ዝኽሪ ንእንፈትዋ ሐፍትና ኣስቴር ወልዱ

asterሓፍትና ኣስቴር ወልዱ ብዕለት 16-03-1964 ካብ ኣቦኣ ግራዝማች ወልዱ ህብትዝግን ኣዲኣ ወ/ሮ ተረዛ ተስፋማርያም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ተወልደት:: 8 የሕዋት ድማ ኣለዉዋ:: ከምቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘጋጠሞ ኸኣ፡ ዝበዝሑ ገሊኦም ንሜዳ ገሊኦም ንስደት ፋሕፋሕ ኢሎም። ከምኡ እውን ናኣሽቱ ኮይኖም ዝተረፉ የሕዋት ነይሮም::

asterሓፍትና ኣስቴር ወልዱ ብዕለት 16-03-1964 ካብ ኣቦኣ ግራዝማች ወልዱ ህብትዝግን ኣዲኣ ወ/ሮ ተረዛ ተስፋማርያም ኣብ ከተማ ሰገነይቲ ተወልደት:: 8 የሕዋት ድማ ኣለዉዋ:: ከምቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘጋጠሞ ኸኣ፡ ዝበዝሑ ገሊኦም ንሜዳ ገሊኦም ንስደት ፋሕፋሕ ኢሎም። ከምኡ እውን ናኣሽቱ ኮይኖም ዝተረፉ የሕዋት ነይሮም::


ስድራቤትና ከምዚ ኢላ ኣብ ደቀምሐረ እናነበረት ከላ፡ ኣስቴር ድሕሪ ምስሐብ ናይ ባዓል ደቀምሐረ ብወታህደራት ደርግ ትእሰር እሞ ማእሰርታ ፈጺማ ድማ ብዕድል ትወጽእ:: ድሕሪ’ዚ፡ ኣቦና ምስ ዓርኮም ኣቶ በርሄ ተሰማሚዖም ንኣስቴር ንወዲ ኣርኮም ማለት ወዲ ኣቶ በርሄ: (ብርሃን በርሄ) ዝተባህለ ኣብ ስዊድን ዝቕመጥ ከመርዕዉዋ ተሰማምዑ::


እዚ ስምምዕ እዚ ከሎ ኣዲኣ ወ/ሮ ተረዛ ተስፋማርያም ብመኪና ሐደጋ ካብዛ ዓለም ብሞት ይፍለያ:: ከቢድ ሐዘን ወሪዱ ኣስቴር ኣብ ዘይተጸበየቶ መሪር ሐዘን ወረዳ:: ግናኸ ሂወት ክቕጽል ስለ ዘለዎ ከምቲ እቶም ክልተ ወለዲ ንጽቡቕ ኢሎም ሐሲቦም ንወድኻ ንጓዋለይ ተባሃሂሎም መውስቦ ጀሚሮም ዝነበሩ ቀጸሉ እሞ ኣስቴር ብመርዓ ምስ ዘይትፈልጦ ወዲ ናብ ዘይትፈልጦ ሀገር ሽወደን ኣብ 1985 ትመጽእ::


እቲ ባዓል ቤታ ክኸውን ተቐሪቡ ዘሎ ወዲ ብርሃነ በርሄ ዝተባህለ ኣብ ሀገር ሽወደን ዝጸንሔ ብዙሐት የሕዋት ኣብ ትቕኡ ዘለዉዎ እዩ ዝነበረ:: ኣስቴር ካኣ ኣብ ሽወደን ብዙሓት ኣሕዋት ‘ኳ እንተነበሩዋ እንተነበሩዋ እቶም ዝፈትዉዋ የሕዋታ ግን ኣብ ካልእ ሃገራት ኤውሮጳ እዮም ዝነበሩ እሞ: ንሳ ጋሻ ኮይና ናብዞም ቤተሰብ  ሰብኣያ ትኣቱ::


እዚ ክኸውን ከሎ ግን የሕዋታ ብፍላይ ሐፍታ ጽጌረዳ ብፍጹም ነዚ መርዓ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብኣይ ኣይደገፈቶን:: ናባይ ንዒ እዚ መርዓ ግደፊዮ ኢላ ለሚናታ ኔራ:: ግን
እግዚኣብሄር ዝሓሰቦ ስለ ዝዓቢ ኣስቴር ንሽወደን ኣምሪሓ ናብራ ምስ ብርሃን ትጅመር:: እቲ ነገር ኣብዚ ይጅመር: ኣስቴርን ብርሃንን ካብ ስቶክሆልም ወጺኦም ኣብ ኖርሾፒንግ ዝተባህለት ንእሽተይ ከተማ ግዒዞም ናብራ ይቕጽሉ።


ይኹንምበር ቀስ ብቀስ ኣስቴር ምስ ኩሉ ቤተሰብ ርክብ ከምዘይህልዋ ይገብር:: ካብ ሰብ ትርሕቕ: ርክባ ምስ ኣንዳሓሙኣ ጥራይ ይሕጸር። በዚ ድማ ኣብ እንዳ ሐሙኣን ቤተሰባን ምታምማን እናጠፍአ ይኸይድ። ኣዳም ዝተባህለ ትፈትዎ ህይወታ ዘሕለፈትሉ ቆልዓ ኸኣ ትወልድ::


ኣጋጣሚ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ኮይኑ፡ ኣዳም ጥዕና ዘይብሉን ብዙሕ ሐገዝ ዘድልዮን ቆልዓ ስለዝነበረ ካብ ዝተወልደላ ዕለት ጀሚራ ከቢድ ክንክን ትገብረሉ። ኣብ ርእሲኡ ‘ውን ጳውሎስን ናሆምን ዝተባህሉ ክልተ ቆልዑ ወሊዳ ካብ ሂወታ ንላዕሊ ትፈትዎምን ትሕብሕቦምን ነበረት:: ኣብዚ ከቢድ ናይ ቆልዓ ምዕባይ ጻዕሪ ተጸሚዳ ኸላ ግን፡ ካብ የሕዋታ ብምስጢር ዝሓዘቶ ምስ በኦኣል ቤታ ከቢድ ሽግር ነይሩዋ።


ብርሃን ትዕቢት ዝመልኦ: ኣነ ተማሂረ እየ: ዝኾነ ስራሕ ኣይሰርሕን እየ ባሃላይ፡ እንተ ተማሂሩ ኻኣ ንባዕሉ ንክገልጾ እውን ዘሸግሮ ሰብ: ንኣስቴር ግን ወጺኺ ኣተኺ እንታይ ተዛሪብኪ ምስ መን ተዛሪብኪ: ብዛዕባይ ዲኺ ትዛረቢ ነይርኪ: ኣናበለ ሓንቲ ስጉምቲ ንሱ ዘይፈልጣ ክትንቀሳቀስ ከም ዘይትኽእል ፍርሒ ኣብ ነብሳ ከምዝኣትዋ: ብዘይ ብኡኡ ክትንቀሳቀስ ከምዘይትክእል ገይሩ ኣብ ብርቱዕ ማእሰርቲ ተቖሪና እሞ ተቀቢላቶ ከምትነብር ግይሩ ይሕዛ። ክመራ እንከሎ እውን ናብተን የሕዋቱ ዳኣ እያ ትሃድም ዝነበረት እምበር፡ ካብኣቶም ወጻኢ ናታ ቤተሰብ ወይ የሕዋታ ክትኸይድ ወይ ክትዛረብ ከም ዘይትኽእል እያ ኮይና::


ምእንቲ ደቃ ክትብል ነብሳ ረሲዓ ዘይተጻወረቶ ሽግር ኣይነበረን። ሐያል ሰብ እያ ዝነበረት:: ንሱ ብዛዕባ ደቁ፡ ወላሓንቲ ኣይፈልጥን ነይሩ። ኣዳም ወዱ እንታይ ዓይነት መድሃኒት ከም ዘድልዮ ‘ውን ኣይፈልጥን ዝነበረ:: ሓደ እዋን ኣዳም ወዱ መጥባሕቲ (ኦፐረሽን) ዝገብረሉ መዓልቲ ምስ ደቃ ገንዘብ የለ ገለ የለ ንሱ ዝደልዮ ነገር ንክፍጽም ነስመራ ከይዱ ንሳ ከኣ ከም ኩሉ ግዜ ትሐልፎ ብጽንዓት ሓሊፋቶ::


ከምኡ ኣንዳበለት ባቴንቲ ኣውጺኣ ደቃን ሰብኣያን ተመላልስ ናብ የሕዋቱ ንስቶኮልም ክመጹ ከለዉ: ከምኡ እውን ከም ናይ ነርስ ታሓጋጋዚት ኮርስ ወሲዳ እንዳ ሰርሔት ትማሃር እሞ ስርሐ ኻኣ ትቕጽል:: እዚ ኩሉ ክኸውን ንሱ ኣይሰርሕ ንዓኣ ኣየስርሐ እግሪ እግራ እንዳኸደ ጥራሕ ይጨቓጨቓ ነበረ:


