Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝመጹ 1500 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

  ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝመጹ 1500 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’  ከምዝፈጸመን ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ብሓለፍነት ክሕተትን ንዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍ፣ ሎሚ 27

 

ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝመጹ 1500 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’  ከምዝፈጸመን ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ብሓለፍነት ክሕተትን ንዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍ፣ ሎሚ 27 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ፊት ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ልዕሊ 5 – 6 ሰዓታት ብነፈርቲ ከምኡ ‘ውን ንነዊሕ ሰዓታት ብመካይን ናብ ኒውዮርክ ዝመጽኡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ምሉእ መዓልቲ ዝወዓለም ማይን ቁርን ተጻዊሮም ድምጺ ናይቶም ግዳይ ማእሰርትን ግፍዕን ቅትለትን እቲ ገበነኛ ምልካዊ ስርዓት ኮይኖም ምውዓሎም ኣድናቖት ዝግብኦ ተወፋይነት እዩ።

new-york-demo-3ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ፣ ኣዴታትን መንእሰያትን ዝርከቡዎም ተሳተፍቲ ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ዝርርብ፣ እቲ ዝነበረ ዝንብን ቁርን ቅጭጭ ከምዘበሎም ብምጥቃስ፣ ስለ’ቶም ብሓለንጊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሳቐዩ ዘለው ግዳያት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻን ዝዓበየ ተወፋይነት ከርእዩ ሕልናዊ ግዴታ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ ነቲ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ዛዘሙ፣ ድምጾም ብወግዒ ናብ ውድብ ሕቡራት ዘቕርቡ ወከልቲ ናብ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምልኣኽ፣ ንዘተን ምዝንጋዕን ናብ ዝተዳለወ ኣዳራሽ እዮም ኣምሪሖም። ንቐጻልነት ናይቲ ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዘሎ መስርሕ ሕጋዊ ተሓታትነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያይስ ሰፊሕ ምይይጥ ብምክያድን ካብቶም ተወኪሎም ናብ ቤትጽሕፈት ድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣተዉ ተነጣጠፍቲ ጸብጻብ ድሕሪ ምርካቦም ድማ፣ ብስነጥበበኛታት ደለይቲ ፍትሒ ተዘናጊዖም።

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንጦብላሕታታት ተሳተፍቲ ዘንጸባርቕ መደብ ቀጺልና ከነቕርበሉም ኢና።

More Pictures:


new-york-demo-assenna-6
new-york-demo-5-assenna new-york-demo-4-assenna
new-york-demo-2

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Leboch October 28, 2016

    Yesterday, a guy who claimed he is the chairman of the organizing committee claimed that there are about 4000 people in the demonstration. You are here claiming 1500 people. But visually, and also counting the chairs in the meeting whole there are : 20 columns x 10 rows = 200 people. And looking at the people standing outside, it is obvious there were only a hundred or few hundred

    • Leboch October 28, 2016

      Yesterday another eye witness said there were only 4 buses from Washington DC, the place where a lot of Eritreans reside. That is about 200 people, tops. Add 20 people from NY, 100 people from Toronto, may be 10 people from buffalo and Rochester, all in all not more than 300 people.

  • Mike October 29, 2016

    People like Leboch are the reason peace and fairness is out the door in Eritrea. Regardless of the number of people demonstrating – one person or thousands voicing the crimes of the Eritrean government – the message is done. Message of complete disgust by everyone towards the Eritrean government.

    The worst damage to the Eritrean government is where Eritrea has become the mockery of the world. Watch human rights presentation to the UN – it was an utter depressing. The sad part is – not a single Eritrean government member could effectively defend the charges. That in itself is simply a sign of a system in Eritrea painfully crumbling. It seems to me the only thing Eritrean government is good for and encouraged us all, to this point, is to invest in destruction of a neighboring country and dream in “an empty pride”. Things that the cancerous leaders in Eritrea should have learned during struggle from a “mighty army” they were facing.

    Well done to all who attended the demonstration in NYC – rain or shine – and voiced the pain, agony and crimes being committed in Eritrea.

