Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ብምኽንያት ጉዳይ ፓትርያርክ እንጠንዮስ

እታ ብቡዛሓት ሃጸያት ተፈቲና ዘይተሳዓረት ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂ'ውን ብሃጸይ ኣሥመራ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ። "ንማሕበረይ ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን እዮም" (ማቴ 16፤ 18)። እቲ ድንጋጸ ዘይብሉ ስርዓት ኣሥመራ፥ ብጉዳይ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ዓቅሉ

እታ ብቡዛሓት ሃጸያት ተፈቲና ዘይተሳዓረት ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂ’ውን ብሃጸይ ኣሥመራ ኣብ ከቢድ ፈተና ትርከብ። “ንማሕበረይ ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን እዮም” (ማቴ 16፤ 18)።

እቲ ድንጋጸ ዘይብሉ ስርዓት ኣሥመራ፥ ብጉዳይ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ዓቅሉ ጸቢብዎ ከምዘሎ ካብቲ ዝገብሮ ዘሎ፥ ነቲ ልቢ ዘልዎ ከስተውዕሎ ዘጸግም ኣይኮነን። “ዓቅሉ ዝጸበቦ መቃብር ኣብኡ ፋሕተረ ከምዝባሃል” ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊእዎ ካብ ቁጹጽሩ ወጻኢ ከም ዝኾነ ካብ ኣሥመራ ብተዳጋጋሚ ይሕበረና ኣሎ።

ስርዓት ኣሥመራ ሓይሊ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ስለ ዝፈለጠ፥ ካብ 1991 ጀሚሩ ንቤተ-ክርስቲያን ንምቅጽጻር ዘይገበሮ ተንኮል ኣሎ ክባሃል ኣይካኣልን እዩ። ናይዚ ውጽኢት ድማ ቤተ-ክርስቲያና መጻወቲ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ክትከውን ጸኒሓን ኣላን። ኣብ ውሻጣ ኣትዮም ሓይላ ንምድኻም ኣብ ምንጎ ጳጳሳት ብምእታው ኣብ ንሕድሕዶም ከምዘይ ሳማምዑ ይገብርዎም ከምዝነበሩ’ውን ይፍለጥ። በዚ ዘይዓገቡ ጸላእቲ ቤተ-ክርስቲያን ቅድሚ 11 ዓመት ገበን ዘይተረኸቦም ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ብናይ ጸለመ ወረ (ባዶ 3) ብምዝርጋሕ ኣብ ማሕዮር ኣእተውዎም። ውጽኢት ናይዚ ድማ ከምቲ ዝደለይዎን ዝሃንደስዎን ኮነ። ቤተ-ክርስቲያን ተበቲና ጽልእን ቅርሕንትን ኣብ ሞንጎ ኣመንቲ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ዓበየ፥ ንምብታን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዓቢ ኣፈደገ ከፈተሎም።

ከም ኣብነት ኣብ 2011 ኣብ ዓባይ ብርጣንያ፥ ወዲ ገራህቱ ኣምባሳደር ኣብ ዝነበረሉ፥ ንቤተ- ክርስቲያን ተዋህዶ ንምብታን ቡዙሕ ጻዕሪ ከም ዝገበረ ክዝከር ይካኣል እዩ። ንህዝቢ ማንቸስተር ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ መድሃኔ-ዓለም ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸለመ ዘመተ ኣካይዱ ነበረ። እዞም ኣንጻር መንግስትና ዝኾኑ እንዳ መድሃኔ-ዓለም ማንቸስተር ካብ ኢትዮጵያ ዝምወሉ ተጠንቀቅሎም ናብኦም ዝኸዱ ኣይቅበሩ፥ ኣይፍትሑ፣ ንዓዲ ኣይኣትው ብምባል ብግልጺ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዘመተ ኣካይዱ ነበረ። ህዝቢ ይባላዕ ስርዓት ኣሥመራ ድማ ስልጣኑ የጣጥሕ ነበረ።

ሕጂ’ውን መሰረታዊ ጽሑፈይ፥ ካብ ናይ ትማሊ ዝተገበረ ጌጋ ንኽንማሃረሉ ብምባል እየ። ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ድሕሪ 11 ዓመት ሓቅነቶም ተመስኪርሎም፥ የቅሪታ ተሓቲቶም፥ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ቤተ-ክርስቲያን ክራኣዩ ክኢሎም እዮም። እዚ ኹሉ ድማ ስርዓት ኣሥመራ ዓቅሉ ከምዝጸበቦ ዘርኢ ምልክት እዮ። ምኽንያቱ የቅሪታ ከይሓተቱ ኣይወጹን እዮም ክብል ን11 ዓመት ክፍክር ከምዘይ ጸነሓ፥ የቅሪታ ተሓቲቶም ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ቤተ-ክርስትያን ምርኣዮም ክጻወሮ ዘይክእል ካብቲ ድቃስ ከሊእዎ ዘሎ ምኻኑ ብዙሓት ካብ ኣሥመራ ይእንፍቱ ኣለው። ናብ ምንበሮም ንኸይ ምለሱ፥ ብዙሕ ምስንኻላትን ምፍርራሕን ይገብር ከምዘሎ’ውን ዘይተኸወለና ምስጢር ኮይኑ ኣሎ።

ስርዓት ኣሥመራ ህዝቢ ተዋህዶ ንኸይማሃርን ብፍልጠት ከይዓብን ብዙሕ ተጻብኦ ክግብር ጸኒሒ ኣሎን። ምኽንያቱ ኩሉ ህዝቢ ተዋህዶ እንተ ነቂሑን ተማሂሩን መሳርሒ ዝኾነና ኣይንረክብን ኢና ካብዝብል ፍርሒ ምኻኑ ድማ ዘጣራጥር ኣይመስለንን። ካብዚ ብምብጋስ እዮም፥ ክሳብ ሕጂ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ መሳርሒ ክገብርዋ ዝደልዮ ዘለው። ኣብ ስደት’ውን እንተ ኾነ ብቶም ናቶም ኣገልገልቲ ካህናት ብምግባር ንህዝቢ ክቃጻጸርዎን ከፋራርሕዎ ከም ዝጸንሑ ባዕሉ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ክምስክሮ ዝኽእል ሓቂ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ነቲ ዝገብርዎ ዘለው ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ድምጺ ክትኩንኖም እካ ዝግባእ እንተ ነበረ፥ ሓይላ ስለ ዝቀየድዎ ስለ ህዝቢ ኤርትራ ይትረፍ ስለ ፓትሪያሪካውን እንተ ኾነ ብሓደ ድምጺ ክትማጎት ኣይካኣለትን። ብዓመጽቲ ታሓይራ ንሶም ዝመስከርሎም ንጹሓት ካህናት ይባሃሉ፥ ንሶም ዘይኣመንሎም ድማ ክጸረፉን ክካላበቱን ይራኣዮ ኣለው። ከም ኣብነት እቶም ጽላል ቤተ-ክርስቲያናን ህዝብና ኮይኖም ድምጾም ዘስምዑ ዘለው ኣቡነ መቃርዮስ’ውን ስርዓት ኣሥመራ ስለ ዘይኣመነሎም በቶም ቀለም ዘይቆጸሩ ካህናትን ብዕድመን ብደረጃ ንቅሓት ዘይበሰሉን ክህድኑ ዝራኣዩ ዘለው። ነዚ ኣፍደገ ክኸፍተሎም ስለ ዝደለዩ እዮም እምባኣር ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ኢዶም ናብ ቤተ-ክርስቲያን ክእትው ዝተገደዱ።

ነቲ ንዓመታት ዝኣክል ድራማ ክሰርሕዎ ዝጸንሑ መዛዘሚ ክገብርሉ ናብ ካልእ ድራማ ክሳጋገሩ ይማጣጠሩ ከምዘለው ህዝቢ ክነቅሓሉ ዝግቦኦ ኣገዳሲ ጉዳይ ድማ እዩ። ምኽንያቱ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ኣብ ማሕዮር ከይመትዎም ከለው፥ ከም ጲላጦስ “ኢደይ ሕጹብ እየ” ካብ ደም ቅዱስ እንጠንዮስ ንጽሓት ኢና ንምባል ዝግበር ዘሎ ዘመተን ከምኡ ድማ ዘይተፈትሑ ክንሶም ተፊቲሖም ኢልካ ንዓለም ንምእማን ዝግበር ዘሎ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ስርዓት ኣሥመራ ካብ ታሓታትነት ምህዳም ልማዱ እካ እንተ ኾነ፥ ብጉዳይ ፓትርያሪክ ጥራይ ዘይኮነስ ብጉዳይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እንተ ኾነ’ውን ተሓታቲ ምዃኑ ካብ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ነቶም መሳርሒኡ ገይርዎም ዝጸነሐ ጳጳሳት ግዳይ ገይርዎም ርእሱ ከውጽእ ላዕልን ታሕትን ይብል ከምዘሎ ብብዙሕ መንገዲ ዝመጻና ዘሎ ሓበሬታ እዩ። ነቶም ዝነበሩ ፈለስቲ ሰብ ከም ዝኻዓቦም ስለ ዝተረደእ ሓደሽቲ ፈለስቲ ካብ ገዳማት እንዳምጸእ፤ መንግስቲ ኣብ ምውራድ ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ኢድ ኣይነበሮን በሉ፥ ባዕልና ኢና ገይርናዮ እንዳበልኩም ስበኹ ስለ ዝበሎም ነዚ ከጋውሑ ይራኣዮን ይስምዑን ኣለው። “ዝኣኽለን ጥሒነን ባእለማርያም” ይብላ ከም እተባህላ፥ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ኢድና ንጹሓት ኢና ከብሎም ዝኽእል ግብርን ትብዓትን ከምዘይብሎም ታሪኾም ዝምስክሮ ሓቂ እዩ።

ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ሃጸይ ኣሥመራ፥ ህዝቢ ኣብ ባህ ዝበሎ ከምልኽ ካብዘይ ክእል ዓሰርተ ዓመታት ኣቅጺሩ ኣሎ። እቶም ሩድኣት ካህናት ተዋህዶ፥ ክሳብ ናይ ዶክትረይት ማዓርግ  ዝነበሮም ብዙሕ ሳዓቢ ረኺቦም ዝነበሩ፥ ከም ባዓል ቀሺ ዶር ተኽላኣብ፥ ቀሺ ዶር ፍጹም፥ ቀሺ ገብረመድህን፥ መርጌታ ይትባረክን ካሎኦትን ምእሳር ኢዶም  ኣብ ሃይማኖት ክእትው ስለ ዝደለዮ እምበር ካልእ ከመኽኒዎ ዝኽእሉ ቡቁዕ መልሲ ከምዘይ ብሎም ካብቶም ንቁሓት ደቂ ቤተ- ክርስቲያን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ይኹን ነቶም ርዱኣት ካህናት ተዋህዶ ምእሳር ንቤተክርስቲያን ተዋህዶ ምእሳር ምኻኑ ስለ ዝተረድኡ ድማ ነበሩ። ካብቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝተኣሰርዋ ዓመታት ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ዝተኣሰርቶ ዓመታት ከምዝበዝሕ ክንዝንግዕ ኣይግባኣናን። ህዝቢ ተዋህዶ ነዚ ብንቅሓትን ብትርን እካ ክቃዎሞ ዝግባእ እንተነበረ፥ ንሳቶም ከም ሓለይቲ ቤተ- ክርስቲያን እቶም ዝእሰሩ ዘለው ድማ ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ገይሮም ነቲ ፕሮፖጋንዳ ስለ ዝነፍሕዎ ክሳብ ሎሚ ዕለት እውን እንተኾነ ከም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ሃገርን ገይሮም ዝርድእዎም ደቂ ተዋህዶ ክሳብ ኣብ መንእሰያትና ከይተረፈ ይረእ ኣሎ። ከምቲ ብምስላ ዓድና ዝባሃል “ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቅሎ ከምዝባሃል”  ስርዓት ኣሥመራ ብዝገሮ መንደልሃጺ ንቡዛሓት መንእሰያትና ዘይስገር መስገደል ኮይንዎም ይርከብ ኣሎ።

