ብመጀመርያ ንዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ክብ ዝበለን ዝላዓለን ምስጋናይ ይብጸሓያ። ቀጺለ ድማ ምሁራትና ድምጾም ተዓቢሱ፣ ምንቅስቓሶም ተፈልዩና ብምጽንሑ ንዝወሰደቶ ፈላሚ ስጉምቲ ለባምን ኣድላይ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ተበግሶን ሒዛ ደበኽ ብምባል እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ እብል። እዚ እውን እቲ ማዕጾ ኣዝዩ ክረሖን ኩሎም ምሁራትና በብዘለውዎ ተራኺቦምን ተመያይጦምን ንቃልስና ከረሳስንዎ ፉሕ ከብልዎ እላቦ።
ሽግርና ንኽፍታሕ እቲ ዘሸግረና ዘሎ ንፍለጦ።
ቅልዕቲ ደብዳበ ንኹላህና ለውጢ ንደሊ።
ብተስፉ ዘውደ።
ብርግጽ መጽሓፍየይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዋህበ ኣርእስቲ ካባይ ዝነቐለ ዘይኮነስ ካብ ዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ከም ዝኾነ ኩሎም ኣንበብቲ ዝርድእዎ ጉዳይ ኢዩ። ብመጀመርያ ንዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ክብ ዝበለን ዝላዓለን ምስጋናይ ይብጸሓያ። ቀጺለ ድማ ምሁራትና ድምጾም ተዓቢሱ፣ ምንቅስቓሶም ተፈልዩና ብምጽንሑ ንዝወሰደቶ ፈላሚ ስጉምቲ ለባምን ኣድላይ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ተበግሶን ሒዛ ደበኽ ብምባል እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ እብል። እዚ እውን እቲ ማዕጾ ኣዝዩ ክረሖን ኩሎም ምሁራትና በብዘለውዎ ተራኺቦምን ተመያይጦምን ንቃልስና ከረሳስንዎ ፉሕ ከብልዎ እላቦ። ዓለምና ናይ ምሁራትን ተመራመርትን ዝኣልይዋ ዳርጋ ሃገራት ዘይኮነት ከም ሓንቲ ሃገር ኮይናትሉ ዘላ መዋእል ኢና ኣቲና ዘለና። ድምጽ ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ፣ ድምጺ ምሁራትና እውን ተሓሪሙና ኢዩ ጸኒሑ። ቀጺለ ድማ ኣብ ትሕዝቶ ናይ ዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ከተኩር እደሊ።
ዲክታተርነት ርእሱ ዝኸኣለን መግለጽን ኣምርን ኣለዎ። መበገሲኡ ድማ ቀንዲ ሰረቱ ከም ሓይሊ ደው ክብል ኣብ ህዝቢ ኢዩ ዝሙርኮስ። ህዝቢ ከም ዒላ ኩሉ ነገር ዝቕዳሓሉ መዕቆሪ ስለ ዝኾነ ጽሩይ ሓቒቕ ዝመስል ዝስተ ክኸውን ይኽእል፣ ወይ ድማ ኣብ ሓደ ደው ኢሉ ዘይንቀሳቐስ ምስ ዝኸውን ድማ ዕያግን ዕነን ኮይኑ ነብሱ ጎዲኡ ከባቢኡን ይብክል። ብሓጺሩ መሳርሒ ኮይኑ ኣደዳ ስቅያትን ሕሰም ከባቢኡን ይኸውን። ህዝባዊ ነድሪ ዘየልዓሎ ቃልሲ ክዕወት ኣይክእልን። ወልቀ-ሰባት ተራ የብሎምን ዝብል ክትዕ ኣይኮንኩን ክእንፍት ተበጊሰ። ተራስ ኣለዎም እንበር፣ እኳ ደኣ ዓብላሊ። ታሪኽ ሰውራና ንዝፈልጥ ሰብ ኢሰያስ ከም ውልቀ-ሰብ ካበይ ይብገስ? መደቡ እንታይ’ዩ? ስለምንታይ እዚ ኩሉ ናብ መንገዲ ጥፍኣት ሃገርን ህዝቢን ከብርስ ሓንጺጹ? ክምለስ ዘለዎ ህዝባዊ ሕቶ እንበር ናይ ውድባትን መራሕተን ጥራይ በይኖም ዝምልስዎ ሕቶ ኣይኮነን። ናይ ኩላህና መልሲ ዘድልዮ ሕቶን ዳግመ ጠመተ ክኸውን ይግባእ። ንሕና ከም ህዝቢ ሰላም ቅሳነት ምዕባለ ምስ እንደሊ ጠለባትና ዘማልእ ሜላ ክንመርጽ ናይ ግድን ይኸውን። ጠለባትና እንታይ ኢዩ? ብኸመይ ይትግበር? መነ መን ይመርሑና? ብኸመይ ንውከል? ክንእምትን ክንጠልብን ምስ እንደሊ ጥራይ ኢና ዕዉትን ፍትሓዊትን ሃገርን ክንሃንጽ ንኽእል። ዘለናዮ ወይ ንጎዓዘሉ መድረኽ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ሃገርን ህዝባን ዘዕኑ ናይ ጥፍኣት ዶብ-ኣልቦ መስመር ኢዩ። ንኹሉ ዓይነት ኣዕናዊ ኩነታት ዝተቓላዕና ህዝቢ ኮና ኣለና። ኣብዚ ሽግርና ሰማይ ዝዓረገሉ እዋን ከም ህዝቢ ካብ ሽግርና ክንላቐቕ ፍኒሕ እንተ ኢልና ከምኡውን ሓላፍነትና ኮነ ጉቡእና ደሪኹና ነድርና ከም ሃልሃልታ ንፖለቲካዊ መራሕ ክኸውን ዝደሊ ዝውጥር ክኸውን ይግባእ።፣ መረረ ጥራይ ምድርዳር በይኑ ኣኻሊ ኣይኮነን። ደቂስና ኣለና። ናይ ሕሰም ድቃስ ከሎስ ርዒምና ካብ ካልኦት ዘይለኣኽናዮም ክውድኡልና ምጽባይ ንናጽነት ከም ዘይበቓዕና ኢና ንሕብር ዘለና። ትግሃት ካብ ህዝቢ ይብገስ፣ ስራሕ ድማ በቶም ትወኪሊም ዝተላእኩ ይፍልጸም። ካልእ ኣማራጽን ማንታ መንገድን ድማ የለን።
