Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ወተሃደራት ኣዋፊራ ከምዝዓጸወቶ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ከሰላን ሰሜን ኩርዱፋንን ን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ወተሃደራት ኣዋፊራ ከምዝዓጸወቶ ሮይተርስ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን SUNA

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር፡ ብፍላይ ኣብ ዞባታት ከሰላን ሰሜን ኩርዱፋንን ን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ወተሃደራት ኣዋፊራ ከምዝዓጸወቶ ሮይተርስ ንኣገልግሎት ዜና ሱዳን SUNA ብጥቃስ ሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ሱዳን እቲ ዶባት ስለምንታይ ከምእተዐጽወ ምኽንያት ኣይሃበን።

ኣገልግሎት ዜና SUNA  ` ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደም ጃምዕ ኣብቲ ፕረዚደንት በሽር ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ተመርኲሱ `ዩ መላእ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ክዕጾ ኣዚዙ` ከምዝበለ `ውን ሮይተርስ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ።

ምስ ሮይተርስ ዝተዘራረቡ ተቐማጦ ከሰላ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ተዋፊሩ ምህላዉ ከምዘረጋገጹ ከኣ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እቲ ውሳኔ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዙ `ዩ ጸኒዑ ዘሎ።

ኣቐዲሙ፡ ብምውህሃድ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወተሃደራዊ ሓይልታት ግብጺ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ኣል ሻርቕ ዝተባህለ ጋዜጣ ምጥቃሱ middle east monitor com ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቲ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቶም ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ከበድቲ ወተሃደራዊ ተሽከርከርትን ዝሓዙ ሓይልታት ግብጺ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም እንተላይ ወከልቲ ኢማራት ዓረብ፡ ግብጽን ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳንን ዝርከቡዎ ኣኼባ ተኻይዱ።

እቲ ወተሃደራዊ ህላወ ግብጺ፡ ግብረ-መልሲ ናይቲ ንቱርኪ ኣብ ሱዳን፡ ሰዋኪን ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህባ ወተሃደራዊ መዓስከር ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ዜና ብተወሳኺ ይጠቅስ።

ሰዋኪን፡ ንግስነት ቱርኪ ኣብ ከባቢና ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ቀንዲ ወደቡ ከምዝነበረት ይፍለጥ።

ግብጺ ብምኽንያት `ቲ ኣብ ኣጠቓቕማ ፈለግ ኒል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምስሕሓብ ኣብ ኤርትራ ንዝመደበሮም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብመንገዲ ኤርትራ ምድግጋፍ ከምእትገብረሎም ብተደጋጋሚ ግዜ ዝጥቀስ ጉዳይ ምዃኑ ይፍለጥ።

ነዚ ዛዕባ`ዚ መደበር ቴለቪዥን ኣልጀዚራ `ውን ኣልዒላቶ። ከም ግብረ መልሲ ድማ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ `ሕሱር ወረ ቴለቭዥን ኣልጀዚራ` ክብል ብመንገዲ ኤሪ ቲቪ ኣሉታ ሂቡሉ።

እዚ ንወተሃደራዊ ህላወ ግብጺ ዝምልከት ጉዳይ ዝያዳ መረጋገጺ ዘድልዮ ኳ እንተኾነ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ኣብ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ተረጋጊጹ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT