ዮሃና፡ ንኣሰና

 መርበብ ኢንተርኔት ኣሰና ድማ፡ እዚ ጽምኢ ቅኑዕ ሓበሬታ ቀራዕ ዘብሎ ዘሎ ህዝብና ዝረውየላ፡ ዕለት ዕለት ሓሓድሹ እትፍልፍል ተወሳኺት ዒላ ኮትኮነሉ፣ ነዚ ጥሜት ድሃይ ኣሕዋቱ ሃለፍ ዘብሎ ዘሎ ክፋል ድማ፡ መኣዲ ሓበሬታ ክትኮነሉ እንዳተመነና፣ ኩሉ ብጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ዝሓምም ዜጋ፡ በቲ ዝኽእሎ ዘበለ ክተሓገገዛ፣ ልቦና ዝሓዘለ፡ መሃርን ኣተባባዕን ጽሑፋት ብምልጋስ፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ብምልኣኽ ክደጋገፋ፡ ንምሕጸን፡፡ ንሕና ብወገንና ድማ፡ ነዛ ጠራናፊት ኣሕዋት፡ ኣኻኻቢት ብጾት፡ ጸጋዊት ፍልጠት ክትከውን እንምነያ ሓዳሽ መርዓት፡ ባህ እንዳበለና፡ በታ ዓቕምና ከም እንደጋገፋ ንሕብር፡፡

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡-

ሰላምን ጥዕናን ንዓኹም፡ ጸጋ ፈጣሪ ምሳኹም ይኹን፡፡ እዚ ሰሙን'ዚ፡ መበል 16 ዓመት ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ዝዝከረሉ ሰሙን ብምዃኑ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ፍልይ ዝበለ ሰሙን ኢዩ፡፡

ከምቲ ኩልና ዝሓሰብናዮ፡ ፍረ ተጋድሎ ሰላሳ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩ እንተዝኸውን፣ ጻማ መስዋእቲ ብሉጻት መንእሰያት ኤርትራ መሰልና ወኒንና እንተንነብር፣ ብሕጽር ዝበለ፡ ከምቲ ሃረር ዝበልናዮ፡ ናብራ ኤርትራውያን፡ ናብራ ደቂ ሰብ እንተዝኸውን፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ሰብ ወጻእን ሰብ ዓድን፡ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ምተለዋወጥና፡፡ ከምቲ ኣብ ተስዓታት ዝነበረ፡ ኣብ ዘዘሎናዮ፡ ብፌስታን ብጸወታን ምሓለፈ፡፡ ጎደናታት ዓድና፡ ሓጎስ ምጎስዐ፡፡ ትርኢትና ብሓበን ምተወልዐ፡፡ ሕጻናት ምተሰራሰሩ፡፡ መንእሰያት ምዓንደሩ፡፡ ኣቦታት ብደቆም ኮሪዖም፡ ኣዴታት ቀሲነን፡ ብሓጎስ ጭድድ ፍንጭሕ ምበሉ፡፡ ንሕና ሰብ ወጻኢ ድማ፡ ኣብ ፈቐዶ ኣደራሻት ተጠራኒፍና፡ ብሰሓቕን ጸወታን ተኸቢብና፡ ብዋዛን ዕላልን እንዳተዘናጋዕና፡ ብደርፍን ዕልልን ተሰኒና ክንስዕስዕ ምቐነና፡፡

ኣበይ'ሞ! ኣይኮነልናን፡፡ ህዝብናስ፡ ኣብ ዝገደደ ሃልሃልታ መከራ ይጥበስ ኣሎ'ምበር፡ ዝተመነዮ፡ ኣይሰመረሉን፡፡ ዝተጋደለሉ፡ ፍረ ኣይረኸበሉን፡፡ ቅሳነት፡ ዓዲ ኣርሒቑ፡፡ ዝወለደ፡ ከም ጨው ሓቒቑ፡፡ ብሰንኪ እዚ ኣስካሕካሒ ኩነታት ድማ፡ ኣብዚ ናጽነት ኤርትራ ዝዝከረሉ ሰሙን፡ መንእሰያትና ኣብ ጎደና ስደት ይኽርትቱ ኣለዉ፡፡ ከብዲ ብጥሙዩ፡ ዝባን ብዕሩቑ፡ ወለዲ ብሻቕሎት ይሕመሱ ኣለዉ፡፡ ኣቦታቶም ዝሰኣኑ ሕጻናት፡ ሰሙን ናጽነት ብናፍቖት፣ ዕለት ናጽነት፡ ኣብ ጎደሎ ከብዶም ከሕልፉዋ ኢዮም፡፡ ዝወለዳ ኣዴታት፡ ብናፍቆት ሕርር ኢለን ከሕልፋኣ ኢየን፡፡ ብዓቢኡ ድማ፡ ዝዘኽተሙ ስድራ ቤታትን፡ ድሃይ ደቆም ዘይብሎም ወለድን፡ ዕለት ናጽነት ሃገሮም፡ ኣብ ሕልምልም ከሕልፉዋ ኢዮም፡፡ ንሕና ሰብ ወጻኢ ድማ፡ ሰሙና ናጽነትና፡ ጎቦ ጎድንና፡ ሰንፈላል ኮይንና፡ ልክዕ ከምተን ዝሓለፋ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ብምስትምሳል ክንሓልፋ ኢና፡፡

እዝስ ናጽነትዶ? ሰሙን ናጽነትና ብከምዚ ክትሓልፍ፡ ኣመና ዘጉሂ ኢዩ፡፡ እቲ ሓቂ ግን፡ ንሱ ኢዩ፡፡ ብሉጻት ጀጋኑ ዘምጽኡልና ናጽነት ሃገርና፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋህው ክትዝከር ዝብህግ ኤርትራዊ ግን፡ ኣሎ ድዩ?

የልቦን፡፡ ከም ኣብ ብሱል ጥረ፡ ነቶም ሓሓሊፍካ ዝርከቡ ክርዳድ ሕብረተሰብ ገዲፍካ፡ ናጽነት ሃገርና ኣብ ከምዚ ዝበለ ግናይ ህይወት ክዝከር ዝብህግ ፈጺሙ የልቦን፡፡ ኩልና ደለይቲ ሓርነት ኢና፡፡ ኩልና ደለይቲ ቅሳነት ኢና፡፡ ኩልና ጸላእቲ ዓመጽቲ ኢና፡፡ ኩልና፡ ፈተውቲ ፍትሒ ኢና፡፡ ብተወሳኺ፡ ኩልና፡ በብልብና፡ “መዓስ ኢዩ ህዝብና ዝሓልፈሉ? መዓስ ኢና ከም ቀደምና ኣብ ዓድና ኮሪዕና ንመላለስ? መዓስ ኢዩ ህዝብና ብዘይ ፍርሒ ዝሓድር? እዚ ርጉም ስርዓት መዓስ ኢዩ ዝምሖ?” ከም እንብል፡ ዝከሓድ ኣይኮነን፡፡

እንተኾነ ግን፡ ስሙር እምነትናን ባህግናን ብዘየገድስ፡ “ንሻቐል እንዲና ዘለና? መን ዶ ኣሎ ኢዩ ንህግደፍ ዝድግፍ? ህግደፍ ተኻሒዱ እኮ ኢዩ? ሓርነት ህዝብና ንደሊ እንዲና?” ምባል፡ ኣኻሊ ኣይኮነን፡፡ በብዘሎናዮ ኮይንና፡ ለይትን ቀትርን፡ “መዓስ ኢዩ ዝወግሕ? መዓስ ኢዩ ዝርሁ? መዓስ? መዓስ?” ወላ እንተበልና፡ ብዘይ ተበግሶ፡ ፍታሕ ኣይርከብን ኢዩ፡፡ ልኡምነት፣ ውሽጡ ሕሩር ኮይንካ ስቕ፡ ህዝብና ንዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ከሕጽሮ፣ ሰላም ትሰፍነሉ፡ ሓጎስ ትዓስለሉ፡ ፍትሒ ትነግሰሉ መድረኽ ከምጽእ፡ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ፡ ሓርነት፡ ካብ ጓኖት ብጎንጺ፡ ካብ ኣሕዋት ብድምጺ እትርከብ፡ ክብርቲ ህያብ ፈጣሪ ከም ምዃና መጠን፣ ንእምነትና ዘነጽር፡ ንትምኒትና ዘስምር ግብሪ ክንሕውሰሉ ክሳብ ዘይተበገስና፡ ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ክቕጽል ኢዩ፡፡

