Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 9ይ ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 9ይ ክፋል ካብ ተዋስኦታት ዓሊ ዓብዱ

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 9ይ ክፋል

ካብ ተዋስኦታት ዓሊ ዓብዱ…..

ዓሊ ዓብዱ ፈታዊን ጸላኢን ንምልላይ ኮነ መጠን ተቓዉሞ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ንምዕቃን ዝጥቀመሉ መሳርሒ 03 እዩ። መቸም 03 ዓሊ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ስርዓት ብዓቢኡ ዝግልገለሉ፤ ቤት ጽሕፈት ዘይብሉን ዘይረአን ትካል ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸዉን ካብ ቤት ጽሕፈት ዓሊ ብመደብ ዝወጸ 03 ብመገዲ ገለ መሓዮታት ኣብ ዉሽጢ ሚኒስትሪ ዜና ተበተነ። እቲ 03፤ ‘ዓሊ ዓብዱ ካብ ሚኒስትሪ ዜና ክቕየር እዩ፡ ቅያሩ ድማ ኣምባሳደር ኣሕመድ ባዱሪ ክመጽእ እዩ’ ዝብል ነበረ። ዕላማ እቲ ወረ ንርእይቶ ናይቶም ብእከይ ተግባራት ዓሊ ዝተማረሩ ኣባላት ምጽናዕ ነበረ። እቲ ወረ ንከባቢ ክልተ ሰሙን ክናፈስ ምስ ቀነየ ኣብ መወዳእታ ሓደ መዓልቲ፡ “ጽባሕ ንግሆ ኣገዳሲ ኣኼባ ስለዘሎ ኩሉ ኣባል ኣብ ኣዳራሽ ‘ሃገር ሚድያ’ ክርከብ ነተሓሳስብ! ምትራፍ ኣይፍቀድን!” ዝብል ምልክታ ኣብ ኩለን ኮረድዮታት ተጠቀዐ። ነቲ ምልክታ ዘንበቡ ኣባላት “እዛ ወረ’ስ እምበኣር ጠሊላ! እዚ ፈገር ክቅየር እዩ ዝተባህለ’ስ ሓቂ እዩ ማለት እዩ። እዚ እንተኸይዱልና’ስ! ኣንታ ኣምላኽ!” እናበሉ ናይታ መዓልቲ ስርሖም ዛዚሞም ነናብ ገዝኦም ከዱ።

 

ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት 8፡30 ኩሉ ኣባል ኣብቲ መአከቢ ኣዳራሽ ኮይኑ ትሒም ትሒም እናበለ ተጸበየ። እቲ ዝተባህለ ኣኼባ ካብቲ ክጅምረሉ ዝግባእ ግዜ ብሓደ ሰዓት ምድንጓዩ ነቲ እኩብ ሰብ ኣሻቐሎ። ጸኒሑ ግን ኣቶ ሰለሙን በርሀ (ዘይወግዓዊ ኣማኻሪ ናይ ዘይወግዓዊ ሚኒስተር) በቲ ኣፍደገ ገጹ ደበኽ ምስ በለ እቲ እኩብ ሰብ ብሓንሳብ ድምጹ ኣጥፈአ። ኣቶ ሰለሙን ኣብ መድረኽ ደይቡ ጎረርኡ ድሕሪ ምጽራይ፡ “ይቕረታ ደንጒናኩም። ብዝኾነ እቲ ንሎሚ ዝተሓስበ ኣኼባ ብቴክኒካዊ ምኽንያት ተመሓላሊፉ ስለዘሎ ሕጂ ነናብ ስራሕኩም ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” በለ። እቲ ተስፋ ጌሩ ዝነበረ ሰብ ብምሉኡ ሰንበደ። እቶም ሓቂ መሲልዎም ኣፎም ዝሃቦም ክዛረቡ ዝቐነዩ ኣባላትን ገለ ብዱላት ሓለፍትን ድማ “እንታይ’ኮን ኢለ ነይረ” ኣብ ዝብል ጭንቀት ተዋሕጡ። መወዳእትኡ ድማ እቶም ዘረባታት ክእክቡ ዝቐነዩ እሙናት መሓዮታት ንዓሊ ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት፤ ኣብቲ ሚኒስትሪ ንዓሊ ዝጸልኡ ክንደይ ኣባላት ከም ዘለዉ ብኣስማትን ብዝሒን ተፈልጡ።

 

*   *   *

መቸም ኩሎም ሰበስልጣን ‘ህግደፍ’ ሰረቕቲን ዘመዉትን እዮም’ሞ ከም ዓሊ ዓብዱ ጓልን ገንዘብን ዘዕብዶ በዓል ስልጣን ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። ብፍላይ ኣብ ገንዘብ ዘለዎ ፍቕሪ መግለጺ የብሉን። ከምቲ ብኸመይ ዘይተኣደነ ገንዘብ ካብ ካዝና መንግስቲ ከም ዝሰርቕ ዝፈልጥ፤ ካብ ስግር ባሕሪ’ዉን ብኸመይ ገንዘብ እንዳማቱ ዘሚቱ ናብ ጁቡኡ ከም ዘእቱ ዝፈልጥ ሰብ እዩ። ሓደ እዋን ዝገበሮ ከዕልለኩም፦

 

“ቀጠልያ መጽሓፍ” (ኣልኪታብ ኣልኣኽደር) እትበሃል መጽሓፍ ሙዓመር ኣል ቓዛፊ ትፈልጡ’ዶ!? ቀጠልያ መጽሓፍ ልክዕ ከምታ ማኦ ንህዝቢ ቻይና ኣጸሊሉላ ዝነበረ ቀያሕ መጽሓፍ ዓይነት እያ። እዘን ክልተ መጽሓፍቲ ኣብ ትሕዝቶ ዝፈላለያ እኳ እንተኾና መንፈሰንን ተልእኾአንን ግን ሓደ ኢዩ። ንሱ ድማ ኣምልኾ ዉልቀሰባት! እታ ቀዳመይቲ ምስሊ ቓዛፊ ንምዕባይ እታ ካልአይቲ ድማ ምስሊ ማኦ መለኮታዊ ንምግባር ዝተጻሕፋ ኮይነን ጸሓፍተን ከኣ ባዕላቶም እዮም።……ናብቲ ዓሊ ዝገበሮ “ሽጣራ” ከስግረኩም። ዓሊ ዓብዱ ነዛ ካብ ሊብያ ሓሊፋ ኣብ ምሉእ ዓለም ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ንኽትረክብ ብስርዓት ቓዛፊ ብዙሕ ዝጉስጎሰላ ዝነበረ “ቀጠልያ መጽሓፍ” ካብ ዓረብኛ ናብ ትግርኛ ክትትርጎም ብምእዛዝ ነቲ ናይ ምትርጓም ስራሕ ኣሕመድ ዑመር ንዝተባህለ (ሕጂ ኣብ ኤሪ ቲቪ ሓላፊ ጨንፈር ዓረብ ዘሎ) ሓላፊ ኣረከቦ።

 

ኣሕመድ ዑመር ናብ ትግርኛ ምስ ተርጎማ ካብ ትግርኛ ናብ ትግረ ናይ ምትርጓማ ሓላፍነት ከኣ ንሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳዉሎስ ነታባይን ዝተባህሉ ክልተ ሓለፍቲ ተዋህበ። እታ መጽሓፍ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ተተርጒማ ምስ ተወደአት ዓሊ ምስ ሰሎሞን ድራር (ሓላፊ ምድላዉ ፖለቲካዊ ጽሑፋት ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ) ንዝነበሮ ዕርክነት ተጠቒሙ ነተን ክልተ ናይ ትርጉም መጽሓፍቲ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ከም ዝሕተማ ገበረ። ምትርጓምን ምሕታምን ናይዘን መጽሓፍቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝነበሮን ብኣፍልጦ ኢሳያስ ዝተገብረን እኳ እንተነበረ ኪኖ ፖለቲካዊ መልእኽቱ ግን ንዓሊ ዓብዱ ዝኸፈተሉ ናይ ስርቂ ኣፍደገ ይዓቢ። ዓሊ ዓብዱ ብፖለቲካዊ ስራሕ ኣመኽንዩ ዝሰርቕ ክኢላ ሰራቒ እዩ።

 

ክገርመኩም ኣብ ዉሽጢ “ቀጠልያ መጽሓፍ”፤ “ንቓዛፊ ዘይፈቱ ሊብያዊ ኣይኮነን” ዝብል ብንጹር ቃላት ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ኣሎ። እዚ ከምዚ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ መጽሓፍ ስለምንታይ እዩ ብኽልተ ዓበይቲ ቋንቋታት ኤርትራ ተተርጒሙ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ተደልዩ!?  ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ዕላምኡ ሕሱር ፖለቲካን ስርቂን እዩ። ኣበጋሲኡ ከኣ ዓሊ ዓብዱ! እቲ ፖለቲካዊ ዕላማ፤ ኢሳያስ’ዉን ልክዕ ከም ማኦን ቓዛፊን ናቱ መጽሓፍ ክሳብ ዝደርስ (ምናልባት ሰማያዊ መጽሓፍ ክብላ ሓሲቡ ይኸዉን። ምኽንያቱ ቀይሕን ቀጠልያን ብማኦን ቓዛፊን ተታሒዘን እየን) መራሒ ዝምለኸሉ መጽሓፍ ርኢና ዘይንፈልጥ ከይንኸዉን’ሞ ከይሕድሰና ብ”ቐጠልያ መጽሓፍ” ስነ ኣእምሮኣዊ ምድላዋት ጌርና ንኽንጸንሕ ዝተማህዘ ጥበብ ይመስለኒ። እቲ ከም ካልኣይ ዕላማ ዝተወስደ ድማ ስርቂ ስለዝነበረ፡ ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳዉሎስ ነታባይን ንመርኣያ ዝኸዉን ገለ ቅዳሓት ናይተን ክልተ ናይ ትርጉም መጽሓፍቲ ሒዞም ናብ ሊብያ ከም ዝገሹ ተገብረ።

 

ክልቲኦም ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ሊብያ ዑደት ብምግባር ምስ ላዕለዎት ካድራት ስርዓት ቓዛፊ ተራኺቦም ብዛዕባ’ቲ “ሚኒስትሪ ዜና ‘ህግደፍ’ ንቐጠልያ መጽሓፍ ንምስፍሕፋሕ ዝገበሮ ዘይተሓለለ ጻዕሪ” መብርሂ ኣቕረቡ።  እዞም ክልተ ልኡኻት ዓሊ ናይ ሊብያ መገሻኦም ፈጺሞም ናብ ኤርትራ ኣብ ዝተበገሱሉ እዋን ስርዓት ቓዛፊ ብዘይካ እቲ ብታሕጓስ ንመንግስቲ ህግደፍ ዝለገሰሉ ገንዘብ ንነፍስ ወከፎም 50 000 ዶላር ብመልክዕ ሽልማት ከም ዝሃቦም ተፈልጠ። ሱሌማንን ጳዉሎስን ኣስመራ ምስ ኣተዉ ነቲ ተሸሊሞሞ ዝመጹ ዶላራት ንኣሃዱ ፋይናንስ ሚ/ዜና ከረክብዎ፤ ቅያሩ ከኣ ብናቕፋ ክወሃቦም ብሓላፊ እቲ ኣሃዱ (ዓንደማርያም ስብሃቱ) ንዝቐረበሎም ጠለብ ብምንጻጎም ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ዓንደማርያምን ባእሲ ተፈጢሩ ከም ቈልዓ ናብ ሓድሕድ ምጥቕቃዕ ስለዝኣተዉ እቲ ምስጢር ንፋስ ክወቕዖ ግዜ ኣይወሰደን። እቲ ቐንዲ ዝገረመና ነገር ግን እዞም ክልተ ታሕተዎት ሓለፍቲ ስለ’ቲ ብእምነት ዘብጽሕዎ ልኡኽ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ገንዘብ ተቐቢሎም ንሓላሎም ክጥቀሙሉ እንተ ደኣ ተፈቒዱሎም እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ናይቲ ጉዳይ ዝነበረ ዓሊን ኣያኡ ኢሳያስን ደኣ’ሞ ክንደይ ተቐቢሎም ማለት እዩ!? ሓደ መዓልቲስ ይወጽእ ይኸዉን እምበር።

 

*  *  *

ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ኣቢሉ ይኸዉን ሓደ መዓልቲ ወ/ሮ ሳባ ሃይለ (በዓልቲ ቤት ኢሳያስ)ን ዓሊ ዓብዱን ሓንቲ መስሓቕ ተዋስኦ ሰርሑ። እቲ ተዋስኦ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓደ ንግሆ ኣብ ሰዓታት ስራሕ፤ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮይኑ ናብ ሓላፊ ኣሃዱ ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ኣቶ ተዋህዶ ገብረሚካኤል ይድዉል’ሞ ከምዚ ይብሎ፦ “ማዕጾ ኣፍደገ መንበሪ ፕረዚደንት ተበላሽዩ ስለዘሎ ሕጂ ንበዓል ሃብቶም ሰዲድካ ከም ዝዕረ ግበር፤ ክድንጉዩ የብሎምን ሳባ ትጽበዮም እያ ዘላ”። ኣቶ ተዋህዶ ኣይደንጎየን ንሃብቶም ካብ ክለብ ሚ/ዜና ኣጸዊዑ ነቲ ትእዛዝ ከም ዘለዎ ኣመሓላለፈሉ። ሃብቶም ነቲ ስራሕ ዘድሊ መሳርሒታትን ተሓጋገዝቱን ሒዙ በታ ዝተፈቕደትሉ መኪና ናብ ሬድዮ ማሪናዮ ኣምርሐ። ኣብቲ ገዛ ምስ በጽሑ ሳባ ነቲ ተበላሽዩ ዝተባህለ ማዕጾ ኣርኣየቶም’ሞ ሃብቶም ነቲ ብጎነጽ ዝተሰብረ ዝመስል ማዕጾ ርእይ ምስ ኣበሎ፤ “እዚስ ቀሊል እዩ” እናበለ ናይ ጽገና ስርሖም ጀመሩ።

 

ስርሖም ወዲኦም ናብ እንዳ ዜና ክምለሱ ምስ ተበገሱ ወ/ሮ ሳባ እኽለ ማይ ከይለኸፍኩም ካብዚ ገዛ ኣይትወጹን ኢላ ወጠጥ ስለዝበለቶም ሃብቶምን መሳርሕቱን “ካብ በልክስ ሕራይ” ኢሎም ኣብ ሳሎን ኣትዮም ተቐመጡ። በዓል ሃብቶም ኣብ እንዳ “ፕረዚደንት” ስለዝነበሩ ሓንጎሎም ዝተጸበዮ ዓይነት መግቢ እንታይ ከም ዝነበረ እዝግሄር ዋንኡ። ቁሩብ ምስ ጸንሑ ግን በቲ ወ/ሮ ሳባ ካብ ክሽነ ሒዛቶ ዝመጸት ኣብ መሰጣሕ ዝተዘርግሐ እንጀራን ጸብሒን ልብታቶም ተመሊሐን እየን። እቲ ኣብ መሰጣሕ ዝተዘርግሐ እንጀራ፤ እንጀራ ወዲ ዓከር ክኸዉን ከሎ ዝተጸብሓሎም ጸብሒ ድማ ጸብሒ ዓደስ ነበረ። በዓል ሃብቶም ብዉሽጦም ‘ነዚ ዲና ደኣ እዚ ኹሉ ዝተለመንና’ እናበሉ ምስ ተመገቡ ስለ’ቲ ዝተገብረሎም እንግዶት ኣመስጊኖም ናብ እንዳ ዜና ተመልሱ።

 

እዚ ዝትርኸልኩም ዘለኹ ካብቲ ሃብቶም ባዕሉ ዘዕለለኒ ዝወሰድክዎ እዩ………….

 

ብዝኾነ መጋበርያ ድራማ ዓሊን ሳባን ይኾኑ ከም ዝነበሩ ዘይተረደኦም እዞም ኣባላትና ብዛዕባ’ቲ ኣብ እንዳ ኢሳያስ ዝተመገብዎ መግቢን ዝረኣዩዎ ነገራትን ብግርህነት ምስ ዘዝረኸብዎ ኣባል ከዕልሉ ጀመሩ። “ወይለይ! ኣንታ ኣብ ገዛና ጥራይ ዝመስለና ዝነበረስ ኣብ እንዳ እዚ ሰብኣይ’ዉን’ባ ወዲ ዓከርን ዓደስን ይብልዓ እየን! ብፍላይ እቲ ገዝኡ እንተትርእይዎ! ሓደ መራሒ ኣብ ከምዚ ዓይነት ገዛ ክነብር ክትርኢ’ኮ ዝገርም ነገር እዩ!” ወዘተ ወዘተ በሉ። እቲ ዘረባታት መትሓዚ ኣይነበሮን። እቲ ዝገረመኒ ግን በዓል ሃብቶም ነዚ ኩሉ ዘረባታት ክዛረቡ ከለዉ “ዝረኣኻዮ ይዝረብ ድዩ!” ኢሉ ዝገንሖም ሰብ ዘይምንባሩ እዩ። ይዝከረኒ ኣብ ነሓሰ 2012 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ኤርትራዉያን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ “ኢሳያስ መንበሪ ገዛ ኣለዎ’ዶ የብሉን” ዝብል ክትዕ ተላዒሉ ገለ ተማሃሮ፤ “ኢሳያስ ገዛ የብሉን ዝበሃል’ሲ እታ ኤርትራ ብዓባያ ናይ ብሕቲ ገዝኡ እንድያ!” ኢሎም መልሲ ሂቦም ነይሮም። ብዝኾነ ኣብቲ በዓል ሃብቶም ዝዛረቡሉ ዝነበሩ ግዜ ሃብቶም ባዕሉ ንሓደ ዝተሰምዖ ዝዛረብ ኣባል ረኺቡ ነቲ ዝረኣዮ ምስ ኣዕለሎ፤ እቲ ኣባል ድማ “እሞ እንዳ ዓምና’ሲ ክልተ መጎጎን ክልተ ምድጃን እየን ዘለዋ ማለት እዩ” ኢሉ ምስ ኣባጨወሉ እቲ ከምኣ ዝበለ ኣባል ንሃብቶም ከላግጸሉ ኢሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓሊ በጺሑ መግናሕቲ ኮይኑ ተመሊስዎ ነበረ።

 

*   *   *

 

ብታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ፤ ወተሃደራዊን ጸጥታዊን ሓለፍቲ ‘ህግደፍ’ ቀዳማይ ዙር እገዳ ምስ ጸንዐ ዓሊ ዓብዱን የማነ ገብረኣብን ነናቶም ናይ ስራሕ ምቅሊት ወሲዶም (ዓሊ ንዜናዊ መዳዩ፤ የማነ ድማ ንፖለቲካዊ መዳዩ) ብናይ ዲያስፖራ ወይጦታቶም ኣቢሎም ኣብ ገለ ሃገራት ኤዉሮጳን ኣሜሪካን ናይ ተዋስኦ ሰላማዊ ሰልፍታት ወዲቦም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ክውድቡ ዘይምድላዮም ብዙሕ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነበረ። ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ‘ህግደፍ’ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ኣብቲ ቅንያት ነቲ እገዳ ብዝምልከት ኣብ ኮለጅ ማይ-ነፍሒ ንተማሃሮ ዝሃቦ መብርሂ ነይሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ገለ ሓያላት ተማሃሮ ንዓብደላ ከለፋልፍዎ ደልዮም፤ “ስለምንታይ ኣብ ወጻኢ ጥራይ ሰልፍታት ተኻይዱ? ኣብዚ’ኸ?” ዝብል ናይ ባጫ ሕቶ ሓቲቶሞ ነይሮም። ኣቶ ዓብደላ’ዉን ኣይሓመቐን፤ “እወ ሓቅኹም ኣለኹም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክካየድ እዩ” ጥራይ እዩ ኢልዎም። ብርግጽ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ዘይተደልየሉ ምኽያት “ንህዝቢ ደግፈና ኢልና ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ተዋስኦ ክንገብር ክንብል ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር እንተምሃርናዮ’ኸ” ዝብል ስግኣት ከም ዝነበረ ህዝቢ ባዕሉ ዝሰሓቶ ኣይመስለንን።

 

ደሓር ግን ነቲ “ስለምንታይ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ሰላማዊ ሰልፊ ዘይተወደበ” ዝብል ሕቶ ህዝቢ መዕበሲ ዝኸውን መደብ ክዉደብ ግዜ ኣይወሰደን። ወደብቱ ከኣ ዓሊ ዓብዱን ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጠፋ ኑር ሑሴንን እዮም ነበሩ። እዞም ክልተ ሰበስልጣን ነበር በቲ ዘዉጽእዎ መደብ መሰረት፤ ኣብ መንደፈራ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ፈረስ ዘጋልብ ዳስ ተዳልዩ፡ ከካብ ዓዱ ዝተዓደሙ ገጠምቲ፣ መደርቲ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መሻይኽን ካህናትን ተቐሪቦም ነበሩ። ኢሳያስ ኣብቲ ዕለት ኣብ ከባቢ መንደፈራ ኣብ ሓደ ሕርሻዊ ቦታ ዑደት ኣካይዱ ምስ ወድአ ምስቲ ብኽተት ዝተኣከበ ህዝቢ ተሰንዩ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ሓጺር ናይ እግሪ ዑደት ብምግባር ናብቲ ዝተዳለወ ዳስ ከም ዝኣቱ ተገብረ። እዚ ክብለኩም ከለኹ ግን ኢሳያስ ኣካል እቲ ተዋስኦ ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ብኣፍልጦኡ ዝተገብረ እዩ።

 

ነቲ ኹሉ ምድላዋት ብንጥፈት ዝዉድቦ ዝነበረ ኣብርሃም ዮዉሃንስ (እብር) ዝተባህለ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ነበረ። በቲ ዝወጸ መደብ መሰረት ኣብቲ ዳስ ክካየድ ዝተመደበ ናይ ደገፍ ስነ ስርዓት ምስ ጀመረ፤ እቶም ኣቐዲሞም ዝተቐረቡ ገጠምቲን መደርቲን ክለማመድዎ ዝቐነዩ ቃላትን ምስላታትን በብሓደ እናተቐባበሉ ደርጉሕዎ። ወዮም ኣቦ ተዋሳእቲ ዝኾነ ኢሳያስ ድማ፤ “ኣነስ ንኻልእ ዑደት ኢለ እየ መጺአ ነይረ፤ ከም’ዚ ዝመሰለ ኣጋጣሚ ይጸንሓኒ ኣይበልኩን። ነድሪ ናይ ህዝበይ ድማ ርእየዮ ኣለኹ” እናበለ ንሱ’ዉን መደርኡ ኣንጎድጎዶ። ንጽባሒቱ ኣቶ ዓሊ መንገሻ ሃብተ ንዝተባህለ ጋዜጠኛ (ኣብቲ እዋን ምክትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝነበረ) ጸዊዑ ነቲ ኣብ መንደፈራ ዝነበረ ሃዋሁ ዝገልጽ ነዊሕ ዓንቀጽ ኣመቂሩ ከዳሉ ኣዘዞ። እቲ መንገሻ ዘዳለዎ ዓንቀጽ ድማ “ብርሃነ ሃብተማርያም ካብ ጀርመን” ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ንድሕሪ ጽባሒቱ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ተሓቲሙ ወጸ። መንገሻ ኣብዚ እዋን ኣብ ስደት ኣሎ። ሽዑ በቲ ተግባር ኣነን ንሱን ዝሰሓቕናዮን ዝሓዘናዮን ሎሚ ኮይኑ ይረኣየኒ።

 

*   *   *

ዓመተ 2010 ተዛዚሙ 2011 ኣብ ምእታዉ ኢሳያስ ከም ወትሩ ናይ ሓድሽ ዓመት ቃለ መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ቅድሚኡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2010 ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዑደይ ይገብር ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ ብሰንኪ ሕዱር ናይ ጥዕና ሽግር ሃንደበት ወዲቑ ብሄሊኮፕተር ናብ ኣስመራ፤ ካብኡ ድማ ብቐጥታ ናብ ቀጠር ንሕክምና ተወሲዱ ነበረ። እዚ ክኸውን እንከሎ ብርክት ዝበለ ህዝቢ እንተላይ ጋዜጠኛታት፤ ሚኒስተራት፤ ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዓይኖም ስለዝረኣዩዎ ንእንዳ ህግደፍ ዘይትሕባእ ምስጢር ኮነቶም። ኢሳያስ ነቲ ናይ ሓድሽ ዓመት ቃለ መሕትት ኣብ ቐጠር ተሓኪሙ ምስ ተመልሰ ስለዘካየዶ ኣብቲ ቃለ መሕትት ቀዳመይቲ ሕቶ ብዛዕባ ጥዕንኡ ተሓተተ። ቅድሚ ኹሉ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኡ ንኽሕተት ዝጠለበ ባዕሉ ዓሊ ዓብዱ ነበረ። ስለዚ ድማ ንሱሌማን ዑስማን ዓበ ከምዚ ኢሉ ኣጉርሖ፦ “መጀመርያ ኩነታት ጥዕናኻ ከመይ ኣሎ ኢልካ ክትሓቶ ኢኻ። ህዝቢ ኣይጠዓየን ድዩ ደኣ እዚ ሰብኣይ ብዛዕባ ጥዕናኡ ዝሓቱዎ ዘለዉ ኢሉ ነታ ሕቶ መታን ከየቃልበላ ኣብ ክንዲ ብደረቑ ሓንቲ ሜላ ክትጥቀም ኢኻ። ቡን እናሰተኹም ሽኮር ከብዝሕ ከም ዝረኣኻዮ ኣምሲልካ ትሓቶ”።

 

ናብ ስቱድዮ ኣትዮም እቲ ቃለ መሕትት ምስ ተጀመረ ሱሌማን ነቲ ልሙድ መእተዊ ገይሩ ምስ ወደአ ናብ ሕቶታቱ ኣተወ። ከምዚ ኢሉ ከኣ ጀመረ፦  “ክቡር ፕረዚደንት ናብ ሕቶታተይ ቅድሚ ምእታወይ ዓንተቦ ቡን እናሰተኻ ሰለስተ ማንካ ሽኮር ክትገብር ርእየካ’ሞ ኩነታት ጥዕናኻ ከመይ ድዩ ዘሎ?” ኢሉ ሓተቶ። ልዕሊ እቲ ብዛዕባ ጥዕናኡ ንምሕታት ዝተገብረ ተዋስኦ ኢሳያስ ዝሃቦ መልሲ ኣመና ዘስደምም ነበረ። ብርግጽ ኢሳያስ ዘይተዳለወሉ ሕቶታት ስለዘይሕተት ከም ወትሩ እዛ ሕቶ እዚኣ ክትቀርበሉ ምዃና ብዓሊ ተሓቢርዎ ተዳልዩላ እዩ ጸኒሑ። ከምዚ ኢሉ ከኣ መለሰ፦ “ኣነ ከምዞም ሽኮርያ ኣላትኒ፤ ደም ብዝሒ ኣላትኒ ዝብሉ ኣይኮንኩን። ካብ ዝኾነ ጥዑይ እየ ዝብል ሰብ ንላዕሊ ጥዑይ እየ”። መቸም ንዝኾነ ሰብ ጥዕናኻ ከመይ ኣለኻ ኢልካ እንተተሓቲትካዮ “ጽቡቕ” ምባል ጥራይ ገላጺ እዩ። ‘ካብ ዝኾነ ጥዑይ እየ ዝብል ሰብ ንላዕሊ ጥዑይ እየ’ ምባል ግን ትዕቢት ጥራይ እዩ። ትዕቢት ካብ ምዃን ሓሊፉ ድማ “ክሞተልኩም ዲኹም ደሊኹም፤ ኣለኹ ክነብር እየ፤” ማለት እዩ።

 

*   *   *

 

ዓሊ ዓብዱ ንሚኒስትሪ ዜና ነጊሱሉ ጥራይ ዘይኮነ ምስሉ ንምዕባይ’ዉን ተጠቒምሉ እዩ። ኣጸቢቑ ኣብ ዘይፈልጦም ኣጀንዳታት ፈላጥ ኮይኑ ንምቕራብ ቃለ መሕትት ንኽግበረሉ ክሳብ ምሕታት እዩ ዝበጽሕ ዝነበረ። ሓደ እዋን ሊቕ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ኮይኑ ኣብ ኤሪ ቲቪ ብእንግሊዝኛ ቃለ መሕትት ከካይድ ደለየ’ሞ ኣብቲ መደብ ዘዋስኦም ሰባት ክረቁሕ ጀመረ። ዓንዶም ኣብርሃ ዝተባህለ ኣባል መጽሓፍቲ ተወኪሱ ብዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲናት ኣጽኒዑ ዓሊ ዓብዱ ኣንቢቡ ዝዳለወሉ ጽሑፍ ከዳሉ፤ ራፋአል ጁሰፐ ኣብ ስቱድዮ ብእንግሊዝኛ ክሓቶ፤ ገብረመስቀል ገረዝግሄር ነቲ ዓንዶም ዘዳለዎ ጽሑፍ ብድምጹ ኣብ ስቱድዮ ክቐርጾ፤ ዮሴፍ ኣረጋሃኝ ከኣ ነቲ ናይ ቪድዮ ዉህደት ክሰርሕ ነናቶም ምቅሊት ስራሕ ሂቡ ኣዋፈሮም። እቲ መደብ ተዳልዩ ኣብ ኤሪ ቲቪ ምስ ቀረበ እቲ ዝገርም ኣብቲ ዝተፈነወ ቪድዮ ጁሰፐ በታ ክሳብ ዓስራይ ክፍሊ ጥራይ ዝተማህራ እንግሊዘኛ ገይሩ ንዓሊ ዓብዱ ክሓቶ ከሎ ዓሊ ዝሃቦ ናይ እንግሊዝኛ መልሲ ከኣ ንካልኢታት ጥራይ ቅልቅል ኢሉ ይጠፍእ፤ በቲ ገብረመስቀል ዘንበቦ ናይ ትርጉም ድምጺ ድማ ይሽፈን ነበረ።

 

ዓሊ ነቲ ቃለ መሕትት ምስ ናይ ትግርኛ ትርጉሙ ከቃልሖ ምድላዩ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ከየገረመ ኣይተረፈን። ምኽንያቱ ትግርኛ ዝዛረብ ሰብ ብእንግሊዝኛ ቃለ መሕትት ገይሩ ምስ ትርጉሙ ከቕርቦ ዝደለየሉ ምኽንያት ብዘይካ ሕማም ነብሰ ምትሓት ካልእ ክኸዉን ኣይክእልን። እንግሊዝኛ ዘይምዝራብ ገበን ዝመስሎም ወይ ድማ ሓደ ጻዕዳ ጋሻ ክመጾም ምዃኑ ምስ ዝንገሮም ቤት ጽሕፈቶም ገዲፎም ከይሓበሩ ዝሃድሙ ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ዘይረኣየ ሰብ በቲ ናይ ዓሊ ዓብዱ ናይ ቪድዮ ተዋስኦ ብዙሕ ክግረም ይኽእል እዩ። መቸም ዓሊ ዓብዱ ይትረፍ ብእንግሊዝኛ ብትግርኛ’ኳ ኣቐዲሙ ዝተዳለወሉን ብመልክዕ ንባብ ዝምልሶን ቃለ መሕትት ከም ዝገብር ህዝቢ እንተዝንገሮ ክሳብ ክንደይ ምኣመነ ኢለ ክሓስብ ከለኹ ንባዕለይ ይገርመኒ እዩ።

 

ኣቶ ዓሊ በታ ብሓገዝ ተወልደ ወልደገብርኤል ብቐሊሉ ጠንቀላዕላዕ ክብለላ ዝኸኣለ ሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ኣቢሉ እዉን ምስሉ ከዕቢን ክሳብ ናይ መጻኢ ሕጹይ መራሒ ክበሃልን ክኢሉ እዩ። ተወልደ ወልደገብርኤል ዓሊ ብኢመይል ዝለኣኸሉ ሕቶታት ተቐቢሉ ተመሊሱ ንዓሊ ክሓቶ ከሎ ነቶም ንፈልጥ ብዙሕ እዩ ዝገርመና ዝነበረ። ንቃለ መሕትት’ሲ ክንዲ’ዚ ምድላዋትን ተዋስኦን እንታይ ኣምጽኦ ንብል ነበርና። ኣቶ ዓሊ ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዳርጋ ገዚእዋ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እንተደለየ ካብ ኣስመራ ንዝመሓላለፍ ጸብጻብ ሰናይት ሃብቱ ሳንሱር ገይሩ የሕልፎ፤ እንተደለየ ድማ ዝሕተቶ ሕቶ ባዕሉ ይዉስን።

 

ነዚ ኹሉ እናገበረ ኣብ ርእሲኡ ምስሊ ገለ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ካብ ኤሪ ቲቪ ንምኽዋል ብዙሕ ናይ ቈልዓ ስራሕ ይሰርሕ ነበረ። ንኣብነት ሓደ እዋን “ርዝን ንበል” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣዳልዩ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣዉጽአ። ትሕዝቶ እታ ጽሕፍቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ “መንግስቲን ግንባርን” ኣበይ ኣላ ካሜራ ኤሪ ቲቪ እናበሉ ዝሰርሕዎን ዘይሰርሕዎን እናተዛረቡ ኣብ ቲቪ ክረኣዩ ይደልዩ ከም ዘለዉን፤ እዚ ባህሊ’ዚ ድማ ኣንጻር ክብርታት ህዝባዊ ግንባር ምዃኑን ዝገልጽ ነበረ።

 

ዒላማ መጥቃዕቲ እታ ጽሕፍቲ በዓል መን ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ግን ግዜ ኣይወሰደን። ሚኒስተር ጥዕና ኣምና ኑርሑሴን ኣብ ዓዲ ዃላ ዑደት ኣካይዳ ዜና ምስ ተሰርሓላ ስእላ ኣብ ቲቪን ጋዜጣን ከም ዘይወጽእ ተገብረ። ብተመሳሳሊ ሚኒስተር ሕርሻ ኣረፋይነ በርሀ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዑደት ኣካይዱ ዜና ምስ ተሰርሓሉ ኣብ ጋዜጣ ኣብቲ ስእሉ ክልጠፈሉ ዝግባእ ቦታ ስእሊ ሓንቲ ላም ከም ዝጥቃዕ ተገብረ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ሙስጤፋ ኑርሑሴን ብምኽንያት በዓል ናጽነት ኣብ መንደፈራ መደረ እናስመዐ ከሎ ምስሉ ብካሜራ ንኸይሰኣል መምርሒ ተዋህበ።  ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኣመሓዳሪ ባንክ ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ተኪኤ በየነ “ካብ ሪቕ ሕፍንቲ” ዘርእስታ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ምስ ኣሕተመ ዓሊ ዓብዱ ንሰለሙን ድራርን ሚኪኤል ኣዶናይን ወዲቡ ብናይ ብርዒ ስም ንትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ዘቆናጽብን ንተኪኤ በየነ ዝዝልፍን ጽሑፋት ብተኸታታሊ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣሕተመ። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ዋና ዳይረክተር ቴሌቪዥን ኤርትራ ዝነበረ ኣቶ ግርማይ ገብረመስቀል ብምኽንያት ጽንብል መመረቕታ ሓወልቲ ፑሽኪን ሓንቲ ናይ ትርጉም መጽሓፍ ምስ ኣሕተመ ሕጂ’ዉን ሚኪኤል በርሀ ብናይ ብርዒ ስም ዝጸሓፎ ንስም ግርማይ ዘቆናጽብ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ክሕተም ቀነየ።

 

