Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ብራዕድን ብልሽውናን’ ምበር ብሕጊ ትግዛእ ሃገር ኣይኮነትን

ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕቶኦም እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ሚልዮናት ኣህዛብ፡ ኣብ ሃገራቶም ሓድሕድ ኩናትን ናይ ካልኦት ሃገራት ግዳማዊ ጣልቃ ምእታውን ስለዘሎ’ዩ። ንኣብነት ሃገራት ሶርያ፡ ዒራቅ፡ የመን፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ደቡብ

ኣብዚ እዋን’ዚ መብዛሕቶኦም እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓዶም ገዲፎም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ሚልዮናት ኣህዛብ፡ ኣብ ሃገራቶም ሓድሕድ ኩናትን ናይ ካልኦት ሃገራት ግዳማዊ ጣልቃ ምእታውን ስለዘሎ’ዩ። ንኣብነት ሃገራት ሶርያ፡ ዒራቅ፡ የመን፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ደቡብ ሱዳን እንተተመልኪትና፡ ቀንዲ ጠንቂ ሞት፡ መቁሰልቲ፡ ውሽጣዊ ምምዝባል፡ ስደት፡ ጥሜት፡ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ትሕተ ቅርጽን፡ ኩናት’ዩ። ኤርትራ ብዋሕዚ ስደት ዜጋታት ናብ ወጻኢ ምስዘን ክብ ኢለን ዝተጠቅሳ ሃገራ’ኳ ትስራዕ እንተኾነት፡ ምኽንያት ስደትን ምምዝባል ንቡር ህይወትን ናይ ኤርትራውያን ግን እዉጅ ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ብሰላሕታ ሰብኣዊ መሰልን ዜጋታቱ ዝግህስን ሃገር ዘብርስን ጨፍላዊ ስርዓት ስለዘሎ’ዩ። እንተኾነ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ጉድለታቱ ንምሕባእ፡ ሓንሳብ “ዶብና ኣይተሓንጸጸን” ካልእ እዋን ድማ “ብሽርሕታት ወያነ፡ ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኤውሮጳን መንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደትን ሞትን የምርሑ ኣለው” ብምባል ጠንቂ ሕሰምን ስደትን ኤርትራውያን ህግደፍ ባዕሉ ምዃኑ ይኽሕድ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ምረት መነባብሮን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብልሳኑ ሓቂ ክገልጽ ዕድል እንተዝወሃቦ፡ ካብቲ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዝፈልጦ ሓበሬታን ክውንነትን፡ ብዓሰርተ ግዜ ዝተዓጻጸፈ ከምዝኸውን ዘማትእ ኣይኮነን። ብሰሪ ዓምጻጺ ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሰባት፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ወትሩ ዝተሓብአ’ዩ።

