ንወዲ ሓርበኛ ስውእ ማሩ ሃይለ፡ መንእሰይ ሑሩይ ማሩ፡ድሃዩ ጠፊኡና ዝራኣዮ ዓይኑ ይብራሕ

maru

ንኹሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ክቡር ህዝብና ብዘይ ዕድመ ፍልልይ ብዘይ ጾታ ፍልልይ ንኹሉ ሰላምታ እና ኣቕረብና ብምቕጻል ብወዲ ስዉእ ማሩ ሃይለ መንእሰይ ሑሩይ ማሩ ሃለዋቱ ስለ ዝተፍኣና ቤተሰብ ከቢድ ሻቅሎት ስለ ዘለና ኤርትራውያን ኣብ ዝተፋላለየ ኩርናዕ ዓለም ስለ እንርከብ ገለ ኣይ ፍለጥን ዝራኣዮ ሓበሬታ እንተ ረኸብና ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊስና ዝራኣዮ ዓይኑ ይብራህ እና በልና በዚ ዝስዕብ ኢመል ኣድረስ ጊርኩም ክትሕቡሩና ብትሕትና ንውከስ ኣለና ቤተሰብ መንእሰይ ሑሩይ ማሩ ሃይለ።

ኢመል ኣድርስ ……> harnetnabqalsna@aol.comኣብ ቦታ ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ምስ ኣተወ ተራኺብናዮ ኔርና ብቴሌፎን ንገለ ውሑዳት ማዓልትታት ዳሓር ግን ድሃዩ ጠፊኡና በታ ንራኸበላ ዝነበርና ቴሌፎን ክንረኽቦ ኣይ ካልናን ብሻቕሎት ተዋሒቱ ቤተሰብ ዝራዮ እንተሎ ሓደራ በዛ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፋ ዘላ ኢመል ኣድረስ ክትሕቡሩና ንውከስ ኣሎና ስድራቤት ሑሩይ ወዲ ሓርበኛ ስውእ ማሩሃይለ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>