ዋዛን ኣዋዘን፡ ኢሳይያስን ሓደ ኣቦን

elderlyኣንታ ሰብኣይ፡ ንዓ ‘ስከ ካብ’ዚ ጉድጓድ ኣውጽኣኒ”

ኣያ ኢሳይያስ፡ ሓደ እዋን ካብ ምሸት ክሳብ ወጋሕታ ካብ መጠን ንላዕሊ ሰትዩ ሰኸረ ‘ሞ ንሽቓቕ ክኸይድ ክብል መንገዱ ስሒቱ፡ ብ ‘ዋርሳይ-ይከኣሎ’ ንመሰረት ገዛ ተባሂሉ ኣብ ዝተዃዕተ ህጉም ኣተወ። ንሓደ ኣንጊሆም ንቤተክርስትያን ዝኸዱ ዝነበሩ ኣቦ ኸኣ “ኣንታ ሰብኣይ፡ ንዓ ‘ስከ ካብ’ዚ ጉድጓድ ኣውጽኣኒ” ኢሉ ሓገዝ ሓተቶም። ንሶም ኢዶም ወስ እናበሉ፡ “ ዋይ ኣንታ ኣሳይያስ ዲኻ ኸ?” ኢሎም ሰምበዱ። ኢሳይያስ ድማ፡  “ ኣንታ ኣነ ‘ወ፡ ግን ብጩቕ ኢልካ ንሰብ እንተነጊርካ ከጥፍኣካ እየ።” ይብሎም። ትቕብል ኣቢሎም እቶም ኣቦ፡ “ ኣይትዓሹ ባ፡ እንተነጊረ ደኣ ንስኻ መዓስ ኴንካ ተጥፍኣኒ፡ እቶም ‘ንኢሳይያስ ካብ ጉድጓድ ኣውጺአዮ’ ኢለ ዝነገርኩዎም ሰባት እንዳኣሎም ባዕሎም ዘጥፍኡኒ።” በሉዎ።



ምስጦፋ ካብ ቶሪኖ



Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>