ካብ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣትሒዞም ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ተዳጕኖም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት መንግስቲ፡ ስርዓት ህግደፍ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝሰወሮም ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ግዳይ ማእሰርቲ ህግደፍ ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ ሃለዋቶም ተሳኢኑ ዘሎ ግዳያት፡
1. ምሉብርሃን ወልደገብሪኤል፡ ጋዜጠኛ
2. ይርግኣለም ፍስሃ ዝተባህለት ጋዜጠኛ፡ ገጣሚትን መምህርን
3. መለስ ንጉሰ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋናት መጽሓፍ ዝሓተመ፡ ገጣማይን ጸሓፍን
4. ከምኡ ‘ውን ክልተ መጻሕፍቲ ዝደረሰ፡ ፊልምታት ዝኣለየን፡ ኮሜድያንን ደራስን በረኸት ምስግና (ወዲ ምስግና) እዮም።
እቶም ከም ጋዜጠኛታት መንግስቲ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ዜጋታት ካብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣትሒዙ እዩ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ።
ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ዝኣሰሮም ሓያለ ጋዜጠኛታት ብሕትን መንግስትን ብስድራቤቶም ከይብጽሑ ኣጊዱ ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ማእሰርቲ የሳቕዮም ከምዘሎ፡ ገለ ካብኣቶም ‘ውን ብሕማቕ ኣተሓሕዛን ብግፍዕን ህግደፍ ድሮ ከምዝሞቱ ይፍለጥ።