Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሶም ንሕልፈትን ሞትን ተፈሪዶም ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ 16 ነጻ ከም እተለቁ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ገሊጸን።

ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሶም ንሕልፈትን ሞትን ተፈሪዶም ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ 16 ነጻ ከም እተለቁ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ገሊጸን። ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሶም ንሕልፈትን ሞትን ተፈሪዶም ን20 ዓመታት ኣብ ማሕቡስ ካብ ዝጸንሑ 23 ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ 16

ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሶም ንሕልፈትን ሞትን ተፈሪዶም ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ 16 ነጻ ከም እተለቁ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ገሊጸን።
ብምጽናት ዓሌት ተኸሲሶም ንሕልፈትን ሞትን ተፈሪዶም ን20 ዓመታት ኣብ ማሕቡስ ካብ ዝጸንሑ 23 ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ 16 ትማሊ ሓሙስ 6 ጥቅምቲ ነጻ ከም እተለቁ ጋዜጣ ሪፖርተር ናይ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ነጻ ዝተለቁ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ ነበር፡ ናይ ደርግ ጠቕላሊ ምኒስተር ዝነበረ፡ ሻምበል ፍቅረስላሰ ወግደረስ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኮለኔል ፍስሃ ደስታ ከምኡ ‘ውን ሻምበል ለገሰ ኣሰፋው ይርከቡዎም።
እቶም ዝተረፉ 20 ዓመቶም ኣብ ዝመልኡሉ ግዜ ክፍትሑ ምዃኖም ‘ውን ኣቲ ጋዜጣ ይእምት።
እዞም ትማሊ ነጻ ተሊቐቖም ዘለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ግዳይ ከቢድ ገበናቶም ብምዃኑ ገና ዘይረስዖም ላዕለዎት ሰበስልጣን ደርግ፡ ካብ ሕልፈት ማእሰርትን ፍርዲ ሞትን ምሕረት ረኺቦም ነጻ ክልቀቑ ከለዉ፡ እቶም ንዝህቢ ኤርትራ ካብ ግፍዕን መግዛእትን ስርዓት ደርግ ሓራ ዝገበሩዎ ጀጋኑ መራሕቱ ግን ጼሮሞ ብዝኣተዉ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዒራዒሮ ብዘይገበን ንልዕሊ 10 ዓመታት ተኣሲሮም ይሓቁ ‘ለዉ።
እዚ ድማ፡ ንሕሉፍ ኢሰብኣውነትን ሕገ ኣልቦነትን ስርዓት ህግደፍ መሊሱ ዘቃልዕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ‘ውን ገና በዚ ዓንዳሪ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ከይተለከመ ኸሎ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ስርዓት ዕቱብ ስጉምቲ ክወስድ ዘዘኻኽር እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT