ልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ነዚ ናይ ምፍንቓል መደብ ናይ ምትግባር መምርሒ ናብ ምምሕዳር ዞባታትን ክፍለ ሰራዊታትን ከምኡውን ንመሳለጢ ዝምልከት ፍሉይ መልእክቲ፡ ነቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ምጓዓዝያ ገባርን ሓዳግን ዝኾነ ወልዱ ባርያ (ቤ/ጽ ዓሻ ጎልጎል) ከምዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣገንዚቦም።
እተን 88 ዓድታት እዘን ዝስዕባ እየን፡
ታሕታይ መስሓል – ኣከለጉዛይ – ዞባ ደቡብ
1. ዓዲ ሓዞ 2. ዓዲ ቀራን 3. ደማጺ 4. ጨንሓረ 5. ክሳድ ቡሩኻ 6. ማይ እኽሊ
ዘርኢ ሞሲ – ኣከለጉዛይ – ዞባ ደቡብ
1. ዓዲ ኣሮማ 2. ማይ ጉንዲ 3. ክሳድ ሓምሓም 4. ማይ ዓብዓ 5. ደናጉል 6. ሩባ ህድሞ 7. ነጠባ
ደጉዘይ – ኣከለጉዛይ – ዞባ ደቡብ
1. ምናሕ 2. መሳልሕ 3. ሕጽይቶ
ደረጨን – ኣከለጉዛይ – ዞባ ደቡብ
1. ዓዲ ሻነት 2. ደቂ ሌፋይ 3. ማይ እዝጊ 4. ጉዕማተን 5. ማይ ጎድፍ
እስመጃና – ኣከለጉዛይ – ዞባ ደቡብ
1. ምእሳር ኣርሓ 2. ጭዓ 3. ዘኮሎ 4. ኣሮሞ 5. ክሳድ ኣግሩፍ 6. ሰሎዳ 7.ሑጓ ዑና
ሎጎ ሳርዳ – ኣከለጉዛይ – ዞባ ደቡብ
1. ማይ ሙና 2. ምራራ 3. ድግም 4. ጎብሊ 5. ውልሾ 6. ምሕራድ ጨለ
ሳሆ ደብሪ መላ – ኣከለጉዛይ – ዞብ ደቡብ
1. ኣሰድ ላዕላይ 2. ኣሰድ ታሕታይ 3. ላዕላይ ምዕራን 4. ማሮት 5. ዳብራ 6. ያንሲት 7. ሞኮ 8. ኣስሓነ
ማይ ጫዕዳ – ሰራየ – ዞባ ደቡብ
1. ዓዲ ንኣምን 2. ምሕያው 3. ማይ መጫቃት 4. ማይ ሸካ 5. ዓዲ ሓባል 6. ዓዲ ወደርኪ 7. ዓዲ ጣፍ 8. ዓደልጎስ
ዓይላ – ሰራየ – ዞብ ደቡብ
1. ማይ ዳዕሮ 2. ገዛ መደባይ 3. ገዛ ሓምሊ 4. ገዛ ዋዛ 5. ዓደባርእሶም
ቋሓይን – ሰራየ – ዞባ ደቡብ
1. ዓዲ ጤል 2. መደባይ 3. እሩግ 4. ዓዲ ኩዳዳ 5. ማይ ዓሳ 6. ዓዲ ክሳድ 7. ዓዲ ገርግሽ 8. ዓዲ ክፍለ 9. ዓዲ ሑዱግ 10. ማይ ሽሖ
ትምዛእ – ሰራየ – ዞባ ደቡብ
1. ምድፋእዋልታ 2. ሕለበሎ 3. ዓዲ ፎቶ 4. ዓዲ ሰጓጉ
ኣፈልባ – ሰራየ – ዞባ ደቡብ
1. ኣይቀበጹ 2. ታሕታይ ሓጺና 3. ዓደባዓውዲ 4. ዓዲ ሓጺባ ላዕላይ 5. ዓዲ ሓጺባ ታሕታይ
ሊባን ሓበላ – ሓማሴን – ዞባ ማእከል
1. ማይ ወሰን 2. ደንበ ግሎም 3. ጎልጋመቂዕ 4. እንጅሓይ 5. ትንሻኣይ
ዓንሰባ ለመጨለ – ሓማሴን =ዞባ ማእከል
1. ጓሓፍ 2. ደምበ ሃብተጼን 3. በኪሽ ምኖት 4. ሃምረሃማርም 5.ደምበ 6. ዓዲዳፍላ
ብሌን – ሰንሒት – ዞባ ዓንሰባ
1. ዓዘፋ 2. ሻውሽ 3. ሬሶሩክ ፣ እየን።
ምንጭታትና ብተወሳኺ ከም ዝሓበርዎ፡ እዚ ናይ ምፍንቓል መደብ ኣብ መጻኢ በብዙርያኡ ቀጻሊ እዩ።