ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ክሳገሩ ዝፈተኑ ኣማኢት ስደተኛታት ጃላቡኦም ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣብ ኣጣራጣሪ ኩነታት ወዲቑ

refugees

ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢውሮጳ ክሳገሩ ዝፈተኑ፡ ዓረባውን ኣፍሪቃውን መበቆል ዘለዎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ጃላቡኦም ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣብ ኣጣራጣሪ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

ካብ ሮማ ዝተመሓላለፉ ጸብጻባት ከምዘመልክቱዎ፡ ዛጊት 23 ካብኣቶም ክድሕኑ ከለዉ 21 ሬሳታት ከኣ ተረኺቡ ‘ሎ።  

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ሓንቲ ካብተን ዝጠሓላ ጃላቡ፡ 257 ሰባት፡ እታ ካልኣይቲ ኸኣ 340 ሰባት ጽዒነን ነይረን። እተን ውሕስነት ዘይብለን ጃላቡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ሰባት ጸፍጺፈን ዝብገሳ ‘ኳ እንተኾና፡ ምኽንያት መጥሓሊ ናይዘን ጃላቡ እዚኣተን ብፍላይ ግን ኣይተፈልጠን።

ወፍሪ ድልያ ናይቶም ግዳያት ይቕጽል ኣሎ።

እዚ ውሕስነት ዘይብሉ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ‘ዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝጥቀሙሉ እዩ። ኣብዚኣተን ጃላቡ እዚኣተን ምንባሮምን ዘይምንባሮምን ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን። ኣብዚ ከባቢታት ‘ዚ ኣብ ዘጋጠሙ ናይ ባሕሪ ሓደጋታት ሓያለ ኤርትራውያን መንእሰያትን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይፍለጥ።   

ቀንዲ ምኽንያት ስደት ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን እቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ምእንቲ ብሕትውና ስልጣን ክብል ዘካይዶ ዘሎ ዕምጸጻ ሓርነትን እዩ።

ሓደ ብተመሳሳሊ ሓደገኛ ጉዕዞ ኢውሮጳ ዝኣተወ ኤርትራዊ ስደተኛ ብምኽንያት ናይዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ባሕሪ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምርጫ ስኢንካ፡ ምእንቲ ሓርነት እተካይዶ ናይ ቅብጸትን ናይ ሞትን ጉዕዞ ምዃኑ ገሊጹ።    

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>