ሐደ ግዜ ድሕሪ እዚ መሪርን ነዊሕን ዓመታት ሐደ መዓልቲ ምስተባኣሱ ደቃ ሒዛ ናብተን ደቂ ኣንስትዮ ዝዕቆባሉ ሰፈር ትኸይድ:: እቲ ኩሉ ምስጢራት ኳ እንተዘይተጋህደ ገለ ሽግራት ከም ዘሎ ድማ ይፍለጥ:: የሕዋታ ይሰምዑ: ሓፍታ ንኹሉ ሰብ ተእዊ:: ኣስቴር ግን እዚ ኣይደገፈቶን። ምኽንያቱ እቶም ስድራ ቤት ጉዶም ወጺኡ ንሱ ወላ የሕዋቱ ይልምኑዋ:: ዕበጦ ዕበጦ ኮይኑ ነገር ይዝሕል።


የሕዋታ ግን ኣይደቀሱን ጽንጽንታ ሽግር ናይ መስተ ከም ዘለዎ እውን ቁሩብ ይፈልጡ:: ብተኸታታሊ እናመጹ 2-3 ሰሙን ምስኣ የሕልፉዎ ነበሩ:: ንሱ እንተ ኾነ ኣብ ቅድሚኦም መልኣኽ ንሳ ኸኣ ሐንቲ ምልክት ንኽረኽቡ ዕድል ኣይሃበቶምን:: ከምዚ እንዳበለ ግዜ ኸደ::


ኣስቴር ደቃን ሰብኣያን ሒዛ ካብ ኖርሾፒንግ ንስቶኮልም ጥቃ የሕዋቱ ይኣትዉ:: እንተኾነ እቲ ሽግር እንዳ ዓበየ ንሳ እውን እንዳ መረራ ቆልዑት እንዳ ጎበዙ ሽግራት ክርድኦም እናጀመረ ይኸይድ። ናይ ስድራቤት ኤኮኖሚ ‘ውን ንሳ ደኣ ‘ያ ሰሪሐ ትሽፍኖ እምበር ንሱ ሰሪሑ ዘበርክቶ ሓገዝ ኣይነበሮን። 


እዚ ኹሉ እናኾነ ንሳ ብብርቱዕ ብፍርሒ ተዋሒጣ ስለዝነበረት ስጉምቲ ኣይወሰደትን። ዓዲ ቀይራ ርሒቃ ከብኡ ከይትነብር ካኣ ንኣዳም ወዳ ክትከስሮ ኣይደለየትን:: ኣዳም ምስቲ ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ገዛ ምስኣ ክቅመጥ ስለ ዘይክእል ኣብ ስዊደን: እሞ ዝቅመጠሉ ዘሎ ቦታ ኻኣ ንዑዑ ዝሐሸ ስለ ዝኾነ ካብ ጥቅኡ ክትርሕቅ ምርጫ ኣይነበራን:: ስለዚ ንሂወታ ግዳይ ምግባር መሪጻ ማለት እዩ::



ኩነታታ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ንሱ ከም ልማዱ የዕግርግራ እሞ ገዛ ገዲፋትሉ ትወጽእ ምስ በለት፡ ናበይ ደሊኺ ዘይናብ ኣሕዋተይ ኢኺ ትኸዲ ይብላ:: ሽዑ ንሳ ተበራቢራ በል ሕራይ ኢላ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ቤተሰባ ከይዳ::


ከምቲ ዝለመዶ ጉዱ ክሽፈነሉ እዩ ዝደሊ ነይሩ:: ናብ ብርቱዕ ምልማን ከኣ ይኣቱ:: እዚ ክኸውን ከሎ ፈጺማ ነሕዋታ ኣይነገረቶምን: ቤተ ሰብ ጥራሕ ፈሊጡ ኣሎ:: መዓልታዊ መጺኡ ኣብ እግራ ይወድቃ: ሽዑ ግዜ ድማ ኣዳም ወዳ ኦፕረሽን ክገብር ስለ ዝነበሮ፡ ንሳ  ድሕሪ ሕጂ ናዓይ ግደፈኒ ደቀይ ከዕቢ ነዓይ ትሓስበለይ እንተ ኾንካ: ከምዚ ኢለ ምሳኻ ክነብር ስለ ዝይኽእል ግደፈኒ ትብሎ::