  • Desalegn Tell October 29, 2016

    ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሃይማኖት ርኡይ ዝኾነ ጸገም ኣጓኒፍዎ ኣይፈልጥን

    ህዝቢ ኤርትራ ርኡይ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ጸገማት ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ ልዕሊ ዝኾነት ሃገር ክርስትናን ምስልምናን ብፍቕሪ ዝነብሩላ ሃገር ኢልና ክንሰምያ ንኽእልን ብሉጽን ምዕቡልን ባህልና ኣብ ብዙሕነት ዝተሰረተ ባህሊ ከምዘለና ብተግባር ኣብ ባይታ ንሪኦ ሓቂ እዩ።

    ባህልና ይኹን ክብርታትና ክንዕቅቦ ንኽእል ኣንጻር ምስልምና ወይ ኣንጻር ክርስትና ሃይማኖት ብምጉጓስን ወይ ኣብ ሞንጎ ሰላማዉያን ህዝቢ ሓዊ ብምዉኣላዕ ዘይኮነ ኣብ ብዙሕነትን ኣብ ሃይማኖታዊ ፍልልይነትን ምስ እነኣምንን ንኽብረታትናን ባህልታትናን ኣማእኪልና ምስ እንዓይ ጥራሕ ኢና እንደልዮ ዓወት ንጭብጥ። ስለዚ እዚ ብናይ ገለ ገለ ሰባት ከም ናይ “ናዚ” ወይ ናይ እዚ ዘለናዮ ዘመን ኣይሲስ ተባሂሎም ዝጽዉዑ ዘለዉ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ሒዞም ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ምስልምና ዘተኮረ ናይ ጎስጓስ ዘመተ ኣብ ምክያድ ተጸሚዶም ኣለዉ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ብዝኾነ መገዲ ክሕሰብ ዘይኽእል ጥራሕ ዘይኮነ ክንየው ሕልሚ ክሰግር ዘይኽእል ናይ ዕዉራት ወይ ናይ ማህይማን ጉዕዞ ልክዕ ከም ገመል እንዳጎተትካ ጉዕዞ ዘዓይነቱ ኮይኑ ናይዚ ዘለናዮ ዘመን ምዕባለ መጓዓዓዝያ ወይ ስልጣነ ከምቲ ዝድለን በቲ ዝድለን መንገዲ ዘይምፍታሽን ጥራሕ ዘይኮነ ለውጢ ንቕድሚት ዝባሃል ነገር ዘይምስምማዕ ጥራሕ ኮይኑ ይስማዓኒ።

    ባህልናን ክብርታትናን ንዓቅብ ወይ ነማዕብል ክንብል እንከለና ብሃዉሪ ዘይኮነ ብምስትውዓልን ብውሕሉል ኣገባብን ክዕየ ዝግበኦን ኮይኑ ካብ ባህልታትካን ክብረታትካን ወጻኢ ንዝኾነ ኣካል ህብረተሰብ ብዘይትንክፍ መንገዲ ኣብ ምክብባርን ምፍቓርን ናይ ኩሉ ህብረተሰብ ሰረት ዘለዎ ናይ ኣግኣዚያን ይኹን ምስልምና ወይ ናይ ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖት ባህላታትካን ክብረታትካን ናይ ምዕቃብ ስራሕ ክሰላሰል ምስ ዝኽእል ጥራሕ እዩ ሓያል ዝኾነ ሕብሬሰብ ክስረት ዝከኣል። ባህልታትናን ክብረታትናን ናዓቅብ ክበሃል እንከሎ ንነባሪ ዝኾነ ናይ ሰላምን ፍቕርን ኣብ ሕብረተሰብና ሰረት ዘንጽፍ እምበር ከም ናይ ናዚ ዘዓይነቱ ዓሌት ዘጽንት ባህልታትን ክብረታትን ክንስርት ከምዘይኮና ክንፈልጥ ይግበኣና።

    ኣብዚ ሕጂ እዋን ክዝየመሎም ዝዋዓል ዘሎ ናይ ሃይማኖት ፍልልያት ብፍላይ ናይ ኣግኣዝያን ዝብል ክን የው ምህውታት ክሰግር ዘይኽእል ኣዚዩ ድኹም ዝኾነ ኣካይዳ ዕዉራት ኮይኑ ኣንፈቱ ወይ መኣዝኑ ዘይሓለወ ጉዕዞ ምኻኑ ከየስመርኩሉ ክሓልፍ ኣይደልን እየ። ምኽ ን ያቱ እቲ ሓሳብ ወይ ኣምር ናይ ኣግኣዚያን ዝብል ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ኣገባብ ናይ ስራሕ ዝጎደሎ ብምኻኑ ክን የው ዘረባ ናይ ምስጓም ዓቕሙ ኣዝዩ ኣዝዩ ኣዝዩ ዝማህመነ ምኻኑ ንዝኾነ ዜጋ ንኣግኣዝያን ይኹን ንምስልምና ሃይማኖት ንጹር ምኻኑ ካብ ኩነታቱ ነጺሩልና ስለዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዘደናግር ንገር ኣይኮነን እዩ።

    ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ንገር እንተሃለወ ኣብ ባህልታትናን ልምድታትናን መንነትናን ምምዕባል ክንሰርሕ እንትኾይና ኣብ ማዕርነት ሃይማኖታዊ ብዙሕነትን ክንኣምን ምስ እንኽእል ጥዑይ ሕብረተሰብ ናይ ምምስራት ተኽእሎ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን እዩ። እንተዘይ ኮይኑ ከም ናይ ቀደም ባህልታትናንን ክብረታትናን እንደተባህለ ኣብ ናይ መርዓ ንጥቀመሉ ዝነበርና መሳርሒ ጥሩቧ ወይ እምብልታ ብምህራም ኣግኣዝያን ተኣከብ ምስልምና ንደምስ ስ ወይ ምስልምና ተኣከብ ንኣጋዝያን ነጽንት ዘዓይነቱ ሓሸውየ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ትግራይ ቦታ የብሉን እዩ።

    ህዝቢ ኣግኣዝያን ኣብ ሓደ ስመር ጥዑይ ዝኾነ ኣግኣዝያን መስርት ናትካ ዝኾነ ባህልን ክብርን ድልዱል ሰረት ሰሪትካ ኣብ ህብረተሰብካ ብምስታፍ ንለውጥን ምዕባልን ተዋኣሳእ።

    ህዝቢ ምስልምና ኩን ካሊእ ብዘየገድስ ስመር ናትካ ዝኾነ ባህልን ክብርን ድልዱል ሰረት ሰሪትካ ኣብ ህብረተሰብካ ብምስታፍ ንለውጥን ምዕባልን ተዋኣሳእ።

    “ክርስትያን [ኣግኣዝያን] ኩን ኣስላማይ ብዘየገድስ ንሓበራዊ ዕላማ ህንጸት ሃገርካን ዕብየት ህብረተሰብካን ኣበርክቶኻ ግበር”

    • AHMED SALEH !!! October 29, 2016

      This kind of thinking to build a strong AGAZIAN society has nothing to do with Eritreans . You missed to
      understand about totally different social fabrics between ERITREA and TIGRAY . We don’t have religious ,
      regional or ethnic issues and your argument to involve us with extremist agenda contradicts our beliefs .
      Nowadays Agazian security forces in Ethiopia become people’s enemies which might bring devastating
      consequences . For the lat 25 years their attention was strictly for their own interest at others expenses .
      Why do you think Eritreans will get involved on their internal political affairs ?
      Did the passion of Christian Agazians prevented the bloodshed that took place under their watch ?
      It becomes a little suspicious if FEAR of Amhara – Oromo people played a role for such ideas . Well ,
      the way it started with ABBAY TIGRAI manifesto , It advanced at complicated stage to threat national
      security of Ethiopia . You know Eritreans primary problem is lack from rule of law otherwise we do not
      worry about minor issues of some corrupted individuals .

POST A COMMENT