Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነፍሰን ሪሶርስስ፡ ጉልበት ጊላነት ኣብ ዕደና ቢሻ

ዓዋተ ዶት ኮም ብ 9 ምያዝያ 2012 ዓዋተ ዶት ኮም (ገዳብ ንይውስ) ኣንጻር ነፍሰን ሪሶርስስ ናይ ክሲ ስጉምቲ (class action lawsuits) ከም ዝተወስደ ጸብጺባ።[i] ስዒቡ ዝቐርብ ክሲ ንምድንጋር ገንዘባዊ ሰነዳት (securities) ዝምልከት ክሲ ኮይኑ ኣብ ክንዲ እቶም

ዓዋተ ዶት ኮም

ብ 9 ምያዝያ 2012 ዓዋተ ዶት ኮም (ገዳብ ንይውስ) ኣንጻር ነፍሰን ሪሶርስስ ናይ ክሲ ስጉምቲ (class action lawsuits) ከም ዝተወስደ ጸብጺባ።[i]

ስዒቡ ዝቐርብ ክሲ ንምድንጋር ገንዘባዊ ሰነዳት (securities) ዝምልከት ክሲ ኮይኑ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ሞንጎ መጋቢት 28, 2011ን የካቲት 2012 አጠቓሊልካ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ብርክታት ነፍሰን (common shares) ዝገዝኡ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ እዩ። ከሰስቲ ጥርዓኖም፡ ትካል ነፍሰን፡ ኣንቀጻት ሕጊ ጸረ ምድንጋር ሸርፊ ብፍላጥ ብምጥሐስ ወይ ውን ብውሑዱ ሸለል ብምባል፡ ርኡይ፡ ዘይቅኑዕን ኣደናጋርን መግለጺ ብዛዕባ እቲ እንኮ ኣታዊ ዘመንጩ ኣካሎም፡ ዕደና ቢሻ፡ ወርቅን በይዝ ሜታል ዘፍሪ ዕደና ኣብ ኤርትራ ዝርከብ፡ ኣቕሪቦም እዮም።

ዕደና ቢሻ ብነፍሰን ሪሶርስስ (ካናዳዊ ኩባንያ) ብኤርትራዊ ኩባንያ ዕደና (ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን) ብሓባር ዝውነን ኩባንያ እዩ።[ii]

ብ ጥሪ 2013 ህዩማን ራይትስ ዎች (ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቕ ትካል) ኣብ ትሕቲ “እከይ ኣይትስማዕ፡ ግዱድ ማእቶትን ሓላፍነት ዓበይቲ ትካላት ኣብ ጽላት ዕደና ኤርትራን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ዘርጊሑ።

ዝስዕብ ገለ ኣብቲ ጸብጻብ ካብ ዝተጠቕሰ እዩ:-

ተሞክሮ ነፍሰን ከም ዘርእዮ ትካላት ዕደና ኣብ ኤርትራ ፕሮጀክታት ብምምዕባል: ናብ ጸገማት ሰብእዊ መሰላት ዝመለኦ ታኼላ ይአትዋ ምህላወን እዩ። ርኡይ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ዓዘቕቲ ናይቲ ፍሉይ መዝማዚ  መጨረስታ ዘይብሉ ብዘይ ስሙ ሃገራዊ ኣገልግሉት ዝተሰምየ ታኼታ ፕሮግራም ግዱድ ማእቶት ድማ ይጥሕሉ ኣለው። መንግስቲ ኤርትራ ብመገዲ እዚ ፕሮግራም ሓያሎ ኤርትራውያን ከም ዕስኩራት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ከም ዝኣትው ጌሩ እዩ። ኣብ መጀመርያ ከም ናይ 18 ኣዋርሕ ፕሮግራም ዝተሓስበ: መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሎም ኣካላዊ ብቕዓት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ንዘይ ተወሰነ ጊዜ፡ መብዛሕቱ እዋን መወዳእታ ንዘይረኣየሉ ጊዜ ኣብ ትሕቲ ከቢድን ሕሱምን ኩነታት ክነብሩ ይገብር ኣሎ። እቶም ክሃድሙ ዝፍትኑ፡ ማእሰርቲ: ስቓይን ዋላ ኣውን ኣብ ስድረኦም ዝቐነዔ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሓደጋታትን የጋጥሞም።[iii]

ትካል ነፍሰን ነቲ ኣብ ሕሱም ናይ ጉልበት ጊላነት ፕሮግራም ‘ታኼላ ናይ ምእታው ሐደጋ’ ከም ዝሰገሮ ዘመልክት ሓያለ መርትዖታት ኣሎ:: ዕደና ቢሻ ብመንግስቲ ብዝውነና ስራሓተን ኣብ ግዱድ ማእቶት ዝሙርከስ ሳብ ኮንትራክተራት እዩ ዝካየድ። እዚ ድማ ምጥሓስ ናይቲ ካናዳ ብ 1948 ዝፈረመቶ ውዕል ዓለም ላኻዊ ኣዋጅ ሰብአዊ መሰላት እዩ።

ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ተወዲብካ ብዛዕባ ኩነታት ስራሕካ ናይ ምዝርራብ መሰል የብሎምን፡ ብዘይ ክፊሊት ኣብ ናይ ዕደናን ካልእ ፕሮጀክትታት ህንጻን ክሰርሑ ድማ ይግደዱ። ግዳያት ጉልበት ጊላነት ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ኢሎም ይርከቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስድራ ቤቶም ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከይወስድ ፍርሂ ስለ ዘለዎም ግን ክዛረቡ ኣይደፍሩን።

ንመሰላት ግዳያት ካብ ግዳያት ባዕሎም ሓሊፉ ክቃለስ ዝኽእል ስለ ዘየለ: ኩሎም እቶም ን ግዱድ ማእቶት ተጋሊጾም ዝነበሩን እቶም  ነዚ ምዝመዛታትን ምግሃሳትን ዝምልከት ትሑዝ ሐቤሬታን ዘለዎም ቀሪቦም ብክፉት ወይ እውን ብሚስጥራዊ መገዲ ምስክርነቶም ክህቡ ንጽውዕ።

ምስክርነት ፍርያት ፍትሒ ኣብ ምቕንጣብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ዓበይቲ ምግሃስ ዘብአዊ መሰላት፡ ገበናትን ሃስያታትን ተሰሚዖም ዝርስዑ ዘይኮኑ ብሕጋዊ መገድታት ዝተሓዙ ጉዳያት ክኾኑ ይግባእ። ጸገም ኤርትራውያን ግዳያት ንፍትሕን ፍታሕን የእዊ አሎ። እቶም ጉልበቶም ብሓይሊ ዝተመዝመዘ ነቶም ምስቶም ጊላታት ዝገበርዎም ዝተሓባበሩ ከረኻኽብሎም ይግባእ።

ንኹሎም ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብአዊ መሰላት ብፍላይ እቶም ኣብ ካናዳ ዝርከቡን ኤርትራውያን ጠበቓታትን ድማ ነዚ ጉዳይ ኣብ ምስዕብ ክተሓባበሩ ንጽውዕ።

ብዝስዕብ ኣድራሻ ክትረኽቡና ድማ ንምሕጸን awateteam@awate.com

[i] http://awate.com/nevsun-and-its-eritrean-bisha-gold-mine-more-class-action-lawsuits-filed/
[ii] Nevsun resources website, www.nevsun.com
[iii] http://www.hrw.org/reports/2013/01/15/hear-no-evi

_________________________________________________

ሓጺር ጸብጻብ

1. እዚ ናይ ክሲ ስጉምቲ ኣብ ትሕቲ ዓንቀጽ ሕጊ 10 (b) ን 20(a)ን ካብ ሕጊ ሸርፊ ገንዘባዊ ሰነዳት (Securities Exchange Act) ናይ 1934 ከምኡውን ብ SEC ዝተወስደ  ውሳኔ 10b-5 ዝተሞርከሰ ንምድንጋር ሸርፊ ገንዘባዊ ሰነዳት (securities) ዝምልከት ስጉምቲ ክሲ እዩ። እዚ ስጉምቲ ብስም እቶም ካብ ግንቦት 28, 2011 ክሳብ የካቲት 6, 2012 ኣጠቓሊልካ (the “Class Period”)  ኣብ ዘሎ እዋን ብርክታት ትካል ነፍሰን ዝገዝኡ ኩሎም ውልቀ ስባትን ኣካላትን ዝቐርብ ዘሎ ኢዩ::

2. ክሱሳት (ድሒሩ ከም ዝዝርዘር) ዓንቀጻት ሕጊ ጸረ ምድንጋር ሸርፊ ገንዘባዊ ሰነዳት ብምጥሓስ ወይ እውን ብውሑዱ ሸለል ብምባል፡ ብዛዕባ እቲ  ኣብታ  ንእሽቶ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገረ ኤርትራ ዘሎ እንኮ ኣታዊ ዘመንጩ ትካሎም፡ ዕደና ቢሻ፡ ወርቂ፡ ናሓስን ዚንክን ዝዕድን፡ ሓቂ ዘይኮነን ኣደናጋርን መግለጺታት ጌሮም ኢዩም።

3.ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቅሰ እዋን (ካብ ግንቦት 28, 2011 ክሳብ የካቲት 6, 2012 ኣጠቓሊልካ)፡ ክሱሳት ከም ዝበሉዎ ዕደና ቢሻ ብገምጋም 4.651 ሚልዩን ቶን ዕቑር ጥረ ወርቂ ከም ዘለዎን 919,000 ኦንስ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ጫፍ (the Oxide zone) ከም ዝርከብን ቢሻ ድማ መዓልታዊ 1000 ኦንስ ወርቂ ከም ዘፍርን ወርቂ ቢሻ ድማ ካብ መወዳድርቱ ጸብለል ከም ዝብልን ብሉጽ ዓይነት ከም ዝኾነን ብርኩትን ብቐሊል ከም ዝዕደንን ገሊጾም። ንዕቑር ጥረ ወርቂ ቢሻን ብግብሪ ዘሎ ናይ ዕደናን ፍርያት ወርቂን ቢሻ ዝምልከት ሓበሬታ ድማ ንአውፈርቲ ኣገዳሲ እዩ ዝነበረ።

4. ዕቑር ጥረ  ወርቂ ቢሻ ንምሻርኽቲ ትካል ነፍሰን ኣብ ምምዕባል እቲ ዕደና ዝኾነ መንግስቲ ኤርትራ እውን ኣገዳሲ እዩ ኔሩ። ብመገዲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ትካል ዕደና (ENAMCO) ኣቢሉ መንግስቲ ኤርትራ 10% ካብ ዕደና ይውንን ኣብ ርእሲ ምንባሩ ኣብ ዝተጠቕሰ ናይ ጊዜ ገደብ ተወሳኺ 30% ንምግዛእ ምስ ክሱሳት ኣብ ዝርርብ ይርከብ ኔሩ። ዕቑር ጥረ ወርቂ ቢሻ እምባአር ኣብ ምግማት ዋጋ ዕደና ቢሻ ተራ ኔርዎ ኢዩ።

64. ኣብ ታሕሳስ 2007 ትካል ነፍሰን ምስ  ENAMCO ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጸሔን ብኡኡ መሰረት ድማ  ENAMCO 10% ናይ ዕደና ከም ዝወነነን  ድሕሪ ቀዳማይ ጽዕነት ወርቂ ቢሻ ብዝውሰን ርትዓዊ ዋጋ ድማ ተወሳኺ 30% ከገዝእ ሙኻኑ ኣዊጁ።

65. ኣብ 2008 ፍቓድ ዕደና ቢሻ ን ትካል ነፍሰንን ብርካዊ ማሕበር ዕደና ቢሻን ተዋሂቡ፡ ህንጻ ዕደና ቢሻ ድማ 2008 ተጀሚሩ።

66. ኣብ ጥሪ 4,2011 ትካል ነፍሰን ጋዜጣዊ መግለጺ ብምውጻእ “ዕዉት ቀዳማይ ፍርያት ወርቂ” ዕደና ቢሻ ብዕሊ ገሊጹ።

67. ብመሰረት ክሱስ ትሬቢሎክ (ኣብ ሚያዝያ 14, 2011 ኣብ ደንቨር ጎልድ ጉሩብ ኤውሮፓዊ ፎሮም ወርቂ ዝቐረበ መደረ) መጀመርያ ጽዕነት ወርቂ ቢሻ ኣብ ጥሪ 28, 2011 ድሕሪ ምጅማሩ ንናይ ENAMCO 30% ብርኪ ዋጋ ናይ ምግማት ናይ 90 ማዓልታት ገደብ ጊዜ ከም ዝጅምር ጌሩ።

68. ድሕሪ ጽዑቕ ስራሓት ወርሓተ ጥሪን የካቲትን, 2011 ክሱሳት ኣብ የካቲት 22, 2011 ነፍሰን ንግዳዊ ፍርያት ዕደና ቢሻ ከም ዝጅምር ጌሮም።

69. ኣብ መጀመርያ ናይ ክሲ እዋን፡ ኣብ መጋቢት 28, 2011 ኣብ ቢሻ ኣሎ ዝተባህለ ዕቑር ጥረ ወርቂ ብ 15% ክብ ብምባል ናብ ኣስታት 4.6 ሚልዮን ቶን ብምደያብ፡ ዕደና ቢሻ ናብ  ኣስታት 1.14 ሚልዮን ኦንስ ወርቂ (ኣብ ኩሉ ዞናት)፡ እቲ 919,000 ኦንስ ኣብ  Oxide zone ዘሎ አጠቓሊልካ ክብ ከም ዝብል ገበረ።

71. ኣብ መጀመርያ ክፋል ናይቲ ናይ ክሲ እዋን (the “Class Period”) ርኡይ ኣሎታዊ ኣንፈት ንስራሓት ቢሻ ብአሉታ ክጸሉ ጀሚሩ እዩ። ዕቑር ጥረ ወርቂ ቢሻ ብርኡይ ዝተጋነነ ምንባሩ ን ክሱሳት መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ክስተታት እውን ኔሩ ኢዩ።

72. ንአውፈርቲ ፍሉጥ ብዘይኮነ መገዲ ኣብ መጋቢት 31, 2011 ናይ ቢሻ Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ብ 81% ብምዕራግ 4.9 በጸሔ።

73. ብዘይ ፍላጥ ኣውፈርቲ፡ ክሱሳት ኣብ ዞና ላዕለዋይ ጫፍ ዝግበር ዕደና ተገሊጹ ካብ ዝነበረ ብርኡይ ከም ዝቀላጠፍ ገበሩ፡ እቲ ምኽንያት ኣክንዲ ወርቂ ሓያለ ዝድርበ ናይ አኻውኽ ጁባታት ስለ ዝተረኽበ ኢዮ። እቲ ናይ አኻውሕ ተረፍ ኣብ ምብራቓውን ደቡባውን ወገን እቲ ዕደና ዝርከብ መኤከብ ተረፍ ተደርቢዩ።

74. እዚ ወሳኒ እዩ ነይሩ ምኽንያቱ ምቅልጣፍ ላዕለዋይ ዞና (Oxide zone) ናይ ቢሻ ዕቑር ወርቂ ካብ ዝተባህለ ቀልጢፉ ከም ዝጽንቀቕ ስለ ዝሕብርን ነቲ ዋሕዚ ካብ ሽያጥ ወርቂ ዝርከብ ገንዘብን ዋጋ እቲ ኩባንያን ብአሉታ ስለ ዝጸሉን።

