Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተቐቢሩ ዝነብር ታሪኽ የለን – ጠዓሞት ካብ ኣሰና

ብ ወርሒ ሰነ 2009 ኣብ ዊዓ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ጠያይጢ እናተተኮሰሎም ጽኑዕ ሓለዋ ፈንጢሶም ከምዘምለጡ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣሰና ከም ዜና ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑይ ድምጺ ኣሰና መደብና፡ ንሓደ ካብ ወጠንትን

ብ ወርሒ ሰነ 2009 ኣብ ዊዓ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ጠያይጢ እናተተኮሰሎም ጽኑዕ ሓለዋ ፈንጢሶም ከምዘምለጡ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣሰና ከም ዜና ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑይ ድምጺ ኣሰና መደብና፡ ንሓደ ካብ ወጠንትን መራሕትን ናይቲ ደማዊ ግን ከኣ ዕዉት ጅግንነታዊ ስርሒት- ሓርነት፡ መንእሰይ ሳሙኤል ብርሃነ ከነቕርበልኩም ኢና።

ንዓና ንኣሰና፡ ካብ እንብገስ ክሳብ ሕጂ ብቐጻሊ ኣጽኒዕና ዝሓዝናዮ እምነት፡ ኣብ ኤርትራ ብኤርትራውያን ክግበር ዘይከኣል ነገር ከምዘየልቦ እዩ። ንዓና ኣዝዩ ዘገርመና፡ ጽውጽዋይ ዝኾነና፡ ኣብ ኤርትራ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ክግበር ከሎ፡ ሳእኒ ዘይብሎም እሱራት መንእሰያት ናይ ዕጡቓት ከበባ ፈንጢሶም ከምልጡ ከለዉ ዘይኮነስ፡ እቶም ካብቲ ናይ ጅግንነት መሬት ዝበቖሉ፡ ንርእሶም ውዑይን ዝሑልን ዝረኣዩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ጅሆ በደዊን ኮይኖም ኣብ ሲናይ ተገፊዖም ብውርደት ክሞቱ ከለዉ እዩ።

ንዓና ንኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ካንሰር ኮይኑ ደኒሱ፡ ናይ ሞት እምበር ናይ ትንሳኤ ዕድል ከምዘይብልና ኣምሲሉ ኣብ ቅብጸት ከንብረና ዝጸንሐ ቀንዲ ሕማም፡ ርእሰ ተኣማንነት ምጥፋእና እዩ።

መቸም፡ እቶም ብኣንጻር’ዚ “ኣብ ኤርትራ ክግበር ዘይከኣል ነገር የለን” ዝብል እምነትና፡ “ኣብ ኤርትራ ክግበር ዚከኣል ነገር የለን” ዝብል ሬሳ ኣተሓሳስባ ዝጸንሓኩምን ዘለኩምን ገለ ኣሕዋት፡ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ሬሳኹም ቀቢርኩሞ ክትህልዉ ተስፋ ንገብር። ወዲ ዓሊ ካብ መጎተ ኣድሒኑና ‘ሎ። እቲ “መንእሰያት ኤርትራ ፈጺሞም ተኻኢሎም ኢዮም፡ ሞራል፡ መዓንጣን ጅግንነትን የብሎምን” ዝብል ኣረኣእያ ‘ውን ብተመሳሳሊ በዚ ጽባሕ እነቕርቦ ዛንታ ቖራጽነት ‘ቶም ኣብ ገዛእ መሬቶም፡ ምሩኻት ናይቲ ዘገልገሉዎ ሃገርን ዝተሰርዑሉ ሰራዊትን ኮይኖም ዝጸንሑ ‘ሞ፡ ንሓርነት ብፈታንን ጸቢብን መንገዲ- ትብዓት ዚረኸቡዋ ኣብነታውያን መንእሰያት ኤርትራ ድሕሪ ምቕራብና ክቃነ (ክተዓራረ) ተስፋ ንገብር።

ኣብቲ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰንት ግሬድ ዝምቖቱ ኣጻምእ ዊዓ፡ መግዛእቲ ጥልያን ንህዝቢ ፎሮ ማይ ንምስታይ ኢሉ ዝሰርሖ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ግን ንማሕዩር ኣማኢት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝበሃጎ ባስካ ተሓይሮም ዝነበሩ 456 መንእሰያት ጥራይ እግሮም ዕጡቓት ሓለዋ ስርዓት ህግደፍ ፈንጢሶም ነብሶም ሓራ ካብ ኣውጽኡ፡ እታ ዓሰርተታት ኣሽሓት “ዕጡቓት- ገላዩ” መንእሰያት ዘለዉዋ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ናይዚ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓራ ዘይትኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ዋላ ሓንቲ!! ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ርእሰ-ምትእምማንናን፡ ሕድሕድ ምትእምማንናን እንተመሊስናዮ፡ ሕጂ ‘ውን ኣብ ኤርትራ፡ ብኤርትራውያን ዘይኸውን ነገር የልቦን።

ጽባሕ ሰኑይ ኣብ ራድዮ ኣሰና ካብ ቃሉ ክሳብ ትረኽቡዎ እምበኣር፡ ሳሙኤል ብርሃነ፡ ብ21 ለካቲት 2013 ኣብ ሳንዱቕ ርእይቶ ኣሰና ዝገደፈልና፡ ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚ ዝፈጠረልና መልእኽቱ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡ ጥዓሞት ይኹንኩም።

