Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብድሕሪ ብጫ መብራህቲ ቀይሕ ዶ ቀጠልያ

ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ዓርቢ ንመዕደኒ ወርቂ ቢሻን ኣብ ማይዕዳጋ ዝነበረ መኽዘን ኣጽዋርን ደብዲበን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረዳ ኣይጋ ፎረምን ትግራይ ኦን ላይን ዝተሰምያ ወብ ሳይታት ገሊጸን:: ቅድሚ ዘን ወብ ሳይታት ግን ረዲዮ ወጋሕታ ነቲ ፍጻሜ ኣብ

ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ዓርቢ ንመዕደኒ ወርቂ ቢሻን ኣብ ማይዕዳጋ ዝነበረ መኽዘን ኣጽዋርን ደብዲበን ከቢድ ዕንወት ከምዘውረዳ ኣይጋ ፎረምን ትግራይ ኦን ላይን ዝተሰምያ ወብ ሳይታት ገሊጸን:: ቅድሚ ዘን ወብ ሳይታት ግን ረዲዮ ወጋሕታ ነቲ ፍጻሜ ኣብ ትሕቲ ሕጂ ዝመጸና ሓበሬታ  ብ 20 መጋቢት ” መንነቶም ብዘይተፈልጡ ኣካላት ኣብ ማይ ዕዳጋ ዝነበረ ደፖ ተቓጺሉ” ዝብል ሓበሬታ ፈንያ:: ኣስማሪኖ ዝተባህለት ወብ ሳይት ብወገና ንሓንቲ ጋዜጣ ሱዳን ብምጥቃስ ነቲ ሓበሬታ ዘርጊሓ::ማዕከን ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ  ብዛዕባዚ ንህዝቢ ዘገድስ ዓቢን ሃንደበታውን መጥቃዕቲ ኣፈን ተዓቢሱ::

ኣይጋ ፎረም ነቲ ዝተጸንዐን ብዝተመርጸ ዕላማን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝበሎ ዝሃቦ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ ኢዩ::

-ሻዕብያ ነታ ብሓደ ካብ ኣባል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተጨውያ ኣብ ኢዱ ትርከብ ሄሊኮፕተር ክመልሳ ተሓቲቱ ዕጭ ብምሕንፋፉ

-ነቶም ብኢትዮጵያ ግብረሽበራውያን ዝተረቑሑ ኣባላት ግንቦት ሸውዓተ: ኦነግን ኦብነግን ብምድጋፉ

መዓስከራት ግብረ ሽበራ ብምምስራቱን ዝብል ይርከቦ::

ነዚ ጠንቅታት ምርኩስ ብምግባር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝተጸንዐ ዕላማታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ:: ኣስዒቡ ድማ ኢሳያስ ነታ ዝተጨውየት ሄሊኮፕተር ብቕልጡፍ ክመልስ: ንኣባላት ግንቦት ሸውዓተን ካልኦትን ከረክብን መዓስከራቶም ከዕኑን ኣዚዙ:: ኢሳያስ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት ምስ ዘየማልእ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ካብ ራዳር ኢትዮጵያ ዝተኸወለ ከምዘይኮነን መጥቃዕቲ ከምዝቕጽልን ትግራይ ኦን ላይን ገሊጹ:: ነቲ ስርሒት ድማ በታ ዝተጨውየት ሄሊኮፕተር ሰምይዎ: መጥቃዕቲ ኤም ኣይ 35::