75. ክሱሳትን ላዕለዋይ ምሕደራ ነፍሶን ኣብ ቢሻን ጸብጻብ ስታቲስቲክ ፍርያት ዕደና ብመገዲ ፕላት ፎርም Skire Unifier ይረኽቡ ኣብ ርእሲ ምንባሮም፡ ብምንጽጻር ግብራዊ ፍርያትን ብጸብጻብ ዝተገልጸ ዕቑር ወርቅን ነቲ ኣሉታዊ ኣንፈት ክርእይዎ ይኽእሉ ኔሮም ኢዩም።

76. ይኹን እምበር ኣብ ቅድሚ እዚ ኹሉ ኣሉታዊ ኣንፈታትን ቆላሕታ ዝስሕብ ምልክታትን፡ ክሱሳት ዕደና ቢሻ 4.651 ሚልዮን ቶን ዕቑር ወርቂን 919,000 ኦንስ  Oxide zone ኣሎ ክብሉ እዩም ገሊጾም። ከም ሓቂ ኣብቲ እዋን እቲ ክሱሳት እናፈለጡ ወይ ብውሑዱ ብሰንኪ ሸለልትነት ክገልጽዎ ዘይካአሉ ዕቑር ወርቂ ቢሻ ብገምጋም ካብ 1.2 – 1.3 ሚልዩን ቶን ወይ ብ 35% ተጋኒኑ ምንባሩ እዩ( እቲ ምግናን ብገምጋም ናይ 190,000 ክሳብ 220,000 ኦንስ ወርቂ ኢዩ) ናይ ቢሻ Strip (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ካብቲ ናይ 2011 ኮታ (ሬሾ) ዝዓበየን እናወሰኸ ዝኸይድን ኢዩ ነይሩ እቲ 1000 ኦንስ ኣብ መዓልቲ ምፍራይ እውን ቀጻልነት ዘይብሉ እዩ ነይሩ። እዚ ወሳኒ ሓቅታት ኣብቲ ናይ ክሲ ገደብ ጊዜ ኣይገተልጸን።

77. ኣብ ወርሓተ ሚይዝያ ግንቦትን ሰነን 2011 ( ቀዳማይ ናይ ቢሻ ናይ  ሙሉእ ፍርያት ርብዒ ዓመት) ኣንፈት ፍርያት ኣብ ቢሻ ብርኡይ ኣንቆልቂሉ። ብፍላይ ክሱሳት እቲ Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ደጊሙ ብምዕራግ 5.1 በጺሑ ብ 30 ሰነ 2011 ብኣስታት 88% ካብቲ ናይ 2011 ኮታ(ሬሾ) ዛይዱ።

78. ብ 3 ግንቦት 2011 ክሱሳት ነፍሶን ጋዜጣዊ መግለጺ ብምውጻእ ምስ  SEC ብመልክዕ Form 6-K ከም ዝተሓዝ ገበሩ። ኣብኡ ድማ ቢሻ ”ሓያል ናይ ፍርያት ስራሕ” የካይድ ከም ዘሎ ብምግላጽ ክሱሳት ምስ ENAMCO እቲ ናይ መሸጣ ዋጋ ምውሳን ኣብ ሰነ 2011 ክውድእዎ ሙኻኖም ገለጹ። ኣዚ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ ብክሱሳት ዝተገልጸ ጊዜ ድሕሪ ኣስታት ሸሞንተ ኣዋርሕ ሙኻኑ ኢዩ።

79: ብ 30 ሰነ 2011 ክሱሳት ብመሰረት ስምምዕ 2007ክዛዘም ብዛዕባ ዝነበሮ ስምምዕ  መግዝኢ  ዋጋ ENAMCO ንብርክታት ነፍስን ካልእ ምድንጋይ ከም ዘጋጠመ ገለጹ።

80. ኣብ ነሓሰ 2011, ክሱሳትን  ENAMCO ኣብ $253 ሚልዮን (ዶላር) መግዚኢ ዋጋ  ENAMCO ን30% ብርክታት ነፍሰን ስምምዕ በጽሑ። በዚ ድማ እቲ ትካል ናይ $253 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገበረ።

81. ኣብ ካልአይ መፋርቕ 2011 (ሐምለ ክሳብ ታሕሳስ 2011) ክሱሳት ብዝፈልጥዎን ን ኣውፈርቲ ፍሉጥ ዘይነበረ Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ናይ ቢሻ ምዕራግ ብምቕጻል ኣብ ካልአይ መፋርቕ 2011, 6.6 ብምብጻሕ ናይ ኣስታት 144% ምዕራግ ካብ ናይ  Strip Ratio (ኮታ ዝድርበ ተረፍ) ናይ 2011 ኣርአየ:: ካብ ምጅማር እቲ ናይ ክሲ ጊዜ ገደብ(Class Period) ድማ ብ 35% ብምዕራግ ኣብ 2011, 5.9 በጸሔ።

82. ኣብ መስከረም 2 ን 6ን 2011 ሃርዲ 180,000 ብርክታት ነፍሰን ሸጠ። ኣብቲ እዋን እቲ ካብ ዝነበሮ ብርክታት 100% ሙኻኑ እዩ። በዚ ድማ ናይ $1.3 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገበረ። እዚ ድማ ናይ ነፍሰን ብርክታት (Nevsun common shares) ኣብን ጥቓን እቲ ናይ ክሲ ናይ ጊዜ ገደብ(Class Period) ዝላዓለ ዋጋ $7.30ን 7.27 ን ብቕደም ተኸተል ኣብ ዝሽየጠሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ።

