቀኛ ታሪኹ ክንነግረሉ፡ ጀጋኑ ደቂ ሃገር ክንዝክረሉ፡ ኣበይ ከም ዝበጻሕናን፡ ናበይ ገጽና ንኸይድ ከምዘሎናን ክንግምግመሉ፡ ሓይሊ ቃልስና ከነሐድሰሉ፡ እንታይ ንግበር? ከመይ ጌርና ንቀራረብ? እንዳበልና ምሳኻ እሂን ምሂን ክንብሃሃልን ክንመክርን ሰለዝተደልየ እዩ። ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ዘራይ ጭቁን ህዝቦም ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ “ኤርትራ ንኤርትራውያን!” እንዳበሉ ድሮ ምድላዋት ጀሚሮሞ ከም ዘለዉ ሰሚዕካዮ ትኸውን።
እቲ ቐንዲ ምድላው ዘድልዮ ዘሎ ግና፡ እቲ ካብ ምቁጽጻሮም ወጻኢ ዝኾነ፡ ኮይኑ ግና ካብ ውልቃዊ ተበግሶኡን ተገዳስነቱን ቦዂሩ ክነሱ፡ እንታይ ተባህለ እንታይ ተገብረ እንዳበለ ዘማዕዱ ዘሎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸር ጎበዙን ኣረጊቱን ዜጋ እዩ። ሓደ ካብኦም ድማ፡ ንስኻ ኢኻ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እየ፡ ነዚ ብወገንካ በዂሩ ዘሎ ስራሕ መፍትሒ እንተተረኽቦ ምስ ሕልናኻ ኣዛርበኒ ክብለካ ዝጀመርኩ።
ቁሩብ ጽሑፈይ ከይደፋእክሉ ግና፡ “ነታ ነብሱ ዝያዳ ባዕሉ ስለዝፈልጣ፡ ምስታ ሕልናኡ ዶ ምዝራብ ይሕሸኒ ወይ ከኣ ምስታ ሓሞቱ፡” ኣብ ዝብል ማንታ ሓሳበት ተቐርቂረ፡ “ንዕኡ ኸ ዘይሓቶ ነበርኩ፡” እንዳበልኩ፡ ተጋራጫዊ ሓሳባት ጸይረ ይቕጽል ከም ዘለኹ እነግረካ። እወ! እታ ሓሞት ድያ እታ ሕልና?… ኣየነይተን እያ እሸጊራትካ ዘላ? ብዘየሸግር ኣይትሸገር፡ ምኽኒታት እውን ኣይተብዝሕ። ኣብዚ ዓዲ ስደት፡ እታ ማዕጾ ቃልሲ ኣብ ቅድሜኻ፡ እታ መፍትሕ ከኣ ኣብ ኢድካ እያ ዘላ።
ጎበዝ ዓዲ!! ንሓደ ፍጻሜ ገምጋም ንምግባር ክልተ ሰለስተ ግዜ ውጺኢቱ ምስ ኣርኣየካ፡ እኹል ግዜን መረድእን ምኾነ። ኮይኑ ኸኣ፡ ድሕሪ 20 ግዜ ውጺኢት ነጻነት ሃገርካ ገምጋም ጌርካሉ፡ ኣብ ሓደ መደምደምታ በጺሕካ ትኸውን። ስለዚ፡ ኩሉ ገዲፍካ፡ “24 ግንቦት 2011 ንነብሰይ ነጻ ኣውጺአ፡ ንጭቁን ህዝበይ ነጻ ንኸውጽእ፡ ኣብ ሃገር ስደት በታ ዓቕመይ ክቃለስ ዝጀመርኩላ መዓልቲ እያ፡” ኢልካ፡ ኣብ ታሪኽ ሂወትካ ክትምዝግባ፡ መብጽዓ ነታ ነብስኻን ነቲ ውጹዕ ህዝብኻን እትኣትወላ በዓል ትኹን። ኣብ ሃገር ስደት ኮንካ ከምዚ ዝኣመሰለ መብጽዓ ንበዓል ነጻነት ክትኣትወላ፡ ዓቢ ግድል ኣይኮነን።
እቲ መስገደልሲ፡ ንነብስኻ ነጻ ኣብ ምውጻኣ እትገብሮ ናይ ሕልና ቃልሲ እዩ። እታ መስገደል “እወ ይከኣል እዩ!” ኢልካ እተወስዳ ናይ መጀምርታ ስጉምቲ እያ። ንሳ ድማ ንዓኻ ንባዕልኻ ነጻ ከተውጽኣካ እንተዘይኮይና፡ እግርኻ ትቖርጽ ኣይኮነት ኢድካ ትወስድ። ተዳልያትልካን ተጠዓዒማትልካን ዘላ በዓል እያ። በል እስከ፡ በየን ኢኻ ትርከብ? ኣበይ ከ ይቐርበካ? ኣብ ዝቐረበልካ ክትጸንበራ፡ ንሕልናኻ እጠርዕ። ኣብ ብራስልስ ድዩ ኣብ ሎንደን፡ ወይ ከኣ ኣብ ዋሺንግተን ድዩ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ፡ ኣብ ተሮንቶ ዶ ኣብ እንድያናፖሊስ፡ እቲ ዕጡቕ ተቓዋሚ ተሓዊስካዮ ንኽትውዕል ይጽበየካ ኣሎ።
ኣብ ሂወትካ ምሉእ፡ ነታ እትፈትዋ ውልቃዊት ነብስኻ ዝዓበየ ቁምነገር ክትገብረላ እንተድኣ ደሊኻ፡ ንመሰረታዊ መሰላታ ደው ኢልካ ክትዘርየላ ምስ እትውዕል እዩ። ንድሕሪት ናብ ታሪኽ ተመሊስካ፡ “ካብ ቀደሞም ከምኡ ጌሮም ነይሮም እንተዝኾኑ፡ እዚ ኹሉ ሽግር’ዚ ኣይምወረደናን ነይሩ፡” ዝብል ዘረባ ንስኻ እትብሎ ንሕና ተቓወምቲ እውን እነድግሞ እዩ። እንተኾነ ግና፡ ጉዕዞ ሂወትን መንብሮኣን ካብ ጌጋታት እንዳተኣረምካ ምምራሽ እዩ’ሞ፡ ነታ ብሕታዊት መሰልና ክንዳፍዓላ፡ እስከ ካብ ሕጂ ንኔው ኣብ ጽርጊያታት ኣሜሪካን ኤሮፓን ንላመማድ። እስከ ምሁራትና ዓበይትና ነኣሽቱና ኩላትና ስደተኛታት ኤርትራውያን ብሓበራ በዚ ክንጅምሮ ንብቃዕ። ኣብ ሃገር ስደት ሰፊረ እሞ እንታይ ክዓብስ እዩ ዝብል ምኽኒት ተዳሉ ትህሉ። እንተኾነ ግና፡ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብኹሉ ሸነኻት እዩ ተሓጋጊዙ ዝዕወት።
ብዓቢኡ ከኣ፡ ምምሕዳር፡ ፖለቲካዊ ባህርያት ዘለዎ ስርርዕ ስለዝኾነ፡ ብኹሉ ዓይነት መልክዕ እዩ ዝጸልወና። ኣብ ዘለና ንሃሉ፡ ንኹሉ ምንቅስቓስና ይትንክፍ። ኣውራ ከኣ ንመሰልናን ክብርናን መንብሮናን። ስለዚ፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቃልሲ ብነብስኻን ብመሰልካን እዩ ዝጅመር። ዋላ እውን እቲ ናይ መንብሮ ቃልሲ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ፡ ቃልሲ መሰል፡ ንሕልናኻ ጎርጒርካ ንነብስኻ ምድሓን እትገብሮ ጥምጥም እዩ። ሰብ ምዃንካ ዘፍልጠካ ቃልሲ እዩ። ስለዚ፡ ፖለቲካ ሃገርና ኔው በሎ! ንዓይ ኣይትንክፈንን ኣይምልከተንን እዩ፡ እንተድኣ ትብል ሃሊኻ፡ ጉጉይ ኣሎኻ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ ብዘራይ ጭቁን ህዝቢ ተዳልዩ ዘሎ በዓል፡ ካብታ በዓቲ ፍርሕን ራዕድን እንታይ ገደሰንን ወጺእካ፡ ንሕልናኻ “ንዒ ድኣ ነብሲ ነጻ ኹኒ!!” ምባላን ምሕራራን፡ እታ ዝዓበየትን ኣፈናዊትን በዓል ነጻነትካ ከም ዝኣወጅካ ቑጸራ።
