ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ኣኼባ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ክሳተፍ መደብ ዝነበሮ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ)፡ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኣርሊንግተን ከምዝርከብ ምንጭታት ካብ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ሓቢሮም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሎሚ 8 ጥቅምቲ፡ ካብ ሰዓት 2:00 – 6:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣርሊንግተን፡ Double Tree ኣብ ዝብሃል ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክሳተፍ መደብ ዝነበሮ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሎሚ 8 ጥቅምቲ፡ ካብ ሰዓት 2:00 – 6:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣርሊንግተን፡ Double Tree ኣብ ዝብሃል ሆቴል ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ደገፍቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ክሳተፍ መደብ ዝነበሮ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ኣርሊንግተን ከምዝርከብ፡ ምንጭታት፡ ካብ ፖሊስ ኣርሊንግተንን ምምሕዳር ናይቲ ሆቴልን ዝረኸቡዎ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ሓቢሮም።

እቶም ምንጭታት ከምዝገለጹዎ፡ ንሱ ብፖሊስ ከምዝተወስደ ርጉጽ ኮይኑ፡ ንማእሰርቲ ዲዩ ወይስ ንድሕነቱ፡ ዛጊት ንጹር ሓበሬታ የልቦን። ጽባሕ ሰኑይ፡ ብፍላይ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ህዝባዊ ብዓል ኮሎምቦስ ብምዃኑ ክሳብ ሰሉስ ንጹር ሓበሬታ ምርካብ ከምዘሸግር `ውን ኣረዲኦም።
ኣብ ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ፡ የማነ ገብረኣብ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገራዊ ጸጥታን ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ኣመሪካ ክብ ዝበለ ኣስጋኢነት ዘለዎም ወልቀሰባት ተባሂሉ ብመንግስቲ `ታ ሃገር ካብ 2010 ኣትሒዙ ኣብ መዝገብ ዝሰፈረ ሓደገኛ ሰብ ክንሱ ኣብ ኣመሪካ ነጻ ኮይኑ ክንቀሳቐስ ዕድል ምርካቡ ከምዘጒሃዮም ናብ ትካላት መንግስትን ኣመሓደርትን ሰብ ዋኒንን ኣመሪካ ኣቤቱታኦም ከስምዑ ከምዝቐነዩ ይፍለጥ።

የማነ ገብረኣብ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ናይ`ቲ ስርዓት ፈስቲቫል ክሳተፍ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ኣካላዊ ማህረምቲ ኣጋጢሙዎ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.assenna@googlemail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Meda October 9, 2017

    We have to consider two things Yemane might be in hospital and the regime may create this fake news to undermine his damage to show that Yemane is still doing his normal job; but he is a diplomat they will not arrest him at any cercustances they can only deport him if they think he is the security threats.

    Stay alert

  • Yohannes October 10, 2017

    Manki have dual citizen and he enter US as US citizen. Therefore, he should be treated like any US citizen. if he break the law he should be held accountable according US law. The same KISHA.

  • AKLILU October 13, 2017

    ata kezab weagey mish kinegrekum ena sony kunetatu elka abey dea tefieom eto minchitatka lekebit tehalmeo emo yizngeakin eyu negeru hasawi hibey kkkk…kkk..kk.k

POST A COMMENT