Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ለንደን ውሽጢ ቀጽሪ ፓርላማን ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከብ ድልድልን “ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ” ኣጋጢሙ።

ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሓደ ፖሊስ ብኻራ ክጉዳእ ከሎ፣ ኣሸባሪ ብ ፖሊስ ተቐቲሉ፣  ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከብ ድንድል ብመኪና ኣብ ዘጋጠመ ሽበራዊ ናይ መኪና ግጭት ‘ውን ሰላማውያን ሰባት ከምዝቖሰሉን ከምዝሞቱን

ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ፣ ሓደ ፖሊስ ብኻራ ክጉዳእ ከሎ፣ ኣሸባሪ ብ ፖሊስ ተቐቲሉ፣  ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝርከብ ድንድል ብመኪና ኣብ ዘጋጠመ ሽበራዊ ናይ መኪና ግጭት ‘ውን ሰላማውያን ሰባት ከምዝቖሰሉን ከምዝሞቱን ኣብቲ ባይታ ዝርከቡ ናይ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ጋዜጠኛታትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ይሕብሩ ኣለዉ።

ነቲ ፍጻሜ ዝምልከቱ ሓበሬታታት ገና ኣብ መስርሕ ምጽራይ ኳ እንተለዉ፣ ብመሰረት እቶም ጸብጻባት፣ ዛጊት፣ ብዘይካ ብኻራ ዝተወቕዐ ፖሊስን፣ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኣሸባርን፣ ሓንቲ ካብቶም ኣብ Westminster Bridge ካልእ ኣሸባሪ ብዝፈጸሞ ናይ መኪና መጥቃዕቲ ብኸቢድ ካብ ዝቖሰሉ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይትገልጸ ሰላማውያን ሰባት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድሮ ሞይታ ኣላ።

እቶም ክልተ መጥቃዕትታት ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ማዕከናት ጸጥታ ዓዲ እንግሊዝ ይእምቱ።

ኣብ ከባቢ ናይቲ ብ Westminster ዝፍለጥ ትእምርቲ ከተማ ለንደን ዝኾነ ህንጻ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ኣዝዩ ጽዑቕ ናይ ፖሊስን ዕጡቓት ሓይልታት ጸጥታን ምንቅስቓስ ይርአ ‘ሎ።

ሎሚ ኣብ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ተሪዛ መይ ዝተረኽበትሉ ዘተ ክካየድ ኣርፊዱ ነይሩ።

እዚ ብ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ከም ግብረሸበራዊ መጥቃዕቲ ምጽራይ ዝካየደሉ ዘሎ ፍጻሜ፣ ድሕሪ እቲ ኣብ መስመር ባቡራት ከተማ ለንደን ብ ሓምለ 2005 ዝተኻየደ ልዕሊ 50 ሰላማውያን ዝሞቱሉ ግብረሸበራዊ መጥቃዕቲ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ፍጻሜታት ሽበራ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Biniam March 22, 2017

    Vicious Islam and cancerous Muslims are the ultimate chaos to our peaceful and civilized world and to mankind. All the terrorism and violence in the world is conducted and executed by the followers of Islam and the violence and aggression is based and supported by the verses of the Quran, making them believe that they would go to heaven and also would be rewarded 72 virgins for just causing mayhem and committing atrocities on innocent public. We also have to be critical and blame the soft approaches of the Western world towards these muslims, as when you are dealing with savage inhumans you just have to respond to them in a savage inhuman way that they only understand. It is no good dealing with these animals with respect humanity and diplomacy any more longer.

    • Biniam March 22, 2017

      RIP the peaceful and innocent victims of this muslim terrorist evil act and may God rot the evils in their muslim hell where they truly belong and come from in the first place.

POST A COMMENT