ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ሎሚ ሰንበት (30 መጋቢት) ኣብ ኢደንብራ፡ ስኮትላድ ኣብ ዝተኻየደ ጉያ መሮር ሳልሳይ ወጺኡ።
ኢትዮጵያዊ ከነኒሳ በቀለ ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ወጺኡ። ኣብ ተመሳሳሊ ቅድድማት ንመበል 6ይ ግዜ ተመሳሳሊ ጽዋእ ብምዕታሩ ኸኣ ክብረ መዝገብ ሒዙ።
ዘርእሰናይ ታደሰ ዓሚ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ንነብሱን ሃገሩን ዘዅርዕ ዓወት ጨቢጡ እዩ።