Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጢ ካበይ – ካብ ወጻኢ ዓዲ: ካብ ውሽጢ ዓዲ’ ዶ ካብ ሓድሽ ዓዲ

መንእሰይ: (ክቡር መንእሰይ ዘይበልኩኻ ኣይትሓዘለይ: ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኻ: ውሳነኻ ከይፈለጥኩ ከኽብረካ ስለዝኸብደኒ እዩ:: ስለዚ: ኣንታ መንእሰይ ጥራሕ ኢለ እንተጸዋኩኻ ኣይትጉሀ:: )   "ሰጊድ ሰላም" ኢልካን ደኒንካን ዝርከብ ለውጢ ይህሉ ይኸውን:: ካብ ዕግርግር ናብ ጸጥታ: ካብ ህውከት

መንእሰይ: (ክቡር መንእሰይ ዘይበልኩኻ ኣይትሓዘለይ: ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኻ: ውሳነኻ ከይፈለጥኩ ከኽብረካ ስለዝኸብደኒ እዩ:: ስለዚ: ኣንታ መንእሰይ ጥራሕ ኢለ እንተጸዋኩኻ ኣይትጉሀ:: )

 

“ሰጊድ ሰላም” ኢልካን ደኒንካን ዝርከብ ለውጢ ይህሉ ይኸውን:: ካብ ዕግርግር ናብ ጸጥታ: ካብ ህውከት ናብ ስቕታ የሰጋግር’ውን ይኸውን:: እዚ ለውጢ ምዃኑ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ: ተደላይ ዓይነት ለውጢ ምዃኑ ግን የጠራጥር’ዩ:: ከም ሓደ ለባም ዝበሎ: “ዝያዳ መካነ መቓብር’ዶ ብጸጥታ ዝተዓብለለ ቦታ ይህሉ? የለን:: ግናኸ ንኸምኡ ዓይነት ለውጢ ዲና ንቃለስ ዘለና” :: ምናልባት እቶም “ንጸጥታን/ስቕታን” ምስ “ሰላም” ዝሓዋውስዎ: ካብ መጎታዊ ግን ድማ ዋዕዋዕታ ዝበዝሖ ክትዕ ህያዋን: ስቕታን ጸጥታን ትንፋሶም ዝሓለፈት ግኡዛት ዝመርጹ: “ኩሉ ሓደ’ዩ” ክብሉ ይኽእሉ ይኾኑ:: ንስኻ መንእሰይ ግን ሰላም በይኑ ስቕታን/ጸጥታን በይኑ ምዃኑ ፈላሊኻ ፍለጦ::

 

ከምቶም ዝሓዋውሱ ዓይነት ሰብ ወይ ወገን እምበኣር: “ሰላም ንግበር” ወይ ድማ “ሰላም ግበሩ” ምስ ዝብል: ወይ ድማ ብውርጹጽ ዝመሰል ኣዘራርባ: ብወረጃ ዝመስል ኣቀራርባ: “ሰላምን” “ሰላማውነትን” እናጠቐሰ: ንርእሱ ክዓቢ: ንዓኻ ክገንሕ ክፍትን እንከሎ: “ስቕ በሉ” ወይ ድማ “ጸጥታ ይከበር” ምስ ዝብል “ግበር ኣይትግበር” ዝትሕዝቱኡ ወተሃደራዊ ዝመስል ትእዛዝ ይህብ ከምዘሎ ኣይትስሓቶ:: ብርግጽ: ኣብ ንቡር እዋን ስቕታን ጸጥታን ዝጽላእ ኣይኮነን:: ስቕታ ወርቂ ዝኾነሉ እዋን’ውን ኣሎ:: እንተኾነ ግን ኣብ ቦታ መቓብር እንከለኻ: ከብድኻ ተረጊጹ እንከሎ: “ስቕ በል: ስቕታ’ኮ ወርቂ’ዩ” እናበለ ዝተሰመመ-ምኽሪ ዝህብ: መንነቱ ቀሊዑ ይገልጽ ከምዘሎ ተረዳእ::

 

