Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓገዝ ንጽጉማት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ

ብጻይ ካሕሳይ የሕደጎ ኤርትራዊ  ኣባ መጋቢ - ኤርትራዊ ካርልሃይንዝ  ቦሀም/Karlheinz Boehm -   ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም  ዝኾነ  ሕያው ፍጥረት  ተፈጢሩ ንዘልዓልም  ዝነብር የለን። ከመይ እቲ መንፈሳዊ  በትሪ  ቅልጽም  ካብ ሓመድ ናብ ሓመድ ዝብል ኣምር ስለዘሎ። ስለዚ ከኣ መዋእል 

ብጻይ ካሕሳይ የሕደጎ

ኤርትራዊ  ኣባ መጋቢ

– ኤርትራዊ ካርልሃይንዝ  ቦሀም/Karlheinz Boehm –

 

ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም  ዝኾነ  ሕያው ፍጥረት  ተፈጢሩ ንዘልዓልም  ዝነብር የለን። ከመይ እቲ መንፈሳዊ  በትሪ  ቅልጽም  ካብ ሓመድ ናብ ሓመድ ዝብል ኣምር ስለዘሎ። ስለዚ ከኣ መዋእል  ዕድመና  ይንዋሕ ይሕጸር፡ ይጻጽዕ ይጸንክር፡ ንጥመ ንጽማእ፡ ንድከ ንጽገብ ንሃብትም፡ ንደንቊር  ንመሃር ንበልጽግ፡ ብዘየገድስ  ዜርና ዜርና ካብ ሞት ከነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እሞ ደቂ ሰባት እዚ እንዳፈለጥናን እንዳተረዳእናን ድኣ ነዛ ዘይትጠቅም መዋእል ዕድመና ስለምንታይ ኢና ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ባእሲ፡ ኣብ ክንዲ ምትሕግጋዝ ዓመጽን ጭቆናን ግፍዕን ኣነዘውትረላ።

ታሪኽ ከምዝምስክሮን ኲልና ከኣ ከምእንፈልጦን ኦስትርያዊ  ስነ ኪነጥበባዊ ካርልሃይንዝ  ቦሀም  ኣብ ጊዜኡ ካብቶም ኣዝዮም ዝተፈልጡን  ህቡብ ን ተዋሳኣይ ፊልም ኢዩ ነይሩ። ንሱ ዝተዋስኣሉ ፊልምታት ክሳብ ሕጂ ዝተፍቶን ዝድንቕን ኢዩ። ንሕና`ውን ኣብ ዕድመና ዘርከብናሉ ካርልሃይንዝ ነቲ ክንደይ ሚልዮናት ገንዘብ ዘእትወሉ ዝነበረ ሞያ ጠንጢኑ ኣብ ሰማንያታት ኣብ ዘመነ ደርግ ናብ ኢትዮጵያ ብኣካል ብምኻድ ንዝጠመዩ ክዕንግልን ንዝተጨነቑ ክሕግዝን ተራእዩ። ነዚ ሰናይን ቅዱስን ተግባራቱ ምስ ረኣየት ዓለም ከኣ ካብ ብዙሓት ገበርቲ ሰናይ ማኅበራትን ውልቀሰባትን ደገፍ ረኺቡ  ነቲ ዝሓዞ መደብ ሥራሓት ብዝያዳ ኣማዕቢሉ ኣብያተ ትምህርትን ሕክምናን ከምኡ`ውን ጽሩይ ማይ ዝስተን ዝተፈላኣለየ ናይ ሕርሻ ልምዓትን  ዝተፈለለዩ ኣርባሕቲ ፕሮጀክታትን ብምክያድ ንማእለያ ዘይብሎም ሕዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጥፍኣትን ዕንወትን ከድሕን ክኢሉ።ንዝተገበረሉ ዓቢ ሓገዝን መዓላን ንምምስካር  ንጻዕርን ድኻምን ካርልሃይንዝ ዝተረድአ  ሕዝብን መንግሥትን  ኢትዮጵያ ኣማስያኡ ናይ ክብሪ ኢትዮጵያዊ ዜግነት ሂቡዎ ድሕሪ ካብዛ ዓለም ዕድመ ጸጊቡ ብሞት ምፍላዩ ከኣ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ተሰሪሑሉ። ወዲ ሰብ ታሪኹ ኢዩ ነባሪ !  እዚ ቊንጫል ካብ ታሪኽ ካርልሃይንዝ ድኣ ኢየ ጠቒሰዮ ዘለኹ እምበር  እቲ ቊምነገሩን ዕዉት ምግባሩን ካባይ ንላዕሊ እትፈልጥዎ ከምዘለኩም ኣይስሕቶን ኢየ።

