Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምምልካት ዶብ ሰላም የምጽእ’ዶ ወይስ…..? – ቀዳማይ ክፋል

ርጉም ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር ይበሃል፡፡እዚ ምስላ’ዚ ከምዚ ገጢሙና ዘሎ ተካል ርካብ ምስተረኽበ ኢዩ ዝተባህለ፡፡ ኢሳይያስ ደምና ሰትዩ፡ ስጋና በሊዑ፡ የዕጽምትና ጊሂጹ ገና ገና ጠላሕ ኣይበሎን፡፡ሕጂ ውን ንፍጹም ጥፍኣትና ባዶሽ ሕልምታቱ ከተግብር ኣብ

ርጉም ኣንበጣስ ግራትካ በሊዑ ኣብ ደጎልካ ይሰፍር ይበሃል፡፡እዚ ምስላ’ዚ ከምዚ ገጢሙና ዘሎ ተካል ርካብ ምስተረኽበ ኢዩ ዝተባህለ፡፡ ኢሳይያስ ደምና ሰትዩ፡ ስጋና በሊዑ፡ የዕጽምትና ጊሂጹ ገና ገና ጠላሕ ኣይበሎን፡፡ሕጂ ውን ንፍጹም ጥፍኣትና ባዶሽ ሕልምታቱ ከተግብር ኣብ መጋርያ ኲናት ጠቢሱ ከህልቐና ተቐሪቡ ኣሎ፡፡እቲ ዝገርም ከኣ 21 ዓመታት ክትሰምዖ ብዘስካሕክሕ ከም ዘይ ጨፍጨፈናን ከምዘይ ይደሃኸናን ሎሚ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ክመስል ንብዓት ጨካን ሓርገጽ ክነብዕ እረአ ምህላዉ ኢዩ፡፡ እንተ ንሕና ፍቕሪ ሃገርን እምነትን ዘዕወረናን ዘጽመመናን ድማ፡ ነቲ እንግሊዘኛ ትግርኛ መትሓዚ ዘይብሉ ፍጹም ዘይትርጎም ዕንኪላሎ ቃላቱ እናደገምና ኣብዚኣስ ሓቁ፡፡ በዚ ጉዳይዚ ዋጋ ዕዳጋ ክንገብር የብልናን፡፡ኣበዚ ጉዳይ’ዚ ዝዕግብ ዘሎ መንግስቲ ኣሜሪካን ተላኣኺኡ ወያነን ኢዮም፡፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት እባ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ እምበር፡ በይነመንግስታዊ ንልምዓት ኢጋድ፡ሱዳን፡ ጅቡቲ  እንታይዶ መይዶስ እንታይዶ መይዶስ …….ወዘተ ክፍትሑ ዘይክእሉ ግድላት እናደርደርና፡ ባዕልና ኣብ መጻወድያ ኣቲና፡ ነታ ብመኸይ ይፈታሕ ትብል ሕቶ መልሲ ክንረኽበላ ኣይከኣልናን፡፡ በይንና ኣንጻር ብዙሓትን ርእሰ ሓያላትን ሃገራት ንምክት ኣለና፡፡ ዓለም ትዘርየና ኣላ፡፡ኤርትራ ብኣቀማምጣኣ ስትራተጅካዊት ሃገር ስለ ዝኾነት፡፡ ኩሉ እዚ እከይ ትልምታት ባዶሽ ሕልምታትን ኣጀንዳን ንጥፍኣትና ዝተዓጥቀ ኢሳይያስ ኢዩ፡፡ኤርትራ ባሕሪ ምድራ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝብል ትምክሕታዊ ጭርሖ ሃጸይ ሃይለስላሰን ደርግን ኣብ ግብሪ ዘውዕል ዘሎ ኢሳይያሰ ኢዩ፡፡እቲ ምንታይ መሰረት ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ኢዩ፡፡ንሓንቲ ሃገር ሃገር ዘብላ መሬት ባሕሪ ጎቦ ወረቂ ነዳዲ….. ካልእ ዘይኮነ ህዝቢ ኢዩ፡፡ጽባሕ ንግሆ   ነዚ ንብሎ ዘለና መሬት ባሕሪ ወርቂ ናተይ ኢዩ፡ ኢሉ ዝምግት ዋሕስ የግብእ ዝብል ዜጋና ግን እጠፍእ ይብተን ይበርስ መሰረቱ ተሓግሒጉ እባድም ኣሎ፡፡ኣብ ክንዲ ዘይክዉን ክፍታሕ ዘይክእል ሕልምታት ኢሳይያስ ክንፈትሕ ህርድግ ንብል ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ሎሚ እንተንሓስብን እነተንርእን ምሓሸና፡፡ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፍ ንዘሎ ህሉው ኩነታት እንታይ ይመስል ንምርኣይ እምበር፡ ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ቅሳነት ዘለዎ ነባሪ ሰላም የምጽእ’ዶ ወይስ ኣይፋሉን፡፡ዝምልስ ውይ ትንታነ ዝህብ ኣይክኸውንን ኢዩ፡፡

