ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ብዓቢ ዓወት ተዛዚሙ።

dcኣቦ ወንበር ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰን ፤ ኣባል  ወጻኢ ጉዳያት ብጻይ ኑር እድሪስን ንመሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን  ብምውካል ትማሊ 12 ጥቅምቲ ዋሺንግቶን ዲሲ ዉሃ ዝበለ ሰሚናር ኣካይዶም።።



ኣብቲ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝመደበሮም ኣባላት ኪዳንን ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታትን፣ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተሳተፉዎ ሰሚናር፣ ኣቦ ወንበር ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰ ንጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን  ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።። ከምኡዉን ዝተወሃሃደ ተቓውሞ ኣንጻር ጨፍላቂን ትሕቲ ሽፍታ ዝኾነ ስርዓት ኣልቦ ህግደፍ ዝዓዘሉን፣ ሰፊሕ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጸሉ መንገዲ ኣብሪሁ።።ብጻይ ኑር እድሪስ ዲፕሎማሲያዊ ስርሓት ኪዳን ዝካየደሉ ሜላ ነጥቢ ብነጥቢ ኣዕጋቢ ብዝኾነ መገዲ ንህዝቢ ኣቕሪቡ።።


dcብዘይካዚ ኣቦ ወንበር ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰ ንኣብ ጉዕዞ ንስደት ኣብ ከም ሊብያን ምስርን ዝኣመሰላ ሃገራት መንእሰያት ኤርትራ ዝወርዶም ዘሎ፣ ግፍዕታትን መስጎግትን ብምዝርዛር ጸገማቶም ንምቅላል፣ ኪዳን፣ ጻዕርታት ከምደካየድን የካይድ ከምዘሎ ኣረዲኡ።


ኣብ መወዳእታ ኣቦ ወንበር ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰን ብጻይ ኑር እድሪስን ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ብሰፊሕ ኣብሪሆም። እቲ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝካየድ ቃልሲ ናይ ሓባር ስለዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ በብዓቕሙ ጸጸጸሩ ክድርቢ ኣተሓሳሲቡ።።


ዓወት ወይ ሞት!


ኣባላት ኤህም ዋሺንግቶን ዲሲን ከባቢኡን


13 ጥቅምቲ 2008


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>