83. ኣብ መስከረም 18, 2011 ዳቪስ 224,600 ብርክታት ንሐደ ብ $ 6.68 ብምሻጥ ናይ $1.5 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ገበረ።

84. ኣውፈርቲ ከይፈለጡ ኣብ መሰከረም 2011 ቪከርስ, ናይ ቢሻ ሓላፊ ስርሒታት(Operations Manager) ከምኡውን ፕሪቶርዮስ, ናይ ቢሻ ሓላፊ ፕሮጀክት ን ነፍሰን/ዕደና ቢሻ ናይ ብርኪ ማሕበር ገደፍዎ። ኣብ ሕዳር 2011 ድማ ካብ 2005ጠቅላሊ ኣካያዲ ስራሕ  ነፍሰን/ዕደና ቢሻ ናይ ብርኪ ማሕበር ዝነበረ ሮጀርስ ነቲ  ነቲ ትካል ገዲፍዎ ወጸ።

85. ምኽሳር እዞም ኣገደስቲ ሓለፍቲ ንነፍሰን ዓቢ ጽፍዒትን ካልእ ናይ ሐደጋ ምልክትን እዩ ነይሩ።

86. ከምኡውን ኣብ መወዳእታ 2011 ክሱሳት ካብ ምጅማር ናይ ክሲ ገደብ ጊዜ(Class Period) ኣትሒዞም ክዕዘብዎ ብዝጸንሑ ሕጽረት ፍርያት ጥረ ወርቂ ተሻቒሎም ንኽልተ ናይ ምህንድስና ትካላት AGP Mining Consultants ከምኡውን ካልእ ትካል ንናይ ቢሻ ናይ Oxide reserve model ዳግም ክምዝሃንጽዎ ገበሩ።

88. ኣብ ሕዳር 15, 2011 ምስ ኣውፈርቲ ኣብ ዝተገብረ ናይ ኮንፈረንሰ ኮል ርክብ ነዚ ኩሉ ናይ ተጠንቐቕ መልእኽቲ ዘመሐላልፍ ምልክታትን ኣሉታዊ ኣንፈታት እናፈለጠ ወይ ሸለል ብምባል ክሱስ ዳቪስ “ነገራት ኣብ ቢሻ ጽቡቕ ይኸይድ ከም ዘሎ” ገለጸ:: ስታቲስቲካዊ ናይ ዕደና ኣሃዛት ዘርዚሩ ነቲ ንስርሒታት ዕደና ቢሻ ብአሉታ ዝጸሉ ዝነበረ ኣንፈታት ግን ከይ ጠቐሰ ሓለፈ።

89. ኣብ ሕዳር 15, 2011 እምባአር ሮጀርስ 69,000 ብርክታት ብዋጋ $6.00 ንሐደ ሸጠ. ኣብ ታሕሳስ 1, 2, 7ን 9, 2011 ሮጀርስ ተወሳኺ 306,500 ብርክታት ኣብ ሞንጎ $6.00 ን $6.05 ብዘሎ ዋጋ ንሐደ ተወሳኺ ብርክታት ሸጠ። ብጠቕላላ ሮጀርስ 375,500 ብርክታት ብምሻጥ ናይ ኣስታት $2.28 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ብምግባር ዝነበሮ ብርክታት 100% ሸጦ።

92. ኣብ 7 የካቲት 2012 ቅድሚ ዕዳጋ ምኽፋቱ: ክሱሳት ንአውፈርቲ ዘናውጽ ጋዜጣዊ መግለጺ (ጋዜጣዊ መግለጺ የካቲት 7) ገበሩ። እቲ “ነፍሰን 2012 ትጽቢታትን መምርሒ ፍርያትን” ዝብል ኣርእስቲ ዝነበሮ መግለጺ ኣብ ሞንጎ ካልእ ነገራት፡ ኣብ ዕደና ቢሻ ዘሎ ዕቑር ወርቂ ብ 30-35% (ብ ገምጋም 1.2-1.3 ሚልዮን ቶን) ተጋኒኑ ከም ዝነበረን ኣብ 2012 ዝፈሪ ወርቂ ድማ ፍርቂ ናይቲ ኣቐዲሙ ንአውፈርቲ ዝተሐበረ  ሙኻኑን ሐበሩ። እዚ ድማ ንዋሕዚ ገንዘብ ናይቲ ትካልን ጽሩይ ህሉው ክብሪ (net present value) ናይቲ ኩባንያን ብአሉታ ዝጸሉ ኢዩ።

96. ኣብ 7 የካቲት 2012 ድሕሪ እዚ ሊዒሉ ዝተጠቕሰ መግለጺ፡ ዋጋ ብርክታት (Nevsun’s common shares) ነፍሰን ብ $1.94 ንሐደ ብርኪ  ኣንቆልቀለ፡ ኣብ  NYSE Amex ካብ $6.34 ንሐደ ብርኪ ኣብ ምዕጻው የካቲት 6, 2012 ናብ $4.40 ኣብ ምዕጻው የካቲት 7,2012 ወረደ፡ ዳርጋ ናይ 31% ምንቁልቃል ኣብ ከቢድ ዓቐን ድማ ነበረ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • NEW HOPE ERITREA July 9, 2013

    ¨ክቡራት ድያስፖራውያን ኤርትራውያን¨

    ካብ መብዛሕትኹም ብኣእምሮን ኣርሒቕካ ብምሕሳብን እንተዘይኮይኑ ብትምህርቲ ይኹን ብተሞክሮ ዘይበልጸኩም ሓውኩም´የ።መብዛሕትኹም ኣብቲ ጽውጽዋይ ዝኾነ ዝተሰንዔ ታሪኽ ኤርትራን ብምእማን፣ገሌኹም ድማ ነበረያ ነበረ ወይ ኣዝግንኒ ምዃኑ እናፈለጥኩም፣እሞ እዚ ኩሉ ደም ኣጥፊእና ድኣ ኣብታ ዝቖምናያ ሓሶት ንጽናዕ እምበር ኢልኩም ከም ሰገን ርእስኹም ኣብ ሑጻ (ሃምበርገር)ቀቢርኩም ትርከቡ ኢኹም።መብዛሕትኹም ተሰቍሩኩም ምስቲ ኣነ ዝብሎ´ውን እናተሳማምዕኩም__ግን ነቲ ሽፍትነት ተጋደልቲ እንድሕር ከምዘለዎ ተቐቢልኩሞ፣ነቲ ዝሞተ ሓውኩም ዘመድኩም ታሪኹ ንኸይተጸልሙ እናፈራህኩም__ለይተ ለይቲ ሕልናኹም እናወቐሰኩም ኣብ ዓራት ትጋላበጡ ፣ባድዋይዘር ቢራ እንተዘየደንዚዝኩሞ ሓንጎልኩም ህድኣት ስለ ዘይረክብ መስተ ሰቲኹም ትድቅሱ።ምስ ወግሔት ግና ሰብ ከይፈርደልኩም ድማ ዓድናን ቃልስናን እናበልኩም ሕልሚ ሸፋቱ ናብ መባህረሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቐየረ ሽፍትነት ዝሓሸ ዝበልኩሞ ጎኑ እናፈተሽኩም ርትዖ ወይ ጃስቲፊኬሽን ትደልዩሉ።
    ኣነ ከም ኣነ, ስድራይ ገጽ ሰብ እናርኣኻ ኣይትዛረብ ,ንዝኣመንካሉ ጠጠው ኢልካ ተዛረብ, እንተተጋገኻ ድማ እወ ተጋግየ በል ኢሎም ዝምሃሩኒ__ብዝክኣለኒ __ስብ ሽቤት ብዘምጽእዎ መርገም, መንእሰያት ኣብ ድፋዕን ሲናይን ክሳቐዩ ክሰምዕ ደቂሰ ምሕዳር ስለ ዝኣበየኒ ፣እቲ ካብ ናይ ኩላትኩም ሓሶት ዝሳሲ ሓንጎል ተፈልየ ምንም እኳ ኣብ ናብራይን ሓዳረይን ብጌጋ ዝተመላእኩ፣ ጌጋ ከይፈጸምኩ ሰዓት ውን ከምዘይትሓልፍ እናፈለጥኩ፣ነታ ኩሉ ጊዜ ተቢዔ ጠጠው ዘይብለላ ሓቂ ፣ሕጂ ግን ህዝበይ እናዓረበ,መታን ሰላም ክብለኒ ነቲ ዓመጽን ፣ምጭዋይን፣ምእሳርን ምስቓይን ከም ንቡር ጌረ ክቕበል ይጽግመኒ።ነቲ ይፈትዎ ዝብሎ ህዝቢ ድማ እቲ ሽፍትነት ብሕልፊ እኳ ብሙዳዳ ሻዕብያ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝፍጠር ሒዙ ኣቢሲንያዊ ሓይሊ ዝኾነ ምቅላዔይ ኣይከቋርጾን እየ።
    እቲ ተቝውሞይ ኣቢሲንያዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን፣ኣነውን ኣቢስያናዊ _፡ሓማሴናይን ሰረወታይን ትግራዋይ ናይ ኤርትራ ኣቢሲንያዊ እየ።ግን ህዝቢ ኤርትራ ንዕላማ ናይ ህግደፍ (ኢሳያስ)ከም ኮንዶም ኮይኑ ብሸፈጥ ከገልግል ደስ ስለ ዘይብለኒ እዩ።ከምቲ ደጋጊመ ዝበልኵዎ ኢትዮጵያ ኴንና ንንበር ኤርትራ ንዓይ ናይ ማፕ ፍቕሪ ስለ ዘይብለይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውን ኣብ ሰብዓ እንተተመቓቐላ መንነተይን ንኣኹም ኣሕዋተይን ካብ ልበይ ኣይፍሕቆኩምን።
    ኣቢሲንያዊ ፕረሲደንት ኢሳያስ,ምንም እኳ ዕላምኡ ዝፈረመሉ ሰነድ እንተዘየሎ እውን __ኣብዲ ስለ ዘይኮንኩ, ነቲ ንሱ ረቂቕ ሜላ ተጠቒሙ ዘካይዶ ዓላማ, ማንም ጨጓር ዳንጋን ዘዋር ታክስን እንተዘይፈለጦ እኳ ፣ነዚ ከምዚ ከማይ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ክሊንተንን መለስን ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህቦ, ዋለኻ እዩ።
    እቲ ናተይ መስተውዓሊ ዝኾነ ሓተታ (ኣናሊሲስ)እዚ ዝስዕብ እዩ።ከሕጽሮ እየ መታን ከይብርትዓኩም።
    ከም ሓጺን ዘይልወ ኤቪደንስ (ማስረጃ)ከምጽኣልኩም ኣይክእልንየ።

