Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ) መግለጺ ቁ. 2

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ) መግለጺ ቁ. 2 ብዛዕባ ተልእኾና ዝምልከት ዝያዳ መብርሂ፤ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ዘውጻእናዮ ቀዳማይ መግለጺ፡ ብርክት ዝበለ ዝለኣኽኩምልና ዘተባብዕ ናይ ደገፍ መልእኽትኹም ልዑል ክብሪ ንህቦን ነመስግኖን። ብዙሓት ኣብ መልእኽትኹም  ብዛዕባ ተልእኾና

ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ) መግለጺ ቁ. 2

ብዛዕባ ተልእኾና ዝምልከት ዝያዳ መብርሂ፤

ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ዘውጻእናዮ ቀዳማይ መግለጺ፡ ብርክት ዝበለ ዝለኣኽኩምልና ዘተባብዕ ናይ ደገፍ መልእኽትኹም ልዑል ክብሪ ንህቦን ነመስግኖን። ብዙሓት ኣብ መልእኽትኹም  ብዛዕባ ተልእኾና ተወሳኺ መብርሂ ምሃብ ነቲ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ተበግሶኹም ጌጋ ኣረዳድኣ ከወግዶ ይኽእል ዝበልኩሞ ንሰማምዓሉ ኢና። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ሕጂ’ውን ደጊምና ከነስምረሉ እንደልዮ እንኮ ዕላማና፡ ናይ መጻኢት ኤርትራ መሰረት ብዝሓሸ ምእንቲ ክህነጽ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምዕቡልን ሃናጽን ዘተ ንምክያድ ዘቀራርብ መድረኽ ንምፍጣር እዩ። እቲ እንደልዮ ዘሎና መስርሕ ድማ ንናይ ሓባር ዕላማ – ናይ ሓባር እስትራተጂ ንምቛም እዩ። ስለ’ዚ ጠመተና ነቶም ሓደ ዓይነት ወይ’ውን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘሎዎም ኣብ ስደት ዘሎዉ ኤርትራውያን ጉጅለታት፡ ኣንጻር ጓዕጻጺ ስርዓት ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ክህልዎም ዝኽእል ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ፍልልያት ንምጽባብ እዩ። ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ኣቢሉ ይገብር፡ ሲግሞን ፍራውድ ከም’ዚ ክብል የጠንቅቐና፡  ካብ ንኡስ ፍልልያት ዝመጹ ነብሰ-ዕብለላ ኩሉ ግዜ ንመንገዲ ህንጸት ሓባራዊ ምትእምማን፣ ነብሰ-ምትእምማን ይኹን ሓባራዊ ውሳኔ ንምብጻሕ ዓንቀጽቲ እዮም። ስለ’ዚ ብፖለቲካዊ ዓይኒ፡ ኣብ ምህናጽ ሃገራዊ ሓድነት፡ ምውጋድ ነብሰ-ዕብለላ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስጉምቲ እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጎ እተን ዘሎዋ ፖለቲካውያን ጉጅለታትና ዘሎ ፍልልያት መሰረታዊ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዘቀራርቦም ዕላማ ስለ ዘየስተብህልሉ፡ ኣብ ዘየድሊ ቅርሕንቲ ዝመልኦን፡ ምክብባር ዝጎዶሎን ፖለቲካዊ ጭቕጭቕ የሕልፍዎ። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ድማ ነዚ ድኽመት እዚ መዝሚዙ፡ ንረብሕኡን ስልጣኑ ንምንዋሕን ይጥቀመሉ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ወድዓዊ ኩነታት እዚ ከኣ፡ ነቲ ነገራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ንቕሓታውን መንፈሳውን ዓቕምታት ህዝብና እንዳኣዳኸሞ ይቕጽሎ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ እቲ ኣዝዩ ዘፍርሕ ሓደጋ፡ ኤርትራና ውድቕቲ ሃገር ንኸይትኸውን እዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ዘስዓቦ ሓደጋ ከቢድ እዩ። ስለ’ዚ ሃገርና ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ንኸይትወድቕ፡ ነቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎና ኤርትራውያን ከቢድ ሓላፍነት የሸክመና።

እምበኣርከስ ናይ ኤምሃዘ ዕላማን ክንጻወቶ ዘሎና ግደን ከኣ፡- ንኹሎም ጉጅለታት ኣቀራሪብካ፡ ንናይ ሓባር ዕላማ ብሓባር ንኽሰርሑ ምሕጋዝ እዩ። ነቲ ክንሪኦ እንምነዮ ለውጢ ምእንቲ ክቀላጠፍ ድማ፡ ነቲ ኣሉታዊ መንፈስ ጉዕዞና ምውጋዱ ኣድላዪ ምዃኑ ኤምሃዘ ኣጥቢቑ ይኣምን።

ሓደ ካብ’ቲ ንሕድሕዳዊ ምዝርራብ ንምጅማር ሓጋዚ እዩ እንብሎ መንገዲ ድማ ሃገራዊ ዋዕላ ምክያድ እምንቶና እዩ ። ከም ኣሳለጥቲ ጉጅለ ናይ ኤምሃዘ ተልእኾ ከኣ ሓደ ብሱል መድረኽ ብምውዳድ ዋዕላ ዝካየደሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ። ናይ ሕሉፍ ታሪኽና፡ ዋላኳ ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል እንተኾነ፤ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ጸዋዒት ግን፡ ኣትኩሮና ኣብ ናይ ህልውን መጻእን ክኸውን ኣሎዎ ዝብል እዩ። እምበኣርከስ ንህዝብና ካብ’ዚ ጨቋኒ ስርዓት ሓራ ንምውጻእ፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ’ቲ ክሰላሰል ዝበሃል ዘሎ ዋዕላ፡ ናይ ሓባር እስትራተጂ ንምውጻእን፡ ነቲ እዚ ስርዓት እዚ ዝገድፈልና ሕንፍሽፍሽን ንምዕራይ ዘኽእለና መንገዲ ክጸርግን እዩ። እዚ ድማ ነቲ እንጽበዮ ለውጢ ዕንቅፋት ዘየብሉ፣ ሰላማውን ደሞክራሲያውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንነባሪ ኤኮኖሚያዊ ምዕባለ ሃገርና ድማ ድልዱል  መሰረት ይኾኖ። እምነትና፡ ሓንቲ ፖለቲካዊት ማሕበር ወይ’ውን ዝተወደበ ጉጅለ፡ ነቲ ንምውዳቕ እዚ ስርዓት’ዚ ይኹን፡ ንብድሕሪኡ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪሞም ከረጋግጽዎ ዝከኣል ጉዳይ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ኤምሃዘ ንኹለን ፖለቲካውያን ውድባት፣ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ጉጅለታት፣ ውልቀ-ሰባትን መሓዙት ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታትን፡ ነዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓቢ ስራሕ ግቡእ ቅርጻን ኣሰራርሓን ንምህንዳስ ክንጽውዕ ኢና።

መደብ-ስራሕ ኤምሃዘ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ ወፍሪ የጣምር፤

ቀዳማይ፡- ምስ ኩሎም  ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታትን ቦታታት ዝርከቡን ኤርትራውያን ኣድላዪ ወኸሳታት ብድሕሪ ምግባር፡ ሓደ ንድፋዊ ሰነድ ከነዳሉ ኢና። እዚ ከኣ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ዝገብርዎ ክትዓት ሓደ ነባሪ ሓባሪ-ካርታ (Roadmap) ከማዕብሉን ከምኡ’ውን ከመይ ጌርና ናብ’ቲ ዝድለ መድረኽ ንምብጻሕ ዝሕግዝ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ሰነድ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታት ማለት ብሓደ ወገን ኣብ መንጎ ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ’ቲ ለይትን መዓልትን ኣንጻር እዚ ዓማጺ ስርዓት ዝዋደቕ ዘሎ ናይ ውሽጢ ሓይልታትን ሂወታዊ ምትእስሳር ንምግባር ዝእምት እዩ።

ካልኣይ፡– እቲ ካልኣይ ክፋል ናይ’ቲ ሰነድ ከኣ ነቲ ብድሕሪ እቲ ስርዓት ምልጋሱ ንመሰጋገሪ መድረኽ ዝጠቕሙ ሓሳባት ዘጣመረ ይኸውን። ንሱ ከኣ ባህርያት ናይ ምስግጋር ገጻትን፡ መትከላዊ ህንጻን ዘጣመረ እዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ኣብ’ቲ ዋዕላ ንምጽዳቑ ዘይኮነስ፡ ናይ ክትዕ መድረኽ ዘዋድድ ጥራይ እዩ። ብተወሳኺ ከኣ ነቶም ናይ ቃልሲ ኤርትራ ኣዕሩኽቲ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ተዓዲሞም፡ ብዛዕባ ምልካዊ ስርዓት ቅድሚ ምልጋሱ ይኹን ብድሕሪ ምልጋሱ እንታይ ክግበር ከም ዘሎዎ ሓሳባቶም ከቕርቡ እዮም። እቲ ሙኩር ማዕዳኦም፣ ርእይቶኦም ይኹን እማመኦም፡ ንምውሳን ዝሕግዝ ጸጊዕ ዘየብሉ ወገን ከም ዝኸውን ድማ ንኣምን።

ሳልሳይ፡- ንኣድላይነት ጾታዊ፣ ሃይማኖታውን ዞባውን ብዙሕነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘሎዎም ኤርትራውያን ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን፡ ባህሪ ምስግጋርን ኣስተምህሮ ክገብሩ ክንዕድም ኢና።

ራብዓይ፡- ዕዱማት ወከልቲ ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ ኣብ’ተን ክልተ ተባራዕቲ ሕቶታት ማለት፡ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታትን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎዎም ራኢን ኣመልኪቶም ርእይቶኦም ከካፍሉና እዮም።

ሓሙሻይ፡- ኣብ መደምደምታ ድማ ካብ’ቲ ዋዕላ ዝመንጨወ ሓባራዊ ኣረኣእያ ተመርኲሱ ሓደ መትከላዊ ኣዋጅ ምስ ኣገባብ ኣተረጓጉሙኡ መግለጺ ከውጽእ እዩ። እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዝርዝር ናይ’ቲ ኣኼባታት ከኣ ምስ’ቲ ዕለተ-ዋዕላ ዝቀራረበሉ እዋን መብርሂታት እንዳተገበረሉ ክኽየድ እዩ። ኣብ’ቲ መስርሕ ከኣ ነተን ፖለቲካውያን ውድባት፣ በርጌሳውያን ማሕበራት፣ ጉጅለታትን ውልቀ-ባእታታትን ምእንቲ ክተሓባበሩና ቀጻሊ ርኽክባት ክንገብር ኢና። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ዋዕላ ዝግበረሉ መንገድታትን ንዓኡ ንምስልሳል ክተሓባበራና ዝኽእላ ማሕበራትን ኣብ ምፍታሽ ንርከብ። ነዚ ጉዳይ እዚ ንምዕዋት ካብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝኾነ ምትሕብባር ይኹን ፍሉይ ሓሳባት ምስ ዝልገሰልና ድማ ኣቐዲምና ነመስግን።

ድሮ ኣብ ዝሓለፈ መግለጺና ንዝሓበርናዮ ደጊምና ንምብራህ ድማ ዕላማ ጉጅለና ሓድሽ ፖለቲካዊ ይኹን በርጌሳዊ ማሕበር ንምቛም ኣይኮነን። የግዳስ ፍሉይ ዕላማ ንምዕዋት ዝተበገሰት ግዝያዊት ጉጅለ (ad hoc) ኢና። ቀንዲ ድፍኢት መበገሲና ድማ እቲ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ በዳሂ መድረኽ ንምግጣም ዘተ ኣብ መንጎ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ እተን ህሉዋት ፖለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ምሕበራትን ናብ መኣዲ-ዘተ ናይ ምቅርራብ ዘሎና ውዕውዕ ባህጊ እዩ።

ብኣጠቓላሊ፡ነቲ መስርሕ ሓገዝቲ እዮም እንብሎም ኣድለይቲ ዝኾኑ ኣኼባታት፣ ሰሚናራት፣ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለታትን ዋዕላን ብምክያድ፡ ሓደ ጥጡሕ መድረኽ ደሞክራሲያዊ ዘተ ንምውዳድ እዩ። ትምኒት ዕላማና ድማ፡ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊያን ሰልፍታት፣ በርጌሳውያን ማሕበራትን ግዱሳት ውልቀ-ሰባትን ብጽቡቕ እምነትን ምትሕብባርን ብምስራሕ ናይ ኩሉ ደገፍ ዘሎዎን ክሰርሕ ዝኽእልን ሓባሪ ካርታ ንምድላው እዩ።

 

ብኢመይል ኣብ efndzete@gmail.com ክትረኽቡና ትኽእሉ

09 ታሕሳስ, 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • dawit tekeste December 23, 2013

    Zna,ed tebegso ey uq

  • dawit tekeste December 23, 2013

    Zna,ed tebegso ey u

  • Zereba Seb December 23, 2013

    Hey guys, have you heard about Bayto before? It does not make sense to create an organization to unite other organization. What a joke.

  • GOJAM December 23, 2013

    FIRST GO AND ASK TO BE UNITED THESE ZAMBIS ( BELATI KETFO )AND AND THEN YOU CAN CAME AND TEL AS WE MAKE THEM UNITE THEN WE WILL SAPORT YOU AND THEM. OTHER THAN THAT DONT COME HERE AND WEST YOU TIME. WHAT DID YOU WENT AS TO DO GIVE YOU BANANA OR ORANGE ( ZEGERM EIYU ) HAPPY NEW YEAR.

  • Negga Yosif December 24, 2013

    It is good job but already we have( dekum )Bayto I think if you work with the existing Bayto you may save time and energy

POST A COMMENT