ብጻይ ካሕሳይ የሕደጎ ኣብ ንእስነት ዕድሚኡ ከም ኲሉ ኤርትራዊ ምእንቲ ድሕነት ሃገሩን ሕዝቡን ነጻነትን ሓርነትን ክቃለስ  ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ኣብ ማኅበር ሰራሕተኛታ ተመዲቡ  ተቓሊሱ ዘቃለሰ ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብ ጎረቤት ሃገራት ኣዕራብን ኣውሮጳን ተሰዲዱ እውን ደኺመ ከይበለ ኣብቲ ዝኣምነሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድብ ተሰሪዑ ንሓያሎ ዓመታት ክእለቱ ኣመስኪሩ ኢዩ። ሕጂ`ውን  ዋላ እኳ ዕድሚኡ ንሰብዓታት ዝሰገረ  ምስኡ ተተሓሒዙ  እውን ናይ ጥዕና ጸገማት ክህልዎ ዝኽእል ውልቀሰብ  እንተኾነ ብዘየገድስ ምስ ዝኣምኖም  ብጾቱ ብሓደ ኮይኑ ንማኅበር ረድኤት ምዕባለ ኤርትራ ብምቛም  ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱሉ ዘሎ ሰፈራት/ መዓስከራት  ማይ-ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ሽመልባ፡ ክኒን፡ ቅኒቶ ወዘተ ..  ብምኻድ  ናይ  ሕክምና ኣገልግሎት፡ ዝተፈላለየ ንዋት፡ ምስራሕ ቤት ትምህርቲ፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ብዝያዳ ከኣ ነቲ ስደተኛ ሕዝቢ ብምእካብ  ዝተፈላለየ ጽንብላት ብምክያድ ዓቢ ናይ ተስፋ ሞራልን ኣስተምህሮን  ምሥጋና ንገበርቲ ሠናይ ብምሃብ  ብዝለዓለ ተወፋይነት ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ኣባ መጋቢ ወይከኣ  ኤርትራዊ ካርልሃይንዝ  ቦሀም ኢለ እንተሰመኹዎ  ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን። ኣፍልጦን ክእለትን ድኣ ይሓጽረኒ ኮይኑ እምበር ብርእይቶይ ንናይ ዓለም ኖበል ሽልማት ክስየም  ዝበቅዕ  ኤርትራዊ ኢዩ በሃላይ ኢየ። ከይሞተ ብህይወቱ እንከሎ ዝጸደቐ ፍጡር ! ። ብዝያዳ ንምእማንን ንምፍላጥን እቲ ኲሉ ዕማም ሥራሓትን ዕዉት ተበግሶን ብቪድዮ ተቐሪጹ ተዳልዩ ስለዘሎ ኣናዲኹም ብምርካብ ንኽትርእይዎ ምስ ሓደራ እላበው። ካልእ እንተተረፈ ኲሉ ኤርትርዊ ብሃገሩን ሕዝቡን ዝሓምምን ዝግደስን  ብሞራል ኮነ ብምኽርን  ንዋትን ክሕግዝ እዋናዊ መድረኽ ይጠልቦ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን መፍተል ሓበሬታ ኤርትራውያን ኣሰና ብሰፊሑ ንኣድማዒ ተበግሶ ማኅበር ረድኤት ንምዕባለ ኤርትራ ኣቃሊሑዎን ገሊጹዎን ዓቢ ጎስጓስን ሓገዝን እውን ኣወፍዩሉ ኢዩ። ብዶ/ር ኣስቴር ርስቶም ገ/ሚካኤል  ካብ ኢንድያ ናፖሊስ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ  STAR FOR A STAR  ዝብል ዝቆመ ናይ ሓኻይም  ማኅበር ምስ ማኅበር ረድኤት ምዕባለ ኤርትራ ተረዳዲኡን ተሰማሚዑን  ነቲ  ኣብዚ ላዕሊ ተጠቒሱ  ዘሎ መዓስከራት ስደተኛታት ብኣካል ብምኻድ ዕዉት ናይ ስኒ ሕክምና  ብምክያዱ  ዝምስገንን ዘተባብዕን ኢዩ። ፍሉይ ምስጋና ንዂሎም እቶም ኣባላት ኣብቲ ፕሮጀክት ዝተዋስኡ፡ ንሓወይ ቀሺ ርስቶምን ጓሉን፡ ንሓብተይ ህይወት ምስ በዓል ቤታ ኣቶ ኣለምን ከምኡ`ውን  ስሞም ዘይፈለጥኩዎም ካልኦትን፡ ዓቢ መርኣያን መምሃርን ስለዝኾንኩምና  ከማኹም የማስለና። ካብቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሐጉስን እንተድኣ ኣልዩ ኣብዚ መዓስከር ስደተኛታት ሕዝብና  ተጠርኒፉ ኣብ ውሽጡ  ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ኣዛውንቲ፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ወዘተ . . ብምቛም ርእሱ ንምኽኣልን ሽግሩ ንምፍታሕን ክቃለስ ክትርኢ ከለኻ ዘሐብን  ኢዩ። ሕዝብን  መንግሥትን ኢትዮጵያ ብዓቕሙ ዘካይዶ ዘሎ ምትሕብባርን ሓገዝን ከኣ ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን ምሥጋና ይብጽሓዮ።

