Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሳላ እቲ ዲፋኖ!

ሳላ እቲ ዲፋኖ! ሳላ እቲ *ዲፋኖ ስውእ ሓርነትና     *ገንሸል፡ ተባዕታይ በጊዕ ሳላ እዛ ፎርቶ’ወ ከፋቲት *መንቀና   *ዓብዪ ናይ ቀጽሪ ማዕጾ እቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልና ወዮ ማይን ልችን ጃሕጃሕ’ኳ ኢሉልና! ውዕሎ ናይ ጀጋኑ እዛ ስርሒት ፎርቶ እዛ ክብርቲ ዕለት ከመይ ደሓን ትእቶ እቲ ብኩፖን ህግደፍ

ሳላ እቲ ዲፋኖ!

ሳላ እቲ *ዲፋኖ ስውእ ሓርነትና     *ገንሸል፡ ተባዕታይ በጊዕ
ሳላ እዛ ፎርቶ’ወ ከፋቲት *መንቀና   *ዓብዪ ናይ ቀጽሪ ማዕጾ
እቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልና
ወዮ ማይን ልችን ጃሕጃሕ’ኳ ኢሉልና!
ውዕሎ ናይ ጀጋኑ እዛ ስርሒት ፎርቶ
እዛ ክብርቲ ዕለት ከመይ ደሓን ትእቶ
እቲ ብኩፖን ህግደፍ ዝተዓደለቶ
ቁንጣሮ መሸላ ኣደ ዝለሰቶ
መጎጎ ኣናዲያ ጣይታ ክትስንክቶ
ብሒቚ ተሰኪማ ምዛር ገዲፋቶ!
ሳላ መስዋእትኻ’ወ ጅግና ወዲ ዓሊ
ሎሚ’ምበር ሕሽና ካብቲ ናይ ትማሊ
ዘድመቕካዮ ባና ኪኸውን ቀጻሊ
*ባጊር ወጊድ ኢልና ወገን ዝፈላሊ  *ዘይስልጡን፡ ዓዋን፡ ድሑር
ሓድነት ዓጢቕና ነቕ ዘይብል ሓይሊ
ከነጽድቓ ኢና ናይ ሓርነት ተኽሊ!
ዕንወትኪ ዘሕመሞም ጀጋኑ ደቅኺ
“ይእከላ ኣደና!” ኢሎም ሓሊፎም ስሌኺ
ገሊኦም ብርስሓት ደዊኖም ምስልኺ
ገሊኦም ኣጥምዮም ጾምኪ ዘሕዱሩኺ
ኣንቲ ኣስመራ ጻዕዳ ክንደይ ዘይረኣኺ
ከም ህግደፍ ግን የለን ፍጹም መዕነዊኺ!
ኣስመራና ጻዕዳ’ወ ሕፍርትን ክብርትን
ወላዲት ኴንኪ’ምበር ለዋህ ዘይትጭክን
ህግደፍዶ ይሕቆፍዩ ምስልኺ ዝድውን
እቲ ድሙቕ ጸዳልኪ ገይሩዎ * ሃጋይን    *ድቕድቕ ጸልማት
ማይ ጽምኢ ነቒጽኪ ክረምትን ሓጋይን!
ሕጂ ግን፥
ሳላ እዞም ጀጋኑ ኣናብስ ናይ ፎርቶ
ብብርሃን ማዕሪጉ ግርማ ኮምብሽታቶ
ብኤምፒን ፖሊስን መሬት ጸቢባቶ
መንእሰይ ከይሕየር ኣብ ዓዲ ኣቤቶ
ዕስራን ሓደን ጥሪ ዕረፍቲ ሂባቶ!
ነዚ እኩይ ስርዓት ቀታልን ሓያርን
ከምቲ ቤት ጸሎትና መሳጊድን ደብርን
መባእ እናወፈና ኣዋርቕን ብሩርን
እምብዛ ኣምሊኽናዮ ከም ረቢን ፈጣርን!
ብሰንኩ ሰፊርና ኣብ ቊርን ሃሩርን
እናተበጀና ብሓውን ዓረርን
ክንዲ ምስጋናና ኣንድንቖትን ክብርን
ይጭፍጭፈና’ሎ ብለይትን ብቐትርን!
ድሑር ናይ ድሑራት ስግንጢር ውጥኑ
ሃገርና ምስ ህዝባ ብመደብ ዘዕኑ
ምሁር ተረኣየ ዝሕርቅም ኣስናኑ
ኣብ ጫካ ዝነብር ኪኽውል ገበኑ፡
ወለዶ እናጽነተ ብንዕቀት ሻዲኑ
ይኣኽለካ ዝብሎ ተባዕ ተሳኢኑ
*ገዛእን ነዳእን *ዘላሚ ሰብ ኮይኑ!  *ገባርን ሓዳግን  *ጨቋኒ፡ ረጋጺ
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

ካብ ሓውኹም መሲናስ 20-02-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Berhane Kidane February 21, 2013

    as usual, pleasant to read;
    how about breaking your poems in stanzas for easy reading; just a little advice. Thanks

  • novi February 21, 2013

    May God!!!!
    How wonderful poem is it!
    Thank you Mesinas keep it up.
    I admire the meaning of the word that you put by the side of it, but I have question for you. Is it really Tigrigna or other languages?

  • Mesinas February 22, 2013

    ዝኸበርካ/ኪ ሓው/ሓፍቲ ኖቪ (novi) ብመጀመርያ ንዝሃብካኒ/ክኒ ርእይቶን ኣድንቖትን ብልቢ አመስግነካ/ኪ። ቀጺለ ናብ ሕቶኻ/ኺ ኪኣቱ። ሕቶኻ/ኺ “እዚ ትጥቀመሉ ዘለኻ ቃላት፡ ብሓቂ ቃላት ትግርኛድዩ?” እዩ ዝብል ነይሩ። መልሰይ፥ ብርግጽዕ 100% መበቆሉ ግእዝ ዝኾነ ጽሩይ ትግሪኛ’ዩ። እዚ መግበርየይ ምኽንያት ከኣ እተን ነፍሲ ወከፍ ጸሓፊ ወይ ደራሲ፡ ኣብ ቅድሚት ክሰርዐን ዘለዎ፡ ኣገደስቲ ዕላማታት፡ ማለት፥ ንዝተረስዑ ገለጽቲ ቃላት ከዘኻኽርን ንዘይፍለጡ ኣዝዮም ገለጽትን ቆጠብትን ዝኾኑ ቃላትውን ከላልን ስለ ዚግብኦ፡ በዚ ምኽንያት እዚ’የ ቀጻሊ ከምዚኣቶም ዝበሉ ዘይዝውቱራት ወይ ርሱዓት ቃላት ዝጥቀም። ብዙሕ ኣፍልጦ ቃላት ዘለዎ ጸሓፊ ኸኣ ብዝደለዮ ኣንፈት ወይ መገዲ ሓሳቡ ንኺገልጽ ኣዝዩ ሓጋዚ ስለ ዝኾነ፡ ንጸሓፍቲ ንእግረመገደይ ንምሕጋዝ’ዩ። ነዚ ብምስትውዓልካ/ኪ ደጊመ አመስግነካ/ኪ።

Post a Reply to novi Cancel Reply