ኢሰያስ ብመጀመርያ መን ኢዩ ንምፍላጥ ኣተኩሮና ከም ህዝቢ ክብ ክብል ነይርዎ። ዶክተር ዘይነብ ንህዝባዊ ሓይልታት ስዒባ ንህዝባዊ ግንባር፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ንህግደፍ ትፈልጥያዶ ትኾኒ፡ ከም ቅርጺ ማለተይ ኢየ? ገለ ካብቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ኣባላት መንግስቲ ኣሚትኪ ዘቕረብክዮ መረረን መግለጽኺን ብጣዕሚ ከም ትሕዝቶ ድማ ቅረታኺ ኣብ ልዕሊኦም ዘለኪ ሓበሬታን ከተረድኢ ፈቲንኪ። ካብታ ከም ሰብ መጠን ንነብሶም ወፍዮም ዝለገስዋ ህይወት ትዓቢ ንላዕሊ እሞ እንታይ ክውፍዩ ትጽበይ? ሓደ ኣብ ፓልትክ ዝገልጽ ዝነበረ ሃይለ ዝበሃል መዳሪ ,,ዝበርዓነ ተበግሶ“ ክብል እውን መግለጺ ምሃቡ ትዝ ይብለኒ። ንኮፍ ዝበለ ሰማይ ቀረብኡ ዓይነት ኣገላልጻ። ኢሰያስ እውን ከምኡ ዝብል መግለጺ ኢዩ ዝህብ። ኣብ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዝነበሩ ገርካ ምግላጽ ጥራይ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ስብ ናቱ ናይ ባዕሉ ፍልስፍና ክህልዎ ይኽእል ይኸውን። ንሳቶም እውን ብተግባር ህዝባዊ ምብርባራት ፈኸም ከብሉ ምጽንሖም ኣብ ውሽጢ ህግደፍ ይፍለጥ ነይሩ። ከምቲ ኩሉ ዝወሰድዎ ስጉምቲ መታን ብመድረኽ ክዓቢ ተቓውሞ ተጋደልቲ 1993 ክጠውዩ ፈቲኖም። ኣብ ናይ ናቕፋ 1994 ውድባዊ ጉባኤ ታርኦም ክጻወቱ ሃቂኖም። እቲ ቀንዲ ዓመጽ ቅድሚ 1991 ኢዩ ተፈጺሙ። ካብ መሳርዕ ክሳብ መንበር ዋና ጸሓፊ ብኮድ ዝተኣስረ ናይ ምልክት ቋንቋ ጥራይ ዝፍታሕ ነይሩ። እዚ እውን ንናይ ጸላኢ ዘካይዶ ናይ ስለላ መርበብ ንምጥሓስ ተባሂሉ ዝኸይድ ሜላ ኢዩ ከም ምኽንያት ተሓንጺጹ። ባዕሉ ማሕሙድ ሸሪፎ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ነቲ ናይ ምልክት ዕማም መፍትሒ ኮድ ኣይነበሮን። ንምዕቃብ ምስጢራት ተባሂሉ ስለ ዝወጸ ድማ ዳርጋ ኩሎም ዝፈትሕዎ እንተ ነበሮም ኣብ ኣሃዱኦም እንተዘይ ኮይኑ ካልእ ርክባት ኣይፍቀድን ነይሩ። እዚ እውን ጸላኢ ጠሊፉ ኮድ ሓይልታት ከይርከብ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ነዚ ኣስራርሓ እዚ ድማ ተቐቢሎሞ ይኸዱ ነይሮም። እዚ እውን ንድሕነት ወተሃደራዊ ስርሒትን ምዕቃብ ምስጢራትን ተባሂሉ ዝተፈጸመ ኢዩ። ድሕነት ሃገርን ህዝብን ንዝምልከት ዝተገብረ ምዕቃብ ምስጢር ዳርጋ ንርክባት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ነንሕድሕዶም ርክብ ከይገብሩ ኣሲርዎም። ኮድ ድማ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ወርሒ ዝለውወጥ ኢዩ ነይሩ። ተገይሩ ዝወሃበካ ድማ ካብቲ ቤት-ጽሕፈት ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ማእከላይ ሽማግለ ወይ ካልእ መሪሕነት ዝሳተፎ ኣይነበረን። እዚ እውን ንድሕነት ቃልስና ዝሓለነ ኢዩ ነይሩ። የዐዊቱ እውን። ተመሊሱ ንኹሉ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ርክብ መሪሕነታትን ህዝብን ኣሲሩን ቀድፊዱን ክሕዝ ግን መን ሓሊምዎ ይፈልጥ። ብታሕቲ ታሕቲ ግን ንምፍትሑ ዘሸግር ኣሰራርሓ ተፈጺሙ። ኣብ ነፍስ-ወከፍ ኣሃዱ እውን ንኢሰያስ ዘገልግሉ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብፍልይ ዝተዘርግሑ ስለላ እውን ነይሮም። እቲ ዝኸፍአ ግን ጸላኢ ምስ ወጸ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ነርክበሉ ኢና ዝብል ለዋህ ግምት ነይሮውም ንተጋዳላይ ነይርዎን። ንኹሉ ክበጽሕዎ ዝደልዩ ፍሉይ ናይ ስለላ መርበብ ተዘርጊሑ ስለ ዝነበረ፣ ድሕሪ ናጽነት እውን ስምዒቶም ንምምርማር ከቢድ ስለላ ኢዩ ትኻይዱ። ሰብ ድላዩ የተርጉሞ ወይ ድማ ብዝመስሎ ይተንትኖ እንበር ሓደ ብጻዮም ንስራሕ ወይ ንፍሉይ ዕማም ተደልዩ ተባሂሉ ምስ ከደ ናበይ ከይዱ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ከም ልምዲ ዘይፍቑድ ምንባሩ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከለና ንኹላህና ሃስዩና ኢዩ። ብርግጽ ብወተሃደራዊ ኣሰራርሓ ኣዐዊቱና። ግን ድሕሪ ደርጊ ግን ካብ ታሕተዎት ኣባላት ሰበ ስልጣን ክሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከም ዕላማ ንክኾኑ ተቓሊዖም ኢዮም። ሎሚ እውን እቲ ርክብ ስለ ዘየለ እንበር ነዚ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ ኣብ ፍንው ከባቢ ድልየት ኣሎ። እዚ ንሃገርን ህዝብን ቀፊዱ ዝሓዘ ዲክታተር መጀመርያ ኣቓልቦ ህዝቢ ዝስሕበሉ መድረኽ፣ ኣብ ድሕሪት ኮይኑ ቀሪጹን ተዓዊትሉ። ካልኣይ ነዞም ዝመቆሖም ሰባት ክልተ ግዜ፣ ብድሕሪኦም ንኣማራርሓ ተግባራቶም ዘነውር ብታሕቲ ፈንዩ ብተጋደልቲ ጨና ዘይብሉ ሕማቕ ስምን ሕሽኽሽኽ ኣስሪጹ። ኢሰያስ እንተ ዘይኮይኑ ካልኦት ኩሎም ንመትከል ህዝባዊ ግንባር ደው ዘይብሉ ብልሽዋት ኢዮም ዝብል ርእይቶ ሰሊኹን ዓኺኹን ሰዊዱን። ነዚ ቤላ በለው ይፈልጥዎን ይጽየፍዎን ነይሮም። ግን ኣሰራርሓ ግንባር ኣብ ድስፕሊን ዝተመርኮሰ ህንጻ ብምንባሩ፣ ኣተሓሳስበኦም ብናእሽቱ ፍጻሜታት ከይባህረቱ ይሰርሑ ነይሮም። ኣብ ዕላማኻ ክትበጽሕ ንናእሽቱ ጉዳያት ኣዕቢኻ ምምንጫት ከም ኣዕናዊ ተግባር ስለ ዝረኣይዎ ንነብሶም ክከላኸሉላ ኣይመረጹን። ግዳይ ነብሶም ባዕሎም ከም ትዓቢ ገይሮማ። ምግልባጥ ወይ ምቕንጻል ከም መትከል ኣይኣመኑሉን። ዝጠልቡ እውን ኣይተሳእኑን። ካብ 1993 ጀሚሩ ናይ ጥንታውያን ተቓወምቲ ሃገራውያን ስለ ዝኾኑ ኣብ ሃገር ኣትዮም ተርኦም ክጻወቱን ነጻ ፖለቲካዊ መድረኽ ክፍቀድ ብውሽጢ ከቢድ ድፍኢት ኢዮም ኣካይዶም። ኣንጻሮም እኮ ኢዩ ነቲ ዝብልዎ ዝነበሩ ፍልስፍና ክምልስ ደልዩ ,,ናይ ወድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን“ ዝበለ። ኣብ ኢንተርቭው ኣል ኣህራም ሃይለ ድሩዕ >>እቶም ክላሲካውያን ተቓወምቲ ሃገር ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ከም ሃገሮም ትብጸሖም ኢያ<< ምባሉ ዝዝከር ኢዩ። ኢሰያስ ግን ንኹሉ ክተግብር፣ ቀልጢፉ ነታ ናይ ስለላ መርበብ ትፈትሕ ንኹሉ ውግኣት ኣንጻር ደርጊ ብጽፉፍ ዝመርሐት ,,72“ ዝበተና። ግን ክብትና ከሎ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘስረጾ ነገር ነይሩ፡፡ ግን ከመይ ዝበለ? ኢድ ኢሰያስ ከም ጅግና ኣብ ሑቕፊ ህዝቢ ዓሊቡ ስለ ዝነበረ፣ ማዕከን ንብረት ህዝቢ ወኒኑ ስለ ዝገበቶ፣ ጸጥታ ስለ ዝተቆጻጸረ፣ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ እግሩን መርገጺኡን ስለ ዝተሃገረ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓበሬታን ,,ጅሃት ስትኽባራትን“ ምስ ምሉእ መትንታቱ በይኑ ወኒንዎ ብምጽንሑ ንኹሉ ሓራ ክወጽእ ዝንቀሳቐስ ዝበጣጥሰሉ ኣካል ብምቛሙ ክመጾም ዝኽእል ኣብ ግምት ኣእትዮም ክውፈዩ መረጹ። ኣብ መጻኢ ግዜ ዝጽሕፎ ዝገልጾ፣ ብፍላይ ድማ ንድሕነት ዝተፈላለየ ጉዳያት ንምዕቃብ ክተሓዝ ዘለዎ ኣንቢርካ፣ ስለምንታይ ንነብስኹም ኣሕሊፍኩም ትህብዎ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎ ዝሃብዎ መልሲ፣ ከም ምስክር ,,ክንስለፍ ከለና ንነብስና ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ስለ ዝወናያ ሎሚ ብውሽጢ እውን ዝመጸ ይምጻእ ምእንቲ ክንዕቅባ ኢልና ክንየው እዚ ርዒድና ኣይነፍቅድን። ንህዝብና ንገልጸሉ፣ ዘለና ኩሉ ንህቦ ንዝመጽእ ድማ ንሕተት። እንኮ ሓንቲ ንኹሉ ተሓትት ሃገር ትተሃነጽ እንበር ንሕተት“ ዝብል መርገጺ ኢዮም ሂቦም። ናይ ደሴታትን ናይ ዶብን ናይ ጅሃድን ሰበብ እንዳ ገበረ ገለ ገለ ኣባላት ሰራዊትን መሻርኽቱን ልኢኹ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ጎነጽን ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣከታቲሉ ይኸፍትን፣ ኣቓልቦ ሃገርን ህዝብን የዘንብዕ ብምንባሩ ንኹሉ ክገብሮዎ ዝደልዩ የበርዕን ነይሩ። ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዘለወሉ ህቦት ገለ ኣብ ርእሱ ዝፍጸም ተግባር ምስ ዘካይዱ ህዝብን ሃገርን ከም ዘይተቓለስትን ከሓድትን ገይሩ ዘቕርበሉ ዝተፈላለየ ጠነጋት ፍሒሱ ጅሆ ሒዝዎም ነይሩ። ዘይፈተንዎ መእለይ ኣይነበረን። ፈታው ሃገር ጅግና መሲሉ ዝረኣየሉ ናይ በጊዕ ማቕ ኣስሪሑ ንኣራዊታዊ ተግባሩ ሸፊንዎስ፣ ኣደታት ከይተረፋ ደቀን እንዳ ወፈያ ለይቲ ክሓልማሉን ቀትሪ ከዕልላሉን ይርከባ ነይረንን ኣለዋን። እዞም ተመቂሖምን ተኣሲሮም ዘለዉ ስባት ኣብ ስለጣን ዝነበሩሉ ኩነታት ሃገር ከምዚ ናይ ሎሚ ዕርቃና ኣይተቓለዐን ነይሩ። ደሞክራሲያዊ ለውጢ ተኻይዱ ነይሩ እንተ ዝከውን ዛጊድ ገለ ስጉምትታት ንቕድሚት መትከል እግሪ ሃገር ምሃነጸት ነይራ። ሕጅውን ዝተፈላለየ ሜላታት ብዝከእሎም ክገብሩን ካብ ባዶ ተበጊሶም ናብ ህዝቢ ክወርዱን ዘይተበላሓትዎ ኣይነበረን። ዘይፈለጥውን ዘይተጸበይዎን ግን ዋላ ሓንቲ ኣይነበረን። ሰራዊትን ህዝብን ጅሆ ተታሒዙ ስለ ዝነበረ ዕዉት ፈተነ ክኸውን ኣይከኣለን። ምሉእ ኣተሓሳስባ ህዝባዊ ሰራዊት ቀዳማይ ጸላኢ ንምውጻእ ዝጠመተ፣ ንኹሉ ካልእ መድረኻት ድማ ተጎስዩ ዝተሓልፈ፣ ኣብዛ መድረኽ እዚኣ፣ ንእምነት ተጋደልትን ህዝብን ናብ ሓደ ኣንፈት ጥራይ ምጥማቱ ዝተዓዘበ ፍሉይ ኣራዊት ብድሕሪኦም ገዲፎም ከም ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኢሰያስ ጥልመቱ ክሳብ ክንዲዚ ይኸይድ ዝብል ፈጺሞም ሓሲቦሞን ኣቕሊቦሙሉን ኣይፈልጡን ነይሮም ዝብል ግምት ዘይተጸይዎ ኣይነበረን። ይእሰሩ ኣብ ትሕቲ ፍትሒ ይቐርቡ ዝብል ራእይ ከም መተካእታ እንተ ተኸተሎም ግን ኣብ መጋባእያ ቀሪቦም ክምድሩን ክገልጹን ድልዋት ኢዮም ምንባሮም ዝዝክሮ ይዝክሮ። እቲ ናብ ምሉእ ህዝቢ ዘብጽሕ መስመራት ከም ማዕጾ ኳሕኪሖሞ ኢዮም። ከምቲ ንሶም ዘበራበርዎ ዘበራበረ ዋላ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ የለን። ኣብ ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ይኹን ኣብ ገለ ናይ ምብራቓውያን ሃገራት ኣቓልቦ ህዝቢ ንሙጉዕጻጽ ናይ ውግእ ዓውድን ግንባር ምኽፋት ብፍላይ ኣብ ከባቢና ዝውቱር ኢዩ። ገለ ገለ ድማ ኣብ ፖሊቲካዊ ፍልስፍና ምግምጣል መንግስቲን ምቕንጻል መራሕን ልሙድ ኢዩ። ዕልዋ ደድሕሪ ዕልዋ ተኸታቲልካ ምኻድ ኣብ ኣፍሪቃ ደቡብ-ኣመሪካ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሃገራት ኣስያ ዝውቱር ነይሩን ኣብ ገለ እውን ኣሎ። ቅትለት ኮነ ምቕንጻላትን ድማ ኣብ ህዝቢ ከም ቅቡል ኮይኑ ዝረኣየሉ መገዲ ከም መፍትሒ ይውሰድ። ሳዕቤኑ ግን ክፉእ እንበር ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣምጺኡ ኣይፈልጥን። ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ንምንታይ ብጋዜጣን ብጽሑፍን ብመደረን ዝፍትንዎ? ብጥይት ዘይቅንጽልዎ ሓሚቖም ዝብል ትንታኔ ብብዝሒ ትሰምዕ። እዚ እውን ሎሚ ናይ ኢሰያስ ድቕድቕ ጸልማት ዝሕብሩ ጨካን ዲክታቶርያዊ ተግባር ምስ በርሀ ዝበሃል ዘሎ መግለጺ እንባር፣ ህዝብና ከምዚ ዝበለ ባህርን ራእይን ኣብ ሓሳቡን ሃሙን ቀልቡን ተሰኺዑ ኣይፍለጥን ዝነበረ። ግን ካብታ ሕማቕ ዝገብሩኻ ሕማቕ ዝምህሩኻ፣ ኮይኑስ እንሆ በዚ ሰብድዩ ኣራዊት ዘይፍለጥ ሓሳባትና ናብ ክፉእ ዘንቢሉ፣ ዘይደለናዮ ንጠልብ ኣለና። ናብ ህዝቢ ክወርዱ ከለዉ እውን ህይወቶም ቀርቂሮማ ግን ዝተኸፍለ ይከፈል ዝብል ንህይወቶም ወፍዩ። ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋስ ተዓዚቦሞ ኢዮም። ገለ ካብኦም እውን ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ኣብ ጀርመን ከም በዓል ኣምባሳደር በራኺ እንታይ ከም ዝስዕብ እንዳ ፈለጡ ክእሰሩ ንኣስመራ ኢዮም ተመሊሶም። እቲ ዝወሰድዎ ብነብሶም ዝኽፈል ተወፋይነት ምሉእ ንምሉእ ተፋጢጦሞ ኢዮም።
ህዝባዊ ሓይልታት ከም ካብ ጀብሃ ዝተፈልየ ውድብ ክህነጽ ከሎ ፍሉይ ቅርጺ ሕዙ ኢዩተበጊሱ። ካብቲ ብፍኑው ብዘይ ስሩዕ ዝኸይድ ዝነበረ ግን ህዝባዊ ውክልና ዝነበራ፣ ግንከ ናይ ዘይተመዓራረየን ፍንው ምንቅስቓስ ኢያ ህዝባዊ ሓይልታት ተፈልያ። ግብ ብዘይ ገለ መደብ ኣይነበረን። ኩሎም እቶም ክፍለዩ ዝመደቡ ኣብ ስለስተ መደብ ተቛራሪሶም ብምፍላዮም ሓደ ዓይነት ራእይን ሓሳብ ድማ ኣይነበሮምን። ኣብ ነፍሲ ወኪፍ ሓይሊ ካብተን ሓይልታት ድማ ርእሱ ዝኸኣለ ፍልልያት ነይሩ ኢዩ። ክሳብ እተን ክፍልታት ብሓባር ዝቀራረባ ከቢድ ሃጓፍ ኣብ መንጎአን ነይርዎን። ዳርጋ ኣይፋለጣን ነይረን ክበሃል ይከኣል። ነቲ ፍልልያት ዘጽብብ ብዘይካ ጸቢብ ሃገራውነት ካልእ ስፍሕ ዝበለ ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ርካባት ኣይነበረን። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ነቲ ከም ውድብ ክጥርነፍ ዝሓስብ ዝነበረ ኣካል ዝተፈላለየ ሜላ ይኽተል ምንባሩ ይዝከር። ርክብ ናይ እተን ክፍልታት ድማ ዝርገሐ ዘለዎን ነቲ ዝፍጽምዎ መደብ ኣብ ኣብ ዕላማ ዘብጽሕ ጎደና ክኽተል ናይ ግድን ኢዩ ነይሩ። እቲ ንተሓኤ ገዲፉ ዝወጸ ኣባል መሪሕነት ዝነበረ፣ ናይ መሪሕነት ቦትኡ ንምብሓት ካብ መጀመርያ ዝብሕተሉ ሕዛኣቲ ቀደም ብስዉር ሎሚ ብጉሁድ በብደረጅኡ እንዳ ሃነጸ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። እቲ ዓሳ ነባሪ ነቶም ዝጥበሱ ናእሽቱ ዓሳታት ኣብ ሞቕሎ ነቶም ናእሽቱ ሰራዲን ኣብ ኣስቃጥላ ዘእትወሉ ምትሃት ኣዳልዩ ተግበርቲ ሓንጎሎ ሓጺቡ ዝኸደሉ መስመር ኣጣጢሑ ኢዩ ኣንጺፍዎ። እቶም ነዚ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ቦታ ንክብሕት ከይተረድኦም ከይጠፍእ መታን እልይ ክብለሎም ንቻይና ዘርሓቕዎ መሲልዎም ዝዓበየ ተንኮል ክመሃር መሪጾም ሰዲዶሞ። ነቲ ተጋደልቲ ዝመረጽዎ ናይ ሓሙሻይ ክፍሊ ሙሴ ተስፋሚካኤል ግን ኣትሪፎሞ። ሸርሒ ድኣ ኣንጻር ገላውዲዮስ ኣብ ደማስቆ ዝፈጸመ ኢሰያስዶ ኣይኮነን? እወ ሓንቲ ተሳሓቢት ሮመዳን ሓመድኖር ትበሃል ግን ነይራቶ። ገለ ናይ እምነት ኣፈላላይ ከይፍጠር ኢሎም ዘርሓቕዎ መሳኪን ሎሚ ኩሉ ከማርሮም ንጽቡቕ ኣተሓሳስባ ንሮመዳን ሓመድኖር ኣብ ናይ 1994 ውድባ ጉባኤ ናቕፋ ኣየድሓንዎን ዲዮም። ሎሚ ስእሊ ናይቲ ምፍላይ ዝጠፍኦ ወለዶ ብዝመስሎ ነቲ ቅብኣ-ስእሊ ብዝመስሎ ከም በሓድሽ ክስእሎ እንተ ፈተነ ነቲ ተ.ሓ.ኤ ዝኸደቶ ዘየዐወተ መስመር ተኸቲልና ክንደናገር ኣይግባእን። እቶም ኣብ 1973 ዝተንቀሳቐሱ ብስም መንካዕ ዝፍለጡ ንመስመር ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ከእትዉ ዝተበገሱ ሎሚ ብዝይ ተዘክሮን ብዘይ ኣቓልቦን ኣብ ባይታ በልዮም ተሪፎም ኣለዉ። ዶክተር ዘይነብ እስከ ሕሰቢ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን እሱር ኣብ ፍርዲ ኣይቀርብን፣ ንሶም ግን ዝቐርቡ መሲልዎ ነይሩ፣ ሕጋዊ መስርሕ ዝበሃል ኣይካየድን፣ ህዝቢ ኤርትራ የውሕሶም ወይ ይለዓል ዝብል ሓሳብ ነይርዎም። ቅሉዕ ፍርድን ፈራዳይን ዘይብሉ ሃገር ብግልጺ ዓለም ምሉእ ይፈልጥ፣ ንሶም ግን እቲ ዘውትር ዝፈልጥዎ ህዝቢ እንተወሓደ ገለ ካብቲ መሪሕ ክለዓል ከሎ ምንቅጥቃት ስልጣን ይትንከፍ እሞ ህዝብ ኣብ ቅድመና ቅረቡ ዝብሎም መሲልዎም። ብሕቡእ ባይቶ ይተኣከብ ዝብል ጠለብ ንቡር ስለ ዝኾነ ጠሊቦም። ንሱ ግን ህዝቢ ከጽቅጥ ኢዩ ኢሉ ዝገመተ ኢዩ ዝመስል፣ ,,ትም መሪጸ ኣለኹ ዝበለ“። ኢሰያስ ኣብ ህዝቢ ዝተዓዘበኦ ነገር ግን ኣሎ። ኣስኪ ንመልከት! ወለዲ ደቆምን ካብ ዘርኦም ዝተወልዱ ደቂ-ደቆም ተመንዚዖም እንዳ ተወስዱ መላእ ህዝቢ ይዕዘብ፣ ግን ብፍንው እውን ፍሕት ዝብል ኣይተራእየን። ካብ መዓስ ኣበይንከ ኢዩ ወላዲ ክንዲ ውላዱ ከም ዝብኢ ዝወሰዳ ማሕስእ እንዳ ተወስደ ዘጽቅጥ? ንብረት ገዛ ሃብቲ ርሽቲ ንውላድካ ከተረክቦ ኢኻ ትጽዕር። ዓለማዊ መስርሕን ባህልን ጥራይ ዘይኮነስ ብፍላይ ኤርትራዊ ባህርን ጠባይን ካብ ጀጋኑ ወለድና ዝወረስናዮ ሎሚ ኣበይ ኣሎ! ተሸጊርና ዘምሃርናዮም፣ ተሸጎርማ ዘዕበናዮም፣ ናይ መጻኢት ኤርትራ ሃነጽቲ ክኾኑ ከስዔና ከም ገንሸል ዒድን ፋስጋን ክጉዩሑ እንዳ ረኤና ነጽቅጥ!! ኣብ ልዑል ትምህርቲ በጺሖም መንግስትና ተጋግያ ኣላ ኣብ ዝበለሉ ዘርእና ካብ ዩኒቨርሲቲ ንዊዓ ክወርዱ ከለዉ፣ ኡይ ዝበለ ለዲ ደቅና እንዳ በላ ኣደታት ክህረማን ክርገጻን ንናእሽቱ ደቀን ኣብ ገዛ ዓጽየን ክጠርዓ፣ ኣጽቂጣን ብዋዒ ክሞቱ ከለዉ እንታይ ገርና። እዚ ኩሉ እንዳ ተፈጸመ ህዝቢ ኣስመራ መስተን ኣደታት ኮይኑ ኡይ ከይብል እንታይ ከልከሎ፣ ሰራዊት እውን ነቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ነቶም ዓበይቲ ደቆም እንዳ ተዳህኩ ስቕ ኣይበለን ዲዩ? ህዝቢ ኣይረኣየን ድዩ? ኣይተዓዘበን ዲዩ? ህዝባዊ ሓይልታት ዝጀመረቶ በብደረጅኡ እንዳ ተቓያየረ ዝመጸ ናይ ህግደፍ ስርዓት ብሓደ ወልቀ-ሰብ ዝውነን ትካል ስንኩላት ብጥይት እንዳ ቀርደደ፣ ነቶም በጃ ሃገርን ህዝብን ዝጎደሉን ዝተወፈዩን ዘይከላኸል ህዝቢ፣ ተገልቢጡ ስቓይ ናብ ነብሱ ብዝኸፍአ ስቓይ እንተወረደ ዘይንፈልጦ ነገር ኢዩ በጺሑና ንብል ዘለና። እንታይ እሞ ካልእ መፍትሒ ክንጽበ ንኽእል። ዝኾነ ይኹን ጉጅለ ወይ ውልቀ-ሰብ ህዝባዊ ውሕስነትን ሕጋዊ ጽላልን ዘይብሉ እንታይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል። እቶም ወግሐ ጸብሐ ንጋዜጣታት ምስ ጋዘጠኛታት ኣበራቢሮም ነቲ ውሽጣዊ ጸገም ንግዳም ኣቃሊዖም ከበራበሩና ዝተበገሱ ሎሚ ከምቲ ናቶም ገይሩ ዘበራበረ ክንርኢ ክኢልና ዲና? ሰላማዊ ሰልፊን ናይ ርእይቶ ናጽነትን ሕጋዊ ጽላል የለን እንዳ በልና ንዓለም ንጠርዕ ዘለና፣ ከም ኣብነት እንዳ ጠቐስናዮም ኣቤት ክንብል ብጽሑፍን ብድምጽናን ነስምዕ ዘለናስ ምስ ምስ ተበጀወልና ዲያ? ንዝገበረ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ዝብል መግለጺ ጠፊኡና ማለት ኢዩ? ተግባራን ቅርጻን ኣረመናዊት ዝኾነት ህግደፍ ዝድግፍ ጽሑፋት ክትሰምዕስ ንናጽነት ምግላጽና ማለት ዲዩ? ሽግርና ክንብል ከለና ውፍያትና ረሲኦና፣ ንመስዋእቶም ነጺግና ንበጽሖ ዓላማ ኣለና ማለት ዲዩ? ናብ ጥራናፈኸ የብጽሓና ዲና ንብል ዝለና። መልክዕ ህግደፍ ቀደድ ኢሉ ክርአ ዝገበረ እሞ ብኣካላዊ ተግባር ኣሎዶ?።
