Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኪዳንን ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን

ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ሃገራዊ ዋዕላ ንምእታው ንሽባሸበሉ ዘሎና ህሞት ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ብጥንቃቀ ክንርእዮም ዝግባእ ይመስለኒ። እቲ ብወገን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝተፈጸመ ዘይንፁር ኣገባብ ኣወኻኽላ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ቦታኡ እንዳሃለወ--መምርሒ ሃገራዊ ኮሚሽን ብጀካ

ኣብዚ ታሪኻዊ ዝኾነ ሃገራዊ ዋዕላ ንምእታው ንሽባሸበሉ ዘሎና ህሞት ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ብጥንቃቀ ክንርእዮም ዝግባእ ይመስለኒ።
እቲ ብወገን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝተፈጸመ ዘይንፁር ኣገባብ ኣወኻኽላ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ቦታኡ እንዳሃለወ–መምርሒ ሃገራዊ ኮሚሽን ብጀካ ነቶም ኣብ ጽፍሒ መሪሕነት ፖለቲካዊ ዉዱባት ዘሎዉ ንተራ ኣባላት ብማዕረ ምስህዝቦም ክውከሉ እንዳሓበረ–ኣብ ዞባታት ዘለዉ ኮሚሽነራት ግን ካብ ፖለቲካዊ ዉደባ ነጻ ዝኾኑ ሰባት እንተተሳኢኖም ጥራሕ ኢዮም ኣባላት ፖለቲካዊ ዉዱባት ዝውከሉ ዝብል ናቶም መምርሒ ሓንጺጾም።(ኣፍልጦይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንሰሜን ኣሜሪካ ዝምልከት ኮይኑ ምስዘድሊ ድማ ብመርትዖታት ክስነ ይኽእል)።
ኣብ ካልእ ዞባታት ኣሜሪካ ብኸመይ ተሳላሲሉ ንጹር ሓበሬታ የብለይን፡ ኣብ ከባቢና፡ ዋሺንግቶን ዲሲ ግን ሰለስተ ካብ ፖለቲካዊ ዉደባ ነጻ ዝኾኑ ሰባት ቀዳምነት ብምሃብ መሪጽና።
ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ፡ተሳታፍነት ናብ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ንምእታው ግን፤ ተራ ፖለቲካዊ ዉደባን ነጻን ዝበሃሉ ዝተዛብዑ ኮይኖም ዝተራእዩኒ ኣምራት ብሕጽር ዝበለ ከብርህ ክፍትን ኢየ።
ተሳትፎ ሕዝቢ ኣብ ዴሞክራሲ ብኸመይ ይረጋገጽ? እቲ ስነሓሳብ ስፍሕ ዝበለ ስለዝኾነ ኣብዛ ሓጻር ጽሑፈይ ጥልቕ ኢለ ክትንትን ኢለ ኣይምድርን ኢየ፡እንተኾነ ግን መባእታዊ ዝብሎ ነገራት ንምምላስ፡ ተሳትፎ ሕዝቢ ኣብ ዴሞክራሲ ብዝተውደበ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ንዝቖሙ ፖለቲካዊ ዉዱባት ብነጻ ብምምራፅ ኢዩ ዝረጋገፅ። እንተዘይኮነ ውልቐ ሰባት ብምስታፍ ተሳትፎ ሕዝቢ ከተረጋግፅ ኣይከኣልን። ብሓጺር ኣዘራርባ ህዝቢ ብፖለቲካዊ ራእይኡ ኢዩ ዝውከል። እንተዘይተጋግየ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ሰኔት ካብ 100 2 ነጻ ስኔተራት ካብ 435 ተወከልቲ ሕዝቢ ግን ነጻ ዝኾነ ኣባል የሎን።
እቲ መጎት ድማ ከምዚ ኢዩ ዝመስለኒ፡ ሃገር ብዝተጠርነፈ ፖለቲካዊ ስነሓሳብ ክትምራሕ ግድን ኮይኑ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግን ኣዝዮም ዉሑዳት ኣብቲ ጥርናፈ ዘየለዉ ነቲ ይሓይሽ ዝበሉዎ ጥርናፈ ብምድጋፍ ከዕውትዎ ይፍትኑ። እቶም ፖለቲካዊ ውዳበ ዘለዎም ድማ ነቶም ድምፆም ከዕዝዙሎም ዝኽእሉ ነፃ ሰባት ንምኽሳብ ይፅዕሩ።
ኣብ ጉዳይና ንምምላስ፡ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ጉባኤና እቲ ዝበዝሕ ድምፂ ን“ነጻ” ዝበሃሉ ሰባት ኢዩ ተዓዲሉ። እቶም ነፃዝበሃሉ ናይ ብሓቂ ነጻ ዲዮም ካልእ ኣርእስቲ ንኻልእ ግዜ ኮይኑ፡ ካብ 500 ድምጺ 300 ፖለቲካዊ መስመሩ ንዘየነጸረ ምዕዳል ፡እቲ ክብ ኢለ ዝጠቀስክዎ ናይ ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካ ሕዝባዊ ኣወኻኽላ ብኣንጻር ስሺያሊስታዊ/ኮሚኒስታዊ ኣወኻክላ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ነቲ ገና ተተፋኒኑ ዘሎን ኣብ ፍልልያቱ ንምጽባብ ዓቢ ብድሆ ገጢሙዎ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ 300 “ነጻ” ብኻልእ ኣዘራርባ 300 ዉዱባት ብምግባር ከመይ ገይሩ ኢዩ ክፍታሕ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ሕቶ ኢዩ።እዚ ክፍጠር ዝሕሰብ ዘሎ ባይቶ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ዉደባ ኮይኑ ዲዩ ሕዝቢ ኣብ ጎድኑ ክጥርንፍ ወይስ እቶም 300 “ነጻ” ሰባት ብመንገዶም ሓዲሽ ዉደባ ክፈጥሩ? እቲ ዝፍጠር ሓዲሽ ዉደባኸ ፖለቲካዊ ራእይ/ዝምባሌ ዘይብሉ ሓዲሽ ፖለቲካዊ ባይቶ ወይ ዉዱብ ዲዩ ክኸውን? ብመሰረቱ እዚ ህንጻ እዚ ኣንጻር ፖለቲካዊ ዉደባ ዝቐንዕ ፖለቲካዊ ሰረቱ ህግደፍ ምልጋስ ጥራሕ ዝብል ፖለቲካዊ ዉደባ ዲዩ ክኽውን? እቲ ድሌት ኣብ ቦታኡ እንዳሃለወ ከምዚ ዓይነት ዉደባ ክንፈጥር ናይ ብሓቒ ንኽእል ዲና? ወይስ ህግደፍ ክወድቕ ቐሪቡ ኢዩ እሞ ኣብ ስልጣን ከመይ ንድይብ ኢዩ እቲ መስርሕ?
ቅድሚ ሕጂ ንኣምባሳዶር ኣድሓኖም ጠቒሰ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምባሌታት ወይ ውደባታት ገሊጸ ነይረ፡ንሱ ድማ፤ ብሊበራል ዴሞክራሲ ዝኣምን፡ ብሓፈሻኡ ውልቓዊ መሰላት ደቒ ሰባት እንተተኸቢሮም ሰላምን ዴሞክራሲን ግዝኣተ ሕጊን ክነግሱ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ወገን፣እቲ ክብረታት(ቫሊዩ) ናይቲ ክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ኤርትራ እንተተኸቢሩ፡ ኤርትራ ብኽልቲኡ እዚ ኣዕኑድ እዚ ስለ ዝቖመት እቲ ዝድለ ዘሎ ሰላም ዴሞክራሲን ግዝኣተ ሕጊን ክነግስ ኢዩ ዝብሉን፣ኣይፋሉን ኤርትራ ብብሔራት ዝቖመት ሃገር ኢያ መሰል ብሔራት እንተሓሊና ጥራሕ ድማ ኢና ነቲ እንደልዮ ዘሎና ሰላም ዴሞክራሲን ግዝኣተ ሕግን ከነንግስ ንኽእል ዝብሉ። ፍልልያትና ኣብዚ ካብ ጸበበ፡እቲ ፖለቲካዊ ፍልስፍና ናይ ኣወኻኽላ ናይ ዴሞክራሲ እውን ከየልዓልና ፡ ኣብ ምጽባብ እዞም ፍልልያት እዚኦም ዶ ከነድህብ ይግብኣና ወይስ ሓደሽቲ 300 ፖለቲካዊ ውዳቤታት ምፍጣር፡ መልሲ ንኣንበብቲ ይገድፎ ግን ዝብሎ ለኒ።
ገለ ካብ ቅንዕና ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፡ ገለ ግን ንተቓውሞ ኤርትራ ንምፍራስ ዝሰርሕ ዘሎ ኣካል ክኸውን ስለዝኽእል ብወገነይ ከቕርቦ ደሊየ ዘሎኹ እማመ እዚ ዝስዕብ ኢዩ።
ኤርትራዊ ዴሞክራሲያዊ ኪዳን ድሕሪ እዚ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ መሪሕነቱን ልኡላውነቱን ሓሊዩ ከም ፍሉይ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክቕጽል ኣብዚ ዝመፅእ ጉባኤ ድማ ነዚ ህላዌነት እዚ ዝዕቕብ ዝኾነ ዓይነት ሽርክነት ምስ “ነፃ” ኣካላት ክገብር።
ተሞክሮይ ከም ኣባል ሽማግለ ኮሚሽን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ነዚ ጉዳይ ብጥንቃቀ ክርእዮ ኣገዲዱኒ ኢዩ።
ኣብ መጻኢ ነዚ ዝተናኸፍኩዎ ጉዳያት ብሰፊሑ ክዝርዝር ክፍትን ኢየ።
ሳምሶን ረድኣብ
ዋሺንግቶን ዲሲ
10/5/2011

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT