Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣገዳሲ መልእኽቲ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ብ ኣጋጣሚ መጋቢት 08፡ 2017 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ – ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ኣገዳሲ መልእኽቲ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ብ ኣጋጣሚ መጋቢት 08፡ 2017 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ   ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ለካቲት 17፡ 2017   ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን፡-   ታሪኻዊ መበገሲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዝኽሪ'ቲ ብ1908 ዝተገብረ ኣድማ ናይ

ኣገዳሲ መልእኽቲ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን

ብ ኣጋጣሚ መጋቢት 08፡ 2017 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ

 

ዓለምለኻዊ ተበግሶ

ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ

ለካቲት 17፡ 2017

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን፡-

 

ታሪኻዊ መበገሲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዝኽሪ’ቲ ብ1908 ዝተገብረ ኣድማ ናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ትካል ዓለባ፡ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ለካቲት 28: 1909 ብማሕበርነታዊ ሰልፊ ኣመሪካ ተወዲቡ ተባዒሉ። ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ክብርን ኣበርክቶን ኣብ ንጽምብለሉ: ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ምምካት ኩሎም ሽግራት ሕብረተሰብናን ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ተጋደልቲን ኣዴታትን ኣሓትን ዝኸፈለኦ መስዋእቲ፡ ዘበርከተኦን ዘበርክተኦ ዘለዋን ጅግንነታዊ ግደ ክብ ዝበለ ሞጎስን ክብርን ይግበአን። እዚ መዓልቲ እዚ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ዓንዲ-ማእከል እታ ክብርቲ ስድራ-ቤት ኤርትራ ብምዃናን ናይ ቆልዑን መንእስያትን ናይ ኣረጋውያንን ጸዋሪትን ሓብሓቢትን ብምዃና ዓቢ ክብርን ኣፍልጦን ክንህቦን፡ ብስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ንሓርነትን ፍትሕን ነባሪ ክብረን ህያው እንገብረሉን መዓልቲ ኪኸውን ይግባእ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን፡ ነዚ ናይ መጋቢት 08፡ 2017 ኣገዳሲ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ፡ ነቲ ኣዝዩ ሓያል ህዝባዊ  ምንቅስቓስ (Grassroots Movement) ማዕረ -ማዕረ እቲ ዘካይዶ  ናይ ጎስጓስን ምልዕዓልን ኣስተምህሮታት፡ ናብ ተግባራዊ ህዝባዊ ትካላት ዝሰጋገረሉ ድርብ ታሪኻዊ ዕለት ንኽኸውን ንኩሎም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ጻውዒቱ የቕርብ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ፡ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ንፍትሒ ኣኣብ ዘለዉዎ ከባቢታት ከተማዊ/ኣከባብያዊ ባይቶ ንምትካልን ነቲ ድሮ ቆይሙ ዘሎ ንምሕያልን – ናይ ምርጫ ሽማግለታት ዘቑሙሉን ዝመርጹሉን ዕለት ንምግባሩ፡  ነቲ ዓብይን ቅዱስን  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፣ መዓልቲ ፍትሕን ሓርነትን ስድራቤታት ኤርትራ ንክኸውን፡ ነቲ ንሃገርን ህዝብን ዘብርስ ዘሎ ጨካን ምልካዊ ስርዓት ንምልጋስ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ጻዕርታቶም ምእንታን ክድመር ብንጥፈት ክሳተፍዎ ብትሕትና ይጽውዕ።

ሃገርናን ህዝብናን፡ ብፍላይ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮናን ኣብ ጸልማት ባርነት ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ህጹጽነት ናይዚ መጸዋዕታ ብዕቱብ ክትርእይዎ ነማሕጽን።

ሰነዳት ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምርካብ ኣብዚ ጠውቕ http://www.snitna.com/gieegm/gieegm.html

ዝኾነ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስዝህልወኩም በዚ ጸሓፉልና gieegm@googlegroups.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • PH February 19, 2017

    ባጋጣሚ 8ጉንቦት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንስለ በዓል ዘይኮነ ጾርክን ካብ ዝከበደ ናብ ዝኸበደ ክሰጋገር የብሉን ።ናትክን ጥርናፈን ወስታን የድልየና ኣሎ።ጉዋል ኣንስተይቲ ስሓሊት ሰቢኣይ ሙኹዋና ስለ ዝርዳእ ኢየ ኢምበኣር ኣደ ባይቶ ( ኡመል-ባይቶ ) ካባኽን ዝጽበ።

  • Daniel February 19, 2017

    No woman no cry. Fair deal and recognition for all women.
    If you want to build a healthy society then you need a healthy woman.
    Make all women of the world happy, healthy and involved in all development matters.
    Eritrean women just like all African women are not appreciated nor treated fairly/equally enough.
    There can’t be a celebration for majority Eritrean women on March 8th as they have nothing to celebrate about.

POST A COMMENT