

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ከም ዝስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ ዝረኸቡዎ ኣመሪካዊ ዜግነት ዝተመንዝዑ ሰበስልጣን፡
1. ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)፡
2. ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ)
3. ከምኡ ‘ውን ሚኒስተር ጥዕና ሳልሕ መኪ ይርከቡዎም።
በዚ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ተወሲዱ ዘሎ ውሳኔ መሰረት፡ እዞም ብስልጣን ተጠቢሮም ቀንዲ መጋበርያ ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝድህኽን ንኣመሪካ ክጻባእን ክጻረፍን ዝውዕልን ዘሎ ስርዓት ኮይኖም ዘለዉ ሰባት፡ ድሕሪ ሕጂ ናብ ኣመሪካ ክገሹ ምስ ዝደልዩ ከም ተራ ኤርትራዊ መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ከምዘለዎም፡ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም። ድሕሪ ደጊም ነቲ ዝነበሮም ድርብ ዜግነት ብምምዝማዝ ክረኽቡዎ ዝጸንሑ ረብሓታት ኣብቂዑ 'ሎ ማለት እዩ።