ሰላም ኣሰናውያን ከመይ ኣለኹም። ካብ ዝገርመኩም፡ ሎሚ መዓልቲ ናይ ዝሓለፈ ሰነዳትኩም ገንጺለ ኣብ ዘንብበሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ሓደ ዓቢ ደስ ዘብል ዜና ኣንቢበ (400 እሱራት ካብ ዊዓ ኣምሊጦም ዝብል)። ቀጺሉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ስለዝተበተኑ ከይተሓዙ ስግኣትኩም ገሊጽኩም። ናይ ብሓቂ ደስ እተብል መዓልቲ ሰነ 15 2009፡ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ኣብኡ ተዳጕንና ዝነበርና 400 ዘይኮና፡ 456 እሱራት ታሪኽ ዚሰራሕናላ መዓልቲ እያ። ኣጆኹም ኣይትፍርሑ እንትርፎ ውሑዳት መብዛሕትና ኣብ ውሑስ ቦታ ንርከብ ኣለና። ኣነ ቅጽል ስመይ “መሓመድ ሻጥር” ይብሃል። ሓደ ካብ ወጠንትን ተግበርትን መራሕትን ናይቲ 3 ወርሒ ዝወሰደ ስርሒት እየ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ካብ ኣጀማምራኡ ክሳብ መወዳእትኡ ጽቡቕ ገይረ ከብርሃልኩም ይኽእል እየ። ምኽንያቱ ቅያ ታሪኽ ብረትን ጫማን ዘይብሉ ኣንጻር ብረት ገጢሙ ዝተዓወተሉ ጽፉፍ ስርሒት ስለዝኾነ፡ ካብዚ ናትና ስርሒት ጭኩን መንእሰይ ኤርትራ ብዙሕ ክመሃር ስለዝኽእል፡ ግዜ ከይከደ ኣስማት ኣብ ምርሳዕ ከይተበጽሐ ክዝንቶ ደስ ምበለኒ። የቐንየለይ። 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Sahil February 24, 2013

    ክሳዕ መዓስ ኢኻ ክትርገጽ ክትነብር
    ሃገርካ ንምድሓን ገለ ንኽትገብር
    ውጹዕ ኤርትራዊ ንለውጢ ዘይትሓብር!

    ሕግኻን ስርዓትካን ብመደብ ኣልሚሱ
    መሬትካ ክምትር ደረትካ ጥሒሱ
    ንኣኻ ወደ ኣባት መዓስ ተወኪሱ፡
    መሰልካን ክብርኻን ብንዕቀት ግሂሱ
    ምስ ጎረባብትኻ ብዶብ ኣባኢሱ
    ኣዕጽምትኻ ሰይሩ ደምካ ኣፍሲሱ
    ቀጻሊ ሽግርካ ከይኩምር መሊሱ
    ተላዓል ተበገስ ድለየሉ ፈዉሱ?

  • kbrom tekeste February 25, 2013

    kemy aleka mehemed shatr ata jigna sami mukanu shmka ayfeltn ye nere gn shattttttrrrrrrrrrrr bhiwet mhlawka teheguse tezkreni tekonka ab 2003 kab kiloma asseb anen nsakan kalot klte sebat koyna hedimana nerna rgstenga ye ati shu znebere hiwet kemzey tirso shar hewey dmstka nmsmao tehewike aleku asena yekenyelna tesewiruna znebere jgna hewna bhiwet mhlawu slezebeserkumuna kbrom tekeste ye 4asmera good job asena

  • abdela February 25, 2013

    god job shatr i know u are hero i am so glad too see you agian

  • MEHRETU HABTE February 25, 2013

    Brother Ahmed Salih,

    When I was still hiding my identity ,due to fear ,naming myself Singapo – Eritrean..you encouraged me to expand my opinions. God bless you .What I commented is from the bottom of my heart..I truly did not know the delberate annihilation of this beautiful region intellectuals and laymen were real,….and using my Awraja identity..!!!!!.As I have always stood for the right of Kunamas ,Afars ,Jebertis ,against TorAA ecvacuation by TsenAA digles….I am truly disturbed by this revelation.
    When I see regionalism interffering on nationalism ,I am the first to criticize people belonging to that region. But, this is beyond መኽይድኻ ፍለጥ (እቲ ዓርክኻ ወዲ ዓድና ኣይኮነን)idiocy.THIS IS PLAYING CHECKERS WITH HUMAN LIFE. Iam disgusted.
    BROTHER AHMED,
    ጀብሃ ምስዚ ኹሉ ግስሩጥ ኣምሓድርኣ እኮ ኣምላኽ/ረቢ ትፈርህ እያ ኔራ ።
    300 ወትሃደራርት ደርጊ ክሃጅም ኮነ ኢልካ ሰብ በብዓሰርተ ንዂናት ትሰዶ??? መታን ክሕረድ!!!!
    እዚ ዘሕዝን ገበን ፣ጀብሃን ሻዕብያን ዘብል ኮይኑ ዘይኮነስ፣ህዝቢ በላዒት እንቋቝሖ ሰጒጉስ በላዕቲ ሰብ ኣትዮም ኢልካ ጓይላ ይግበር !!! I have no words ,I am not even making sense ,I am so upset….I wanted to say ,I told you so,,but,We are talking about precious life..I would not even dare.
    Peace be upon you brother

Post a Reply to MEHRETU HABTE Cancel Reply