ስርዓት ኣሥመራ ኣብ ሃይማኖት ኢድና ኣይንእቱን ኢና ክብሉ እካ ዝስምዑ እንተኾኑ፥ ኢዶም ከምዝእተው ዓሸሮኦም ኣብ ኩሉ ሃይማኖት ይርከብ ኣሎ። ከም ኣብነት ቤት ጸሎት ናይ ጴንጠኮስታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ምዕጻውን፥ ፓስተራትን ኣመንትን ኣብ ምእሳር ዝገበርዎ ገበን ክኽውሉዎን ክሽፍንዎን ዘይካኣል በሳላ ኮይኑ ይቅጽል ኣሎ።  በዚ ኣጋጣሚ ክብሎ ዝደሊ፥ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ መንበሮም ክምለሱ ኣለዎም ዝብል ተሪር መርገጺ ክሕዝ ከለኹ፥ እቶም ኣሕዋትና ጴንጠኮስታል ድማ ኣብ ሃገሮም ብናጻ ዘገልግልሉ መሰልን መድረኽን ክረኽቡ ኣለዎም ይብል። ኣምባሳደር ናይቲ ልዑል ኣምላኽ ብምኻነይ፥ እቶም ገበን ዘይብሎምን ዘይብለንን ኣብ ፈቀዶ ጉድጋድን ባዓትን ተመቂሑ ዘሎ ህዝብና ኩሉ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ዝቀርብሉን ንጉዳዮም ብሕጋዊ ጠበቃ ዝማጎትሉን፥ ከምኡ’ውን ዝፍትሑሉን ሓዱሽ መዋቅር ክፍጠር ጻዊዕተይ እቅርብ ኣላኹ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝድሊ፥ ካብ ኣቦና ፓትርያሪክ እንጠንዮስ ኣብነት ተኸቲልና፥ ኣብ ዕላማ ክሳብ ሞት እንተኾነ’ውን እሙናት ክንከውን ከምዝግባኣና ክንማሃር ተስፋ እንዳገበርኩ እየ። ቅዱስ እንጠንዮስ ነቲ ዝኣመንሉ ዓላማ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝን ኣማኽርን፥ መድሃኒትን ንሓቅን ንፍትሕን ክብሉ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሎምን ይኸፍሉን ኣለው። ሓቅን ሓርነትን ንምርካብ ብዙሕ መስዋእቲ ከምዘኽፍል ድማ ካብዛ ዘላ ዓለምና ብግብሪ ንማሃሮ ዘሎና እዩ።  ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝምዕደና ካብ ባእስን ህልኽን ወጺና፥ ናብ መንፈስ ዕርቅን ሰላምን ክንጥምት፥ መንፈሳዊ ሓላፍነትናን ኩነታት ሃገርናን ዝግድደና ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ናይ ኩሉ መዛዘሚ ዕርቅን ሕድገታትን ስለ ዝኾነ፥ ኩልና ሕድገታት ብምግባር ነቲ ዝጸነሓ ዘይምርድዳእ ገዲፍና፥ ናብ ዓወትን ለውጥን ገጽና ክንጥምት፥ ብናይ ዕርቂ መንፈስ እምበር ብሳዓርን ተሳዓር ክንሪኦ’ውን ኣይግባኣናን እዩ። ንፓትርያሪክ እንጠንዮስ ቅድስኖኦም ባዓላቶም ካብ ምስከርሉኦም ኣብ ስደት ዘለዋ ኣብያተ-ክርስቲያናት ብሓደ ድምጺ ደው ንኽብላ መንፈሳውን ሕጊ ቤተ-ክርስቲያን እንተኾነ’ውን ከም ዝግድደና ኣሚና፥ ንሎምን ንጽባሕን ንዝመጽ ሳዓቤን፥ ብኣግኡ ንምዕጻው ብልቦና ክንትስእ ለበዋይ እንዳቅረብኩ እዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ’ውን ከምዚ ይብለና “ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ” (1ቆሮ 5፡ 19)። ናይ ዕርቂ መንፈስ ኣብ ቤተ-ክርስቲያናን፥ ኣብ ደምበ ፍትሕናን፥ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገርናን ክህሉ ጸሎተይ እዩ።

ኣምላኽ ንሃገርናን ንቤተ-ክርስቲያናን ሰላሙ ይሃብ!!!

Revd Yohannes Ghebrehiwet Medhani-Alem Church Manchester.

29/07217

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 30, 2017

    The placard reads’14 years is too long’, oh yes,in a lawful,civilized society sequestering a human being without any charge even for a second is eternity,on top of that tarnishing and desecrating the dignity of a saint like our beloved Patriarch Anthonios who wouldn’t hurt a fly,isolating and denying him of his basic medical care- who and what kind of people would do that and where?!!!! In one of the barely unknown poorest nation emerging on the world stage as a powerhouse for the highest refugee exporter per capita,dabbed as ‘a hermit nation’……..it is the cul de sac of African cesspool where everything goes,how could I be from there?

POST A COMMENT