ብውሽጢ ለውጢ ክመጽእ ተባሂሉ ዘይተገበረ ፈተነ የልን። ኣብ ሓይልታት ክምክልኻል ዘለዉ ጀነራላት፣ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳር ዘለዉ ኣመሓደርቲ፣ ኣብ በጻብዕ ዝቑጸሩ ካቢኔ ዘለዉ ምንስትርታት፣ ክስመዩ ከለዉ ተዓዚብና። ሕቡእን ዘይንፈልጦም፣ ስውራት ናይ ጸጥታ ኣብ ሓሓጺሩ እውን ከም ሳጥናኤል ዝለዋወጡ፣ ገለ እውን ቀንጺሎም ከይተፍለጡ ምስጢር ከይገልጹ ዝቕንተሉ። ኣብ ኣመሎምን ኣተዓባብዮኦምን ጉድለት ዘለዎም ተፈልፊሎም ዝዓብዩ ናይ ጸጥታ መስርዓት ተሓልዮም፣ ሰብ ርኢዎም ዘይፍለጥን፣ ህዝብስ ይትረፍ ስድርኦም ብማዕዶ ክሪእዎም ዘይክእሉ፣ ክንደይ ሳዕ ከም ዝሸኑን ናበይ ወይ ኩባያ ማይ ክሰትዩ ይፍቀደሎዶ? ህልዋት ወይ ፍልሖ በሊዕዎም፣ ይነብሩ ኣይንበሩ ንፍለጦ ነገር እውን የለን። ናይ ሶቭየት ሓይሊ ንሓደ ሲሶ ዓለም ሰፍሒ ሃገር ን80 ዓመታት ቀፊዱ ህዝብን ወለዶታትን ስለ ዘብረሰ ብናይ ካልእ ታሪክ ተዳዓዒስና ኣለናዶ ክንብል? ካብ ትሮተስኪ ክሳብ ጎርባቾቭ ክንደይ ውልቀ-ሰባት ኢዮም ተላዕሎምን ጠፊኦምን? ስለዚ ንሓና እውን ገለ ምስኦም ዝመዛዘን ታሪኽ ንፍጽም ዘለና መሲሉ ዲዩ ዝረኣየና ዘሎ። ካብቲ ማሕበራዊ ደንበ ዝተኻየደ ክንመሃር ኢዩ ዝግበኣና እንበር፣ ነታ ደምና ከፊላን ናጻ ግን ብዘይ ደሞክራሲ ዝተቐበልናያ ሃገርና፣ ደሞክራሲያዊ ከይዲ መታን ክንረክብ ጥርናፈ ናይ ኩሉ ሃገራዊ ከድልየና ኢዩ።
ከይዱ ከይዱ ግን ህዝባዊ መረረ ክሕበኣሉ ኣብ ዘይክእል ጥራይ ዘይኮነስ፣ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ ከም ብርሃን ቀትሪ ደሚቑ ዝረኣየለኡ፣ ብኣንጻሩ ቁጠባዊ ዓቕሙ ተባሕጊጉ ወስ ክብለሉ ኣብ ዘይክእል ሃደሽደሽ እንዳበለ (ኮላብስ) ከሎ ዕድሚኡ ዘሕጽር ብህዝባዊ ናዕቢ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንጉዳዩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ክሳብ ዘይተንቀሳቐሰ ናይ ውድባት ለውጢ ናይ ሰልፍታት ምቅንጃው ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ የለን። 13 ይኹና ወይ ክልተ ወይ ሓንቲ ትካል ተቓውሞ፣ ወይ ይቃወምኦ ህዝባዊ መልእኽቲ እንተደኣ ዘይተሰኪማ ወይ ዘይተሰኪመን ስል ዝጨረሓን ዝጋዓራን ዝልውጦኦ ክህሉ ኣይክእልን። እዘን ናይ ተቓውሞ 13 ትካላት እውን እኮ ኣብቲ ዘለውኦ ቁጽሪ ክድይባ ዝኸእላ ከምኡ ዘግብር ሃዋሁ ስለ ዘሎ ጥራይ ኢየን በርኪተን። ህዝቢ ክንደይ ካብ ሚእቲ ንመን ይድግፍ ወይ ይነጽግ ዝፍለጥ የለን። ብሚእታዊትስ ይትረፍ ተሳትፍኡ ፈጺሙ ሃጥሙ ኢዩ ዘሎ። ከም ኣናጹ ገርካ ክትሰምየን ከለኻ ንዐን ዝወለዳ ኣናጹ እውን ክህልዋ ኣለወን ኢልካ ምሕሳብ የድሊ። ንሕና ኣናጹ እንተኮና ኣናጹ ንወልድ። ካበይ እሞ ደኣ ተወሊደን። ኢሰያስ ተቓውሞ የለን ክብል ከሎ ንዐአን ጥራይ ኣይኮነን የለዋን ዝበለን። ንኹላህና ኢዩ ተቓዋማይ ወይ ተቓዋሚት የለን ዝብለና ዘሎ። መፍትሒ ካብ ውድባትን ስለፍታትን ክንጽበ፣ ካበይ ዝመጸ ሓይልን ንብረትን ሰራዊትን ገይረን ከውጽኣና ንጽበ ኣለና? እንተዘውጸእና ድማ ከመይ ዝበለ ስርዓት ክተኽላ ንጽበ? ንሰን ዝተኸልኦ ስርዓት ካባና ዝተበገሰ ስለ ዘይኮነስ ካብቲ ኣባጋግሰአብ ዝቦቖለ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ካብ ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ደንበ ተቓውሞ፣ ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ህዝቢ ትብል ምመረጽኩ። ህዝቢ ጉዳዩ ኣብ ኢዱ ይጨብጥ። ተሰካም ስቅያት ንሱ ተመሊሱ ጾሩ ናብ ውድባት ከንብር ኣይግባእን። ውድባት ብዘይካ መልእኽቲ ህዝቢ ከም ጠለብ ተሰኪመን ክኸዳ ካብቲ ህዝቢ ክለኣኻ ኣለወን። ዘይብቑዓት ምስ ዝኾና ድማ ብውዕውዕ ተሳትፎ፣ ሕድሪ ከም ዝጠለማ ብጋህዲ ክግለጽ ኣለዎ። ብዘይካ ናይ ትቓውሞ ውድባት ዝኸይድ መስርሕ ዝዕወት ቃልሲ ክሰላሰል ኣይክእልን። እዚ ርዱእ ኢዩ። ውድብ እኮ ነቲ ንሕና ንደልዮ ተግባር ዝለኣኸና ትካል ኢዩ። ትካል ህዝቢ ማለት ድማ ተባሂሉ ይጽዋዕ። መን ዝተኸሎ ኢዩ ከዕውተና ንጽበ ዘለና። መደብ ወድብ መድብ ስለፊ ዝብል ካብ ህዝቢ ክብገስ ኣለዎ። ንመን ወኪሉ ክሰርሕ? መን ልኢኽዎ ንመንከ ከዕውት? ህዝቢ ድልየቱን ፖለቲካዊ ኣንፈቱን ከም መርገጺ ምስ ዝህልዎ ጠለባቱ ኣብ ባይታ ከንጽፍ ክውከል ከም ዘለዎ ክኣምነሉን፣ እምነቱ ከረጋግጽ ንመረጋገጺ ዝኸውን ኣድላይ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ክስከም ኣለዎ። እዚ ይግብኣኒ ትብሎ ብሓለፋ ጥራይ ኣይኮነን ጉብእካ ዝረጋገጽ። ከም ህዝቢ ካልኦት ዝልጉስልካን ዝምጥውኻን ናጽነትን ሓርነትን ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ሰብ ክሳብ ነፍስ-ወከፍ ንረብሕኡ ከማልእ ውልቃዊ ተበግሶታት ዝሃለዎ፣ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ከምቲ ናቱ ድልየት ረብሓን ዘለዎን ካልእ ኣካል ጎነጽ ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። እዚ እውን ረብሓ ክህልዎ ባህርያዊ ይኹን እንበር ረብሓ ክበሃል ከሎ ደረተ-ኣልቦ ስለ ዘይኮነ። ብመጀመርያ ሓባራዊ ረብሓ ይቕድም። ኣብ መንጎ ሰባት ኮነ ኣብ መንጎ ማሕበረ-ሰብ ዘሰማምዕን ዘዋዓዕልን ውዕል ድማ ምምሕዳር ንብሎ። ፖለቲካዊ ውዕል ይኸውን ማለት ኢዩ።
እቲ ውዕላት ከም ህንጻ ክቖመሉ ቀንዲ ሃናጺ እቲ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። እቲ ዝሕግግ ኣካል ካብ ህዝቢ ውክልና ብሕጋዊ መስርሕ ዝተቐበለ ኢዩ ነቲ ሕግታት ዝነድፍ። በቲ ወክልና ህዝቢ ዝተመርጸ ፈጻሚ ኣካል ድማ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይወሃብ። እቲ ተወካሊ ኣብ ትሕቲ ሕጊን ዝተዋህቦ ፈጻምን ስለ ዝኾነ፣ ብጠለባት ህዝቢ ይኸይድ። እንተዘይ ከደ ድማ ብናይ ቅዋማዊ ቤት-ፍርዲ ስጉምቲ ይውሰደሉ። ህዝቢ ንሰለስቲኤን ህንጻ ሃገር ዝኾና ኣካላት ምስ ምሉእ ናጽነተን የቑመን። ዓለምና በዚ መስርሕ እዚ ኢያ ትጎዓዝ ዘላ። ኣብ ኤርትራ ግን ካብቲ ሰውራ ዝተጀመረሉ እዚ ህንጻታት እዚ ፈጺሙ ኣይነበረን። ግለ ምምሕያሻት ዘለዎ ኣብቲ እዋን ኤርትራ ተዓሚጻ ከም ፈደራላዊት ሃገር ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝኣተወትሉ እውን ካብቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝተበየነ ህንጻ መንግስቲ ኤርትራ ዝብል ቁዋማዊ መጽሓፍ ተነዲፉ ነይሩ። ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ኣፍሪሳ ንኤርትራ ስለ ዝጎበጠታ፣ ኣይሰርሕን። እሱ እውን ምሉእ ኣይነበረን። ክምዕብል ዘኽእሎ ተርእዮ ግን ኣብቲ ፈደራላዊ ባይቶ ተራእዩ ነይሩ። ሃይለ-ስላሰ ነቲ ንጉሳዊ ዘውዱ ከም ኣብነት ንገባቲ ምልኩ ስለ ዘስገኦ ግን ጎቢጥዎ። ሃጸይ ኢሰያስ ድማ ኣብቲ ብሕታዊ ዝፋኖም ኩድጭ ምስ በሉ በቶም ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ይኹን ዝበሉ ናይ ትማሊ መራሕቲ ናይ ሎሚ እሱራት ኣስጊእዎ ንቅዋም መርገጽ እግሩ ገይርዎ። ንሶምስ ተቓሊሶም ቅዋም ከውጽኦ በቒዖም። እቲ ንኹሉ ዝገበተ፣ ሃገርን ህዝብን ኣብ ትሕቲ መዳሱ ዘእተወ ኣርወ ግን ,,ከዳዓት“ ዝብል ስም ከም ተስምያ ወይ ጥምቀት ኣውጺኡሎ። እቲ መሪሕነት ግንባር ናይ ምምራሕ ስምዒት (Sense of Leadership) ኣጥሪዩስ ናይ ሃገርን ፖለቲካዊ ኣመራርሓን ኣንፈት ከትሕዝ ፈቲኑ። ሎሚ ነዚ ኣካይዳ እዚ ከም ዘይነበረ ክትገብር ምፍታን ታርኽካ ምርሳዕ ኢዩ ዘቑጽር። እዚ ኣቲ ቀዳማይ ጽሑፈይ ኮይኑ ዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ናይተን 13 ኣካላት ተቓወምቲ ኣብታ ካልኣይቲ ክጽሕፍ ከም ዝኾንኩ እሕረኪ።
ምስ ሕውነታውን ሃገራውን ሰላምታ
መምህር ተስፉ ዘውደ።