Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ኣርባዕተ መንእሰያት ኣበይ’ኮን ይህሉዉ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሽባይዶ ዘተባብዖን ዝመርሖን ኣካል ረኺቡ፡ ብመን ሕራይን ውሽጣዊ ዓቅሙ ብምውህሃድን ተኣምር ክሰርሕን ንሓድሕዱ ክደጋገፍን ሽግራቱ ክፈትሕን ክእለት ኣለዎ። ጽጉማትን ኣካላዊ ብቅዓት ዘይብሎምን ዜጋታት፡ ተበግሶ ጨቢጡ ብወፈራ፡ ብገንዘብን ብንዋትን ምሕጋዝ፡ ሕዙናትን ሕሙማትን ምጽንናዕ፡ ብኡሳት

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሽባይዶ ዘተባብዖን ዝመርሖን ኣካል ረኺቡ፡ ብመን ሕራይን ውሽጣዊ ዓቅሙ ብምውህሃድን ተኣምር ክሰርሕን ንሓድሕዱ ክደጋገፍን ሽግራቱ ክፈትሕን ክእለት ኣለዎ። ጽጉማትን ኣካላዊ ብቅዓት ዘይብሎምን ዜጋታት፡ ተበግሶ ጨቢጡ ብወፈራ፡ ብገንዘብን ብንዋትን ምሕጋዝ፡ ሕዙናትን ሕሙማትን ምጽንናዕ፡ ብኡሳት ምዕራቅ፡ ንኣረጋውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ምኽባር ገለ ካብቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዘይ ትእዛዝ መንግስቲ ዝዝውተር ዝነበረን ዘሎን ዲንቂ ልምድታትን ወግዕታትን’ዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን፡ ህዝብና ከም መርኣያ ንስውኣቱ ዘለዎ ፍቅርን ኣኽብሮትን ንምንጽብራቕ፡ ኣብ መዓልቲ ስውኣትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ዘሕብን ንጥፈታት ኣካይዱ’ዩ። ካብቲ ብዙሕ ዝተሰላሰለ ዕማማት፡ ብውልቀን ብእኩብን ንስድራቤት ስውኣት ብጉልበት፡ ብንዋት፡ ብገንዘብን ሞራልን ምሕጋዝ፡ ንኽብሪ ስውኣት ኣግራብ ምትካል፡ ጉዕዞ እግሪ ምክያድ፡ ኣስከሬን ስውኣት ካብ ዝወደቆ ምእካብን ግቡእ ስነስርዓት ቀብሪ ምፍጻምን ሓወልቲ ስውኣት ምስራሕን ብኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።

ብሰሪ ገስረጥን ብልሹውን ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ እቲ ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ዝተራእየ ተበግሶታት ብናህሪ ኣይቀጸለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኒሕን ህርኩትነትን ዜጋታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ቀጥታውን ተዘወዋርን ዕንቅፋትታት ኣጋጢምዎ’ዩ። ነቶም ኣብነታውያንን ቅያ ዝፈጸሙን ሰባት ኣብ ክንዲ ምትብባዕን ምምጓስን ክብሪ ይንፈጎም፡ ሞያኦም ክዝከርን መጻኢ ወለዶ ክኾርዓሉን ኣይድለን። ካብዚ ዝገደደ ድማ ካልኦት ዝረሃጽሉን ምህዞኦም ዘበርከትሉን፡ ኢሳያስን መሰልቱን ይንየትሉን ይጽውዕሉን። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ብውልቁ ዝፈጸሞ ብህቡብነት ዘስምዮ ታሪኽ ስለዘይብሉ፡ ካብ ቅንኢ ወይ ካብ ህልኽ ዝነቅል፡ ጽቡቅ ነገር ዝፈጸሙ ኤርትራውያን ክርኢ እንከሎ ዓይኑ ደም’ዩ ዝመልኦ። ሞያኦም ምቁንጻብን ተበግሶታቶም ከምዝዳኸምን ከምኡ’ውን ቅያታቶም ካብ መጻኢ ወለዶ ከምዝስወርን ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። ንኣብነት ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት፡ ጅግንነት ዝፈጸሙ ዜጋታት፡ ነባራትን ሓለፍትን ተጋደልቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ ስነጥበበኛታት፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ሰብ ጸጋ፡ ክኢላታትን ሞያውያንን ምስ ኢሳያስ ስለዘይተቃደዉን ሓቂ ስለዝገለጹን፡ ታሪኾምን ምስሎምን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምሕካኹ ከይኣክል፡ ኣስማቶም ኣብ መዝገብ ገበንን ጸለመን ህግደፍ ሰፊሩ’ሎ። ብኣንጻር ሓንኳል ዕንቅፋታት ስርዓት ህግደፍ፡ ንኹሉ ብድሆታት ፈንጢሶምን ተስፋ ከይቆሮጹን ታሪኽ ዝስንዱ ተባዓት ኤርትራውያን ከምዘለዉ ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ብኻልእ ወገን ድማ ፍልጠቶምን ሃብታም ተሞኩሮኦምን ከይተቀድሐ ኣብ ሓመድ ዝቅበሩ ‘ውን ብዙሓት’ዮም። ህግደፍ ኢዱ ኣይስኣን። እዚ እቲ ኣዝዩ ዝሕዝንን ብዝኾነ ዋጋ ዘይትካእ ሃገራዊ ክሳራ’ዩ። ህላወ ናይቲ ኣብ ኢድ ስርዓት ኢሳያስ ዘሎ ሰነዳትን ንብረትን፡ ንዕንወት ህዝብና ዝተዓጥቀ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ፡ ከይተሸርፈን ከይተጀልሐን ናብ ዋናታቱ ከምዝርከብ ዘተኣማምን ኣይኮነን።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ብውልቀን ብጉጅለን ንሃገሮምን ንህዝቦምን ዘኹርዕን ዘስምን ታሪኽ ምስዝሰርሑ፡ ስሞምን ቅያታቶምን ኣብ ኣብያተ መዘክር፡ ኣብያተ ንባብ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዝኣመሰለ ቦታ ይዕቀብን ንኹሉ ዜጋን ወጻእተኛን ርሑው ይኸውንን። ንኣብነት ንመጀመርታ ግዜ፡ ኮምፑተር፡ ተለፎን፡ ወይ ተሽከርካሪት ዝመሃዘ ሰብ መን’ዩ? ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ፡ “መን ምሂዝዎም” ኢልና ንምፍላጦም ንህንጠ። ምኽንያቱ እቶም ምህዞታት ኣብ ምዕባለ ህይወት ሰባት ዓቢ እጃም ስለዘበርከቱ። ኣብ ኤርትራ’ውን ንስም ህዝብናን ሃገርናን ዘስምዩን ንሞያ ስውኣትና ዘድንቁን ብዙሓት ተኣምራት ተፈጺሞም’ዮም። ይኹን እምበር ኣንጸባራቂ ቅያና፡ ዋናን ዘበራብሮን ስለዘይብሉ፡ ብሕጽረት ገንዘብን ስእነት ቅሳነትን፡ ኣብ ደረጃ ጽልግልግ ይርከብ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ኣሰቃቂ ህይወትን ናብራ ስደትን’ውን ኣካል ታሪኽና ስለዝኾነ ክስነድን መጻኢ ወለዶ ክወርሶን ዝግብኦ’ዩ። ርሑቅ ከይከድና፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ፡ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ፡ ምድረበዳ ሳህራ፡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሊብያ እስራኤል፡ ዝወርዶ ዘሎ ሞትን ውርደትን፡ ማንካ ዘይተላዕሎ ጸሊም ታሪኽ ኤርትራውያን’ዩ። ኣብ ቀንዲ መንቀሊ ጽሑፈይ ከተኩር። ንምዃኑ ኣብ ሰነ 1992፡ ስውኣትና ንምዝካር ንፈለማ ግዜ ጉዕዞ እግሪ ንኽካየድ ብመን ተበግሶ ከምዝተወስደን ኣበይ ቦታ ጉዕዞ እግሪ ከምዝተኻየደን ሕቶ እንተዝቀርበልና መልስና እንታይ ምኾነ? ኣነ ንባዕለይ ኣብ 1992፡ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ከምዝተኻየደ’ምበር፡ ኣበይን ነቲ ቅዱስ ዕላማ መን ኣበጊስዎም ኣምር ኣይነበረንን።

ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝፈልጦ ወዲ ሃይለ ዓርከይ ክኢላ ስነ ጽሑፍ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ናይ ምዝካር ክእለቱን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾርዓሉን ጽቡቕ ይኹን ሕማቅ ታሪኽ ኣብ ወረቀት ምሕንጣጥን ናብ መጻኢ ወለዶ ክሰጋገርን ሓሳቡ ምክፋልን ኣዝዩ ግዱስ፡ ብዓቅሙ ሓርኮትኮት ዝብል፡ ብዙሕ ታሪኽ ዝፈልጥን ፍቅሪ ምንባብ ዘለዎን’ዩ። ወዲ ሃይለ ከምዘዕለለኒ፡ ኣብ 1992 ናይ መጀመርታ ጉዕዞ እግሪ ንኽብሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ ብ4 መንእሰያት ማለት ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ብወለንታ ከም ሓሳብ ከምዝተበገሰን፡ ሰሜናዊ ምብራቅ ካብ ኣስመራ ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ማይ ድምነት ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተኻየደን ሓቢሩኒ። ከምዝፍለጥ ማይ ድምነት ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ቅሉዓት ተጋደልትን ኣብ ትሕቲ ሕቁፊ ጸላኢ ኮይኖም ብስቱር ንሰውራ ዝሰርሑ ዜጋታትን ተራኺቦም ሕሉፍን መጻእን መደባት ስራሕ ዝለዋወጥሉ ቦታ’ዩ ነይሩ። እቶም 4 መንእሰያት ስውኣት ንምዝካር ኣብ ማይድምነት ጉዕዞ እግሪ ንኽካየድ ብኹሪ ሓሳብ ምቅራቦ ድማ፡ እቲ ቦታ ታሪኻዊ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝነበሮም ይመስሉ። ንሳቶም ዘበገስዎ ቅዱስ ዕላማ ድማ ክሳብ 1997 ብሃገር ደረጃ፡ ኣብቲ ሓርነትና ንምርግጋጽ መሪር ውግኣት ዝተኻየደሉን ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍለሉን ዓዲ ያዕቆብ፡ ሰላዕ ዳዕሮ፡ ዝግብ፡ ጊንዳዕን ከረንን ብውዕዉዕ መንፈስ ቀጺሉ። ድሕሪ 25 ዓመታት ንወዲ ሃይለ ዓርከይ ዝያዳ ንትዝታኡ ሕቶ ዘልዓለሉ ጉዳይ ግን፡ ህላወ ናይቶም ቅዱስ ሃገራዊ ዕላማ ዘንቀሉ 4 መንእሰያት’ዩ። እቶም ሽዑ ለይለይ ዝብሉ ዝነበሩ መንእሰያት ኣበይኮን ይህልዉ? ተመርዕዮም ወሊዶም! ተማሂሮም ስራሕ ሒዞም! ኣድራሻኦም ኣብ ኤርትራ ወይ ኣብ ስደት! ኣብ ልዕሊ መሬት ብህይወቶም እንተልዮም ድማ ዓቢ ብስራት’ዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 1992 ዘንቀልዎ ቅዱስ ዕላማ ካብ ኣፎም ጦብላሕታኦምን ተሞኩሮኦምን ከካፍሉ እንከለዉ ዝያዳ ህያውነትን ላዛን ኣለዎ። ሞያኦምን ፍልማዊ ተበግሶኦምን እቶም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተወልዱ መንእሰያትና ክፈልጥዎን ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዱን የተባብዖም። ብዝኾነ ብህይወት እንተልዮም “ምስ ሩሕና ኣለና” ዝብል መልሲ ጆባ ክብሉና፡ እንተገደደ ድማ ብዛዕባ ሞያን ኩነታትን ናይዞም 4 መንእሰያት ብቀረባ ዝተማልአ ሓበሬታ ዘለዎ ዜጋ እንተሎ መርሓባ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሚያዝያ 2017)

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT