Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰሚናር የማነ ተኽለገርግሽ ኣብ በይ ኤርያ

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣባላቱን ነበርትን በይ ኤርያን ብምዃን ቀዳም 20 ግንቦት 2017 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 2፥00 ክሳብ ሰዓት 6፥00 4 ሰዓት

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣባላቱን ነበርትን በይ ኤርያን ብምዃን ቀዳም 20 ግንቦት 2017 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት 2፥00 ክሳብ ሰዓት 6፥00 4 ሰዓት ዝወሰደ ብ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ነበር ተጋዳላይ የማነ ተክለገርጊሽ ዕውት ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ ። እቲ ሰሚናር ከም’ቲ ልሙድ ብ ዝኽሪ ሰማእታት ሃገርና እዩ ጀሚሩ ዲሒሩ መሪሕነት ቦርድ ናይ ዝሓለፈ 5 ኣዋርሕ ገምጋም ስርሑ ብመልክዕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። እዚ ሰሚናር ብዓይነቱን ትሕዝትኡን ፍልይ ዝበለ እዩ ኔሩ፡ሓደ ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮ ብ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳለወ ን ገለ ክፋል ካብ’ቶም ን ኣስታት 50 ዓመታት ዝተቓለሱ ገዳይም ተቓለስቲ ማለት ኣብ ዕሸል ዕድሜኦም ን ሃገራዊ ናጽነት ድሓር ድማ ን ሃገራዊ ሓርነት እጅጌኦም ሰብሲቦም ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ህዝቦም ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለው ከም መርኣያ ዘለዎ ክብርን ኣድናቖትን ንምንጽብራቕ ን 10 ተጋደልቲ ናይ ክብሪን ኣድናቖትን ምስክር ወረቐት ዓዲሉ። ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ናይ’ቲ ዕለት ቀንዲ ትሕዝቶ ኮይኑ ኣባል ሕብእቲ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ነበር ተጋዳላይ የማነ ተክለገርጊሽ ኣብ’ታ “ሳሕል ኬድና እንታይ ኣምጺእና” ትብል ሓዳሽ መጽሓፉ ምርኩስ ብምግባር ህግደፍ፡ ን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ንሓድሕዱ ንኸይሰማማዕ ብ ኣውራጃን ሃይማኖትን ኣሳቢቡ ክገማምዖን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ኣብ ሓደ መኣዲ ኮይኑ ብሓባር ንኸይቃለስ ዝገብሮ ዘሎ ሸርሕታት ክነቕሓሉን ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ሓባራዊ ቃልሲ እቲ እንኮ ኣማራጺ ከምዝኾነ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ብተወሳኺ ተጋዳላይ የማነ ብሕጂ ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ቀሊል ከምዘይኮነን ብፍላይ መንእሰያት ነዚ ቃልሲ ንምዕዋት መሪሕ ተራ ክጻወቱ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ። ኣስዕብ ኣቢሉ ተጋዳላይ የማነ ከምዚ ናይ በይ ኤርያ ዓይነት ውዳበ ኩለን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዝሳተፍኦ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ምንቅስቓስ ክድንፍዕን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዘለው ደለይቲ ፍትሒ ክስዕብዎን እዚ ዓይነት ውዳበ ከኣ ኣብ ምውዳቕ እቲ ስርዓትን ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ሕብረተሰብ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ከምዝኾነ ኣስሚርሉ።

Part 1: https://www.youtube.com/watch?v=gYYfdoLJ1Lo&feature=youtu.be

Part 2: https://youtu.be/PcwRLOnD6gc

ኣብ መወዳእታ ብህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱን ሃናጺ ሪኢቶታትን ለበዋታትን ተቐቢሉ፡ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ን የማነ ተክለገርጊሽ ፈላሚ ዑደት ሰሚናሩ ብ በይ ኤርያ ምጅማሩ ልዑል ክብርን ሓበን ይስመዓና፡ ከም መርኣያ ሓጎስና ኸኣ ነዚ ዝገበሮ ዘሎ ታሪኻዊ ዑደት መዘከርታ ዝኾኖ ብ በይ ኤርያ ዝተዳለወሉ ምስክር ወረቀት ተቐቢሉ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ን ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘተን ሰሚናራትን ምክያድ ኣብ ምንቓሕ ሕብረተሰብ ዓቢ የራ ከምዘለዎ እምንትኡ ስለ ዝኾነ ከምዚ ዓይነት ሰሚናት ኣብ ግዜ ህዝባዊ በዓላት ካብ ዘካይድ ድሮ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ሓድነትና መሰረት ዓወትና እዩ።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde June 26, 2017

    This nation has deep wounds to heal,the damage that was done and continues to haunt the young generation that has nothing to do with it is even worse,the irony is the same perpetrators are coercing the clueless young into their crime web deepening the wound even further with no remedy in sight.In the meantime,the little nation oozes purulence everywhere.Like the former tegadalay said,it was a struggle waged by innocent masses for a just cause which ended up with unintended outcome.What do we do now?

POST A COMMENT