Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ ካሌስ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ብዝተላዕለ ምንዕዓብ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጥይት ቆሲሎም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብታ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡላ ፈረንሳዊት ከተማ ካሌስ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ብዝተላዕለ ምንዕዓብ ካብ ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጽኑዕ ቆሲሎም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ቢቢሲ ንዘቤታዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቲ መግቢ ክረኽቡ

ኣብታ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡላ ፈረንሳዊት ከተማ ካሌስ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ብዝተላዕለ ምንዕዓብ ካብ ሓደ ኣፍጋኒስታናዊ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ብጽኑዕ ቆሲሎም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ቢቢሲ ንዘቤታዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ መግቢ ክረኽቡ ተሰሪዖም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ስደተኛታት ጥይት ከምዝተኮሰ ዝጥርጠር ኣፍጋኒስታናዊ ወዲ 37 ዓመት ክኸውን ከሎ፡ እቶም ብጽኑዕ ቆሲሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ 16 ክሳብ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ እዮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ጠንቂ ናይቲ ግጭት ንጹር ኣይኮነን። እንተኾነ፡  እቲ ግጭት ትማሊ ሓሙስ ኣጋ ምሸት  ኣብ ደቡባዊ  ወሰናስን ከተማ ካሌስ ስደተኛታት ረዲኤት መግቢ ክረኽቡ ኣብ ዝተሰርዑሉ ቦታ እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ንኽልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ግጭት ድማ ኣስታት 100 ዝኾኑ ኤርትራውያንን 30 ኣፍጋኒስታናውያንን ተጸሚዶም ከምዝነበሩ ይጥቀስ።

እቶም ቆሲሎም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ክሳድ፡ ኣፍ ልቢ፡ ከብድን ዓንዲ ሕቖን እዮም ተወጊኦም ከምዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።

ደድሕሪ`ቲ ቶኽሲ እቲ ናዕቢ ጸጥ ምስ በለ ኣብ ሓጺር ግዜ ካብቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ቦታ 5 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ እንዳስትርያዊ ከባቢ ካብ 150 ክሳብ 200 ዝኾኑ ኣባትርን ሓጻዊንን ዝሓዙ ኤርትራውያን ምስ 20 ዝኾኑ ኣፍጋኒስታናውያን ከምዝተጋጨዉ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝሓበረ `ውን እቲ ዜና የመልክት። ንምሸቱ ኣብ ካልእ ንቑጣ መዐደሊ መግቢ ተመሳሳሊ ግጭት ከምዝቐጸለ ድማ ተፈሊጡ።

ድሕሪ `ቲ ኹሉ ግጭታት ኣብ መወዳእታ ሓይልታት ጸጥታ ፈረንሳ ናብቲ ቦታ ክለኣኹ ከለዉ፡ ለይቲ ናይ ግጭት ጸብጻብ ከምዝይነበረ እቲ ናይ ቢቢሲ ዜና ይሕብር።

ብመሰረት ሓበሬታ AFP ብድምር ናይ ካራ ማህረምቲ ዘለዎም ዝርከቡዎም 22 ስደተኛታት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።

እቲ `ጫካ` ወይ ድማ “Jungle” ብስብል ሳጓ ዝጽዋዕ ን ዓዲ እንግሊዝን ፈረንሳን ዘራኽብ ወሽመጥ ንምስጋር ስደተኛታት ዝተኣኻኸቡሉ ቦታ ኣብ 2016 ዓንዩ ኳ እንተነበረ ስደተኛታት ዳግም ካብ ዝምለሱዎ እዋን ሓሊፉ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ግይዳያት ፈረንሳ፡ ጂራድ ኮሎምብ ነቲ ናዕቢ ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ ናዕቢ ዘበገሱዎ እቶም ስደተኛታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምስግጋር ዝነጥፉ ፋሉላውያን ጉጅለታት ምዃኖም ኣገንዚቡ።

እዚ ግጭት `ዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ካብ ዝተኻየዱ ግጭታት እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ናብ ደረጃ ጠበናጁ ምብጽሑ ዘሻቕል ምልክት ናይቲ ምትፍናን ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ይኹን`ምበር፡ ማሕበራት ረዲኤትን ገለ ሰበስልጣንን ፈረንሳ መንግስቲ `ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣዝዩ ጽኑዕ ፖሊሲ የሰላስል ምህላዉ ወቒሶም።
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Lula February 3, 2018

    ደድሕሪ ደናቑር፣
    ታሪኽ ቋንቋታት መንነት ቅርሲ፣
    ብሓዊ ዘሕረሩ፣
    ብነብሰ ጸልኣት ዝዓወሩ፣
    ናታቶም ፈንፊኖም፣
    ናይ ዒራቕ ስዑድያ ዝናፍቑ፤
    ተዓሚትና ክንምርሽ፣
    ሓንሳብ መጻወቲ ቅያዳ ኣል ዓማ፣
    ሓንሳብ ናይታ ነፋጥ ጀብሃ፣
    ሓንሳብ ናይታ መንደፍ ህግደፍ፣
    ሓንሳብ ናይቶም ሳሕሳሕ ዓረብ፣
    ሎሚ ድማ ናይ ኣፍጋኒስታን ኴና።
    ኣል ሰውራ እንዳበሉ፣
    ዓይናን ዓሚቶም ናብዛ ገደል፣
    ወይ ውርደት !!!

    • k.tewolde February 3, 2018

      ‘ሎሚ ድማ ናይ ኣፍጋኒስታን ኴና።
      ኣል ሰውራ እንዳበሉ፣’ Lula how many shekel are you getting paid to spread this Islamophobic rhetoric? How do you relate Afghanistan and Eritrea, or are you simply lashing out at anything and everything that looks and sounds Muslim because of a traumatic event that happen to you or a loved one? If so,this is not the way to deal with it.If you have an access, a sound counseling would help. I use it sporadically to get in the right track. We all need it every now and then.

  • Bokre February 3, 2018

    Thank you Lula, I love this part. Keep on writing and exposing as the dogs with “ብነብሰ ጸልኣት ዝዓወሩ” bark. Every time their master’s “honour” is touched the Arab Abids and slaves will keep on showing here. They do not care about Eritrean languages, heritage and identity, they only worry about the image of their Arab masters.
    “ደድሕሪ ደናቑር፣
    ታሪኽ ቋንቋታት መንነት ቅርሲ፣
    ብሓዊ ዘሕረሩ፣
    ብነብሰ ጸልኣት ዝዓወሩ፣
    ናታቶም ፈንፊኖም፣
    ናይ ዒራቕ ስዑድያ ዝናፍቑ፤
    ተዓሚትና ክንምርሽ፣ …”

  • Sol February 4, 2018

    Tekhlay, the only one who is barking day and night here in Assenna when every time the mafia boss DIA is exposed.

  • AHMED SALEH !!! February 4, 2018

    Lula , Bokre and with other nicknames
    At the begining you might succeed to deceive this forum but at the end
    It became clear to identify your sinister motives .
    You are honored by some participants to give you HGDF supporters title
    where your comments stand against any thing associated with Eritrean
    issues .
    Remember that we observed some hatemonger elements from southern
    border . No wonder if you belong to such group because your ideas and
    destructive languages speak for itself .

POST A COMMENT