ኣብ 4ይ ኣኼባ ኣፍሪቃን ዓረብን ዝተሳተፈ ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዑስማን ሳልሕ ነቲ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ስደት ዘንፈጸ ‘ብዋርሳይ ይከኣሎ’ ዝፍለጥ ፍሹል መደብ ህግደፍ ብኣብነት ጠቒሱዎ።

ኣብቲ ብ23 ሕዳር ኣብ ማላቦ፣ ኤኳተርያል ጊኒ ዝተኻየደ 4ይ ኣኼባ ኣፍሪቃን ዓረብን ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዑስማን ሳልሕ፣ ነቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ናይ ዝተዓስከሩ  ኣምኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ነጻ ጉልበት ዘባኸነ፣ ማእለያ

ኣብቲ ብ23 ሕዳር ኣብ ማላቦ፣ ኤኳተርያል ጊኒ ዝተኻየደ 4ይ ኣኼባ ኣፍሪቃን ዓረብን ዝተሳተፈ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዑስማን ሳልሕ፣ ነቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ናይ ዝተዓስከሩ  ኣምኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን ነጻ ጉልበት ዘባኸነ፣ ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያት ብዘይልቦም ናብ ስደት ዘንፈጸ ‘ብዋርሳይ ይከኣሎ’ ዝፍለጥ ፍሹል ጊላዊ ወፍሪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብኣብነት ጠቒሱዎ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ “ እቲ ወፍሪ እኩብ ሓይሊ መንእሰያት ኣብ ልምዓትን ብምውዓል ነቶም መንእሰያት ንገዛእ ርእሶም ከምዝልወጡ ገይሩዎም። ኣብ ቅድሚ ‘ቲ ዝገጥመና ዘሎ ከቢድ ብድሆታት ከኣ ዓቢ ውጽኢት ሓፊጽናሉ” ክብል ብሓሶት ተመኪሑ።

ግደ ሓቂ ግን፣ ዋርሳይ ይከኣሎን፣ እቲ ከም ሓጽቢ መንእሰያት ዝጥቀመሉ ጊላዊ ኣግልግሎትን መንእሰያት ኤርትራ ከይፈተዉ ዓዲ ከምዝቕይሩ ደኣ ጌሩዎም እምበር፣ ኣብ ነብሶም ኮነ ሃገርና ኤርትራ ዘምጽኦ ኣውንታዊ ለውጢ የልቦን።

እቲ ኣብ ኤኳተርያል ጊኒ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃን ዓረብን ሕብረት ኣፍሪቃ ወኪል ምዕራብ ሰሃራ ኣብቲ ኣኼባ ክሳተፍ ስለዝፈቐደ 8 ሞሮኮ እትርከበን 8 ሃገራት ዓረብ ካብቲ ኣኼባ ብምስሓበን ከይተጀመረ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ እዩ። ዑስማን ሳልሕ ከኣ ኣብቲ ፍሹል ኣኼባ እዩ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዘካይድ ነይሩ።

እቲ ንምዕራብ ሰሃራ ነጻ ንምግባር ዝቃለስ ዝነበረ ፖሊሳርዮ ኣብ 1976 ብበይንኣዊ መንገዲ ናጽነት ምዕራብ ሰሃራ ምስ ኣወጀ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ውሳኔ ከምዝተቐበላኦ ይፍለጥ።

aseye.assenna@googlemail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde November 29, 2016

    A defunct diplomat,a mouthpiece,a token used for ‘fronting’,a word for those who are Americanized.

    • AHMED SALEH !!! November 30, 2016

      From day one they volunteered to become properties of Issayas .
      When we observe people surrendered their dignity to one man rule and to face
      all sorts of humiliation has no reasonable explanation that makes a sense . I think majority
      of famous figures inside EPLF leadership are condemned to rot in dungeons .
      To find out what went wrong , first we must ask ourselves in front a mirror .
      Selfishness , double standard and betrayal are our main enemies .

  • Teclay November 30, 2016

    What is surprising here?? What is new?? =Nothing .
    Baria Osman Salih was condemned for not telling the truth …Why should he ?? Let alone poor Osman ,a post man ,the Drs who believe on science and teach scientific theory to their students have to lie if things are about the forged country called Eritrea .
    So,Osman is right .Like everyone else he has also the right to lie ..How do you want then Eritrea to survive with out the proved and workable system called lying or myths..Deep inside everybody knows Eritrea can not survive for one hour in the environment of truth …So ,So,Eritrea must be encapsulated by layers of lies and myths.
    The Drs have been lying,,the so called opposition have been lying ,,,like every one else our brother Osman has been lying .
    ኣቶ ዑስማን ስክፍ ኣይበልካ ቀጽሎ ፣ኲላ ኣብ ሓሶት ተዘፍዚፋ እያ ትነብር ። ንስኻ እንተሓሰኻስ የጥዕመልካ ከማን፣ ብውሕዱ ኣብ ዐድኻ ትነብር ኣሎኻ።

  • Ginda November 30, 2016

    I do not blame Ambassador Osman Salih because he is living and working inside Eritrea. I am surprised of the hypocrites and the slavish Abeed liars who will cover up every truth and fact that does not fit their alien enslaved minds while they live in the free and democratic Christian west.

POST A COMMENT