ንስኻ ግን መንእሰይ: ስለ መሰልካ ብዓውታ ይትረፍ’ዶ ሰባት ኣኽራናት ክሳብ ዝነቓነቑ “ይኣክል” እናበልካ ጨድር:: ብነድሪ ድምጽኻ ዝርበሽ – ይረበሽ:: ካብ ጥዑም ድቃሱ ዝበራበር – ይበራበር:: ድምጽኻ ንሓደ ኣብ ምቾት ዘሎ እንተዘይጠዓሞ – ይኾርክሓዮ ዝያዳ ጨድር::

 

እቲ ከብድኻ ረጊጹ ዘሎ መሓውር ብፍቶትን ብልማኖን ዝእለ ስለዘይኮነ: ሓደው ናብራ ምስቲ ጨካን ተላመዶ: ሓደው ድማ ድምጽኻን ሓይልኻን ኣኪብካ ብቕልጽምካ: ብበትሪን ብጭማራን ንረጊጹካ ዘሎ መሓውር እለዮ:: ገለ ነዛ እዋን ለሚኖም ክወጹዋ ዝምነዩ ስዑራት ኣእምሮ: ገለ ድማ ተዳናገጽቲ ፈተውትን ኣዝማድን ረገጽቲ: “ጎነጽ ኣይፈቱን: ኣይድግፍን: ንመጻኢ ዘናብር ኣይኮነን” ክብሉኻ እዮም:: ሓቂ እዩ:: ጎነጽ ጽቡቕ ኣይኮነን:: ንወለዶታት እናተጓነጽካ ክትንበር’ውን ጽቡቕ ልምዲ ዝገድፍ ኣይኮነን::

 

ነብሰ ምክልኻል ጎነጽ ኣይኮነን

 

ነቲ ጽቡቕ ናይ ዘይምጉናጽ ልምዲ ዝሰበረ: ናይ ፈለማ ተጓናጺ ግን: እቲ ኣእጋሩ ኣብ ኣፍልብኻን ከብድኻን ኣንቢሩ ደፊኡካ ዝነብር ዘሎ እዩ:: እቲ ከብድኻ ረጊጹ ደው ኢሉ: “ይቕረታ ሕተት” “ናይ ጣዕሳ ፈርም” እናበለ ዘሽካዕልለካ ዘሎ ዩ:: እቲ ኣብታ ዝተወልድካላ መሬት ብነጻ ከይትንቃሳቐስ ኣሰርቲ ኣዋፊሩ ዝቐየደካ: ካብኡ ሓሊፉ ዘባረረካ: ብሒም ዝበሉን ዘይበሉን ኣሕዋትካ ኣብ ጎዳጉዲ ዘስፈረ’ዩ:: ናብታ ዝተወለድካላ መሬት ንሓዋሩ “ኣይትምለስን ኢኻ” እናበለ በትሪ ዘዋጣውጥ’ዩ:: ንሱ እዩ እቲ ተጓናጺ:: እቲ ጎነጽ ዘይፈቱ ንዑኡ እንተተቓወሞ’ዩ እቲ ልክዕ:: ንዝተበደሉ “ኣይትጓነጹ” እናበሉ ክመኽሩ ዝመጹ ግን: ሰብ ድሓን ከምዘይኮኑ ተረዳእ:: ብመሰረቱ ንስኻ እትገብሮ ምጥቃም ሓይሊ: ነብሰ ምክልኻል ክሳብ ዝኾነ ተጓናጺ ኣይኮንካን:: ስለዚ ንህላወ ነብስኻ ብዘለካ ሓይሊ ተኻላኸል:: ብረት ሒዙ ዝመጻካ ብብረት: መድፍዕ ሒዙ ዝመጻካ ብመድፍዕ:: ቅድሚ ሎም ኣብ ታሪኽ ዓለም መድፍዕ ዝሓዘ መላኺ ብልማኖን ብ”ተገፍዑለይን” ንምልኩ ዝሓደገ ተራእዩ ኣይፍለጥን: ሎም ክጅመር ኣይትሕለም:: ስለዚ ዘላትካ ምርጫ ቅልጽምካ’ያ:: ንመሰልካ በትርኻ ኣልዕል:: ንንጹሃት ኣይትበድል: በደለኛታት ግን ፈሊኻን ሕርሕራይ ጌርካን ክሳብ ዘሕምሞም ደስቆም::

 

ቃልሲ ንሓርነትካ

 

እዚ ኣካል ቃልሲ ህዝቢ’ኳ እንተኾነ: ንኻልኦት ጥራሕ ኢልካ እትገብሮ ሓለፋ ኣይኮነን:: ከምኡ እንተኾይኑ’ሞ: ብስመይ ኣይትቃለስ ዝብሉ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ተጠቀምቲ’ቲ መላኺኻ ዝኾኑ ክመጹ እዩም:: ሓቆም ድማ: ብዘይፍቓድ ሰባት ብስሞም ክትቃለስ ኣይትኽእልን:: እቶም “ይቃለሰልኩም” ኣለኹ ትብሎም ዘለኻ ወገን ምስ ናትካ ኣተሓሳሳባ ኣይሰማማዕን ክብሉኻ መሰል ኣለዎም:: ንስኻ’ውን: ከምቲ ዝሓለፈ ዝተገብረ: “ተጋዲለልካ” “ተቓሊሰልካ” ኢልካ ክፍሊት ወይ ሓለፋ ካብ ህዝቢ ክትጸበ ንቡር ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ይኸውን::  ቃልስካ ብቐንዱ ንነብስኻ ዩ:: ካብኡ ሓሊፉ ቃልስኻ: ምእንቲ ‘ቶም ይብዝሑ ይውሓዱ ከም ናትካ ዓይንት ግፍዒ ወሪዱዎም ምሳኻ ብሓባር ክቃለሱ ዝተስማምዑ እዩ:: ካብ ብመሰረቶም ምሳኻ ዘይሳማምዑ ተቐባልነት ክትረክብ ንኸንቱ ህርዲግ ኣይትበል:: ምስ ግቡዛት ኣብ ናይ ህቡብነት ውድድር ኣቲኻ: ዓለምካ ኣይተጽብባ::

 

ነቲ ብስምካ እትገብሮ ቃልሲ ጣቕዒት ወይ ወደሳ ኣይትድለየሉ:: ኣብቲ ብስምካ እትገብሮ ቃልሲ ብሰንኪ ነቐፌታን ጸርፍን ናይ እኽብካብ: ዋላ’ውን ይብዝሑ: ኣይኮለፍ:: ምኽንያቱ : ንስኻ ተረጊጸ’የ እናበልካ: ስምብራት መርገጽትኻ እናረኣኻዮ: ቃንዝኡ እናስተማቐርካዮ: ኩሉ ኣማራጺታት ምስ ፈቲንካ ምስ ወዳእካ: ናብታ ናይ መጨረሻ ውሳነ ንነብስኻ ምኸላኻል ክትበጽሕ “ፍቓድ” ብዙሓት ይኹኑ ውሑዳት ኣየድልየካን እዩ:: እዚ ባህ ዘይብሎ ስረ ወድዩ ኣብ ቅድመኻ ደው ይበል:: ንዝበደለካን እናበደለካ ክቕጽል ዝደሊን ነግ ፈረግ ከይበልካ ዋጋ በደሉ ምለሰሉ:: እዚ’ዩ ከም ሰብ ዘኽብረካ:: እዚ ነብሰ ምክልኻል’ዩ:: ከምኡ ዘይትገብር ወይ ዘይትድግፍ እንተኾንካ: ኣፍንጫኻ ዘርከበን ዘይርከበን እናኹረፈካ: እናደመኻ ምኽምስማስ እትፈቱ ሓሞቱ ዝፈሰሰ ፈራሕ ኢኻ::

 

ባህሊ ይቕረ ምብህሃልከ ?