መልሲ ኢሳያስ እንታይ ይኸውን:- ኢሳያስ ገመድ ኣብ ክሳዱ ኣብ ትቐርበሉ ናይ ምምላጥ ተሞክሮ ከምዘለዎ ኣብ ብዙሕ ናይ ውሽጥን ግዳምን ፈተነታት ተራእዩ:: ብፍላይ ኣብዚ ድሕሪ ናጽነት ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ኩናት ድማ: ኣብ ፈለማ ነቲ ብኣሜሪካን ርዋንዳን ዝቐረበ ናይ ሰላም እማም ክቕበል ብሚኒስተር ዜና በራኺ ገብረስላሰን ካልኦትን ዝቐረበ ርእይቶ ነጺጉዎ:: ብሰንኪ ዕንደራኡን ዕብዳኑን ድማ ኣስታት 25 ሽሕ መንእሰይ ኤርትራ ጠፊኡ:ዓሰርተታት ኣሽሓት ተቐማጦ ናይተን ኣብ ዶባት ዝርከባ ዓድታት ተመዛቢሉ: ብዘበናት ዘይጥረ ንብረት ሃገር ዓንዩ::ሰራዊት ኢትዮጵያ ባረንቱን ከባቢኡን ኣብ ዝተቆጻጸረሉ ኢሳያስ ርዖኡ ጠቕሊሉ ኣብ ከባቢ ኣፍዓበት ሻባይ መንደር ቤት ጽሕፈቱ ኣዳልዩ ነይሩ ::ብስምምዕ ኣልጀርስ 2001 ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ  መሬት ኤርትራ ወጺኡ

እታ ጠንቂ ኩናት ዝተባህለት ቁሸት ባድመ:ብኩናት ዘይኮነ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ብዝተግብረ ዘተ ብካርታ ናብ ኤርትራ ኣትያ::ኢሳያስ ባዕሉ ንዘበገሶ  ኩናት ብኣጋ ክኣልዩ ዝግበኦ ዝነበረ ኣሳዊርዎ ከይኣክል ድማ:ትርጉም ዘይብሉ ብምባል ኣብ ልዕሊ ስውኣት ኣላጊጹ::

ሰራዊት ዓቃብ ሰላም 25 ኪሎሜተር ናብ ኤርትራ ብምእታው ነቲ ከባቢ ክቆጻጸሮ ብሕቡራት ሃገራት ንዝቐረበ እማመ ኢሳያስ ተቐቢልዎ:: ብድሕሪዚ እውን ተረጋጊአ ኣብ ዝበለሉ እቲ ምሕንጽጽ ዶብ ቬርቸሊ(virtually) ተተግቢሩ ብምባል ህዝቢ ኣታሊሉ በቲ ሓደ ድማ ኣይሰላም ኣይኩናት ኣሎና ብምባል ነቶም ጠንቂ እቲ ኩናት ክምርመርን ኤርትራ ሓይላ ዓቂባ ትወጽኣሉ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ብሕጊ ዝሓተተቱ መዓድቱን መቓልስቱን ተሰዓርቲ ተምበርከኽቲ ጠቂኑ ኣሕቂቕዎም::

ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 16 ዓመት መሳርዑ ረቒቑ ጥራይ ዘይኮነስ ብሰንኪ ብልሽው ኣካይዳ ኢሳያስን ሰዓብቱን ንሓድነቱ ዝፈታትን ማሕለኻታት ገጢምዎ ንሃገር ክከላኸል ይትረፍ ነብሱ ከድሕን እውን ኣይከኣለን:: ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ 2012 ናብ ውሽጢ ኤርትራ ብምእታው ብዝፈነዎ መጥቃዕት ኣስታት 90 ማሪኹ::ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝሞቱን ዝተማረኹን ደቁ ሓበሬታ: እቶም ጥሜትን  ጸማልያ ዝነበሩ ምሩኻት ምስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ብዝገበርዎ ሕቶን መልስን በጺሕዎ::ዓመት ድሕሪ እዚ ፍጻመ ብ2013 ድማ ብኮለነል ስዒድ ዓሊ ዝምርሑ ታንክታት ተወጢሖም  ንሚኒስትሪ ዜና ተቖጻጺሮም ቅዋም ክትግበርን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ጠሊቦም:: እንተኾነ መደቦም ብክድዓት ኣዘዝቲ ፈሺሉ ኣብኡ ዝተሳተፉ ገሊኦም ተቐቲሎም ዝተረፉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለው:: ብሰንኪዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህግደፍ ነቓዕ ገፊሑ :ሰራዊት ኤርትራ ድማ ብዙሓት ካብቶም ምኩራት ኣዘዝቲ ከቢድ ብረት ከሲሩ::

