Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርኣያ ፍትሒ 2ይ ክፋል 2/6

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ “ ስራሕ ዘድክም እንተኾይኑ፤ስራሕ ኣልቦነት ከኣ ዘባላሹ`ዩ “ Omer Bin khetab (634 – 644 ዓ.ም) ኣብ 2ይ ክፋል ነልዕሎ ዛዕባ፤ ምክትታል ሃለዋት ዜጋታትካን ንዕኡ ዝቃዶ ሕግታት ምጽዳቅን ማለት  ብኸመይ ሕግታት ትንፋስ ፍትሒ  ክህልዎም ትገብር 

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

“ ስራሕ ዘድክም እንተኾይኑ፤ስራሕ ኣልቦነት ከኣ ዘባላሹ`ዩ “ Omer Bin khetab (634 – 644 ዓ.ም)

ኣብ 2ይ ክፋል ነልዕሎ ዛዕባ፤ ምክትታል ሃለዋት ዜጋታትካን ንዕኡ ዝቃዶ ሕግታት ምጽዳቅን ማለት  ብኸመይ ሕግታት ትንፋስ ፍትሒ  ክህልዎም ትገብር  ዘሪኢ ክኸውን`ዩ ፡-

  • እቶም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክሳብ ኣዘርበጃን መሪሖም፤ ንነፍሶም ቀጺዖም ንፍትሒ ዘንገሱ

ሰይድና ዑመር፤ ሓደ ለይቲ ኣመት ህዝቦም ክገብሩ ዘወርወር እናበሉ፤ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ገዝኣ ኾይና  ብኻልእ ክስምዖ ዝኽእል ድምጺ ነቲ ዝናፈቀቶ ዝኸተተ ሰብኣያ  ዘኪራ ፤ ብኣዚዩ ዘሕዝን ድምጺ  ክትገጥመሉ / ክትደርፈሉ  ሰምዑ ።

 

ምስ  ሓተቱላ ፤  ሰብኣያ ኣብ ቅድመ ግንባር ከምዘሎን ሓያለ ከምዝገበረን  ፈለጡ`ሞ ናብ ጓሎም ከይዶም ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ በዓል ቤታ ተፈልያ ንኸትነብር እትጻወሮ ግዜ ክንዲምንታይ`ዩ ኢሎም  ሓተቱዋ። …. “ ክልተ ሰለስተ እንተበዝሔ ኸኣ 4 ወርሒ” ኢላ መለስትሎም ;;

በዚ ዝኣክል ከኣ ዝኾነ ዝኸተተ ካብ 4 ወርሒ ንላዕሊ ካብ ስድርኡ ንኸይፍለ ንሰራዊቶም ታእዛዝ ኣመሓላለፉ።

ካብ`ዚ ንማሃሮ እንታይ`ዩ

  • ዝኾነ መራሒ ኣመት ህዝቡ ክከታተል፤ ናይ ሓደ ሰብ ጸገም ኸኣ ካብቲ ሓፈሻዊ ጸገም ህዝቢ ዘይፍለ ምዃኑ ክግንዘብ ከም ዝግባእ (ንኹሎ ዘመን ነናቱ ስልቲ ምክትታል ክህልዎ ግድን`ዩ ። ንምክትታል ግና መተካእታ የብሉን )
  • ንሓደ ተርእዮ ዝግባእ መጽናዕቲ ገርካ መፍቲሕኡ ምንዳይ ፤ ዝግበኦ ሕጊ ምሕጋግ /ምሽራዕ ዘለዎ ተደላይነት።
  • ሓደ ግዜ ሰይድና  ዑመር  ፤ ናይ ሓደ  ተኸኽ`ሉ ዝበኪ ዝነበረ ቆልዓ ድምጺ ሰሚዖም  ሰብ ገዛ  ክእብድዎ ተዳሃዩ፤ ምስ ተደጋገመ  ሰይድና ዑመር ከኣ ደጋግሞም  ተዳህዩ፤  እታ  ሰበይቲ ቅጭ መጺ`ዋ ” ኣንታ ሓወይ እንታይ ዝኾንካ ኢኻ፤ ጡብ`የ ዘኽለኦ ዘለኹ …………  ዑመር  ንንጀራ ዝበልዕ ቆልዓ`ዩ ደሞዝ ዝህብ” ኢላ መለስትሎም ።( ኣብ ዘመን ዑመር ንዝኾነ ጽጉም ዜጋ ደሞዝ ይኽፈሎ ነይሩ፤ ን ቆልዓ ጽጉማት ኸኣ ጡብ ኣዲኡ ገዲፉ  እንጀራ ክበልዕ ምስ ጀመረ`ዩ ደሞዝ ዝሕሰበሉ ነይሩ )

ሰይድና ዑመር ብስንኪ`ቲ ሕጊ`ቲ ዝተበደሉ ዝተሳቀዩ ብዙሓት ቆልዑ ክህልዉ ምዃኖም ብምግማት ብሓዘን ተዋሕጡ፤ ከይወዓሉ ከይሓደሩ ኸኣ ነቲ ዝቀደመ ሕጊ ዘፍርስ “ ቆልዓ ትውልድ ምስ ኣበለ ኣትሒዙ ደሞዝ ክወሃቦ”  ዝብል ሓድሽ ሕጊ ኣጽደቁ ።

ካብ`ዚንማሃሮ እንታይ`ዩ

  • መራሒ ኮንካ ኣመት ህዝብኻ ምግባር ኣገዳስነቱን ቀንድነቱን፤
  • እተውጾኦ/ እተጽድቆ ሕጊ ብመጠን ዝውህለል መጽናዕቲ ኣቢሉ ክረግእ ወይ ክለቅቅ ምግባር ከምዘድሊ።

 

ኣብ 3ይ  ክፋል  የራኽበና

ምስ ሰናይ ትምኒት

AAHafiz (228) 15/02/2018

 

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT