ካብ ሰለስተ ኣቦታት ኣስመራ – ትዕዝብትና ኣብ ቃለ ምልልስ ፕረዚደንት!

 asmara ቃለ ምልልስ ፕረዚደንት! “ሰዓትኩም ኣተኻኽሉ ኢየ ዝብሎም!” 




Asmaraቃለ ምልልስ ፕረዚደንት! “ሰዓትኩም ኣተኻኽሉ ኢየ ዝብሎም!”


እንድዒ ናይ ፕረዚደነት ኢሳይያስ እንበር፣ ጥዕይቲ ሰዓት ድኣ ሓንሳብ ምስተተኻኸለት ካልኣይ ምድጋም ዘይድልያ። ከም ናይ ፕረዘደንት ኣዘራርባ ክሳብ ሰዓት ዝኣክል፣ ተመኣዛዝነት ሕጊ ኣየድልን፣ ማእሰርቲ ንዘይተወሰነ ግዜ ዝብል የብሉን፣ ብዛዕባ መነባብሮ ምሕሳብ ንምንታይ የድሊ፣ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ብዘይ ገደብ፣ ነጻ ጋዜጣ እንታይ ዝኸውን እዩ፣ ሓበሬታ ንህዝቢ እንታይ የድልዮ፣ ቅዋም ይጽናሕ፣ ብዛዕባ ዴሞክራሲ ክምህሩና ኣይኮኑን፡ ወዘተ ዝብል ብሂል ብፕረዘደንትና በብጊዚኡ በጨቕ ዝብል ዝነበረ እዩ። ዕድለተኛታት ሰዓቶም ኣኺላትሎም ማለት ኢዩ፣ ኣበሳ ወያነ ንህዝቢ ትግራይ ግዳይ ገይሩዎ ብማለት ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ናይ ዕለት 9.5.2007 ቃለ ምልልሱ ኣተንቢሁ። 


ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፋቕ ዝበሃል ከምዚ እዩ። ንሕናስ ካን ዶ ኾን ምስ ኢትዮጲያ ኣተኣሳሲሩስ ብዛዕባ ሰላም ይኹን ብዛዕባ ጉዳይ ዶብ ይዛረብ ይኸውን ብምባል ክንሓስብ ከነስተንትን ቀኒና። ናይ ሃገርካ ጉዳይ ብቐዳምነት ብኣትክሮ ክትጥምትን ክትርእን ክብሪ ሃገርን ህዝብን እንበር ሕስረት ኣይኮነን።


ፕረዚደንት ግን ናይ ሃገሩ ኣብዚ ጽናሕ ኢሉ፣ “ ወያነ፣ ትግራይን ኢትዮጲያን ዝብል ማንታ ኣተሓሳስባ ሒዛ ተበጊሳ። ናህና መርገጺ ካብ መጀመሪያ ግን ንሓንቲ ኢትዮጲያ ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ወያነ ስልጣን ምስሓዘ ንኢትዮጲያ ዝቆጻጸረሉ ፈደራላዊ ዝስሙ መቓቒልካ ናይ ምግዛእ ትልሚ ተሊሙ። ቁጠባ ኢትዮጲያ ብናይ ረድኤትን ሓገዝን ግዳማዊ ድጎማን እዩ ዝኸይድ። ኣብ መንጎ ድኻታት ሃብታማትን ዘሎ ጋግ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ጉዳይ ዳርፉርን ሶማልን ካብ ናህና ጉዳይ ፈሊና ኣይንርእዮን ኢና።” ብማለት ተመራሚሩ ክበሃል ይከኣል። ድጊ ነገር።


መሳኪን ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ዓድና ምስቲ ኩሉ ሃብትናን ዓቕምናን ጠሚናን ከፊእናን ሓሲርናን ኣብዘለናሉ። ፈቐድኡ ህዝቢ ግዝኣት ሕጊ ሓርቢትዎ ግዳይ ማእሰርትን ምሕያርን ኮይኑ ኣብዝርከበሉ። መንእሰይ ዝፈትዎም ቤተሰቡ ገዲፉ ኣብ ስደትን በረኻን ባዳን ኣብ ምንክልባት ኣብዝሃለወሉ። ብዛዕባ ወያነ ትግራይ ሶማልባ ዳርፉርባ ምዝራብ እንታይ ኢዩ ረብሕኡ። እምበርዶ ከም ፕረዚደንት መጠን ኣብ ዓለም እንታይ ሽም ከምዘሎና ይፈልጥ ኢዩ። ግዝኣተ ሕጊ ዘይብላ፣ ዓዲ ግፍዒ፣ ሰብ ካብ እንስሳ ንታሕቲ ዝረኣየላ፣ ጨኳኒ በላዒ ሰብ ስርዓት፣ ንህዝቡ ኣንበርኪኹ ዓዲ ሞትን ማእሰርትን ወዘተ ዝገበራ፣ ተጋደልቲ መራሕትን ተራን፣ ዓበይቲ ዓድን፣ ምሁራት መምህራን፣ ዶክተራት፣ ካህናት፣ ሸኻት ብዓቢኡ ፓትርያርክ ወዘተ ዝተኣስሩላ ዶ ኣይኮነትን ሽማ ዓድና።


እንታይ ኣምጽኦ ብዛዕባ 50,000 ሰላይ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ምዝራብ። ናታ ገዲፋስ ናይ ሓማታ። ኣስመራ እንታይ ዲያ ዘላ፣ ንሶም ደይኮኑን ዘማሕድርዋ ዘሎው። ፓሊስ ስልጣን ኣሎዎ ዲዩ?


መነባብሮ ኣበይ ዲና በጺሕና ዘሎና፣ ዝነበረ ትካላት ተዓጺዩ፣ ዝኣቱ ንብረት ይኹን ሰደድ ዘይብልና፣ ትካላት ህንጻታትና ተዓጺዩ፣ ነዛ ሕብስቲ ባኒ ንምሉእ ስድራ 4ተን 2ተን ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ ዶ ኣይኮናን ዘሎና? ትግራይ ጸገማት ናይ ዝብላዕ ዝስተ ኣሎዋ ዝበሃል ኣይሰማዕናን። ትግራይ ኣብ ዓይኒ ዓራት እንተለወጣ ወያነ ንኢትዮጲያ እንታይ ዋጋ ኣሎዎ ኢልካ ምዝራብ እንታይ’ዩ ትርጉሙ ንዓና። ንሳቶም ናቶም መደብ ክህልዎም ይኽእል። ንዓና ከኣ ዘእትወና ኣይኮነን። ብዛዕባ 10% ዕቤት ኤኮኖሚ ኢትዮጲያ ሓቂ ዲዩ ሓሶት ኢልካ ምዝራብ’ውን፣ ዘሕፍር ዶ ኣይኮነን? ኣይ ኤም ኤፍ ዲዮም ዎርልድ ባንክ ብሕጊ ዝመስከሩሉ ብጽሑፍ ዝቐረበ ዶ ኣይኮነን ዘሎ። ዘገርም እኾ እዩ፣ መን ኮንካ ኢኻ ብዛዕባ’ዚ ክትመራመር፣ እንታይ ዓቕምታት መልክዕታት ሒዝካ ኸ ኢኻ ትዛረብ። ዘሕፍር ዶ ኣይኮነን?


ናይ ነብስና ክንዛረበሉ እንኽእል ጉዳያት ድኣ ብዙሕ እንዲዩ ነይሩ።  መንግስቲ ኢትዮጲያ ክንደይ ከምዝዓገበና፣ ዘየድሊ ጉዳይ ዶብ ኣሳቢቡ ዘይድሊ መስዋእትን መከራን ከምዝወረደልና። ድሕሪኡ’ውን ልዕሊ 80,000 ዝኸውን ኣብ ኢትዮጲያ ዝነብሩ  ኤርትራውያን ብግፍዒ ከምዝተባረሩ። ሕጂ’ውን ጉዳይ ዶብ በቲ ኣብ ሄግ ዝተገብረ ውሳኔ ብቐሊል መዓልቦ ክግበረሉ ዝኽእል ክነሱ ብዘይጠቅም ህልኽ መንግስቲ ኢትዮጲያ፣ መዕረፊ ሲኢኑ ከምዘሎ። እዚ ዘንቱ ኣለም ዘሕትቶም ኮይኑ፣ ንህዝብኻ ብምሕባር፣ ብናቱ ግብረ-መልሲ ዘድሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ከመይ መምዓረ። 


ብዝተረፈ ብዛዕባ ሚሊንዩም ምድላዋት ናይ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣናኢስካ ናይ ተዋህዶ ኣቆጻጽራባ ካልእባ ኢልካ ምዝራብ ንነብስኻ ዘገምግም ዶ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጲያ ብመሰረቱ ናይ ህዝብን ቤተ መንግስትን ኣቆጻጽራ ናይ ግእዝ ኣቆጻጽራ ኢዩ። ምስ ቁንጅና ሳሎን ዘነጻጽር እንታይ ኣሎዎ። ብዛዕባ ወጻኢታት’ባ ካልእ’ባ ኢልካ ክትዛረብከ። ኣብ ዓድና ን24 ግንቦት ‘ባ ካልእ’ባ እንዳተበህለ ንምሉእ ዓመት ኣዳለውቲ በዓላት ደቅና ካብ ትምህሮቶም ተጓናዲቦም ጓይላን ዳንኬራን ክገብሩ ብገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ ንሞራላዊ ህይወቶም ብዝፈታተን ንክሓልፉ ዝግበር ዘሎ ምስ ምንታይ ክቁጸር ይከኣል?


ብዛዕባ ጉዳይ ሶማል ኢድ ዘእተናሉ ሓውና ስለዝኾነ፣ ገባር ጽቡቕና ስለዝኾነ፣ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዕርክነት ስለዘሎና እናተበሃለ ከም መሳመሲ ዘረባታት ከ፣ እንታይ ይበሃል። ብሓቂ ብከምኡ መልክዕ ዲና ኣቲናዮ። ከምኡ እንተኮይኑ ድኣ ዛጊት ኣበይ ነይርና። ሓቀኛ ዕርቂ ድኣ መዓስ ባእሲ ምፍጣር ኮይኑ። እዛ ብርኽቲ ዓድና ድኣ ንከምዚ መዓስ ምሓመቐት፣ ኣቐድም ኣቢልካ ነቶም ዝተፈላለዩ ናይ ኩናት መሳፍንቲ ዝበሃሉ ምእካብን ምርድዳእን ዶ ኣይኮነን ዝነበረ። ዝኾነ ሓይሊ ፈጣጢርካ ናይ ውክልና ኩናት ምክያድ እንታይ ትርጉም ኣሎዎ። እንታይ ዝገበረ ሰራዊት እዩ። በቲ ዓቕሉ ጸቢብዎ፣ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት፣ ኣደራዕ ናይቲ ኩሉ ጸገማት መነባብሮ ኮይኑ፣ ብኹሉ ከፊእዎ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ ኣብ ክጽወር ዘይከኣል መንቀራቕሮ ኣትዩ፣ ወገሐ ጸብሐ ከምዚ ገይሩኒ/ገይራትኒ እንዳበልካ ንሰላማዊ ሕብረተ-ሰብካ ምትላል እንታይ ትርጉም ክወሃቦ ይከኣል።


ገዛኻ ከይኮስተርካ ኣብ ኢትዮጲያ ጉዳይ፣ ሱዳን፣ ሶማል ቀንጠብጠብ ምባልከ እንታይ ውጽኢት የምጽእ። ወያኔ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጲያ ኣባኢስዎም ዝብል ዘረባ፣ እዚ ከጋጥም ዝኽእልዶ ኣይኮነን። ሓቂ ክንዛረብ እንተኮይና ድኣ እዚ’ኳ ቀኒዕዎም። እንበርከ እዚ ክፋል ህዝቢ ነቲ ዝነበረ ግፍዒ ሃይለስላሰን መንግስቱን ብተናጸለ መኪቱ ንዝነበረ ስርዓት ንምግልባጥ ተርኡ ተጻዊቱ ተዓዊቱ። ሃገረ ኢትዮጲያ ብናይ ኣምሓራ ትምክሕቲ ተመስሪሑ ዝነበረ መንግስቲ ንምምራሕ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኸውን ማንም ዝርዶኦ ዶ ኣይኮነን። 