ንሕና ኤርትራውያን  እንካብ ጥንቲ ብወለድትና ዝጀመረ ታሪኽናን ስነ ምግባርናን ከምዝምስክሮ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን፡ ኣመንቲ እግዚኣብሔርን ኃይማኖትን፡ ሰብ ባህልን ልምድን፡ ሰብ ሓቅን ርትዕን፡ ኣኽበርቲ ጓናን ኣጋይሽን፡   ኢና። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ድሕሪ ሠላሳ ዓመት ብርቱዕን ጽንኩርን ቃልሲ ነጻነትና ክንጭብጥ ክኢልና። ድሕሪ ነጻነትና ከኣ ሓርነትና ንምጉንጻፍ  ብዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ  ውድባትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ማሕበራትን ተጠርኒፍና  ዘይሕለል ቃልሲ ኣብ ምክያድ ንርከብ  ዓወትና ከኣ ናይ ግድን ኢዩ። ኣበው ኣቦታትና ክምስሉ “ሓምሳ ለሚን ንሓደ ሰብ ሰኸሙ ንሓምሳ ሰባትን ግን ፈውሲ“  ስለዝኾነ ንማኅበር ረድኤት ምዕባለ ኤርትራ  ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ  ብዝኽእሎ ዓቕሚ ክሕግዝ ምስ ለበዋ እምሕጸን።

ሕዝብና ከይጸነተ ከሎ  ሃገርና ከይጠፍአት ከላ  ብዓንቶብኡ ንቀዳደም !

ሰላም ዎ ሠናይ !

 

Eritrean Relief & Developmet Association e.V  /  ( ERDA e.V )

Sparkasse Karlsruhe Ellingen

IBAN :  DE08 6605 0101 0108 1082 27

SWIFT BIC:  KARSDE XXX

 

e.Mail:  Adminstaration@Relief.Eritrea.org

www.Relif-Eritrea.org

 

ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ

ሉድቮክስቦርግ/ጀርመን

21.12.2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 28, 2017

    God bless the hand that keeps giving.These unsung heroes and heroins are the ones who hold the fabric of our society together.A sincere thanks is not enough.

POST A COMMENT