ሕራይ ዕድል ሃብኒ ገዛ ስጋእ ዝረክብ ይብላ:: ብዛዕባ እቲ ኣብ መልዕሎ ዝናበ ወዳ እውን ትሓስብ ኣላ ኦፕረሽን ምስ ገበረ ምስቶም ክልተ ደቃ ባዕላ ክትኣልዮም መደብ ተውጽእ:: ከምቲ ቃል ዝኣተወላ ተሰማሚዖም ገዛ ምስ ረኸበ ክወጽኣላ ናብ ገዛኣ ትምለስ::


ሕጂ ‘ውን ተመሊሳ ሰላም ኣይረኸበትን: ግን ስቕ ኢላ ስርሓ ትገብር:: ደቃ ተልዕል ጭቕጭቕ ይቅጽል:: ኣብ መንጎ መተዓረቒ ክኾነላስ መኪና ክገዝኣልኪ ይብላ። ይኹንእምበር ንሱ ስራሕ ስለዘይብሉ ንሳ ግን ቀዋሚ ስራሕ ስለዘለዋ፡ እታ መኪና ‘ውን ብገንዘባ እያ ክትግዛእ።   


ንሳ ፈጺማ ትኣብዮ። ንዓይ ብሓቂ ሂያብ ክትህበኒ እንተድኣ ደሊኻ እሞ ናይ ደቅኻ ትሐስብ እንተ ኾይንካ ግደፈኒ ደቀይ ከዕቢ ትብሎ:: ነዚ ፈጺሙ ምቕባል ይኣብያ። እታ መኪና ክትግዛእ ከምዘለዋ ውዱእ ይገብሮ::


ሐደ ንግሆ ንሱ መኪና ከነምጽእ ኢሉ ወሲኑ ንሳ ኸኣ ሂወተይ ክገብር ግደፈኒ ኢላ ወሲና:: ደቆም ከም ሊማዶም ንቤት ትምህርቶም ምስከዱ ኣስቴር ድሕሪ ፋዱስ ስርሓ ክትኣቱ ነይሩዋ:: ንሱ ግን መኪና ዘይገዛእና ኢሉ፡ ድልየቱ ስለ ዘይተፈጸመሉ ብንግሁኡ ጭቕጭቕ ይጅምራ። ቆሪጻ ከምዘላ  ምስ ረኣያ ኸኣ ከባቢ ሰዓት ትሽዓተ ንግሆ ረዳኢ ዘይብላ ብኢዱ ሐኒቑ ይቐትላ እሞ ኣስቴር ካብዛ ዓለም ብዕለት 15 ጥሪ 2002 ብሞት ትፍለየና:: ንሱ ኸኣ ቀቲሉዋስ ኣብ ገዛ ተዓጺዩ ኮፍ ኢሉ ውዒሉ ዳሓር ሰዓት ሐደ ዝኸውን መስተ ጀሚሩ ኣብ ስኽራኑ ኣትዩ::


ደሐር ጳውሎስ ወዳ ካብ ትምህርቲ ዝምለሰሉ ሰዓት በጺሑ ገዛ መጸ እሞ ጭር ምስ ኣበለ ኣቡኡ ይኸፍቶ:: ከምገለ ኾይኑ ሰትዩ ከምዘሎ ይርእዮ ነዲኡ ክደሊ ንውሽጢ ይኣቱ:: ኣዲኡ ትንፋስ ዘይብላ ኣብ ዓራት ተዘርጊሐ ይረኽባ:: ወዲ 14 ዓመት ህሰቡ እታ ኣላትኒ ኢሉ ዝሐስባ ዝፈትዋ ሂወቱ ዝኾነት ኣዲኡ ስኢኑ ማለት እዩ::


ምስራኣያ ኻኣ ብስንባደ ሃዲሙ ካብቲ ገዛ ይወጽእ: ነሞታቱ ይድውለለን ንሳተን ንፖሊስ ይድውላ ኩሉ ነገር ሽዑ ይፍለጥ ማለት እዩ::


ናይ ኣስቴር ጸገም ግን ወላ ምስ ሞተት ገደደ እምበር ኣይተወደኤን:: ከመይሲ ክንዲ ናይሞታ ዘሰንብደን እተን የሕዋቱ ቀልጢፈን ናይ ገዝኤንን ሐወንን ሽም ኣብ ምክልኻል
ኣተዋ::


ነዚ ኩሉ ሰብ ከኣ ኣደናገረኦ: ብጣዕሚ ይፋተዉ ስለዝነበሩስ ብሓንሳብ ሂወቶም ከሕልፉ ሓሲቦም ነይሮም ይመስለኒ: እቲ ገዛ መጀመርያ ምስ ኣተናስ ማለተይ ፖሊስ ምስ ከፈቱለን ማለት እዩ: ብርቱዕ ጬና ነይሩ: ገለ ነገር እዮም መስተ ሰትዮም: ዝብል ወረ ነዝሐ እሞ እቲ ሰብ ይደናገር::


ናታተን ከይኣክል ካኣ ኣዲኡ ንወደይ ካልእ ሰብኣይ ሒዛ ኣቕኒኣቶ ኢላ ወረ ንሙሉእ ኣስመራ ዘሎ ህዝቢ ነዚሐቶ:: እዚስ ግፍዒ ዶ ኣይኮነን? ኣሸንኩዋይዶ ኣስቴር ትመስል ለዋህን ኣኽባሪት ቃል ኪዳናን ምእዝዝትን ሰብሲ: ካልእ ርጉም ሰብ እኳ እንተሞተካ ብዛዕባ ሞቱ ኢኻ ትሐስብ እምበር ከመይ ጌረ ጉዳይ ንኸይወጽእ ይሽፈን ኢልካ ኣይትሐስብን ኢኻ::


ግን እቲ ካብቲ ኩሉ እቲ ብሂወታ ከላ ዘሕለፈቶ ሽግር ንላዕሊ ምስ ሞተት ንኣስቴር ከምዘይፈልጣኣ ሐወን ተሰኪማትለን ከም ዘይነበረት ኪሒደን ጭካነ ዝመልኦ ስራሕ ኣብ ንሐወን ምክልኻልን ሽማ ኣብ ምጥፋእን ምእንታወን እዩ።


ክንዲ ጸገም ረኺብና ናዓና እውን ሐፍትና እንዲያ እዚ ርጉም ለኪሙና ምባል ድሕሪ ሞታ ስማ ኣብ ምክፋእ ተዋፊሮም። ኣስቴር በቲ ጽቡቕ ግብራ እግዚኣቢሄር ተቐቢሉዋ ከምዘሎ ንኣምን:: ንሳቶም ከኣ በቲ ግብሮም ናይ ዘላኣለም ናይ ሕሊና ቅሳነት ከምዘይረኽቡን ከምዘይቀስኑን ካኣ ንኣምን::


በዚ ኣጋጣሚ እዚ ክንብሎ ንደሊ ንቡዙሐት የሕዋትና ኤርትራውያን ብኸምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ማለት ብመርዓ ዝመጻ ኣሓትና ዘጋጥመን ሽግር ስለ ዘይንፈልጥ ወለደንን ንሳተንን ቆላሕታ ክገብራሉ፡ ኣዒንተን ተሸፊኑ ኣብ ዘይፈልጣኦ መዓት ከይኣትዋ ብኽብሪ ንምሕጸን:: ቅድሚ መርዓን ቃልኪዳንን ደቂቕ መጽናዕቲ ከካይዳ ግዜ ክወስዳን ኣለወን። ኣብ መንጎ ብዙሓት ለባማት ገለገለ መሰልን ክብረትን ዘይፈልጡ ሰብኣውነት ዘይብሎም ጨካናት ‘ውን ስለዘለዎ በዓል ወጻኢ ተረኽበ ኢልካ፡ ሃንደፍ ኢልካ ኣብ ዘይትፈልጦ መዓት ኣቲኻ ህይወትካን ዕድል ደቅኻን ካብ ምጥፋእ ዝከፍእ የለን እሞ ጥንቃቐ ክገብራ  ንኤርትራውያን ንደቀንስትዮ ኣሕዋትና ነዘኻኽር። 


በዚ ኣጋጣሚ ተገዲስኩም ብዛዕባ ንፈትዋ ሐፍትና ኣስቴር ታሪኽ ብምክትታልኩም ካብ ልቢ ነምስግን:: በዚ ምኽንያት ጌርና ኻኣ ንፈትዋ ሐፍትና ኣስቴር ናይ መበል ሐሙሻይ ዓመታ ዝኽሪ ናይ ዘለኣለም ዕረፍቲ ንኽትረክብ ንትምነይ::


ካብ ልቢ ዝፈትዉዋ የሕዋታ: ቤተሰባ
ሐፍታ ጽጌረዳ ወልዱ


 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>