ይኹን እምበር፡ ካብ ዓምጠርቲ ኣጻፍር ስርዓት ህግደፍ ዘምለጡ ዜጋታትን ሳላ ምዕቡል ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ፉንፉን ስርዓት ምዃኑ ዘቃልዕ ጭብጥታት ብዙሕ ኣሎ። ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን 12 ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ስርዓታት ኣለወን ተባሂለን ዝኽሰሳ መሳቱ ስዑድያን ሰሜን ኮርያን’ያ ። ብመሰረት ጸብጻብ ጉሎባል ሰኩሪትን ዎርልድ ኣትላስን 2016, ስርዓት ህግደፍ ቦታኡን ክብሩን ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ናይ ጭራ ጭራ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብድኽነት፡ ሕጽረትን ስእነትን ማሕበርዊ ኣገልግሎት እናተሳቀየ እንከሎ፡ ኤርትራ ቁንጣሮ ብዝሒ ህዝብን ዓመታዊ እቶትን ዘለዋ ሃገር ክንሳ፡ ድሕሪ ግብጺ ካብ ኣፍሪቃ ዝበዝሐ ሰራዊት ዘለዋ ሃገር’ያ። ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ናብ ስደት ምምራሕ ድማ፡ እቲ ገደብ ግዜ፡ ንነዊሕ ዓመታት ክቅጽል ብቁዕ መመኽነይታን ዘይብሉ ግዱድ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ድኽነትን’ዩ። ዝተፈላለየ ጸብጻባት ከምዝሕብሮ ኤርትራ ኩናት ኣብ ዘይብሉ 320 ሽሕ ኣብ ተጠንቀቅ፡ 250 ሽሕ ድማ ዕቁር ሰራዊት ኣለዋ። ዋላ’ኳ መነባብሮ ናይቲ ኣብ ውትህድርና ዘሎ ኣዝዩ ኣሰቃቂ እንተኾነ፡ ነዚ ደርማስ ብዝሒ ሰራዊት ዝስላዕ መጠን ገንዘብ ቢልዮናት ዶላር ምዃኑ ዘማትእ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ 1997 ዝነበረ ወተሃደራዊ ባጀት 88 ሚልዮን ዶላር፡ 13.6 ሚእታዊት፡ ኣብ 2006 ድማ 290 ሚልዮን ዶላር 6.3 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ኤርትራ ይሽፍን። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ 2016 ዓመታዊ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ብልሽውናን ዘይቅርዑይ ምምሕዳርን ከምዘነጽሮ፡ ኤርትራ ካብ 176 ሃገራት ኣብ መበል 164 ግሉጽነት ዘይብላን ብግዕዙይ ምምሕዳርን ጉቦን ዝተበከለት ሃገር’ያ። ብተወሳኺ ኣብዚ ዓለምና ብኢንተርነትን ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናብ ንእሽቶ ቁሸት ተቀይራ ስሉጥ ርክባትን ምልውዋጥ ሓበሬታን ተካይደሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ 1 ሚእታዊት ጥራሕ’ዩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ዝጥቀም። ንሱ’ውን ብቁዕ ኤለክትሪክ ስለዘየለን ጥቡቅ ምቁጽጻር ትካላት ስለያ ሰርዓት ህግደፍ ስለዘለዎን፡ ኣብ ኤርትራ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣሎ ኢልካ ንምዝራብ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣብ ዓለም፡ ኤርትራ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ምጽሓፍን ካብ ዘይብለን 7 ሃገራት ሓንቲ’ያ። ኣብ ኤርትራ፡ ብስርዓት ህግደፍ ዝውነንን ሓቂ ዓቢጡ ንመንግስቲ ዝውድስን ሓንቲ ራድዮ፡ ሓንቲ ጋዜጣ፡ ሓንቲ ተለቪዥን ጥራሕ’ያ ዘላ።

ብሰንኪ ኣዕናዊን ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላን ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ፡ ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱ፡ ኣብ ጉዕዞ ዝሞቱ፡ ሃለዋቶም ዘጥፍኡ፡ ክብረ ንጽህነአን ዝተደፍራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ተጠቢሑ ዝተሸጠ፡ ጊላታት ተቀይሮም ብዘይ ክፍሊትን ብዘይ ሰብኣዊ ክብርን ዝለፍዑ፡ ዝተጨውዩን ዝጠፍኡን ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣዲኦም ትቁጸሮም። ብጭንቀትን ጓህን ኣእምሮኦም ዝሰሓቱን ብሕማም ዝተደነሱን፡ ሎሚ’ዶ ጽባሕ ንጥረዝ ብምባል ብምሽቁራር ስእነት ድቃስን ተሓቢኦም ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዙሓት’ዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ጋርድያን (The Gaurdian) ፡ ኣብ መንጎ 2013 ክሳብ ሓምለ 2016፡ ሓደ ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ህጻናት፡ መሰነይታ ዘይብሎም ካብ ኢጣልያ፡ ከተማታት ካታንያን ሲሲሊን ብገበነኛታት ተጨውዮም ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ወይ ናብ ዘይተፈልጠ ሓደገኛ ቦታ ከምዝተወስዱ ይሕብር። ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራዊ ሃለዋት ናይ ዝጠፍአ ወገኑ ንምፍላጥ ዋላ’ውን ገንዘብ ረኺቡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ህግደፍ፡ “ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ኢሉ ምልክታ ከውጽእ ኣይክእልን’ዩ። ዝበዝሕ ናይቲ ሃለዋቱ ዝሽረብ ዘሎ ኤርትራዊ ብትካላት ጸጥታ ህግደፍ ካብ ቤት ንብረቱ ስለዝውሰድ፡ ወገኑ ይሃሉ ይሙት ክሓትትን ክሕበሮን መሰል የብሉን። ቁጽሪ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብርግጽ ዘይፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ ብመሰረት ጸብጻባት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩናት ኣብ ዘይብሉ እዋን ኣብ 2014 ከምኡ’ውን ኣብ 2015፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዓመት፡ ኣስታት 40 ሽሕ ብድምር 80 ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከም ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ የመልክት። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ብኣጠቃላሊ ኣብዚ እዋን’ዚ ልዕሊ 415 ሽሕ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቁባን ከም ስደተኛታትን ከምዝተመዝገቡ የነጽር። እቲ ካብ ግዱድ ዕስክርናን ማእሰርትን ንምህዳምን ተስፋን ስራሕን ስኢኑ ሃገሩ ዝገድፍን ዘሎ ኤርትራዊ፡ ከም ሕጋዊ ስደተኛ ክይተመዝገበ ዝነብር ማእለያ ስለዘይብሉ ቀጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ወጻኢ ዝያዳ ምዃኑ ንምርዳእ ኣየጸግምን።

ስለዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ብጥሜትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን እናትሳቀየ እንከሎ፡ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝግበር ዝኾነ ፈተነ ዘይሓላፍነታውን ንሰባት እናርኣዩን እናሰምዑን ናብ ሃልሃልታ ሓዊ ምድርባይ’ዩ ዝቁጸር። ገለ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ምስ ህግደፍ ዝገብሮኦ ዘለዋ ሕግብግብን ምሽራኽን፡ ነቶም ኣብ ሃገራተን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓልዮት ዘይኮነ፡ እንታይ ድኣ ኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን ጥሒሰን ውሽጣዊ ቅልውላዋተን ንምህዳእን ንምፍታሕን ብዋጋ ጽጉማት ምጥላዕን ብዘይ ወለንታን ምርጫን በዓል ጉዳይ ፍርዲ ምሃብን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላቱ እናረገጸን ብዘይ ተሓታትነትን ግሉጽነትን እናዓንደረ እንከሎ፡ “ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ዘይፍትሓዊ እገዳ ማሕብረሰብ ዓለም ዘስዓቦ ቁጠባዊ ጸገም እምበር ፖለቲካዊ ሽግር የለን” ምባሉ ድማ፡ ብስም ተመለስቲ ስደተኛታት ዝወሃብ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ተቀቢሉ ኣብ ስለያዊ ትካላትን መግዝኢ ኣጽዋርን ከውዕሎ ንተመለስቲ ከኣ ዳግማይ ክረግጾምን ክቀጽዖምን ስለዝሃቀነን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዝምህዞ ዘሎ ፖለቲካዊ ተንኮልን ምንቅልውጥን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ሰባት ከምዘሎ ንምግላጽ ሰባት ብትእዛዝ ኣኪቡ ጓይላን ዳንኬራን ምክያድ፡ ድኽነት ከምዘየለን ዕዉት ማሕበራዊ ለውጢ ከምዝተራእየንን ንምእማን ዝተመረቁ ተማሃሮን ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተመዝገበ ግስጋሰ ኣሃዛት ምድርዳር ገለ ካብ ሕሱርን ሽሓጥን ሜላታቱ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ፡ ልዕልና ሕጊ ስለዘየለ፡ ወካሊኻ ክትመርጽ ስለዘይትኽእል፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትካላት ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ብውሑዳት መለኽቲ ተዓብሊሉ ስለዘሎ፡ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ምጽሓፍን ገበን ስለዝኾነ፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ስለዘየለ፡ ኤርትራ ብራዕድን ብልሽውናን’ ምበር ብሕጊ ትግዛእ ሃገር ኣይኮነትን።

 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde August 15, 2017

    The barrel bombs and chlorine gas attack by the Assad Regime on his own people is spectacularly displayed in the living room of every household for the whole world to see,in Eritrea’s case,the years of silent torture,abuse, suffering,subjugation,torment…….is clearly displayed in the faces of the people who live there and those who escaped the wrath.The silent,slow and agonizing death in Eritrea is worse than being pulverized under a rubble by a bomb.The sad thing is, the moribund regime in Asmara cordoned the tiny nation to hide its stench from outside world and put a sign up,NO CAMERAS ALLOWED! God forbid what we gonna witness when the ugly HGDEF curtain is lifted.Lets hold our collective breath!

    • k.tewolde August 15, 2017

      Tsillal you trigger a whole spectrum of emotion in me,continue evoking those emotions with your stellar articles in those who benefit from your priceless contribution.Thanks again.

  • Sol August 16, 2017

    ስርዓት ሕጊግደፍ ኮነ ኢሉ ብዝገብሮ እከይ ምህዞታት ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ጥምየትን፣ ሕማምን፣ ድንቑርናን ገርዎ እንከሎ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኤርትራ ኣብ ዋሕስነት መግብን፣ ምጥፋእ ሕማምን ድንቑርናን ኣብ ኣፍሪቃ ቐዳመይቲ እያ እናበሉ የሽካዕልሉ ኣለዉ።

  • Tesfaldetabraha August 17, 2017

    መሻክን ዓለም ገዲፋትኩም ናብ ዘድልያ ከይዳ ከይ ጸውዓን ዘብዘብ ይብላ አለዋ እንታይ ድአልኩም ትገብርዎ ናብታ መቀለኹም

POST A COMMENT