ኣሕዋትካን ኣዕሩኽቱኻን መሳቱኻን ናብ መኣዲ ቃልሲ ይዕድሙኻ ኣለዉ። ካብ መሰታኻ ኣይትረፍን። ኣነስ ምስ ኣሕዋተይ ንመሰለይን ክብረተይን ብግህዶ ክቃለስ ክውዕል’የ በል! ኣብ ሃገርካ ነጻነትካ ከምእተገፈፍካ ባዕልኻ እትብሎ ዘሎኻ እዩ። ኣብ ፈቐድኡ ናይ ስደት ቤት ጽሕፈታትን ኣብያተ ፍርድታትን ዝሃብካዮ ቃል ዶ ኸይኮነ። ሓሲኻ ድማ ኣይኮንካን። እቲ ኣብ ልዕለኻ ዝወረደ ኣረሜናውን ኣስካሕካሕን ዓመጽ፡ ኣብዚ ቤት ጽሕፈታት እዚ ንምግላጹ ቃላት እውን ዝረኸብካሉ ኣይመስለንን።
ሽሕኳ ልክዕ ከም እተፈጸሞ ከተቕርቦን ክትገልጾን እንተዘይከኣልካ፡ ነቶም ቃለ-መጠይቕ ዘካይዱልካ ሓተትን ፈራዶን ግና፡ ፍጡር ሰብ ሰሚዕዎ ዘይፈልጥ ድግም ብምዃኑ፡ ገና ርብዒ ታሪኽካ ከይሰምዑ ንኣእምሮኦም ኣደንዚዙ ብርዖም ዘደርቢ እዩ። ብሓቂ ተጎዲእካ ኢኻ። እዚ ኹሉ እንዳኾንኩ፡ ዘራይ ሲኢነ ትብል ኔርካ ትኸውን። ሕጂ ዕድልካ ገይርዎ፡ ኣብ ዓዲ ሰላም ኣጣጢሕካ ክትዘርየሎም ዝጸበዩኻ ዘለዉ ደቂ ሃገርካ ኸ፡ እንታይ ኮን ይብሉኻ ይህልዉ? ዓይኒ ምስክር ብምዃንካ፡ ካባይሲ ብዝያዳ ንስኻ ክትዘርየሉም ይግባእ እንተበልኩኻ ኸ፡ ንዓይ ወረጃ ዶ ኾን ትብለኒ ትኸውን?
ባዕልኻ ኣብ ኮንተይነራት ዊዓ ከም እንጣጢዕ ይቐልዉኒ ነይሮም፡ ኣብ ጻጥሕ ሃሩር ደንከልያ ቁጽሪ ሸሞንተ፡ የሱስ ክርስቶስ ይእሰር ነይረ፡ ተዘቢጠ ተደግዲገ ተገሪፈ፡ ከም ደርሆ ቆርበተይ ተመሊጠ፡ ኳሬንቲ ኣእትዮምለይ፡ ኣብ ፊስቶ ማይ ሰጊድ ሰላም ኣቢሎምኒ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዶምኒ… ዶሞዘይ $10 ዶላር ንወርሒ፡ ክነብር ይኹን ስድራቤተይ ክኣሊ ኣይከኣልኩን፡ እንዳበልካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተትካ ምዝኽኻር ኣየድልየካን።
ስኣን ዓቕምኻን ክእለትካን ተሪፉካ፡ ኣብ ርእሰኻን ኣብ ርእሲ ካልኦት ዜጋታትን ዝወረደ፡ ዘይገለጽካዮ ዓመጽ እዝጊሄር ዋንኡ። ዋላ ዓቕሚ እንተሃበካ፡ ከመይ ጌርካ ኸ ንኹሉ ክትዓሞ። እቲ ግፍዒ፡ መወዳእታ የብሉን። ዝገልጾ ግና ኣይሰኣንን። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጭካነን ዓመጽን፡ ጎቦታትን ሽንጭሮታትን ሩባታትን ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኦም ክገልጽዎን ከቃልሕዎን ካብ ዝስምዑ ብዙሕ ዓመታት’ኳ እንተሕለፈ፡ ካሳብ ዕለት ሎሚ ምንጋሮም ኣየቛረጹን። ምኽንያቱ፡ እቲ ግፍዒ ይቕጽል እዩ ዘሎ።
እዚ ዓመጽ እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተደረተ ከምዘይኮነ እውን ናይ ዓይኒ ምስክር ኢኻ። በቶም ሓተትን ፈራዶን፡ ጥርዓንካ ንኽንቅበሎ ዝኣኽለና ነጥብታት ረኺብና ኣሎና፡ ዝተረፈ ታሪኽካ ግደፎ ይኣክል ተባሂልካ፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ከ እንታይ ኣጋጢሙካ ዝብል ሕቶ ይኽተለካ እዩ። ከመይ ጌርካ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዓለብካ? እቲ መልሱ ኣሽማት ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ባህርያዊ ሓይሎምን፡ ኣሽማት ኣመሓላለፍቲ፡ ስሰዐኦምን ጭካኔኦምን ዓመጾምን፡ እንዳጠቐስካ ንኣሊፍ ጠፊአ ነይረ ግና ዕድለይ ኣውጺኡኒ እንዳበልካ ኢኻ ትጅምሮ። ኮይኑ ግና፡ ዕድለኛ ኾንካ ኣብቲ መሰልካ ዘኽብረልካ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለም ምስ ኣተኻ፡ ኣብ ሃገርካ ዘሕለፍካዮ ሽግር ክትርስዖ ህርድግ እንተበልካ ክኾነልካ ኣይክእልን።
ምኽንያቱ እቲ ዘዘንተኻዮ ዓመጽ ሓቂ ስለዝኾነ፡ ደው ዘብሎ ክሳብ ዝረክብ ድማ ደው ክብል ኣይኮነን። ነዚ ዓመጽ እዚ ጠንቂ ኾይኑ ዘሎ ስርዓት፡ ኣብ ዝገደፍካዮ እዩ ዘሎ። ዓመጹ ኸኣ ከም ዘይቛርጽ ጥሚቕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ንዓኻ ኣብ ሂወትካ ኣምጺኡልካ ዘሎ ፍልልይ ግና፡ እቲ ርሑቕ ዘስፈረካ ስደት ኮይኑ፡ ሽግር ናይ ሃገርካ ከምዘይሓለፍካዮ ሰምዓይ ጌሩካ ስለዘሎ ጥራይ እዩ። ክሰምዖ እውን ኣይደልን እየ፡ ኣይተስምዑኒ ካልእ ዘረባ ኣምጽኡ ትብል ትኸውን። መፍትሒኡ ከም ዘይኮነ ግና ትፈልጥ ኢኻ።
እቲ ዝሓለፍካዮ ሽግር፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ደቂ ሃገርካን ክድገምን ክደጋገምን ብተቓወምቲ ሓይልታት ብዘይምቁራጽ ክቃላሕ ትሰምዖ ኣሎኻ። ካብቲ ዘሕለፍካዮ እንዳገደደ ይኸይድ ከምዘሎ እውን፡ ባዕልኻ ድሃይ ዓዲ ድሃይ ስድራ እስከ ክገብር እንዳበልካ፡ ደዊልካ ደዋዊልካ እትረኽቦ ዘሎኻ እዩ። ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለዉ ተቓወምቲ መሳቱኻ መንእሰያት ከኣ፡ “ንዓ ናይ ሓዋሩ መፍትሒ ክርከቦ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ኡይ ንበለሎም” እንዳበሉ ብተደጋጋሚ ይጽውዑኻ ኣለዉ። እንታይ ኮንካ ተጽቅጥ? እስከ እታ ሕልናኻ ትመልስ ክሰምዓ።
ምናልባት ከምዚ ኢለ ኣምሪረ ክጽሕፍ እንከለኹ፡ ዝኹንነካ ዘለኹ ኮይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኩነኔ ፍርዲ’ዩ፡ ኣይወጸንን ከኣ። ብዝያዳ እኳ ድኣ፡ ኤርትራዊት ፈይስቡክ 4000 መንእሰያት ኣዕጢቓ ዝብል ብስራት ምስ ሰማዕኩ፡ ንስኻ ካብኣቶም ሓደ ንኽትከውን ብዓል ዓቢ ተስፋ እየ። ነዚ በዓል ነጻነት ድማ፡ ገለ ምድላው ትገብር ኣሎኻ ዝብል ግምት ሰለዝሓደረኒ፡ ንማኸር እየ ዝብል ዘለኹ።
እቲ መራኸብን መፋለጥን ኣይወሓደን። ኣመና’ኳ በዚሑ። እቲ ብእኡ ዝራኸብ መንእሰይና እውን ከምኡ ውሑድ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና፡ ግብጻዊት ፈይስቡኽ ኣብ ጽርጊያ ዓዳ እያ ዝተገተረት፡ ቱኑዝያዊት ፈስቡክ ኣብ ጽርጊያ ዓዳ። ኤሪትራዊት ፈይስቡክ ኣብ ዓዳ ዘለዋ ጸገም ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ጽርጊያ ስደት ገጻ ቐሊዓ ኣፍ ልባ ገቲራ ክትውዕል ኣይትስእንን ግዲ ትኸውን። ኣገዳስነታ፡ እቲ ትሕተቶ ዘላ ቀሊል፡ እቲ ውጺኢቱ ግና ዓቢ ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ፡ ንኣብነት ኣብ በይ ኤርያ ዘሎ መንእሰይ ኩሉ እንተድኣ ንሰላማዊ ሰልፊ ወጺኡ፡ ንማርከት ስትሪት ሳንፍራንሲስኮ ኣጥለቕሊቑ ዓጊትዋ ክውዕል ዝኽእል ህዝቢ እዩ። ውጺኢቱ ድማ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ንምሉእ ዓለም “እንታይ ተረኽበ?” ዘብል፡ ምስ ተደጋገመ ከኣ “እንታይ ከ ክግበር ኣለዎ?” ዝብል ሕቶ ዘስዕብ እዩ።
ስለዚ ብፈይስቡክ ትዊተር ስካይፕ… እትጫኖ ዘሎኻ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ንዓ ብቓልዕን ብግብርን ንመሰልካ ተቓለስ እየ ዝብለካ ዘለኹ። መበገሲ እቲ መረረይ፡ ኣብዚ ዓዲ ስደት ኮንካ እትገብሮ ቃልሲ ንሂወትካ ዘይፈታትን፡ ካብ ስራሕካን ካብ መናባብሮኻን እውን ዘየሳናኽልን ዘየባዂርን ክነሱ፡ ነቲ ዝግፋዕን ዝጭፍጨፍን ዘሎ ህዝብኻ ንኸዘይትዘርየሉ፡ ምስቲ ብዝሕኻ እንታይ እዩ ዓጊቱካ ዝብል ሕቶ፡ መልሲ ክረኽበሉ ስለዘይከኣልኩ እዩ።
እወ! ንሕና ኣብ በይ ኤርያ እንቕመጥ ዜጋታት፡ ክሳብ ሕጂ ሰንስስ ኤርትራውያን ስደተኛታት የብልናን። እቶም ቀለም-ጸገብ ዝኾኑ ምሁራትና ኣሽንኳይዶ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክመርሑናን ከተባቡዕናን፡ ነታ ክንደይ ከም ምዃና ብዝሕና ተፍልጠና ቁጽሪ’ኳ፡ ክሳብ ዕለት ሎሚ ክነግሩና ኣይከኣሉን። እዚ ቁጽሪ እዚ ስለዘገደሰኒ ግና፡ ኣነ ክንደይ መንእሰያትና ኣብዚ ከባቢ’ዚ ይነብሩ ከምዘለዉ ንምፍላጥ ዝጥቅመሉ መዐቀኒ ጥበብ ክምህዝ ኣሎኒ ብማለት፡ ዘይንቡር ክገብር ተገዲደ። ንሱ ከኣ፡ ኣብ መዓልቲ ቐብሪ ዝወስዶ ግምት እዩ። ድዉይ ተጠባባይ ከም ዝብልዎ፡ ሰብ እንዳቐበረ፡ ቐባሮ መንእሰያት ዜጋታት ክቖጽር እውዕል። ሓደ መገመቲ ኣሃዝ ከኣ ይህበኒ።
ንቐብሪ!! ከማኻ መንእሰይ እሞ፡ መን ቐቢርዎ ክብሃል። ሓሽከት መንእሰያት ኣብ ቐብሪ እርኢ። “ወይ ኣነ!! እዚ ኹሉ መንእሰይ እዝስ፡ እዚ ኹሉ ጎበዝ እዝስ፡ ነታ ተቐቢራ ዘላ መሰሉ ፊሒሩ ከየውጽኣ፡ ከይቃለሰላ ዓዲ ውዕል ኮይኑ!! ንመሰልካ ባዕልኻ እንተድኣ ዘይተቓለስካላ ኸ፡ ከም ኣብ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቐብራ ትውዕል ዘሎኻ፡ ዶ ኾን ኮይኑ ክቑጸር ይከኣል?” ኣንዳበልኩ ከኣ የስተንትን።
ኣብዚ ዓመት እዚኣ ግና፡ ኩነታት ከባቢና እንዳ ተቐያየረ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ። እንሆ’ኳ ኣበዓዕላ ሃገራዊ ነጸነትና ኣብ ስደት፡ እንዳተቐየረ መጺኡ። ከምኡ ድማ ከም ዓለምና ንኩነታትና ንኽንቅይር ድልዋት ኮይና ክንብገስ ይግባእ። ክቡር መንእሰይ፡ ምናልባት ኣብዚ ጽሑፍካ ዝገደፍካለይ የብልካን ትብለኒ ትህሉ። ከምኡ ኣይትበል። ምስ ሕልናኻ እየ ክዛረብ ዝፈተንኩ። ከምኡ ካብ ተሰምዓካ ግና፡ ከም ካብ ሓልዮት ንህዝባዊ ቃልሲ ዝነቐለ ነቐፌታዊ ርእይቶ ጌርካ ውሰዶ።
ኣብ መወዳእታ ጽሑፈይ፡ መንእሰይ ስደተኛ ንዓ! ተሓወሶ፡ ንዓ! ተጠቐም፡ ንዓ! ንህዝብኻ ኣእዊ፡ ርዳእ እብለካ። ሕርቃንካን ብስጭትካን ንኽነፍሰልካ፡ ተደሪዑካ ዘሎ ፍርሕን ሽቑረራን ንኸተፋኹስ፡ ንጉድኣትካን ዓመጽካን ከተቃልሕ፡ ኣካል ናይ ለውጢ ኾንካ ንድሕነት ህዝብኻ ክትቃለስ፡ እቲ ሰላማዊ ሰልፊን በዓላት ነጻነትን ኣብ ፈቐድኡ ከተማታት ኣሜሪካን ኤሮፓን ተዳልዩልካ ኣሎ። ኩለን ከተማታት ስደት በብሓደ፡ ምሳና ኣብዕል ኢለን ንኤርትራዊ ዜጋ እንዳኣቃልሓ፡ ኣይትተሓባእ! ክንደይ እዮም ዊዒሎም? ኣነ ድኣ ዘይፈለጥኩ ዘይሰማዕኩ እውን ኣይትበል። ነታ ናይ መሰልካ ቃልሲ፡ በታ ንነብስኻ ነጻ ንምውጻኣ እትመርሓካ ኣፈናዊት ስጉምቲ ጀምራ። እዛ ስጉምቲ እዚኣ ከኣ፡ ኣሰር እቲ ዘራይ ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ ኾይኑ ዘሎ መሰታኻ ክትጽንብረካ እያ። እቲ ናይ ለንቅነ ዕላል፡ ዕላል ሃገራዊ ነጸነት’ዩ ዘሎ። እቲ መዓልቱ ኸኣ ኣትዩና እዩ እሞ፡ ግንቦት ዕለት 27 ኣብ ፓወልን ማርከትን ስቲሪት፡ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ የራኽበና። ብሰላም ቀኒ።
እምቢ ንምልኪ!!
ወልደየሱስ ዓንደማርያም
ሳንፍራንሲስኮ ከሊፎርንያ
05.13.11