ሎሚ ድሕሪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኣስካሕካሒ ደማዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፣ድሕሪ ህልቂትን ብርሰትን ምምዝባልን ህዝብን ሃገርን፣ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተኽሲ ውዕል ኣልጀርስ፣ ድሕሪ ዓሰርተው ክልተ ዓመታት ንዳግማይ ኣህላቒ ውግእ ነገራት ክንብድበድ ነጋሪት ኲናት ክድሰቕ ንሰምዕ ኣለና፡፡ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት መንግስቲ ኢትዮጲያ ዶብ ሰጊሩ ተመጣጣኒ ምላሽ ዝበሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምውሳዱ ዝዝከር ኢዩ፡፡ትማሊ 17 ሚያዝያ 2012 ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ንፓርላማ ሃገሮም ኣብ ዝሃብዎ ዝርዝር ሓበሬታን መብርህን ድማ፡እቲ ናይ መጠረሽታ ምርጫ  ቀይሕ መብራህቲ ንኲናት ዝእንፍት ኢዩ፡፡ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ “ሰለስተ ምርጫታት ጸኒሖምና ኢዮም፡፡ ሕጂ ድማ ራብዓይ ኣማራጺ ተወሲኽዎ ኣሎ፡፡”ክብሉ ገሊጾም ኣለዉ፡፡እቲ ራብዓይ ኣመራጺ ኲናት ምዃኑ ኢዩ፡፡ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ሓሳብን ኣመራጺታትን ኣብዚ ሰዓት’ዚ ይቀላቐሉ ኣለዉ ዓሞቕቲ ትንታነታት ዘድልዮም ኣይመስለንን፡፡እዚ’ኳ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ጽላሉ ኣንቢሩላና እምበር ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታት ሓዊ ሒዝካ ክትፋጠጥ ኣዝዩ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ፡፡ኣብርእሲኡ ድማ ቀጻሊ ሽርሕን ምትኹታኽን ምዝንጣልን ዳእላን፡፡ኣብዚ ደጋጊመ ከነጽሮ ዝደሊ ነገር እንተሃልዩ ኲናት ብዝኾነ ይኹን መለክዒ መፍትሒ ዘይምዃኑ ኢዩ፡፡ኲናት ዋላ ውን ተገዲድካ እተዎ ናይ ሕማቕ እቲ ዝሓመቐ ኣማራጺ ኢዩ፡፡ኲናት በሰልኡ ብኣጋ ዘይፍወስ ኣዕናውን ኣህላቕን ግጉይ ኣማራጺትት ኢዩ፡፡

ብዜካዚ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ሓደ ዓመት ካብ 10 ክሳብ 15 ዝኸውን ጉዳያትና ኣብ ጠረጴዛ ኮይና ንፍተሓዮ፡፡ንረዳዳእ ዘየሰማምዓና ነገራት ብልዝብ ንእለዮ፡፡ዝብል ተደጋጋሚ ሕቶታት ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተላእከ ውን ገሊጾም ኣለዉ፡፡ሕጂ ውን ንረዳዳእ ብልዝብ ንፍተሓዮ ዝብል ጽኑዕ እምነት መንግስቲ ኢትዮጲያ ስለ ዝኾነ ነዚ ናይ ምርድዳእ ሕቶና ክቕበልዎ ሎሚ፡ጽባሕ፡ድሕሪ ጽባሕ ብዘይ ምስልካይ ክንቅጽሎ ኢና፡፡ብተወሳኺ ጠቅላይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣመለኻኽታ ኤርትራውያን ካብቲ ዝነበረ ግጉይ ኣረኣእያታትን ርድኢትን ከምዝተቐየረን ኣሽሓት መናእሰያት ኤርትራ ንግጉይ ፖሊሲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብምቅዋም ኣብ ኢትዮጲያ ዑቅባ ይሓቱን ይረኽቡን ምህላዎምን ገሊጾም፡፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጲያ ንኤርትራዊ ስደተኛ ከም ሓው ብምርኣይ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክረኽብዎ ዘይከኣሉ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክሳብ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ከምዝተገብረ ውን ኣብሪሆም፡፡ብዜካዚ ሓደ ሓደ ሃገራት ዝወስደኦ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ዘጋጥሞም ከቢድ ወጽዓ ኣብ ግምት ኣእትዩ ሕቶ ኤርትራውያን መሊሱ ኢዩ፡፡ካብ ናብ ኤርትራ ምምላስ ኣብ ኢትዮጲያ እሕሸና ንዝበሉ ኣሽሓት ካብ ግብጺ ዝምለሱ ኤርትራውያን ዑቕባ ይህብ ኣሎ፡፡ኣብ መጠረሽታ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዳግማይ ኣጠቓላሊ ኲናት ክባራዕ ኢዩ፡፡ ዝብል እምነት ከምዘየብሎም ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጲያውያን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ንኽልቲኡ መንግስታት ከረዳድኡን ከቀራርቡን ከም ዝፈተኑን ከም ዘይተዓወተን  ውን ከየጠቐስዎ ኣይሓለፉን፡፡

እዚ ቀዲመ ዝገልጾ ዘለኹ ነገራት ምስቲ ድሒርና እንርእዮ ከም መእተውን መተኣሳሰርን ጽሑፍ ንኽኾነና ንምባል እየ፡፡ ብዜካ’ዚ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት 15 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኢሳያያስ ዝመርሖ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብተለቭጅን ረድዮ ጋዜጣ “ሓደ ዕቑድ ረጽሚ ሕጋዊ መኸተን ግዝኣተ ጫካን” ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ እጋዋሕ ኣሎ፡፡እዚ ዝተራቐቐ መሳጢ ድራማዊ ጽሑፍ ኣንፈትና ኣጥፊኡ፡ ኣብ ጥርዚ ጫፍ በጺሑ ዘሎ ህዝባዊ  ቃላሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ሓሸውየ ንምእታውን ንምቑጻይን ዝተጠጅአ ውዲት ኢዩ፡፡ ባእሰና እንገብሮ ኲናትን መኸተን ኣንጻር ርእሰ ሓያላን ዝኾነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢዩ፡፡ኣብ መፋርቕ ግንቦት 1998 ዓ/ም ብምስማስ ዶብ ዝተባርዐ ኲናት ብሽግር ወይ ምስሕሓብ ዶባት ኣይነበረን፡፡ ኤርትራ ትእምርቲ ሰላምን ምዕባለን ብልጽግናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይትኸውን ዝሰገአ ምምሕዳር ዋሽንግተን ብተላኣኺኡ ወያነ ዝተስገደደ ኲናት ኢዩ፡፡ ንኤርትራ ኣብ ተደጋጋሚ ረጽሚ ኲናት ኣእቲኻ ንምድሃኻ ዝተዋደደ ግጉይ ቅማረ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካ ኢዩ፡፡የግዳስ ኣይተኻኣለን፡፡ዘስደምም ኣበሃህላ፡፡

መዛረቢ ዛዕባና ምሕንጻጽ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብርግጽ ሰላም የምጽእ’ዶ? ንዝብል ከቢድ ዝተሓላለኸ ጉዳይ ንምርኣይን ንምምላስን ኢዩ፡፡ቅድሚኡ ግን ስለምንታይ ኢና ንሕና ኤርትራውያን ንፈትዋ ሃገርና ገዲፍና ብጅምላ እሞ ድማ ኣሽሓት ዶላራት ከፊልና ንስደድ ዘለና? ስለምንታይ ኢና ኣጻምእ ምድረበዳ ሰሃራ ተሳጊርና ኣብ ሲናይ ናውቲ ከብድና ብበደዊን ተዘሪፉ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሽየጥ ዘሎ?ስለምናታይ ኢና ምድረበዳ ልብያ ተሳጊርና ረዳኢ ኣብዘይብሉ ማእከላይ ባሕሪ ክንጥሕል ዝተፈረድና? ስለ ዝጠመና? ስደት መሊኡ ዝፈስስ ገንዘብ ስለ ዝርከቦ?ዓድና ስለ ዝጸላእና? መንግስቲ  ኢትዮጲያ  ንውሳነ ከምሽን ዶብ ጥሒሱ ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ንኽሕንጸጽ ኣብያ ስለ ዘርአየ? ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናጽነት ኤርትራ ስለ ዘይተዋሕጠሎም? ወይስ ካልእ….መራኸቢ ብዙሃን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘጋውሕዎ ዘለዉ ቀምሽ ኣደይ ሓንኲሉኒ ዘይክዉን ዛዕባታት?