ስርዓት ኢሳያስ ንዝሓልቀመ  ዳንጋኡ ከሕብጥ ነቶም ኣቐዲሙ ከታትዮም ዝጸንሐ ንኢትዮጵያ ዝቃወሙ ውድባት ከሕይልን መታፈነኒ ክጥቀመሎምን በቲ ሓደ ወገን: በቲ ካልእ ድማ ንሕማቕ ጊዘ ክኾንዎ ብምሕሳብ ብዕጥቅን ስንቅን:ብተዓሊምን ፕሮፕጋንዳን ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ሰሪዕዎም::ካብ ወርቂ ቢሻን ካብ ካልእ ሸማጢጡ ዝረኸቦ ዶላር ንምምዕባል ጸዓትን መሰረታዊ ጠለብ ህዝብን ስለዘይውዓሎ ህዝቢ ኣብ ጸላም ብጥሜት ተደፊኑ ይውዕል ይሓድር ኣሎ::   ግንቦት ሸውዓተ ካብ ኢሳያስ ውሱን ባጀት ተሰሊዑሉ ከምዝንቀሳቐስ ኣቦ መንበሩ ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ምግላጹ ይዝከር:: ደምህት እውን ካብ ካልኦት ዝተርነዐ ንክኸውን ዝለዓለ ደገፍ ከምዝግበረሉ ጸብጻባት የመልክቱ::

ኢሳያስ ኣብቲ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዓብለለን ብዕድመ ዝደፍአን ሰራዊት ኤርትር እምነት የብሉን:: ኣብ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ተኣማሚኑ ነቲ ብመንግስት ኢትዮጵያ ቀሪቡሉ ዘሎ ትእዛዝ ማለት ሄሊኮፕተር ክመልስ: ንተቓወምቲ ከባርርን መዓስከራቶም ክድምስስን ዝውዕሎ ኣይመስልን:: ኢትዮጵያ ብወገና ኣብዚ ኣዋንዚ ብፍላይ ንኢሳያስ ንጽመመምሉ ጊዜ ኣኺሉዩ ማርሻ ቐይርና ኢና ብምባል መጥቃዕቲ ከምእትቕጽል ኣጠንቂቓ ኣላ:: እቲ ምኽንያት ካብዚ ብዝተፈልየ ነቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከም ወረቐት ክትጥቀመሉ ኢያ ይብሉ ናይ ፖለቲካ ተዓዘብቲ::

ርእይቶ ኤርትራውያን ንምፍላጥ ንመን ትሓትት ምፍላጥ የድሊ::ኣብ ሰለስተ ድማ ይኽፈሉ 1.እቲ ዝበዝሐ ብኢሳያስ ኣስዓንደ ጸጊቡ ዘሎ: ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ቤተ ሰቦምን ካልኦትን  ዝኾነ መዕሸጊ ኣብ ጊዘ ማዕበላው ነውጺ ዝብል ምርጫ ከምዝወስዱ ኣየጠራጥርን::

2.ውሑዳት ምስ ቲ ጉጅለ ረብሓ ዘለዎም ድማ እዚ ሃልሃልታ ክሳብ ዘይጸለዎም ኢሳያስ ሰባት ብምቕታል ብምእሳር ብምብስባስ ኣባይቲ ብምዕናው እንተቐጸለ ሕቖኦም ሂቦም ነዚ መጥቃዕቲ ናይ ኢትዮጵያ ልኡላውነት ኤርትራ ተደፊሩ ብምባል ተቓውሞ ብውሑዱ ብጽሑፍን ዘረባን ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም:: ልኡላውነት ንምኽባር ግን ብሂወቶም ዝስለፉ ኣይኮኑን::3.ኣብ ሰራዊት ዘለው ሓለፍትን ተራን ኣብ ወጻኢ ዘለው ተቓወምቲ ሓዊስካ:ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ዝተቐርቀረ ወገን ድማ እቲ ስርዓት ተኣልዩ መጻኢ ኤርትራ ዝኸፍአ ከይከውን ስግኣት ዘለዎ ኢዩ::ኣብ መንጎ ክልተ መንበር ኮፍ ዝበለ ይመስል::

