ጠዓመ ጐይትኦም (መቐለ) ኣብ 1977 ናብ መስርዕ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። ከም ኩሉ ሰብ በቲ ንቡር ታዕሊም ሜዳ ሓሊፉ ናብ ተዋጋኢ ሓይልታት ተሰሊፉ ግቡኡ ፈጺሙ። ኣብ 80ታት ካብ ተዋጋኢ ሓይልታት ናብ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ማለት ክፍሊ 72 ተመዲቡ ክሳብ ናጽነት፡ ውድብ ናብ ዝለኣኾ ክዋፈርን ክሰርሕን ጸኒሑ።
ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ንዝተፈላለዩ ኣባላት ተቓወምቲ ኤርትራ ብምጭዋይ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ እናቐተለ ኣብ ስቱር ቀጽሪ ኣባይቲ ሬስኦም ክቐብር ዝጸንሓ ሰብ’ ዩ። እዚ ስራሕን ስልጣንን ብቐጥታ ካብ ፕረሲደንት ኢሳያስ’ ዩ ተቐቢልዎ። በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን መሰረት ርክቡን ናይ ስራሕ ተልእኩኡን ምሉእ ብምሉእ ምስ ኢሳያስ ኮይኑ ንሱ ዝመረጾን ኢሳያስ ዝሃቦን ታርጌታት ክሃርምን ክቕንጽልን ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ናጽነት ካብ ዝቐንጸሎም ሰባት ገለ ንምጥቃስ፡-
· ኣብ ግዜ ደርግ፡ ኣባላትን መራሕትን ራስ ገዝ ኮይኖም ዕላማታት መንግስቱ ሃይለማርያም ንምዕዋት ዝሰርሑ ዝነበሩ።
· ከምኡ’ ውን እቲ ውሩይ ተስፋንኪኤል ጆርጆ
· ካልኦት ካብ ሰውራ ከዲዖም ናብ ጸላኢ ዝኣተው ሓያሎ ተጋደልቲ ነበርን ሓደ ካብኦም ገዲም ተጋዳላይ ይሕደጐ ወልደጊዮርጊስ፡ ሓው ንፕረሲደንት ዩኒበርሲቲን ኣምባሳደር EUን ነበር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ እዩ።
ኣብ 90ታት ኢሳያስ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት ንመንግስቱ ሃይለማርያም ንምቕታል ምስ ካልኣዩ ናብ ሃራረ፡ ዝንባብወ ተዋፊሩ ፈተነ ቅትለት ኣካይዱ’ዩ። ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ፈተነ ነብሱ ፈትዩ ክመውት ስለዘይደለየ’ ምበር እቲ ስርሒት ክፈሽል ኣምበይምኽኣለን ይብሉ ብቐረባ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡ። ዝኾነ ኮይኑ ንሱን እቲ ካልኣዩን ተታሒዞም ክልተዓመት ዝኸውን ተኣሲሮም ነጻ ተፈቲሖም ኣስመራ ይመጹ።
መቐለ ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሰ ናብ ኢሳያስ ቀሪቡ ግቡእ ሞገስ ተዋሂብዎ። ከይደንጐየ ክኣ ንቐጻሊ ምስጢራዊ ንጥፈታት ክዋፈር ምዃኑ ብኢሳያስ ተነጊርዎ ነብሱ ኣዳልዩ ወፍሪ ጀሚሩ።
መቐለ ብዘይካ ምስ ኢሳይስ ምስ ዝኾነ ሰብ ርክብን ምትእስሳር ስራሕን የብሉን። ብፍላይ’ ኳ ካብ ዝምባብወ ምስ ተመልሰ፡ ኢሳያስ ክፍጽሞ ዝደልዮ መደባት ኣብ ምትግባር ጥራይ ተዋፊሩ። ብቐንዱ ኢሳያስ ክፍጽሞም ዝብህጐም መደባት እንተልዮም ንመቐለ’ ዩ ዝህቦ።
ንተቓወምቲ ኢትዮጵ’ያ ኣብ ኤወሮጳን ኣሜሪካን ማእከላይ ምብራቕን እናኽደ ዝረኽቦምን ዝውድቦምን መቐለ’ዩ። ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ (OLF) ዝወደበን ብቐጥታ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣትዮም ወትሃደራውን ሽርሓውን መደባቶም ክፍጽሙ ዝገበረ መቐለ’ ዩ። ነዚ ክፍጽሙ ባጀቶም ዝህቦምን ዘነጣጥፎምን ንሱ’ ዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጸሙ ናይ ነታጉ ሽርሕታት (ብዘይካ’ቲ ወያነ ንፕሮፓጋንዳ ኢሎም ዘጋንንዎ ገዲፍና) መቐለ ብዝህቦ መምርሒታት’ ዩ ዝፍጸም። ኣብ ሶማል ካብ ግዜ ዓይዲድ ፈራሕ ጀሚሩ ነቶም ጉጅለታት ዘወሃህድን ተልእኾታት ካብ ኢሳያስ ዘመሓላልፍን መቐለ’ ዩ።
ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተወገደ ብስም እስላማዊ ፍርዲ (Islamic Court) ኣብ ሶማልያ ዝፍለጥ ጉጅለ ኣብ ምፍጣሩን ምዕጣቑን ተልእኾታት ምሃቡን ካብ መጀመሪያ ክሳብ መወዳእታ ካብ ስልጣን ዝተወገደሉ ጊዜ ዝተንቀሳቐሰ መቐለ’ ምበር ካልእ ሰብ ኣይኮነን። ናብኡ ንዝሳተፍ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ስርሖም ከካይዱ ምእንቲ መንገዲ ዝጸረገን ነቲ ስራሕ ወኪል ኢሳያስ ኮይኑ ዘወሃሃደን ዝመርሓን መቐለ እዩ። እቲ ወፍሪ ምስ ፈሸለ ብመንግስቲ ኬንያ ዝተታሓዙ ኣባላት ምክልኻል ኤርትራ ንምፍታሕን ናብ ኣስመራ ብቕጽበት ንምግዓዞምን ዝተዋፈረ ሰብ መቕለ’ ዩ። ብሓይሊ ብረት ዘይኮነ፡ ብሓይሊ ገንዘብን ብላዕን (ጉቦ) እዩ።
መቸም ዘይረኣየ ኣይኣምንን’ ዩ። መቐለ ዘንቀሳቕሶን ዘዋፍሮን ናይ ወጻኢ ሸርፊ መለክዒ የብሉን። ዝሓተቶ ባጀት ከልዕል ብኢሳያስ ተባሪኽሉ’ዩ። ድሕሪ ናጽነት ጥራይ ማእለያ ዘይብሉ ብሚልዮናት ዝፍቐድ ዶላር ኣጥፊኡ ኣሎ።
ጠዓመ ጐይትኦም (መቐለ) ኢደበይዛ ኢሳያስ ኮይኑ ኣብ ሓያለይ ኢሳያስ ዘካይዶም ገበናት ተሳታፍን ተግባርን ምዃኑ ዘየወላውል ሓቂ’ ዩ። ነዚ ክበቅዕ ምእንቲ ኢሳያስ ምጽብጻብ ናይ’ቲ ዘፍቅደሉ ባጀት ገይርሉ ኣይፈልጥን’ዩ። እንተኾነ ጽባሕ ንጉሆ ዝገሃድ ሓቂ እንተሎ ጠዓመ ጐይትኦም (መቐለ) እቲ ዝለዓለ ኣብ ብልሽውና ዝጠሓለ ኣባል መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ’ዩ። ኩሎም ኣዘዝቲ ስርሒታት ዞባ ዝፍጽምዎ ብልሽውና ገንዘብ ተደሚሩ ክንዲ ናይ ጠዓመ ጐይትኦም (መቐለ) ኣይመጽን።
ክንድ ዝኾነ፡ ፍልስፍና “ክብርታትናን ነውርታትናን” ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ንገዛእ ርእሱን ንከም ጠዓመ ጐይትኦምን (መቐለ) ዝኣመሰሉ ዝምልከት ኣይኮነን።
ኣስመሮም