    ኢሳያስ ብ1969 ናይ ጃንሆይ፣ኣስራተ ካሳ፣ሲ ኣይ ኤ ልእኽቶ ፈጻሚ ኮይኑ ይቕረብ እምበር__ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ውን ኔርዎ እዩ ይብል ኣነ (በዚ መስተውዓሊ ኣተሓሳስባይ)።ንኢትዮጵያ,ኤርትራ´ውን ዘጠቓለለት,ንኽገዝእ እዩ።እዚ ድማ ኣብቲ በረኻ ምዓልዲ ሑሹዅ ኢሉኒ ዘይኮነስ በቲ ታሪኽ ዝገልጾን ናተይ ኣደናቒ ዝኾነ ሓንጎልን ብምሕዋስ እየ ጨሚተዮ።።

    1)ኣሜሪካውያን፣ ጀብሃ,ናይ ዓረባዊ ዝንባሌ ኣጥቂዕዋ ምስ ፍልስጥኤም ትገብሮ ዝነበረት ምትሕብባር ኣብ ናይ ረብሓ ኣሜሪካን ,ህላወ እስራኤልን ሓደጋ ስለ ዘንጻላለወ ብሻዕብያን ወያነን( ኢትዮጵያዊ ሓይሊ) ከም ትስጎጕ ኮነ ፣እቲ መብዛሕትኹም ውግእ ሓድሕድ ትብልዎ፣ ኣነ ሓይሊ ኤርትራ (ምስ ዓረባዊ ዝምባሌኡን)ኣንጻር ሓይሊ ኢትዮጵያ (ወያነን ሻዕብያን) ይብሎ ።እቲ ትግራይ ትግርኚ ዝብል ቁንቁኛ ግን ብሸነኽ ተጋሩ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ___ዕላማ ኣቦና ወልደኣብ ዝነበረ እዩ።ኢሳያስ ሽዋዊ (ፊውዳላውን ኮሚኒስታውን )ዝኾነ ድሙር ርእይቶ ዘለዎ ጽንጽያ ከይተረፈ ክቋጻጸር ዝደሊ መራሒ እዩ።ትግራይ ህዝቢ (ኣብ ትግራይን ኤርትራን) ዘሎ ንምትሕብባር ድማ ንእሽቶ ዕላማ, ስለ ዝኾነ እዚ ተምቤነታይ ወሎየ ዝብሃል ጽውጽዋይ ናይ እንዳ ስዋን ኮሚኒትን ዕላል እዩ።ወያነ ሓልዮት ህዝቢ ውን ኣለዎ፣ብሓቂ ስልጣኑ እናሓለወ ድሌት ህዝቢ ካብ ድኽነት ኣውጺኡ ንህዝቢ ትግራይን ውድቡን ምስ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናማዕበለ ዓባይን ብርትዕን ኢትዮጵያ ይሃንጽ ኣሎ።

    2)እቲ ውግእ ባድመ ፣1998,ወያነ, ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ፣ከም ዕረ መሪርዎም ዝነበረ ጊዜ ክትከውን,ብባባ ኢሳያስ ተመሪጻ።ምኽንያቱ ፣ወያነ እንተወዲቑ ነቲ ስልጣን ክሕዞ ዝኽእል ኣብ ክልል ዘይኣምን ሃገራዊ ኢትዮጵያዊ ሓደ ሻዕብያ (ኢሳያስ) ስለ ዝነበረ፣እታ ስልጣን ብግዝያዊ ዶ ኣደይ ማርታ እናበለ ንግዚኡ __ ኢሳያስ ነገራት እናዘወረ ግን ሮመዳን መሓመድ ኑር መሳሊ(ኢትዮጵያዊ ) ፕረሲደንት ጌሩ ነታ ካብ ንእስነቱ ዝብሃጋ ኢትዮጵያ ኣሕቢሩ ክገዝኣ, ናይ 21 ክፍለዘመን ሃጼ ቴድሮስ ኮይኑ ካብኡ ሓይሉ ምስፍሕፋሕ እዩ።