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከ:- ኢሳያስ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝጻሕተሮ እሳት ኣይዘሓለን:: ብመንጎኝነት ቐጠር ምስ ጂቡቲ ዝተጀመረ ዘተ መዕለቢ ኣይተገብረሉን ጥራይ ዘይኮነ ኢሳያስ ምሩኻት ጂቡት ከይመልስ ብምሕንጋዱ እቲ ኩነታት ኣብ ወጥሪ ኣሎ:: ፕረዚደንት እታ ዑመር ገለ  ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ሓድነት ዝምጠጥ ጽኑዕ ርክብ ከምዘለዎ ምግላጹ እውን ኣይርሳዕን:: ሱዳንን ምስርን ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽበን ረብሓ ፈለግ ኒል ስለዘሎ ቀዳምነት ዝህብኦ ሃገራዊ ረብሓአን ክኽወንዩ:: ብዘይካዚ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስምምዕ ዝኸተመት ሃገር ኢያ::ኬንያን ኡጋንዳን ምስ ኤርትራ ቅርዑይ ዝምድና የብለንን: ብቐንዱ ድማ ኤርትራ ኣባልነታ ካብ ኢጋድ ድሕሪ ምስሓባ ክትምለስ ዘቕረበቶ ጠለብ መልሲ ኣይተዋህባን::ፕሮቶኮል ጥዒሱ ኣብ ኣኼባ ኢጋድ ኣዲስ ኣበባ ክሳተፈ ዝፈተነ ተልመደን ዲፕሎማሰኛኣ ምብራሩ ኣይርሳዕን::

ስግር ባሕሪ ዘላ የመን ኣብ መንጎ እቲ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዝነበሮ ዓብዱ ረቦ መንሱር ሃዲን ሚልሽያ ሁቲን ብዘሎ ቁርቁስን ኣልቃዒዳን ኣይ ኤስ ኣይ ኤስ (እስላማዊ ውድብ ዒራቕን ሶርያን) ብዝገበርዎ መጥቃዕቲን ተሓሚሳ ኣላ:: በዚ ድማ ንጉዳይ ኤርትራ ተቕልበሉ ጊዜ የብላን::

ብኻልእ ወገን ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተል ጉጅለ ኣብዚ ቐረባ ጊዘ ኣብ  ዝሃቦ ጸብጻብ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ቀይሕ መስመር ረጊጹ ከምዘሎ ዘመልክት ኢዩ::ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ እቲ ኮሚተ ጸብጻቡ ናብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕርብ ተፈሊጡ ኣሎ:: ሃገራት ኤውሮጳ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓቕለን ጸቢብወን ጠንቂ ንምፍላጥን መፍትሒ ንምድላይን ብዝገብርኦ ምንቅስቓስ ንጉጅለ ህግደፍ ቃልዕ ኣወጺእዎ ኢዩ::ስለዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢሳያስ ጽቡቕ ሽም ኣይጸንሓን ኣብ ክንዲ ኣካይዳ ምቕያር ድማ ናብ ደልሃመት ምምርሓ ቀጺላ:: ዓለም ኣብ ጉዳይ ኑክልየር ኢራን: መጥቃዕት ኣይኤስ ኣይ ኤስ(እስላማዊ ውድብ ዒራቕን ሶርያን): ሓድሕድ ኩናት ሊብያን : ሕንፍሽፍሽ የመንን ተጸሚዳትሉ ኣብ ዘላን ጉዳይ ክረምያ ናይ ኡክረይን መዓልቦ ኣይተረኽበሉን::

በዚ ኾይኑ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኾነ ዝፍጠር ኩነታት ብትብዓትን ሓድነትን ንዲሞክራስያዊት ምዕብልትን ኤርትራ ብዘማዕደወ ራእይ ክከታተሎ ሓላፍነት ክስከም ይግባእ::

22.03.15

ደጎል ድራር

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Teka March 26, 2015

    ድሕሪ ቢጫ ቀይሕ ካብኡ ሰላም ምሰ ሰፈነ ቆፃል ካብኡ ደኣ ከምቀደና

POST A COMMENT