Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ `ሃገራት ኣፍሪቃ እንዳ ጓሓፍ እየን` ብምባል ንዝሃቦ ጽዩፍ ርኢቶ ይቕሬታ ክሓተሉ ኣተሓሳሲቡ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዓቢኡ፡ እቲ ጽዩፍ ቃላት ትራምፕ `ዓሌታዊ` ምዃኑ ከምዘንጸባርቕ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶላንት ትራምፕ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ንፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ብዝምልከት ካብ ክልቲኡ ሰልፍታት ኣመሪካ ምስ ዝተወከሉ ሰነተራት ኣብ ዋይት-ሃውስ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባ፡  ሃገራት ኣፍሪቃ እንዳጓሓፍ ምዃነን ዝጠቅስ ጽዩፍ ርእይቶ ከምዝሃበ ኣብ ማዕከናት ዜና

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶላንት ትራምፕ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ንፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ብዝምልከት ካብ ክልቲኡ ሰልፍታት ኣመሪካ ምስ ዝተወከሉ ሰነተራት ኣብ ዋይት-ሃውስ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባ፡  ሃገራት ኣፍሪቃ እንዳጓሓፍ ምዃነን ዝጠቅስ ጽዩፍ ርእይቶ ከምዝሃበ ኣብ ማዕከናት ዜና ኣመሪካን ዓለምን ድሕሪ ምዝርግሑ፡ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝውክል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ  ነቲ ጽዩፍ ርኢቶኡ ይቕሬታ ክሓተሉ ኣተሓሳሲቡ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዓቢኡ፡ እቲ ጽዩፍ ቃላት፡ ትራምፕ `ዓሌታዊ` ምዃኑ ከምዘንጸባርቕ ገሊጹ።

እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ከምዝመስከሩዎ፡ ትራምፕ፡ ንኣፍሪቃ፡ ኤልሳልቫዶርን ሄይቲን ብዝምልከት ክትዕ ኣብ ዝተላዕለሉ ኣጋጣሚ፡ ` ስለምንታይ ኢና ካብዘን እንዳጓሓፍ ዝኾና ሃገራት ሰባት እነምጽእ` ክብል ከሎ፡ ብፍላይ ሓደ ካብቲ ዝቐረበ እማመታት ናብ `ግሪን ካርድ` ከምርሕ ከምዝኽል ምስ ተገንዘበ ድማ፡ `ስለምታይ ካብ ሄይቲ ተወሰኽቲ ሰባት የድልዩና፡ ኣውጽኡዎም፡ ነርወጃውያን ግዳ ዘይነምጽእ` ክብል ከምዝተዛረበ እዩ ዝንገር።

እቲ ዋሺንግተን ዝመደበሩ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ናይ ትራምፕ ዘረባ ብምዂናን ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ነዚ ጽዩፍ ዘረባ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ትራምፕ፡  ነቲ ኣብ ብዙሕነትን ሰብኣዊ ክብርን ከምዝምስረት ዝግለጽ ናይ ኣመሪካ ህላወ ከምዘራኸሶ ብምጥቃስ፡ ንኣፍሪቃውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ነቶም ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዜጋታት ይቕሬታ ክሓቶም ኣተሓሳሲቡ።

ኣማኸርቲ ትራምፕ ብኣግኡ ነቲ ርእይቶ`ቲ ኣይከሓዱዎን። ይኹንምበር፡ ትራምፕ ጸኒሑ ባዕሉ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ተሪር ቃላት ኳ እንተተጠቕመ፡ ነቲ ዝተባህለ ቋንቋ ከምዘይተጠቕመሉ ኣሉ ኢሉ።

እንተኾነ፡ እቲ ብተደጋጋሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓሌታዊ ርእይቶታት ዘዘውትር ትራምፕ ዝሃቦ ኣሉታ ኣማኒ ኣይረኸበን። ብቕንያቱ ድማ ኣብ ኣመሪካን ዓለም ተሪር ኩነነ ዝመልኦ ተሪር ነቐፌታዊ ግብረ መልሲ የጋጥሞ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ይገልጻ ኣለዋ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ሰብኣዊ መስለኣት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ `ዘሰንብድን ዘሕንኽን` እዩ፡ ብዘይካ ዓሌትነት ካልእ ዝገልጾ ቃል የልቦን ኢሉ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ቦትስዋና ብደብዳበ ተጸዊዑ፡ ብመንጽር እቲ ዝተባህለ ርእይቶ ቦትስዋና ከመይ ከምእትግለጽ መብርሂ ክህብ ክሕተት ከሎ፡  ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ፓናማ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ ከገልግል ከምዘይክእል ብምግላጽ ስንብታ ከምዝሓተተ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ኣመሪካ `ውን ኣባላት ኮንግረስ ደሞክራትስ ኮነ ሪፓብሊካንስ ዶናልድ ትራምፕ ዓሌታዊ ምዃኑ ብምግላጽ ንርኢቶኡ ይኹንኑዎ ኣለዉ።

ሓደ ሉዊስ ጉተረስ ዝተባህለ ኣባል ኮንግረስ ሰልፊ ደሞክራትስ፡ `ትራምፕ ዝተፈለየ ሕብሪ ዘለዎም ካብ ካልኦት ሃገራትን ህዝብታትን ዝመጹ ዜጋታት ከምዘይፈቱ ወትሩ ክንግንዘቦ ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ግን፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዓሌታዊ ፕረዚደንት ከምዝኾነን፡ ነቲ ኣብ ቅዋም ኣመሪካ ዘሎ ክብርታት ኣመሪካ ከምዘየኽብሮን ብምሉእ ርእሰ ምትእምማን፡ ክንዛረብ ንኽእል ኢና` ኢሉ።

ሓንቲ ካብ ኩባ ዝመበቆላ ኣባል ናይቲ ንሱ ዝውክሎ ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ብዙሓት ካብ ሄይቲ ዝመጽኡ ስደተኛታት ንዝነብሩሉ ከባቢ ደቡብ ፍሎሪዳ ወኪላ ዝተመርጸት ሰነተር `ውን፡ እቲ ናይ ትራምፕ ርእይቶ ይቕረ ዘይብሃሎ፡ ዘሕንኽ ዓሌታዊ ርእይቶ ምንባሩ ብምጥቃስ ኮኒናቶ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • almaz January 15, 2018

    He is a sack full of shit himself, so no worries what ever trump dump says will go to trush bin with him after 3 years. He has amassed money by steling the poor americans and he calls that smart. He has nothing to offer to the poor americans who are a pay check away from homelessness. Tweeting missiles of insults against the young smart leader of north korea explains the desperation of hollow old man called trump.

POST A COMMENT