ህዝቢ ብሪጣንያ 60 ሚሊዮን ኮይኑ ካብኦም ኣብ ነፍሲ ወከፍ 1,700 ሓደ ኤርትራዊ ኢዩ፡፡ ኣብ ከተማ ለንደን ጥራሕ ልዕሊ 355 ብሄራትን ቋንቋታትን እንዳ ሃለዋ ካብቶም ቅድሚ ሎሚ ጠቒስናዮ ከምዚነበርና ሎምዘበን (2008) ጥራሕ ዛጊት 30 መናሰያት ብኻራ ህይወቶም ክሓልፍ ከሎ፡ ንሕና ተቐማጦ ብሪጣንያ ዝኾና ኤርትራውያን ሓንቲ ጓልና ስኢንና ኣለና ፡፡
እዚ ዘይልሙድ ተርእዮ ኸኣ ንወለዲ ኣሰንቢዱዎም ይርከብ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ምስ ብዝሒ ህዝብና ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብረሾ ክርአ ኸሎ እቲ ድንገት ልዕሊ መጠንና ብምዃኑ ‘እዝግዮ’ ዘብል እዩ።
ሰሙን ይገብር፡ ሰበስልጣን ንኡስ ዞባ ላምበዝን ሳዘክን (ለንደን) ምስ ናይቲ ከባቢ ኤርትራውያን ሽማግለታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተራኺቦም እዚ ተርእዮ ከይድገም፡ ብትምህርቲ፡ ሕክምና፡ መንበሪ ክፍልታት፡ ጸጥታ ውዘተ ዝከኣኣሎም ክሕግዙ ድሉዋት ምዃኖም ቃል ኣትዮም።
ግን ነየኖት ኣእዛን! እቶም ዝነበሩ “ለባማት” ኤርትራውያን፡ ካብቲ ካልእ ህዝብና ዘፍሊ ስለዘይነበሮም፡ ከም ወትሩ ተኣኪቦም እምባኦም ከፍርሱ ተራእዮም። ነቲ ዝቐረበሎም መኣዲ፡ ሓቢሮም “ሃባ መዓር” ኢሎም ከይልሕሱ ደገርትን ተጻረርትን መንግስቲ ህግደፍ ኮይኖም ተፈላልዮም።
መዓስ ‘ዩ፡ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ ውልቃዊ እምነቱ ናይ ብሕቱ ገይሩ በቲ ሃገራውነት ተጠሚሩ፡ ማሕበረ-ሰባዊ ዕማማት ብሓባር ዘሰላስልን ተኣማሚኑ ዝነጥፍን።
ምዃን’ኳ ዘራጊ ክሳብ ዘሎ ጽሩይ ማይ ምስታይ ክንደየናይ ከይከኣል፡ ኤምባሲናን ጭፍርኡን ኣእዳዎም ክሳብ ዘይኣከቡ፡ ኣእዳው ኮሚኒቲና ክወሳወስ ዝኽእል ኣይመስልን።
ነዚ ናይ መንእሰያት ገበንን ናዕብታትን ንምውጋድ መንግስትን ግብረሰናያትን ዓዲ እንግሊዝ ዓጢቖምሉ ኣለዉ። ሲቲ ብሪጅ ትራስት ዝብሃል ማሕበር ጥራይ ካብዚ ወርሒ ‘ዚ ጀሚሩ ን5 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝውዕል £75 ሚልዮን ባጀት ሰሊዑ ኣሎ። ንሕና ግን ዛጊት ኣይተዓተቕናን። ሃየ ደኣ ምስትውዓልና ኣብሊሕና ማሕበረኮምና ነደልድል መንእሰያትና ድማ ንሓብሕብ። መጻኢና ንሳቶም እዮም።
ብርሃነ ወለገብሪኤል
ለንደን