Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንሳልሳይ ግዜ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ካብ በርሚንግሃም፡ ማንቸስተር፡ ሊድስ ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ናብ ለንደን ብውቶቡሳት ንሓያለ ሰዓታት ዝወሓዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንሳልሳይ ግዜ፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ

ካብ በርሚንግሃም፡ ማንቸስተር፡ ሊድስ ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ናብ ለንደን ብውቶቡሳት ንሓያለ ሰዓታት ዝወሓዙ ኣማኢት ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ ንሳልሳይ ግዜ፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኣዝዩ ቆራሪ ዝነበረ ኩነታት ኣየር ከይዓጀቦም ኣብቲ ንስርሒት ፎርቶ 2013 ደገፎም ንምግላጽ ዝተረኽቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ተቓለስቲ ዝበዝሑ መንእሰያት ኮይኖም፡ ሓያለ ቆልዑን ሽማግለታትን ኣዴታትን ‘ውን ይርከቡዎም።

ንሳቶም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ድሕነት ኤርትራን ህዝባን ክረጋገጽ እንተኾይኑ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብህጹጽ ካብ ስልጣን ወሪዱ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ዝጠልብ፡ ልዑል ሃገራዊ ስምዒት ዘንጸባርቕ ጭርሖታት እናቃልሑ እዮም ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶሞ።

ቀቅድሚ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብለይቲ፡ ኣብ ማዕጾን መናድቕን ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንጅግንነት ‘ቶም ኣብ ፎርቶ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዘካየዱ ምዑታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝምጉስ፡ ስእሊ ናይታ ፎርቶ ዝደየበት ታንክ ደልይቲ ለውጢ ዘላቶ፡ ከምኡ ‘ውን ዲክታተር ኢሳይያስ ብህጹጽ ክወርድ ዝጽውዕ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ተጠቂዑ ከምዝሓደረ ‘ውን ተፈሊጡ።

በቲ ዝተኻየደ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን እቲ ተኸታታሊ ሰላማዊ ስልፍን ዝተዳህሉን ሸቐልቀል ዝኣተዎምን ኣምባሳደር ህግደፍን መጋበርያታት ህግደፍን ናብ ፖሊስ ብዘቕረቡዎ ጥርዓን መሰረት ከኣ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ዓቐኑ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ርእሲ ምልኣኹ፡ ርሕቀት ሰልፈኛታት ካብቲ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ንቡር ከምዝምሕድግ ተገይሩ።

ደድሕሪ ‘ቲ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ናይቲ ዘካየዱዎ ተኸታታሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ሰፊሕ ገምጋም ገይሮም፡ ናህሪ ናይቲ ምንቅስቓስ ንለውጢ ዝሕይለሉ መንገድታት ተመያይጦም።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዓዲ እንግሊዝ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ፎርቶ ብ21 ዝተኻየደ ስርሒት፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ንሰለስተ ግዜ ብተኸታታሊ ዘካየዱዎ ሰልፍታት፡ እንተላይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝገበሩዎ ዕዉት ፍጻሜታት፡  ኣብነታዊ ምንባሩ ብምግምጋም፡ ብዝሓየለ መልክዕን ናህርን ክቕጽል ተወሳኺ ጻዕሪ ክገብሩ ተሰማሚዖም።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ካብ ርሑቕ ቦታታት ናብ ለንደን ዝመጽኡ ሰልፈኛታት ናይ ድራር እንግዶት ተገይሩሎም።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • salma a. February 23, 2013

    wow! you are eseyas’s nightmare! let’s do more demonstrations brothers and sisters! enough is enough! eseyas’s days are numbered. The torch Wedi Ali and his comrades lighted will burn until eseyas leaves our people alone. Viva London viva Forto!

  • wedihager February 23, 2013

    BELIOM TERAY MENESEYAT ANABES… IZIOM ENDA ISSAYAS BETA BETROM GERKUM QETQETUWOM…AKLABAT KETELTI SEB IYOM…. HAQI BHAQI DEKI SEWEAT, DEKI QUNUAT TEGADLETI IKUM… GOD BE WITH YOU

  • Al.nassir February 23, 2013

    When Eritreans unite the solution is certain. I am proud of you brothers and sisters. Continue your struggle for our people and our country. You are always in my heart. Your brother from Stockholm Sweden

  • yakob February 24, 2013

    junge People from London you are great our hope is from you

  • rora eskindir February 25, 2013

    my beautiful people i am so proud of u!!!!!!!!!!

POST A COMMENT