    3)እዛ ኣብ ቁጽሪ 2 ዘላ ስለ ዘይሰለጠት ፣ኣብ 2000, ዓሰብ ገዲፍኩማ ውጹ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እዚኣ ንወያነ set up__እያኔራ.ወያነ ግን ¨ንወዲ ነብሪ ዶ ዝላ ተላምዶ ከም ዝብሃል¨ ስትራተጂ ባባ ኢሳያስ ተረዲእዎም ጥራይ ዘይኮነስ ዓሰብ ንምሓዝ ውን ዓላማ ስለ ዘይነበሮም___ እቶም Prime Minister መለስ ተመለሱ ኢልዎም እንከሎ ዘይተመልሱ (ኣምሓራ) ሓይሊ __ምኽንያቱ ዕላምኦም ከተማታት ኤርትራ ንምሓዝ ዝነበረ __መለስ ሎጂስቲክ ስለ ዝኸልኦም ብሓይሊ ኤርትራ ሳላጣ ኮኑ።ንሱ እዩ ላዕለዋይ ሓላፊ ወትሃደራት ኔሩ… ዓሰብ እንተዝሕዙ ግን፣ህዝቢ ኤርትራ ውን, ለካ ሻዕብያ ሓቁ እዩ እዞም ¨ተንኮለኛታት¨ተጋሩ መሊሶም ክወሩና እዩ ኔሩ ዕላምኦ ተባሂሉ ህዝቢ ኤርትራ ብፍናን ምተዋግኤ፣ኢሳያስ ዘዳለዎም ተቓወምቲ ሓይሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩEritrean Sleeper cells,…. እቶም ክሊክ ናይ ስየ ጠቕሊሉ ዝሰጎጎምን, ኣዲስ ኣበባ ሓዊ ብሓዊ ክገብሩ ዝተመደቡ ኤርትራውያን, ዝነበርዎም __ወያነ ምስ ብጃማኦም ከለዉ ለይቲ መጺኡ ቀርቀብ ዘበሎም___ናቕፋ ምፈጠሩ ኔሮም።ግን እቲ ሊስታ ወያነ ስለ ዝነበሮም ብሓንቲ ለይቲ ጥራይ 80% ዝኾኑ ኣብ ቀይዲ ኣውዓልዎም።እዚ እንተዘይኮውን __ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ፕረሲደንት፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ዋና ጽሓፊ ኮይኖም ምጸንሑ።ኣሜሪካ ስለ ዝሓተቱና ኢትዮጵያ ክንሕሉ ኢና ኢሉ ፣ነዞም ርእሲ ደርሆ ዝኾንኩም ደቂ ዓደይ ድማ መእመነኩም።
    4)ኢሳያስ ትግራዋይ ስለ ዝኾነ እዩ ንዴምህት ( TPDM) ናይ ትግራይ ኣብ ኤርትራ base ሂቡ ኣቐሚጥዎም, ዝብሃል ነብስኻ መሕሰሪን ዕሽነት ናታትኩምን ዘርኢ እዩ።ጎረቤት ኤርትራ ትግራይ እያ ዘላ።ካብኡ ዝሞሎቑ ይኹኑ ፣መብዛሕትኦም ድማ (ኣነ ይብል) ወያነ ዝልኣኾም ተጻናጸንቲ (spies)እዮም።ኢትዮጵያዊ (ኣቢሲንያዊ)ኣጀንዳ ዘለዎ ኢሳያስ እዞም ዴምህት ክልተ ነገር የቃንዕሉ።ሓደ ኢሳያስ ተሳዒሩ እንተተገልበጠ ውን፣ ወያነ ዕቡድ እንተዘይሲዕምዎም (እንተዘይተጸሊሎም) ነዛ ካብ ብዓል AIDS ንላዕሊ ሽግራትን ሕማምናትን ዝጸልዋ ኤርትራ ተመሊሶም ከምሓድሩ እንተፈቲኖም ምስ ሓዊ እዮም ክጻወቱ፣ስለዚ እሙናት ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ኤርትራነት ዘይኣምኑ ሓይሊ ዴምህት እዮም፣ንዝኾነ ኤርትራዊ ወዲ ዓሊ ዓይነት ዝኽምብሉ እዚኣቶም እዮም ። ኢትዮጵያ ነቶም ተቓወምቲ ኤርትራ እንተዘይዓቢዳ ኣዕጢቓ ኣይትልእኮምን።

    ስለዚ ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ነዚ ኣነ ሽንቲቤት እንዳሸንኩ ዝገጠምክዎ ውዲት,ንኽትርድእዎ መብዛሕትኹም ብዉሑድ ሓደ ወርሒ ወስደልኩም እዩ ። ኤርትራዊ ዝፈስ ስ ደም እምበር ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘለዎ 1981 ተባሪሩ ኣብ ጀርመን ዴንቸር ይቕይርን ከንቱ ኣኼባታትን እናገበረ ደቁ የዕቢ ኣሎ።ከም ኣማንኤል እያሱ ዝኣመሰለ ቅሉዕነት (honesty & openness) ዝደሊ ድማ ዝሕግዞ ብዙሕ የለን ። ስለዚ ንስኻትኩም እውን ሸፋቱ ዘምጽእዎ ኣርቲፊሻል ነጻነት እናሞጎስኩም ክትበልዩ ኢኹም። ጽንዓት ይሃበና።ጥፍኣትና እናመጸ እዩ።

    Happy whatever unless you think with your head like me ,instead of your emotions ,disaster awaits ,the choice is yours

    LONG LIVE TO ERITREAN PEOPLE
    THOUSAND DEATHS TO BANDITS & RAPISTS

    • begie July 10, 2013

      Hasawi medenageri, agame mkanka kabti shifkayo zeleka shuf teredieka,
      azika belih godib eka, idiot….

      • NEW HOPE ERITREA July 11, 2013

        Thanks Begie ,

        That is a compliment.

Post a Reply to NEW HOPE ERITREA Cancel Reply