 

ኣብዚ “እቲ ክቡር ይቕረ ናይ ምብህሃል ባህሊ ናበይ ምስ ከደ: ኢኻ በትሪ ዘልዓልካ?” ዝብሉ’ውን ክመጹኻ እዮም:: እዚኦም’ውን ሓቆም እዮም: እቲ ባህሊ ክቡር እዩ:: እንተኾነ ግን ኣብ ባህልና ይኹን ባህሊ ካልኦት: ኣምር “ይቕረታ”: እቲ በዳሊ ዘበግሶ ተግባር እምበር: ተበዳሊ “ይቕረ ክብለልኩም: መሓሩኒ” እናበለ ዝልምኖ ብህሎ ኣይኮነን:: ኣብ ርእሲኡ: ይቕረታ ማለት በደላት ብ “ዕበጦ ዕበጦ” ተሸፋፊኑ ይትረፍ ማለት ዘይኮነስ: ንነብስ ወከፍ በደል ዋንነት ክውሰደሉን: በዳሊ ብሳልሳይ ኣካል ዘይኮነ ገዛእ ርእሱ ወኪሉ ምስ ሓተተ ተበዳሊ ባዕሉ ዝህቦ ሓለፋ’ዩ:: በደሉ ዘይኣመነ ይቕረ ክብል ኣይክእልን’ዩ:: ብሓደ ወገን “ኣነ ኣይበደልኩን” እናበለ በቲ ኻልእ “ይቕረታ” ዝብል ግን: ንኩነታት ክምዝምዝ ዝጸሓፎ ባዕሉ ዝድምስስ ተበላጺ እዩ: ዘረብኡ ዋጋ ሰለዘይብሉ ኣይትእመኖ:: ግዝየኻ አይተጥፍእ:: ስለዚ ጉዳይ ይቕረታ: በደልትኻ በደሎም ዘኪሮም ክሳብ ዝናስሑ: እንተረሳዕካዮ ይሕሸካ:: ጉዳይ’ካ ብቕልጽምካ ፍታሕ::

 

ዝተሰመመ ምኽሪ

ኣብዚ ብፍላይ :ኣብ ወጻኢ እንተለኻ: ዝመጽካ ኽፍኣት ዝተመልአ ምኽሪ ኣሎ: ” ሓቅኻ ነርካ: ግን ኣብ ወጻኢ ኮንካ እንታይ ኢኻ’ሞ ክትገብር? ዝግበር ነገር የለን::” ይብሉኻ::  ምስኣ ኣስዕብ ኣቢሎም: “እሞ ኣብ ዓዲ ኬድካ’ኸ ኣሕዋትካ ዲኻ ክትቀትል ?” ይደግሙልካ:: እዘን ብደጊአን ኣብ ቅንዕና ዝተመስረታ ዝመስላ ኣዘራርባታት: ምስ ደመርካየን: ሕመረተን “ኣብ ዓዲ ኣይትወሳወስ: ኣብ ደገ ድማ ትም በል” ዝብል ክኸውን እንከሎ: ቀንዲ መልእኽተን “ኣብ ዘለኻዮ: ስቕ በል: ተኾርሚኻ ኮፍ በል::” ማለት ምዃነን ኣይትረስዕ:: በሃልተን እንተስ ብውንኦም እንተስ ብገርሆም ኣብ ኩናት ስነ ኣእምሮ ዝተሳዕሩ ድኹማት ስለዝኾኑ: ካብ ከምዚኦም ዓይነት’ውን ምኽሪ ኣይትቀበል:: ክትካትዖም’ውን ግዝየ ምጥፋእ ጥራሕ እዩ::

 

ዝተሳዕረ ምኽሪ

 

ምናልባት መስመርካ ኣሚኖምሉ ክንሶም: “በይንኻ ትገብሮ ነገር የለን: ስለዚ ትም በል” ዝብሉ ከምዘለው’ውን ኣይትስሕቶን ትኸውን:: እዚኦም ኣብ ባሕሪ ፍርሒ ጥሒሎም: ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኦም ዘለው ሰባት ምዃኖም ዘክር:: ካብ ከምዚኦም ምኽሪ ኣይትቀበል:: ምኽሪ “ኣይከኣልን’ዩ” ኢሉ ዝጅምር ሰብ ኣይትስማዕ:: ምኽንያቱ: እቲ ንሱ ዘቕርበልካ ጻውዒት ንሓባራዊ ልማኖ ዩ:: እናለመነ ዝቃለስ ሰብ: ኣብ እቶን ክኣቱ ዝመረጸ በረድ እዩ::  ይመኽኽ ጥራሕ ዘይኮነ: መኺኹ ሓዊ የጥፍእ:: ስለዚ እታ ሽግ ርእሰ ምትእምማንካ ተኸናኸና:: ብፍርሒ ዝተንከፋ ይለብለብ:: ዝፈርሓ ኣይቕረባ: ምእንቲ ሰናይ ክብ ዘብላ ተባዕ ግን ረገጽቱ ዘባርረላ ኣጽዋር ትኹኖ:: ምናልባት ብኽፍኣተ ተበጊሱ ከጥፍኣ ዝሕልን እንተሎ ግን ይጥፋእ – ብምምህላል ዘይኮነስ: ብግብሪ: ብተግባር ኢድካ::

 

ዝኾነ ኣብ ዓዱ: ሕጊ ሰብኣውነት ኣኽቢሩ ክነሱ ከም ድልየቱ ክኸውን ዘይክእል ሰብ: ነቲ ብሓይሉ ዝረገጾ ብሓይሉ ክምክቶ መሰል ኣለዎ:: መንእሰይ ኤርትራ: ሕጊ ሰብኣውነትን ሕጊ ግዝኣተ-ሕጊ ዝኽበረለን ሃገራት ኣይተፍርስ:: ሕጊ መለኽቲ ግን ርገጾ: ከምዝረገጽካዮን: ብሕጂ’ውን ደጋጊምካ ከምትረግጾን ብዓውታ ኣውጅ:: ኣይፍራሕ: ኣይትድነን::

 

ኣይትድነን

 

መንእሰይ ኤርትራ: ነዛ “ኣይትድነን” ትብል ምኽሪ ከም ትፈልጣ ይፈልጥ እየ:: ግና “ኣይትድነን” እትብል መልእኽቲ ንውሑዳት  መለኽቲ ጥራይ ጌርካ ኣይትረድኣያ:: ስለዚ: ምሉእ ስእሊ ክህበካ መታን እዚ ክውስኸልካ::

  • ንበለካ ለኽዓካን: ዋንኡ ዘይፍለጥ ዘይተጻረየ ወረ ኣይትድነን
  • ንጭብጢ ዘይብሉ ሃለውለው ኣይትድነን
  • ንድንቁርና ኣይትድነን
  • ንህዝቢ ጅሆ ሒዙ: “እንተዘይቋሪጽኩም ክቕጽሎ እየ” ዝብል ምፍርራሕ ኣይትድነን
  • ንምፍርራሕን ንዒግታ ስም ምክፋእን ፈሪሕካ ኣይትድነን::

 

ኮታስ ትፈርሖ ነገር ኣይሃልውካ:: ምስ ፍርህኻ: ይትረፍ’ዶ ንኻልኦት ሓራ ከተውጽእ: ንርእስኻ’ውን ግዙእ ኢኻ:: ዝደነነ ሰብ: እንግድዑኡ ኮረሻ መለኽቲ ክኸውን መሪጹ: ብፍታዉ መንነቱ ሓዲጉ መንነት ሰጋር በቕሊ ዝመረጸ ግኡዝ  እዩ:: ኣብ ዘይዳሱ: ዘይውራዩን ድማ ከኳድድ ይነብር::  ንስኻ ግን ትባዕ:: ንፈጣሪኻ ንሓቂን ሳየንስን ጥራሕ ተገዛእ::

 

መደምደምታ

እዚ ምስትገብር ንለውጢ ኣብ ዘላታ ኬድካ ክትደልያ ኢኻ:: እታ ናትካ ለውጢ: ምስቶም ኣብ ዓዲ ኮይኖም ዝክኣሎም ዝፍትኑ ዘለው የላን:: እታ ናትካ ለውጢ ምስቶም ኣብ ደገ ኮይኖም ዓቕሞም ዝገብሩ የላን:: ንለውጢ ካብ ባዕልኻ ካብ ውሽጥኻ ካብ ነብስኻ ድኣ ድለያ::  ሓቂ እንተሒዝካ እታ እንኮ ንጽል ድምጺ በይንኻ’ውን እምባታት ከምእተፍርስ ተኣማመን:: እዚ ዘይክኣል እንተመሲሉካ ደኒንካ ኣለኻ: ስለዚ ቅንዕ ኢልካ ንታሪኽ ተመልከት’ሞ ተመሃር:: ስለዚ ኮለል ኣይትበል:  ነታ እተድልየካ ለውጢ: ካብ ስረኻ: ካብ መዓንጣኻ: ካብ መሓውርካ: ዝያዳ ኩሉ ድማ ካብ ርእስኻን ብርእስኻን ድለያ: እምበር “ተባህለ” እናኮማሳዕካ:  ካብ ወጻኢ ዓዲ ዶ ውሽጢ-ዓዲ’ባ ወይ ድማ ካብ ሓድሽ-ዓዲ ኣይትድለያ::

 

ኣብ መወዳእታ መንእሰይ: ኣነ’ውን ናይ ትብዓት መልእኽቲ እናሃብኩ ኣይፈርሓካን: ኣየቃባጥረልካን’ውን:: ሰለዚ እታ መራር ሓቂ እንሀትልካ: እዚ ምስዘይትገብር: ምናልባት ምልኪ ዝፍተወካ ደናኒ ክትከውን ስለ እትኽእል: ትም ኢልካ ተመለኽ:: ኣይተቑረምርም::

ቢኮ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • weldu birhan January 15, 2015

    ናይ ሓቂ ሽሙን ዘለዎ ዓድን እንተዝገልጽ ድማ ነቲ መንእሰይ ብኣርኣያ ምተወከሶ ፣ብድሕሪ ዝተማህዘ ሽም ኴንካ ኣብ ክንዲ ዓስ ምባል ዓስ በለን ግን ኣየድምዕን እምበር መልእኽቲ ይበል እዩ።

  • goitom January 15, 2015

    aye chele zereba aab zteameka koynkas meneasey kid tetebes ane abzi koyne ketakealka eye hihihi…wedage mikri mirhana emo amanuel hibey ane kabtom kedamot zseabuka kikewun eye kkkkk….

  • AHMED SALEH !!! January 16, 2015

    The most affected part of our society are the
    young generation stranded in political turmoil
    to find themselves at darkness . We noticed the
    dangers they faced upon fleeing to escape from
    desperation .
    Thousands in foreign lands as refugees under mercy of strangers hand shouldn’t be alternative
    choice to seek for solution .
    For how long to hear their cries for help from far away across the ocean . Enough is enough &
    show courage to defend your right to live in peace . At the end of the day the victim suffers
    not observers like me and others at other corner.

  • ESMNS January 16, 2015

    ANES NETI HASABAT EYE NEBIBEYO,MEN XHIFWO ABEY KOYNU AYTEGEDESKULUN MKNYATU AGEDASI ETI HASABAT SLE ZMESELENI, EWE ETI HASABAT HAKI WEY AGEDASI ENTE KOYNU ANE ENTAY YGEBR ALEKU WEY ENTAY KGEBR ALENI EMBER NSU ABEY KOYNU XHIFWO AYEGEDSENIN EYOU HAWI KEYTNEDID MAY HAZ NZBELEKA NSKA DA MAY ZEYBLKA EILKA HAWI KTNEDID NAY TIENA AYMESLENIN ETI HASAB HAKI ENTE KOYNU KA ENTAY KGEBR ALONI DA BEL EMBER ENTAY GEYRU NINEBSU YHTET GDEFU ETI HASAB HAKI ENTE KOYNU ENTE REKIBKAYO GIN TEGBRO

  • blata January 22, 2015

    Hi Hagerawain
    If we need absolute and radical change it is very diffcult to accept so if we need the real change indvidual we have to start set our mind to posetive thinking at all matters this means we need to change our personal mind. then the other chnage is very simple we have to be rational and we have to be transparency we Eritrean have a great problem we know every thin inour mind but we couldnot took the reality that is our face independnce and freedom. fabrication of history the most disasterious condition of our nation. needs to be free.

POST A COMMENT