Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓጎስ መልእኽቲ

ኣበው  ኣቦታትና  ክምስሉ  ንዝገበረልካ  ወይ  ግበረሉ  ወይከኣ  ንገረሉ  ኢዩ`ሞ  ናይ  ስደተኛታት  ኣብያተ  ትምህርቲ  ካቶሊካዊት  ቤተ ክርስትያን  ከሰላ  ዕውት  ድርብ  በዓል  ኣካይደን ዝብል  ጽሑፍን  ስዕልታቱን  ምስ  ረኣኹ  ዝተሰምዓኒ  ሓጎስን  ደስታን  ደረት  ኣይተረኸቦን። እቲ  ምንታይሲ  እዚ  ቤት 

ኣበው  ኣቦታትና  ክምስሉ  ንዝገበረልካ  ወይ  ግበረሉ  ወይከኣ  ንገረሉ  ኢዩ`ሞ  ናይ  ስደተኛታት  ኣብያተ  ትምህርቲ  ካቶሊካዊት  ቤተ ክርስትያን  ከሰላ  ዕውት  ድርብ  በዓል  ኣካይደን ዝብል  ጽሑፍን  ስዕልታቱን  ምስ  ረኣኹ  ዝተሰምዓኒ  ሓጎስን  ደስታን  ደረት  ኣይተረኸቦን። እቲ  ምንታይሲ  እዚ  ቤት  ትምህርቲ  እዚ  ሀ  ኢሉ  ክጅምር  እንከሎ  ሽዑ ጊዜ  ብኣካል  ምስ ብጸይተይ/በዓልቲ  ቃል ኪዳነይ  ኣብ  ከሰላ  ስለ ዝነበርኩ። ቃል  ኪዳንና  ኣብ  መጨረሽታ  ወርሒ ዓሰርተ ብ 1977 ዓ.ም.ፈ  ኣብ  ካቶሊካዊት  ቤተ  ክርስትያን  ከሰላ  ብኣባ ሓይልኣብ  ኪዳነማርያም ብጾትና  ስውእ  ኣብርሃም ተኸለ፡ ሕያውያን  መሓመድ ብርሃን  ብላታን  ግርማይ ጠበቓን  ወ/ሮ ሶፍያን  ስነ ጥበባዊ  ወዲ  ገብሩን፡  ከምኡ`ውን  ብዙሓት  ካልኦት  ብጾትና ዝተረኸቡሉ ኢና  ብዓጀባ  ኣሲርና።ድሕሪ  ገለ ኣዋርሕ  ብዓልቲ  ቤተይ  ንቦኽሪ  ጓልና  ልዋም  ጥንስቲ  ስለዝኾነት ኣብዚ ቤት ትምህርቲ  እዚ  መምህር  ተቆጺራ ኣገልገለት። እምበኣር  እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ጒዕዞ ታሪኽ  ሕይወተይ ርእሱ ዝኸኣለ ምዕራፍ  ስለዝሓዘ ክርስዖ ዘይከኣል ኢዩ። እወ ብሓቂ ነዚ ቤት ትምህርቲ መንግሥተ ሰማያት የዋርሶም  ኣቦና ነፍሲኄር ኣባ ማሪኖ ብማኅበሮም ኣቢሎም ብዙሕ  ከምዝሓገዙን ከምዝጸዓሩን ሓደ ክፋል ታሪኾም  ከምዝኾነ ዘየማትእ ኢዩ። ኮይኑ ግን ነቲ ሓሳብ መንቀሊኡን ብተግባር  ተርጓሚኡን ላዕልን ታሕትን ኢሎም ዝተቓለሱሉ  ሎሚ ብዕለት 19.03.2017 ዓ.ም.ፈ  ወርቃዊ ኢዮቤል  መበል ሓምሳ ዓመት ክህነት ኣብ ሚላኖ /ዓዲ ጥልያን ዘኽበሩ ኣባ ሓይለኣብ ኪዳነማርያምን ብጾቶም  ኣባ ሬናተን  ነፍሰኄር  ኣባ ተስፋዝግን  ምስ  ኣርባዕተ  ደናግሎም  ኢዮም። ዝጸዓሩሉን ዝደኸሙሉን  ክፋል ግደ  ታሪኾም ስለዝኾነ  ከኣ ኣብዚ ዝቐረበ ጽሑፍ ብውሑዱ  ኣስማቶም እንተዝጥቀስ  ነይሩ  ንዓኣቶም  ሞራልን  ኒሕን ምኾኖም ነቶም ነቲ ታሪኽ ብኣካል  እንፈልጥ  ከኣ  ብዝያዳ መዕገበና።