እቲ ሕቶ ንኹልና እቲ መልሲ ውን ናይ ኩልና ኢዩ፡፡ከም ውልቀ ትዕዝብተይ ግን፡ ንሕና ኤርትራውያን እንፈትዋ ዓድና ገዲፍና፡ እግርና ናብ ዝመራሓና፡ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩ ብዘይ ፈልጥ ቁጽሪ ብጅምላ ንስደድ ዘለና፡ እቲ ምኽንያት እቲ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ ብፍጹም ኣይኮነን፡፡ኤርትራዊ መንእሰይ ኣሽንኳይ ኣብዚ ኣይ ናይ ሰላም ኣይ ናይ ኲናት ደብዛዝ ግዜ፡ ኣብቲ ከቢድ ናይ ኲናትን ወጥርን ሞትን መቕዘፍትን፡ ኣብ ደቓይቕ ሂወት ብሉጻት ጀጋኑ ዝተሓተተሉ ናይ ምትሕንናቕ ጸላም ግዜ ውን፡ ዓዱ ገዲፉ ኣይተሰደን፡፡ ነብሰ-ፍትወት ስዒርዎ ሂወቱ ከድሕን ንድሕሪት ግልጽ ኣይበለን፡፡ተወሪርና ዝብል ብቑንጮ መሪሕነት ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተሰነዐ መእመኒ ድራማዊ መግለጺ ምስ ሰመዐ ውን፡ ጎበዝ ተሸሞ እናዘየመ ኣብ መጋርያ ኲናት’ዩ ዓሲሉ፡፡ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብስም ሰለስተ ወራራት ዝፍለጡ ደማውያን ውግኣት ድማ፡ ኣስታት ፍርቂ ቁጽሪ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት፡ ገድሊ ንናጽነት ዝኸፈልናዮ ክቡር መስዋእቲ ጀጋኑና ረዚን ዋጋ ኢዩ ሓቲቱ፡፡ኤርትራዊ መንእሰይ ግንባሩ ሂቡ እምበር ንናይ ጽባሕ ምቾት ኣየማዕደወን፡፡ሎሚ ሓቅን መገዲ ባቡርን ፊት ንፊት ኣብ ዝተፋጠጣሉ፡ዕምሪ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ኣፋፌት መቓብር ኣብ ዝተገምገመሉ፡ዳግማይ ኣንፈት ህዝቢ ንምስሓት ዝተኻየደ ኲናት ናይ ዶብ ኣይነበረን፡፡ ወያነ ተለኣኣኺ መንግሰቲ ኣመሪካ እምበር ዓቅሚ ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ዝተኻየደ ውግእን መኸተን ትምክሕቲ መንግስቲ ዋሽንግተን ንምስባር ኢዩ ዝነበረ፡፡ዝትሕዝትኡ ጋዕሮ ንሰምዕ ኣለና፡፡ዋርሳይ እዞም ሰባት መን ኢዮም? ተባሂሉ ኣብ ዘይ ምኽኑይ ኲናት ንኽኸትት ኣብ ዝተጸዋዓሉ ግን፡ብኹቡር መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተገዘምካያ ሃገር ሉኡላውነታ ዓቅቦ፡፡ሕድሪ ስዋኣትካ ፈጽም፡፡ ግደኻ ግበር፡፡ወያነ ሕዱር ሕማም ደጊስዎ መሬትካ ወሪሩ ህዝብኻ ይቐትል ኣሎ ኢዩ ዝተባህለ፡፡ ይቕጽል……

ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ርኢቶ ሓፋሽ ክቕበል ምስቲ ዘበገስኩዎ ጽሑፍ ብዝጥዕም ናብ ህዝቢ ከቃልሖ ሓሳባትኩም በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክቕበል ድልው እየ፡፡ aranchi03 @yahoo.com

