Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ግብጺ ኣብ ከተማታት ኣለክሳንድርያን ታንታን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስትያን ንዝተኻየደ ብውሑዱ 44 ንጹሃት ኣመንቲ ክርስትና ዘህለቐ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ‘ኢስላሚክ ስቴት’ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ግብጺ ኣብ ከተማታት ኣለክሳንድርያን ታንታን ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ንዝተኻየደ ብውሑዱ 44 ንጹሃት ኣመንቲ ክርስትና ዘህለቐ፣ ልዕሊ 100 ዘቝሰለ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ እቲ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ‘ኢስላሚክ ስቴት’ ከምዝፈጸሞ  ምግላጹ

ሎሚ 9 ሚያዝያ ኣብ ግብጺ ኣብ ከተማታት ኣለክሳንድርያን ታንታን ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ንዝተኻየደ ብውሑዱ 44 ንጹሃት ኣመንቲ ክርስትና ዘህለቐ፣ ልዕሊ 100 ዘቝሰለ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ እቲ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ‘ኢስላሚክ ስቴት’ ከምዝፈጸሞ  ምግላጹ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከተማ ታንታ፣ ናይል ደልታ፣ ኣብ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተባህለ ቤተክርስትያን ሰሙን ቅድሚ ብዓል ፋሲካ ቅዳሰ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈነወ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ህይወት 27 ንጹሃት ብምጥፋእ 78 ከምዘቝሰለ ሚኒስትሪ ጥዕና ግብጺ ከምዝገለጸ ሮይተርስ ይጠቅስ። እቲ ካልኣይ መጥቃዕቲ ድማ ገለ ሰዓታት ተኸቲሉ፣ ኣብ ኣለክሳንድርያ ኣብቲ ታሪኻዊ መቓምጦ ጳጳስ ኮፕቲክ ዝተፈጸመ ክኸውን ከሎ፣ 3 ፖሊስ ዝርከቡዎም 17 ሰላማውያን ሰባት ክቐትል ከሎ 48 ከምዘቝሰለ እቲ ናይ ሮይተርስ ሓበሬታ የረድእ።

ጳጳስ ኮፕቲክ ክርስትያን ቴድሮስ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ካቴድራለ ኳ እንተነበሩ ከምዘይተጎድኡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምስሪ ይጠቅስ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፣ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣገድስቲ ትካላት ኣብ ምሕላው ምስ ፖሊስ ክተሓባበሩ ንሓይልታት ሰራዊት ምስሪ ኣዚዙ ‘ሎ። ኣብዚ ቅንያት ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣል ሲሲ ዝተራኸበ ፕረዚደንት ኣመሪካ ትሩምፕ፣ ነቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኮኒኑዎ።

ኣካል ‘ኢስላሚክ ስቴት’ ኣብ ግብጺ ዝኾነ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ቀጻሊ መጥቃዕትታት ከካይድ ከምዝጸነንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቶም 10 ሚእታዊት ናይቲ ብኣመንቲ ምስልምና ዝዕብለል ህዝቢ ዝኾኑ ኣመንቲ ኮፕቲክ ክርስትና ዒላማ ናይቲ ጥሩፍ እስላማዊ ግብረሸበራዊ መጥቃዕቲ ኮይኖም ከምዘለዉ ደጋጊሞም ከምዝገልጹ ሮይተርስ ይሕበር። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ‘ዚ ኣብ ሰሜን ሲናይ ዝነበሩ ኣመንቲ ክርስትና ብኸምዚ ዝኣመሰለ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ነቲ ቦታ ለቒቖም ከምዝተበታተኑ እቲ ዜና የረድእ።

Egyptians gather in front of a Coptic church that was bombed on Sunday in Tanta, Egypt, April 9, 2017. REUTERS/Mohamed Abd El Ghany

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Joshuwa April 9, 2017

    Where is the all mighty God and why can’t the all mighty God protect his Christian children and his churches?
    I would not be very surprised if the two major terrorist sponsors the barbarian Saudi Arabia and Qatar had a hand in this murderous and vicious Islamic attack against Egyptian Coptic churches.
    It is really tragic and mind boggling WHY these Muslim bojbajat can’t fight against Israel to get their lands back or to free their Muslim Arab brothers and sisters from the occupation and imprisonment under the great Israelis.
    Indeed, if these bojbajat Muslims had any real balls and guts then they would be fighting against real men but as with all jelebiya Muslims they are only good to bend and to wash their halal asses five times a day.

  • Yohana April 10, 2017

    ሎሚ ንናይ ግብጺ ክርስትያናት ፡ ትማሊ ኣብ ሽወደን፡ ሎንዶን ፡ ፓሪስ ፡ በርሊን ፡ ማድሪድ ፡ ፒተስበርግ ሩስያ ።
    ቅድሚ ትማሊ ንኽንደይ ኣሸሓት ክርስትያን ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኣስላም ዓረብ ኣብ በዓል ሱዳን ሊብያ ግብጺ ሲናይ ንባርነት ዝሸጡ፣ ዝኣሰሩ ዘሳቐዩ፤ ኩሊቶም ዓይኖም ዝመዝሓቑ፤ ገንዝቦም ዝዘመቱ፣ ንክርስትያን ኤርትራውያን ንወሲብ ዝሸጡ፣ ብኻራ ዝሓረዱ ብኣድራጋ ጠያይት ዝረሸኑ እዚኦም እስላማውያን ጂሃድ ዓረባውያንን ናቶም ከደምትን እዮም።
    ገለ ሓሰውቲ “ገለ ቁንጣሮ ዉሑዳት እዮም:” እንተበሉኹም ሓሶት እዩ። እዚኣቶም ቅዳሕ ናይ በዓል ጂሃዳዊ ወሃባዊ ስዑዲ ዓረብን ብኣቶም ዝድገፉን፣ እቲ ረሳሕ ትምህርቶምን ገንዘብን ካብ መሳጊድ ናይ ሳዑዲ፣ ቐጠር፣ ኩወይት፣ ኦማን፣ ባህረይን፣ ኢማረይት ተዋህሊሉ ዝመጽእ እዩ።
    እቶም ገና ደቂስኩም ዘለኹም ነዚ ርኢኹም ተበራበሩ። በዓል መነን እንታወትን ነዚ ከምዚ ዘራኻስዎ ዘለዉ ፍለጡ። በዓል መን እዮም ናይዞም ኣረሜን እስላማውያን ጂሃድ ቅዳሕ ክኾኑ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ፧ በዓል መን እዮም ናይ ደቀባት መንነት ታሪኽ ቋንቋ ባህልን ስርዓትን ብሓዊ ከንድዱ ለይትን መዓልትን ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ፧

POST A COMMENT