ናህና ጉዳይ ዘይኣለና ብዛዕባ ትግራይባ ኣምሓራባ ኦሮሞ ‘ባ ኢልና ክንዛረብ እንታይ ዘእቱ ኣሎና። ንሳቶም ብተዛማዲ ብዛዕባና ክዛረቡ ሰሚዕና ክንብል ኣይንኽእልን። ቅድም ገዛና ዘይነጽር ኣብ ጉዳይ ካልእ ንክንኣቱ። እቲ ቅኑዕ ህዝቢ ድኣ ይልከም ኮይኑ እንበር፣ መስጣ ናይቶም ኩሎም ቅኑዓትን ሓቀኛታትን ሰባት ድኣ ኣበይ ከሰጋግረና። ዋላ ዝተዛረብካዮ ኣይቀንዓካ፣ ዝሓሰብካዮ ኣይሰመረልካ፣ ኩሉ ሓሶት እንዲዩ ዝኸውን። ንብዓት ሓርገጽ ንምግላጽ ፕረዚደንት ብተገዳስነት ንምዃኑ ሓርገጽ ከ ይነብዕ ዲዩ ኢሉ ነብሱ ብነብሱ ሓቲቱ፣ እታ ነገር ዝፈለጣ ኣይመስልን ስለምንታይ እተን ጸረርታ(ንብዓት) ኣብ ሓርገጽ ዝረኣያ ምስቲ ናይ ማይ መነባብሮኡ ውጽእ ክብል ጸረር ዝብላ ብምኻነን።


ከም መደምደምታ፣ ኣብዚ ሓጺር እዋናት ካብ ወያነ ትግራይ ገዲም ተጋዳላይ ዝኾኑ ኣቶ ነጋ ስብሓት ዝተባህሉ ቃለ ምልልስ ኣብ ፈነወ ረድዮኦም ከካይዱ ቀንዮም። ዝሰማዕናዮ ብፍላይ ብዛዕባ ፕሮግራም ቃልሶም ካብ ምፍጣሩ፣ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ዝነበሮም ምትሕግጋዛት ብምግላጽ፣ ናይ ውድቦም ተራ ብምትዕብባይ፣ ናህና ብምንእኣስ፣ ሓሶታት ብምውስሳኽ  ክግልጹ ቀንዮም። ኣብ መሰል ርእሰ ውሳነን፣ ነጻነትን ኤርትራን ግን ዘይዕጸፍን ዘየማትእን መትከላዊ መርገጺ ከምዝነበሮም ገሊጾም። ብዛዕባ ብቕዓት ሰራዊት ኤርትራን ከምኡውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ዘሎዎ ጽንዓት ብኣድናቖት ገሊጾም። ምናልባት ፕረዚደንት ነዚ ኣጋጣሚ ብምግባር ነዚ ቃለ ምልልስ ኣዚዝዎ እንተኾይኑ ከሲሩ፣ ስለምንታይ ካልእ ዝምልከቶ ኣካይድዎ እንተዝኸውን ምሓሸ። ስለምንታይ ብኣተክሮ ክምለሱ ዝግበኦም ነገራት፣ ንክብሪ ሃገርን ቃልሲ ኤርትራን ዝምልከት ብምህላዎም። እንተዘይኮይኑ እታ ሰዓት ከም ቀደማ ትዛግም ኣላ፣ ምናልባት ናይ ፕረዚደንት ደቂሳ ከይትህሉ ግን ንከተኻኽላ ንሕብሮ።   


ካብ ሰለስተ ኣቦታት ኣስመራ

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>