ነዚ ሓቂ'ዚ ብምስትብሃል፡ ኩልና ኤርትራውያን በብመዳይና አእጃምና እንተነበርክት፡ መሰል ህዝብና ብድምጽና ምዓተርናዮ፡፡ ብጉሳት ዲና ግን? ክንደይ ካባና ኢዮም እቶም ንውሽጣዊ ቃንዛኦም ንምፍዋስ ሓርኮትኮት ዝብሉ ዘለዉ? ክንደይ ኢዮም እቶም ንህዝቦም ካብ ጸበባ ንምድሓን፡ ብዘይሕለል መንፈስን ቅዱስ ህልኽን፡ በታ ዓቕሞም፡ ብንጥፈት ዝዋስኡ ዘለዉ?

ኣሉ ዘይብሃል፡ ብንጥፈት ዝዋስኡ፡ ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡ ግፍዒ ካብ ገጽ ኤርትራ ክሳብ ዘይሃደመ፣ ዓማጺ፡ ከም መንግስቱ ሃይለማርያም ምሉቕ ኢሉ ዚምባብወ ክሳብ ዘይሰፈረ ግን፡ ዓውዲ ሰላማዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጌና ሳቦያ ከም ዘድልዮ፡ ጌና ተሻሞ ከም ዘድልዮ ተወሳኺ መርትዖ ዘየድልዩ ጉዳይ ኢዩ፡፡

በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ “እንቋዕ ጸላኢኻ ብንጹር ኣለለኻ'ምበር፡ ደጊም ኩሉ ኣብ ኢድካ ኢዩ!” ድሕሪ ምባል፣ ነቶም ንያት ህዝቢ ከበራብሩ፡ ብዓቕሞም ከበርክቱ ብምሕላን ዝተፈላለየ ተበግሶ ዝወስዱ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትርውያን፡ ፍሉይ ኣድናቖትን ምስጋናን ክንህቦም፡ ናይ ግድን ኢዩ፡፡

ካብዚ እምነት'ዚ ብምብጋስ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣገልግሎታ ምስ ጀመረት፡ ንሕና ኣባላት ተስፋ ደሊና፡ ኣዚና ተሓጉስና፡፡ መግለጺ ሓጎስና ድማ፡ እንሆ ሎሚ፡ ንኣሰና፡ “ዮሃና! ዮሃና! ከም ሽምኪ ይስመረልና” ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ምዝርጋሕ ቅኑዕ ሓበሬታን፡ ኣብ ምብዳህ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ዝነጥፋ ሓደስቲ መርበባትን፡ ጋዜጣታትን፡ ራድዮታትን፡ ተለቪጅናትን ክውለዳ፡ ዘሕጉስ ተርእዮ ከም ዝኾነ ንገልጽ፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ለይትን መዓልትን ብዝፍኖ መርዛም ፕሮፖጋንዳ ንህዝቢ ከደንቁር ህርድግ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ምብዛሕ መርበባት ሓበሬታ፡ ከምቲ ንገለ ዝመስሎም፡ ምምቕቓል፡ ምግምማዕ፡ ኣይኮነን፡፡ በንጻሩ፡ ምብዛሕ፡ ምብዛሕ፡ ምፍራይ፡ ምፍራይ፡ ምርባሕ፡ ምርባሕ፡ ኮታ ብሓጺሩ ምስሳን ኢዩ፡፡ በብኩርናዕካ ኮይንካ፡ ብዝረ-ተዘራረ ምምካት ኢዩ፡፡ ሰረተ እምነት ናይታ ዕማማታ ናብ ኤምዲሰመ ዘረከበት ኣዝማሪኖ'ውን፡ ንሱ ኢዩ ኔሩ፡፡ ዘይቅየር መትከል ተስፋ ደሊና ድማ፡ ንሱ ኢዩ፡፡

ምኽንያቱ፡ ብግብራዊ መለክዒ ምስ ዝምዘን፡ ኣንጻር ግፍዕን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ኣብ ዝግበር ቅዱስ መኸተ፣ እታ ምእንቲ መሰልን ሓርነትን ህዝቢ እተድሂ ንእሽቶ ጽሕፍቲ፡ መጽሓፍ ኢያ፡፡ ጥራይ ትጸሓፍ'ምበር፡ ኣብ ዝኾነ ትቃላሕ፡፡ እታ ንምህናጽ ኣደራሽ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ እትድርበ ንእሽቶ ጸጸር፡ እምኒ ኩርናዕ ኢያ፡፡ ጥራይ ትደርበ'ምበር፡ ወይ መሰረት ወይ መንደቕ ክትከውን ኢያ፡፡ እታ ንሰብኣዊ መሰልን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ከም መትከላ ገጥ ኣቢላ ኣጽኒዓ፡ ንሓቂ እተቃልሕ መርበብ ሓበሬታ ድማ፡ መስኮት መስተርሆት እትኸፍት መሳርሒት ስለዝኮነት፣ ጻዕርን ሓርኮትኮትን ሓደስትን ነባራትን መርበባት ሓበሬታን፡ ጋዜጣን፡ መጽሄታትን፡ ሬድዮታትን፡ ተለቪጂናትን ተደማሚሩ፣ ንኣጉል ፈተነ ስርዓት ህግደፍ ከም ዘምክኖ፣ በብወገንካ ጻዕሪ፡ ንዓቕሊ ጽበታዊ ፕሮፖጋንዳ መደናገርቲ ከም ዘፍሽሎ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኣብ ምጭባጥ መሰልና፡ ኣብ ምውናን ሰብኣዊ ክብረትናን፡ ኣብ ምርግጋጽ ቅሳነት ህዝብናን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ እጃም ከም ዘበርክት፡ ኣትሪርና ስለ እንኣምንን፣ ከም ኣሰና ዝበላ፡ ንእኩይ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ እንዳቃልዓ፡ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝጽውዓ፣ ጸበባ ህዝብና ዝሕብራ፡ ኤርትራ፡ ዓዲ ለባማት ከም ዝኾነት ዘስተምህራ፣ ንጥበብ ቀዳሞት፡ ንልቦና ኣበው ከም መሰረትን መወክሰን ተጠቒመን፡ ኣብ ቅዱስ ዕላማ ረጊጸን፡ ንሰናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽዕራ መርበባት ሓበሬታን ዘተን፡ መሊሰን ክበዝሓ፡ ክባዝሓ፡ ሰናይ ትምኒትና ከም ዝኾነ ንገልጽ፡፡

መርበብ ኢንተርኔት ኣሰና ድማ፡ እዚ ጽምኢ ቅኑዕ ሓበሬታ ቀራዕ ዘብሎ ዘሎ ህዝብና ዝረውየላ፡ ዕለት ዕለት ሓሓድሹ እትፍልፍል ተወሳኺት ዒላ ኮትኮነሉ፣ ነዚ ጥሜት ድሃይ ኣሕዋቱ ሃለፍ ዘብሎ ዘሎ ክፋል ድማ፡ መኣዲ ሓበሬታ ክትኮነሉ እንዳተመነና፣ ኩሉ ብጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ዝሓምም ዜጋ፡ በቲ ዝኽእሎ ዘበለ ክተሓገገዛ፣ ልቦና ዝሓዘለ፡ መሃርን ኣተባባዕን ጽሑፋት ብምልጋስ፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ብምልኣኽ ክደጋገፋ፡ ንምሕጸን፡፡ ንሕና ብወገንና ድማ፡ ነዛ ጠራናፊት ኣሕዋት፡ ኣኻኻቢት ብጾት፡ ጸጋዊት ፍልጠት ክትከውን እንምነያ ሓዳሽ መርዓት፡ ባህ እንዳበለና፡ በታ ዓቕምና ከም እንደጋገፋ ንሕብር፡፡ ንዋና ኣሰናዳኢ ኣሰና፡ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኢያሱ ድማ፡ “ሰብ ኣማሚ፡ እዝጊ ፈጻሚ” ከም ዝብሃል፡ ብዝወሰዶ ተበግሶ እንዳሞገስና፡ ብሞያኡ ንምብርካት ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየሉ፡፡

ዳግማይ ዮሃና ዝዝመረሉ እዋን የምጽኣልና!
ዳግማይ ኣሰና ዝበሃለሉ መድረኽ ይፍጠረልና!
ሰማእታትና ብሓርነት፡ ዝወለዱ ብቅሳነት ይደበሱ!

ተስፋ ደሊና
ካሊፎርኒያ፡ ኣመሪካ
ግንቦት 23፡ 2007
 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>