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03 @yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • kebaritekl@yahoo.com April 22, 2012

    ካብ ሞት ኣሽሓት ኪሎሜተር ርሒቕካ ንኽቃለሱ ዝተበገሱ ምሕንኳል ሎሚ ኣይተጀመረን፡፡ገና ከይለበምና ብዓያሹና ንህ.ግ.ደ.ፍ. ዝቓወም ወያነ ከዳዕ ክበሃል ከሎ ንሕጎስ ንቕበሎ ውን ነይርና፡፡እንተ ሎሚ ግን አይከምዓምን፡፡እቶም ከምኡ ዝብሉ ባንዴራ ኢሳያስ ዘንበልብሉ ልኡኻቱ ምዃንኩም ኩልና ፈሊጥናኩም ኢና፡፡ንኸም በዓል ሚኪኤል ኣራንሺ ወያነ ከዳዓት ክትብሎም መን ክኣምነካ፡፡እቲ በሃሊ ኸ መን ኢዩ፡፡እንታይ ሕልፊ ኣበርክቶ ስለ ዝገበረ እዩ ኸ ሓቂ ንዘቃልሑ ኣብ ምጥቃን በትሩ ዘወጣውጥ፡፡ ሚኪኤል ገና ትሕቲ ዕድመ ከሎ ንበረኻታት ሳሕል ወሪዱ ኣብ ቤትምህርቲ ስውራ ዝዓበየን ዝተማህረን ውዲ ህዝባዊ ግንባር እኮ እዩ፡፡መንዩ ልዕሊ ኣራንሺ ህዝባዊ ግንባር ክኸውን ዝፍትን፡፡ ሚኪኤል ዘይ ከምቶም መዳኸርቲ 1991 ካላሽን ዓጢቑ እኮ ኢዩ ኣስመራ ኣትዩ፡፡ ሚኪኤል ካብቶም ድሕሪ ናጽነት ውን ወሰናስን ክሕልዉ ናጽነት ዘየስተማቐሩ ተጋደልቲ ሓደ እኮ ኢዩ፡፡ኣብቲ ድሒሩ ዝተባረዐ ውግእ ድማ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ እጃሙ ኣበርኪቱ፡፡
    መሰለይ ካብ ኣስመራ

  • kebaritekl@yahoo.com April 22, 2012

    ንሰባት ሓቀኛ መንነቶም ከይፈለጥካ ብሃውሪ ምውንጃል ጌጋ ኢዩ፡፡ከም በዓል ሚኪኤል ኣራንሺ ዝኣመሰሉ ተባዓት ጸሓፍቲ ክምስገኑ እዩ ዝግባእ፡፡ኣራንሺ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣበርክትኡ ካብቶም ፍቱዋት ጸሓፍቲ መናእሰያት ሃገርና ሓደ ውን እዩ፡፡ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መንእሰይ ሕድሪ ህዝብን ፖሊስን ዝጸሓፎም ህያው ምስክራቱ ኢዮም፡፡ካብቶም ብሉጻት ዓሰርተ ጸሓፍቲ መናእሰያት ተባሂሉ ኣብ ፌስቲቫል ኤክስፖ ዝተሸለመ ሰብ ኢዩ፡፡እታ ሰዓት ዘርእስታ ኣብ መጽሓፍ ዝተሓትመት ጽሕፍቱ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ራሕሪሑ ካብ ሃገር ምስ ወጸ ከይተረፈ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ብተኸታታሊ ተጻሒፋን ተነቢባን ኢያ፡፡ኣብ ዝተፈላለዩ በዓላት ብፍላይ ድማ ፌስቲቫል መናእሰያት ኣብ ሳዋ ካብቶም ዓበይቲ ኣበርክቶታት ዝገብሩ ዝነበሩ ዓቕሚ ዘለዎም ብርቂ መናእሰያትና እዩ፡፡ኣካይዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ስለ ዘየሓጎሶ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ስለ ዝተጨየ ድማ ነቲ ስርዓት ራሕሪሕዎ፡፡ኣብ መጠረሽታ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከነናሹ በጃኻትኩም ዒብ ኢዩ፡፡ቀዲምና ሃገራዊ ኣበርክተኦም እንታይ ነይሩ ንፍለጦ፡፡
    መሰለይ ካብ ኣስመራ

POST A COMMENT