Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብቲ ኣኼባ ኢሳይያስ ዘተኮረሎም ጉዳያት፣

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሳዋ ናይ መበል 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምረቓ ድሕሪ ምግባሩ፣ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ካብ ኣዘዝቲ በራጊድ ንላዕሊ ዝተሳተፉዎ ዕጹው ኣኼባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ሳዋ ከምዘካየደ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ኣኼባ ኢሳይያስ ዘተኮረሎም ጉዳያት፣ ኩነታት ሰራዊትን ህሉው ኩነታትን ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ሓይልታት ምልክኻል ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ብዝሒ ምዅብላልን ብፍላይ ብወገን መንእሰያት ዘጋጥም ዘሎ ዕጥቅኻ ገዲፍካ ህድማን ሞራል ሰራዊት ካብ ምስባር ሓሊፉ፣ ተኽእሎ ምክልኻል ሃገር ኣብ ሓደጋ የእትዩ ከምዘሎ ብጋህዲ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ቅድሚ ሕጂ ካብ 250- 360 ዓቕሚ ሰብ ዝነበራ ቦጦሎኒ ሓይሊ ሰባ ናብ 30-50 ወሪዱ ከምዘሎ ብኣብነት ብምጥቃስ፣ እዚ ኩነታት ‘ዚ ብሰንኪ ጉድለት ቁጽጽርን ሸለልትነትን ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝሰዓበ ኣገንዚቡ። “ካብ ሕጂ ንደሓር መንግስቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ትመጣጣኒ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ኣዛዚ ክፈልጥ ይግባእ” ክብል ‘ውን ኣጠንቂቑ።

“በዚ ዘሎ ኣካይዳ ንቕጽል እንተደኣ ኴንና፣ እዞም ሎሚ ዝመረቕናዮም ‘ውን ከምቶም ቅድሚኦም ዝመረቕናዮም፣ ሰራዊት ራሕሪሖም ናብ ጸላኢ ብምስላም ብረትና ከረክቡዎም እዮም።” ድሕሪ ምባል ከኣ፣ ካብ ሰራዊት ዘምለጡ ኣባላት ናብ ጸላኢ ናይ ዘስተለሙዎ ብረት ይኹን ኣብ ኣሃዱታቶም ዘሎ ዕጥቂ ጸብጻብ ብዝርዝር ከቕርቡ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መደርኡ፣ እዚ ኣብ ሰራዊት ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብሓደ ለይት ዝተፈጥረ ኣይኮነን፣ ብዙሓት ካባኻትኩም ኣብ ውልቃዊ ናብራኹም ትግደሱ ስለዘለኹም ዝማዕበለ እዩ፣ ኢሉ ብምፍርራሕ ከኣ፣ ስግር ዶብ ብረት ዝሸጡ ኣዘዝቲ ከምዘለዉን ገለ ድሮ ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡን ኣተንቢሁ።

ኣብቲ ናይ ሕቶን ርእይቶን ካብ ዝተላዕሉ ጉዳያት ሓደ ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉ ኣባላት ሰራዊት ነበር ካብ ኣገር ምስ ወጹ ካብተን ዝተሰደዱለን ሃገራት ናይ ጣዕሳ ፎርም ብምምላእ ናብ ሃገር ከም በጻሕቲ ይምለሱ ምህላዎም ኣብ ሞራል ሰራዊት ጉድኣት ካብ ምብጻሕ ሓሊፉ ኣተሓሳስባ ናይቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ መንእሰይ መሊሱ ናብ ስደት ከቕንዕ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ እዩ ከኸውን ከሎ፣ ኢሳይያስ እዚኦም ሃገርን ሰራዊትን ርሕሪሖም ዝኸዱን እቲ ዘዕጠቕናዮም ብረት ድማ ንጸላኢ ዝረከቡ እዮም፣ ናብ ሃገር ክምለሱ ይኽእሉ እዮም እንተኾነ በቲ ፈጸሙዎ ዓቢ ገበን ተሓተቲ እዮም። ስለዚ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ ኢሉ። ከምዚ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ኣ ቀይዲ ኣውዕሉዎም ብምባል ኣብ ርእሲ ‘ዚ መንግስቲ ነቶም ካብ ሰራዊት ሃዲሞም ዝኸዱ ኩሎም ዋጋ ብረት ምኽፋል ክጅምር ምዃኑ ‘ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ንብዝሒ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ኣሉታ ክህበሉ ዝጸንሐ ከሓዲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብኸምዚ ዝኣመሰለ እንጽርጽሮት ዝተሓወሶ ቃና ከማርርን ኣዘዝቲ ሰራዊት ክኸስስን ምጅማሩ፣ ተስፋ ቆሪጹ፣ ተጨኒቑ ምህላዉ ዘንጸባርቕ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
60 COMMENTS
  • Berhe Tensea July 29, 2014

    He was checking the condition of his slaves and asking question on how to avoid the disappearance of some of them.

POST A COMMENT