ብኣንጻር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ፤ ኣቶ ዓሊ ምስሊ ናይ ገለ ተመሓዝዩ ክረብሓሎም ዝደለየ ሓለፍቲ ንምስራሕ እዉን ተዋስኦታት ይሰርሕ ነይሩ ኢዩ። ንኣብነት ሓደ እዋን ሜ/ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ ካብ ሃማመተኤ ብዝቐረበሉ ዕድመ መሰረት ኣብ ከተማ ከረን ንመንእሰያት ዝሃቦ ሰዓታት ዝወሰደ ሰሚናር ብድምጺን ብቪድዮን ተቐዲሑ ኣብ ድምጺ ሓፋሽን ኤሪ ቲቪን ክቃላሕ ምስ ወርሐ፤ ኣርቲስት ሚኪኤል በርሀ ኣብ ሓደ ናይ ዕላል ኣጋጣሚ ንዓሊ ዓብዱ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮይኑ ከምዚ ክብሎ ሰማዕኩዎ፦ “ንመደረስ ስብሓት እዩ እምበር ፊሊጶስ’ሲ ብዙሕ ኣይኮነን። እዛ ሰሚናር ብስብሓት ክትቀርብ ነይሩዋ። ስብሓት ወተሃደርን ካድርን እዩ!”። ወዮም ዓሊ ድማ ትቕብል ኣቢሉ፦ “ስቕ ደኣ በል! ትብሎ ዘለኻ መዓስ ጠፊኡና፤ ክንሰርሖ ስለዝደለና ኢና እምበር፤ ፊሊጶስ ደኣ ኣይኮነን ከም ካድር ከም ወተሃደር ክትሓስቦ ከለኻ’ኳ ተምላስ እንድዩ ዘምጽኣልካ!” ኢሉ መለሰሉ። መቸም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓሊ ብስራሕ እትዉ ዉጽእ እንተ ደኣ ኣብዚሕካ ብዙሕ ዘይደለኻዮ ዘረባታት እዩ ናብ ኣእዛንካ ዝኣቱ። ኣቶ ዓሊ፤ እቲ በጺሕዎ ዝነበረ ብራኸ ናይ ስልጣን፤ ሰብ ሰምዓኒ ኣይሰምዓኒ ከይበለ ከም ድላዩ ንኽዛረብ ኣኽኢልዎ ነበረ።

ዓስራይ ክፋል ይቕጽል….

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • David February 28, 2013

    Amanuel Mahdere,

    Haqi yKun Hasot kmezi ygber neyru ilka tzareb ‘nte koynka bdHri Hji z’amneka seb trekb do ymesleka ?

    izi bahriyatka ab meSa’i ab nay sraHn tmhrtn Alem k’hasyeka yK’il iyu::

    ane yquaSaSereka yeleKun: tEzbtey TraH ‘ye zhb zeleKu::

    • Amam March 1, 2013

      Izi Amanuel yezentwo zelo kab bahri bchilfa iyu. Merihnet Hgdef bhiwet Eritrawuyan zlagex nay gebenegnatatin nay mahaymatin mitiekikab iyu. Please open your mind – even the main protagonist in the story has escaped after playing the killing game for so long. Please don’t try to intimidate or threaten anyone – that time is over.

  • yonas kidane February 28, 2013

    DAVID
    HAQI YKUN HASOT KEMZI YGBER AYNEBEREN ELKA TETZAREB’SIE DAVID ME’AMENEQA NERU KKKKKK AYE BEAL NSQA WEDI KNDEY AMET E’QA?

  • yonas kidane February 28, 2013

    DAVID
    MAY GERQA WEHATO KKKK

  • Hederi March 1, 2013

    Amanuel good job continue tell us more Ali Abdu’s trash behavior thank you great man

  • Hadnet March 1, 2013

    Why are you focusing on demonizing and attacking Ali Abdu? He has already left the regime. Now, Why don’t you focus on the big enemy? Some thing fishy here. And you are getting too obvious.

    • peace March 2, 2013

      great bro hadnet some sort of personal hatred wasting of time

  • Mesinas March 2, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ኣማኑኤል ማህደረ፡ በዚ ትገብሮ ዘለኻ ትረኻ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ፡ ሰባት እንታይነት ህግደፍን ኣሰራርሕኡን ዘይፈልጡ ኣብ ምንቃሕን ምጉራሕን ብቀሊል ዘይግመት ሓበሬታ ተማሓላልፍ ስለ ዘለኻ ብልቢ አመስግነካ። ኤርትራ ሃገርና ብኸመይ ትመሓደር ከም ዘላ ኸኣ ነቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ሕሱር ጸወታ ህግደፍ ኣእዳዎም ዘጨማልቑ ዘለዉ ሰባት፡ ንስረሖም ሕፍረት’ምበር ክብሪ ከምዘይስምዖምን ብሕብረተሰብ ከም ህግደፍን መራሒኡን ንዑቓት ከምዝኾኑን ንኽርደኦም ትገብር ስለ ዘለኻ፡ ኣጆኻ በርትዕ ብኡ ቀጽሎ፡ ካልኦት ድማ ከምዚ ናትካ ሃገርዊ ግቡኦም ኪፍጽሙ እናኣዘኻኸርኩ ደጊመ ከመስግነካ እደሊ።

  • peace March 2, 2013

    Bro Amanual mahdere
    This article is already outdated now ali abdu is as same you are he was following the orders if i may ask what about you what u did when were out there ? why you u didn’t write about mesfen hagos if you are for justice (betrey habuni zhmqu aleni }

Post a Reply to David Cancel Reply