ቀደም ብቆልዑትና ከለና ዝሕየኽ ብዕሪር ምእንቲ ክህልወና ብማለት ንኦም ዳዕሮ ሓንጢጥና ድልየትና ነርዊ ነበርና። ድሕሪ ገለ ዓመታት ተመሊስና ነታ ኦም ዳዕሮ ምስ እንምልከታ  እቲ ቀደም ዝሓንጠጥናዮ ምስቲ ግዝፊ ዕብየት ናይታ ኦም ዓብዩን ገዚፉን ይጸንሓናሞ ብዙሕ ንግረም ነበርና። ብተመሳሳሊ ከኣ ብኣዝዩ ንእሽቶ ዓቕምን ክእለትን ምስ ዝተፈላለየ ተጻብኦታቱን መሰናኽልን ዝተመስረተ ቤት ትምህርቲ ከምዚ ኢሉ ዓብዩን ሰፊሑን ንቡዙሓት ተመሃሮ ስነ ፍልጠት ትምህርቲ ከቕስምን ከዐንግልን ብምብቅዑ ኣማን ብኣማን  ዮሃና  ዘብል ኢዩ። ንወገን ኃይማኖትን ዓሌትን ከይፈለየ  ንዂሉ  ብሓደ ዓይኒ  ዝርእን ጠርኒፉ  ዘሳትፍን በዓል መቐነት ጽንዓት ሰብኣውን መንፈሳውን ተልእኾ ኢዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ  ከኣ ዘወትር  ኣይክፍለዮን ኢዩ። ኣብ ከተማ ከሰላ ብሰብ ቅያን ታሪኻውያንን ብጾትና  ኣብ መጨረሽታ ሰብዓታት  ተመስሪቱን ተመሓዲሩን ብሓገዝ ዩኔስኮ ዝእለ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘፍረዮም ሎሚ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ዝበጽሑ ብዙሓት ሊቃውንቲ  ከም ዝወነንና  ኣይንስሕቶን  ንኸውን። እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እውን ካብኡ ስለዘይፍለ ዓቢ ተስፋን ትጽቢትን ይግበረሉ።

ኣብ መጨረሽታ  ንስደተኛታት ቤተሰበይ ኣብ ምርዳእ ብተደጋጋሚ ዝተሓባበሩኒ ኣማሓዳሪ ኣብያተ ትምህርትታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ኣባ  ገብራይ ብኢደማርያምን ንዂሎም መማህራንን ከምኡ`ውን ነዚ ቅዱስን ሰናይን ተበግሶ ዝተሓባበሩ ብመላኦም ክብርን ምሥጋናን ይብጻሕኩም። ኲሉ ኤርትራዊ ብህዝቡን ሃገሩን ዝሓሊ ከኣ በብዝዓቕሙ ንኽሕግዝ በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒተይ የመሓላልፍ።

ሰላም ዎ ሰናይ !

ኣንገሦም ገ/ዮውሓንስ

ጀርመን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde April 8, 2017

    It is a proud and deeply moving tribute Haw Angesom to those pioneers of this project and some of the gallant freedom fighters you mentioned.Indeed it is a solid work which every true Eritrean should emulate.This is essentially who we are.All the goodness to you and your family.We shall overcome!

    • Ghesu April 9, 2017

      You always talk too much and you must be a waTa or wedi hamiyen waTa.
      Give us a break from your all the time boring writings by getting lost.
      Boring people like you have nothing else important in their miserable lives.

      • k.tewolde April 10, 2017

        Sorry Gesso,my posts are not meant to entertain,but thanks for reading,if you looking the cure for your boredom, tune in to the agazzi channel, it will fire you up.

POST A COMMENT