Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደማሒን ማሕለኻታቱን!

ደማሒን ማሕለኻታቱን! ቀዳማይ ክፋል፥ ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ብመጀመርያ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዛ ብኢሳያስ ተተኺላ፡ ብእኡ ተኾስኲሳ፡ መርዛም ፍረኣ እናሃበት፡ መቐረት ህይወት ከሊኣትና ዘላ መርዛም ኦም ዓጭቀል ንምምሓው፡ ቅድም ቀዳድም ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዚብሎ

ደማሒን ማሕለኻታቱን!
ቀዳማይ ክፋል፥
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ብመጀመርያ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ነገር እንተሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን፡ ነዛ ብኢሳያስ ተተኺላ፡ ብእኡ ተኾስኲሳ፡ መርዛም ፍረኣ እናሃበት፡ መቐረት ህይወት ከሊኣትና ዘላ መርዛም ኦም ዓጭቀል ንምምሓው፡ ቅድም ቀዳድም ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዚብሎ “ገረብ ብሓኽላ” ስለ ዝኾነ፡ ንተኻሊኣን ኮስኳሲኣን ምምሓው ከም ዚግባኣና ኣቐዲመ ከተሓሳስብ እፈቱ። ስለ ዚኾነ ኸኣ ዚበዝሐ ዓቕምናን ኣድህቦናን ናብታ ዓጭቀል ዘይኮነስ ናብ ኣላዪ ዓጭቀል ኪቐንዕ ኣለዎ በሃላይ እየ። ዓጭቀል፡ መርዛም ፍረ ዘሎዎ ዓይነት ኦም’ዩ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ቀዳምነት፡ ቀዳምነት ሂቡ ዚሰርሓሉ ዘሎ ዕማም፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ፡ ኣፉ ዓቢስካ ብማሕለኻ ምእሳር’ዩ። ቀዳማይ ማሕለኻኡ ከኣ ንእግርን ኢድን ተጋደልቲ ብምቑራን’ዩ ፈሊሙዎ። እዚ ግን ሎሚ ኣይኮነን ጀሚሩዎ። እዚ ውጥን’ዚ ኣብ 1993 ከም ዝጠንሰሶን ኣብ 1996 ብምጥያስ ተጋደልቲ ከም ዝጀመሮን’ዩ ዚግለጽ። ሻቡ ንነፍሲ ወከፍ ተጋዳላይ፡ 10 ሺሕ ቅርሺ ሂቡ ፋሕ ብትን ምስ ኣበሎ፡ ተጋደልቲ ግን ከምቲ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ ቃልሲ ንህንጸትውን መብዛሕትኦም ኣይሓመቑን። ካብ ማሕለኻ ኢሳያስ ናጻ ዝወጹ መሲሉዎም፡ እጅገኦም ሰብሲቦም፡ ብቕጽበት’ዮም ናብ ህንጸት ነብሶምን ሃገሮምን ተዋፊሮም። ኩሉ ሰብ ከኣ በብመገዱ፡ ነብሱን ሃገሩን ከማዕብል ምስ ጀመረ፡ ብኣንጻር ድሌት ደማሒ (መላኺ) ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሃገር ኣብተን ፈለማ ናይ ናጽነት ዓመታት፡ ብርኡይ ብቑጠባዊ ዝቕበባን ንሱ ብዘምጽኦ ዕብየትን ኣንፈት ምዕባለ ክትሕዝ ጀሚራ ከም ዝነበረት ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ።
ሽዑ እቶም ንናጽነት ዝተቓለሱ ገዳይም ተጋደልትን ሰብ ሕድርን ዝኾኑ ቅባውንቲታት (ፍሉይ ክእለትን ኣገባብን ዘሎዎም ፈላጣት ሰባት)፡ ‘ነዚ ናብ ዕብየት ገጹ ዝመርሓና ዘሎ ፍኖተ ቁጠባ፡ ሕግን ስርዓትን ኣትሒዝና፡ ከነማሓድሮ ምእንትስ፡ ስድቢ (ቅዋም) ሃገር ነዲፍና፡ ሰብ ሃብቲ ዚዕድም ውሑስ ናይ ወፍሪ ሃዋሁው ነጣጥሕ!’ ዚብል ሓሳብ ምስ መጸ’ዩ እቲ ሕማም ርእሲ ደማሒ ዚጅምር። ምኽንያቱ፡ “ስልጣን መላኺ ደረት የብሉን!” ከም ዚብሃል፡ ቅዋም ከኣ ንቅጥዒ ኣልቦ ዕንደራ መላኺ ከተያ (መዕለቢ) ዚገብር፡ ንስልጣን ዉልቀ ሰባት ብግዜን ስፍሓትን ዝግድብ ስለ ዚኾነ፡ ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ከምዚ ሕጂ ዚገብሮ ዘሎ ቀይዲ በተኽ ዕንደራ ንኺገብር ድሁድ (ልጓም) ኪኾኖ ስለ ዚኽእል፡ ሕማም ርእሲ ከም ዚፈጥረሉ ርዱእ’ዩ ነይሩ። ዝሓመመ ርእሲ ከኣ ጥዑይ ወይ ጽቡቕ ነገር ኪሓስብ ኣይክእልን’ዩ! ስለ ዚኾነ ድማ እታ ቀዳመይቲ ኣብ ሓንጐሉ ዝመጸቶ እከይ ሓሳብ፡ ነዚ ቅዋም ወዲ ቅዋም ዚብሃል ነገር፡ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዚዕንቅፍ ነገር ምምሃዝ’ዩ ኔሩ። ነዚ ንምዕንቃጽውን ሄባል (ህውከት፡ ነገር) ኪፈጥር ወሰነ። ነዚ ህውከት’ዚ ንኽጥቀመላ ዚሓረያ ገንሸል ከኣ እታ ‘ጀብሃ ቀደም ምስ ወያነ ተሳሓሒቦሙላ ነይሮም’ ትባሃል ባድመ’ያ ኔራ። ብድሕሪ’ዚ ድማ ነዚ እከይ ውጥን ኲናት ንምትግባሩ፡ ነቲ ‘ኣያይ’ እናበለ ዚጽውዖ መሳርሒኡ ዚኾነ ወዲ ኢታይ (ውጩ) ነታ ክርቢት ከይደንጐየ ኣብ ባድመ ንኪሽርጥጣ ትእዛዝ ሂቡ፡ ናብ ሱዕዱያ ከም ዝገሸ ናይ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ።
“ሓዊን ነገርን ከም ዚኣጎድካዮ ይኸውን!” ከም ዚብሃል ከኣ እቲ ብተንኰል ኣብ ባድመ ዝተኣጉደ ባርዕ፡ ደማዊ ኲናት ኣኸቲሉ፤ ህልቂት ኣእላፍ ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ኣምጺኡ፤ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝብና ንብረቱን ጥሪቱን ዛሕዚሑ ተማዛቢሉ፤ ሓደ ርብዒ ካብ መሬትና ተጠሪሩ ኣብ ኢድ ወያነ ምስ ወደቐ ኸኣ እዚ ፍሑል (ሰኽራም) መላኺ፡ እቲ ኲናት ካብቲ ዚሓሰቦ ንላዕሊ፡ ማለት ካብ ምግባት መሬትናን ምክልባት ህዝብናን ሓሊፉ፡ ስልጣኑ ናብ ምምንዛዕ ገጹ ዚኸይድ ኣንፈት ኪሕዝ ምስ ተዓዘበ፡ ተጓይዩ ነቲ ቅድሚ ህልቂት መንእሰያት ተለሚኑ ብዕርበት ጸሓይ ንዘይምቕባሉ ዝመሓለሉ ውዕል ሩዋንዳ፡ ‘ብዘይወዓል ሕደር፡ ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢለዮ ኣለኹ’ ኪብል ተሰምዐ። በዚ መስረት ድማ ወያነ ‘ኣይበልናንዶ’የ! ኣይበልናንዶየ!’ ኢሉ እናጨደረ ኣፍ ልቡ ነፊሑ፡ ብዘይካ ካብ ባድመ ካብ ኩሉ ወሪሩ ዝሓዞ መሬትና ተኣምቢቱ ምስ ኣንሳሓበ፡ ‘ንመንግስቲ ኤርትራ’ምበር ንህዝቢ ኤርትራስ ኣይሰዓርናዮን!’ ክብል ንጽንዓትን ዘይተምበርካኽነትን ህዝቢን ሰራዊትን ኤርትራ ብቓሉ መስከረ።
መላኺን ጀነራላቱንውን ሽዑ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ኮይኖም፡ ንርእሶም ሓፊሮም ነቲ ዘይሕለል ተባዕ ህዝቢ ኤርትራውን ብዘሐንኽ መገዲ ርእሱ ኣድኒኖሞ ክንሶም፡ እንደገና ከም ልማዶም ምስኡ ከይተማኸሩ፡ ብጉያ ናብ ኣልጀርስ ብምኻድ፡ ነቲ ኣቐዲሞም ዝተሓሰሙዎ ንክልቲኦም ወገናት ብማዕረ ዚዳኒ ውዕል ዘይኮነስ ነቲ ድሕሪ ዓወት ወያነ ዚተነድፈ፡ ካልእ ንወያነ ግነዖ ዚህብ ሓድሽ ውዕል’ዮም ኪፍርሙሉ ተራእዮም። ሓደ ካብቲ ንወያነ ዝተዋህበ ግንዖ ከኣ እዚ ዚስዕብ’ዩ ኔሩ፥ እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ውዕል ሩዋንዳ ዝነበረ ማለት፥ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘሳሓሕበን ቦታ፡ ሰራዊተን ክስሕባ ዚእዝዝ ንድፊ ተቐይሩ፡ “ኤርትራ ጥራይ 25 ኪሎ ሜተር፡ ሰራዊታ ካብ ኩሉ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ዶባት ክትስሕብ ኣለዋ!” ብዚብል ሓድሽ ንድፊ’ዩ ተተኪኡ። እዚ ኸኣ ነቲ “ሰማየ ሰማያትሲ ይትረፍካ፡ ምድሪ ይባርኸልካ!” ዚብል ምስላ ኣቦዋት’ዩ ዘዛኻኽረና። ምኽንያቱ፡ ደማሒ ኤርትራ፡ ካብ ባድመ ዘይምውጻእስ ይትረፍካ፡ ንኻልእ መሬትና ደኣ ኣለከምካ! ስለ ዚኾነ ነገሩ።
እወ ነዚ’ዩ ረዋዲ (ዓማጺ) ተሰማሚዑ ፈሪሙሉ። ምኽንያቱ፡ ነዚ እንተደኣ ተሓሲሙ፡ ካብ ስልጣኑ ኪእለ ምዃኑ ስለ ዚፈልጥ። ንመላኺ ካብ ስልጣንካ ምእላይ ማለት ከኣ መወዳእታ ዓለም ማለት ስለ ዚኾነ! ንሱ ኣብ ስልጣን መታን ንኺቕጽል ኢሉ ዝኣጎዶ ኲናት፡ ዕላማኡ ስለ ዝወቓዓሉ ከኣ እኖሆ ህይወት ኣእላፍ ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣጥፊኡ፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ብዘይሓታቲ፡ ነቲ ዚደጎሎ ረመጽ ቀጻሊ ብምንብድባድ ከም መመኽነይታ እናተጠቕመ፡ ‘ዶብና ከይተሓንጸጸ ዚኾነ ይኹን ለውጢ የለን!’ ኢሉ ኣፉ መሊኡ እናመደረ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ይቕጽል። መቸም ኣብዚ ዚኾነ ይኹን የዋህ ኤርትራዊ ንኪበርሃሉ ኪሓቶ ዘሎዎ ነገር ኣሎ። ንሱ ኸኣ ዶብ ዘይምሕንጻጽ፥ ንቅዋም ሃገር ዚዕንቅጽ፣ ንምዕባለ ሃገር ንድሕሪት ዚጎትት፣ ንመሰል ሰባት ዚረግጽ፣ ብዘይሕግን ፍርድን ኣብ ትሕቲ መሬትን ኣብ ኮንተይነራትን ዘእስር፣ ንኹሉ ሕብረስተሰብ ብጻኦት (ብጃምላ) ዘሰድድ፣ ካብ ብርሃን ናብ ደልሃመት ዘእቱ፣ ንሃሴት (ፍስሃን ተድላን) ዚሕርም፣ ካብ ምንቅስቓስካ ዚቕይድ፣ ሕማቕን ጽቡቕን ዓለቕካ (ርእይቶኻ) ካብ ምሃብ ዚኽልክል፣ ወዘተ. ዚኾነሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ? ኢሉ ኪሓትት ይግባእ።
ወያነውን ኣብዚ፡ ንሽግርና መመኽነይታ ክኸውን ብምፍቃዱ፡ ማለት ካብ መሬትና ብዘይምውጽኡ  ምኽንያት መናውሒ ስቓይና ኮይኑ ይርከብ! ደቂ ሃገር ኣብ ጵርዮኒን (ስደትን ምብትታንን) ከም ዝነብሩ ጌሩ ኣሎ። ናይዚ ተሓታቲ ግን ወያነ ዘይኮነስ እቲ መንግስት’የ ዚብል ኣብ ሃገርና ዘሎ ዕሉል ፈያታይ (ሽፍታ) እዩ። ምኽንያቱ፡ ንሱ ክሳዕ ሕጂ መበገሲ ኲናት ባድመ ይኹን ውዕል ኣልጀርስ ካብ ውዕል ሩዋንዳ ብምንታይ ከም ዚፍለን ንምንታይ ክንድ’ዚ ጉድኣት ከም ዘኸተለን ነቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይሓበረ። ንኹሉ ሓቅታት ካብ ህዝቢ እናደመሰ (እናሸፈነ) እዩ ዚነብር ዘሎ።
ድሕሪ’ዚ ኩሉ ህልቂት ድማ’ዩ በቶም ን15 ዓመት ኣብ ጉድጓድ ዒራዒሮ ብስቓይ ዝማስኑ ዘለዉ ጎይቶት ናጽነት፡ ‘ካብ ሎሚ ንንየው ውግእን ወረ ውግእን ይኣክል! ዓገብ ሃጒል (ጥፍኣት) ሃገርን ህዝብን! መገድና ነቕንዕ! ምስታ ተነጺልና ክንንጸላ ዘይንኽእል ዓለም ተረዳዲእና፡ ከም ሰብና ንንበር! ወዘተ.’ ብምባል፡ ኣብ ኣካይዳ’ቲ ብደም ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ፡ ንነብሱ ከም ፈጣር ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ቆጺሩ፡ መን ከማይ ዚብል ዕቡይ መላኺ፡ ርኡይ ቀውፊ (ተቓውሞ) ዝጀመሩ። እዚ ድማ ነቲ ከም ሓደ ብጹእ ዘዝበሎ፡ ንልምዓት ይኹን ንጥፍኣት ብዘየገድስ፡ ‘ብላዕለዋይ ኣካል ተወሲኑ’ዩ። ፈጽሙዎ ጥራይ!’ እናተባህለ ምልኪ ዘማዕበለ ልበ እብን (ጨካን) ኣውቶክራት (ውልቀ መላኺ) ጥዕና ኣይሃቦን። ስለዚ ድማ ነቶም ተዋጊኦምን ኣዋጊኦምን ሃገርን ህዝብን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ንምልቓቕ ዓቢ እጃም ዘበርከቱ በሃራት መራሕቲ፡ ብዘይሕግን ፍርድን፡ ነጻጺሉ ኣብ ካፍሮት (ንእሽቶ ጉድጓድ) ብምቕያድ፡ ኣብዚ ኣትዮም ከይተባህሉ ከሕቅቖም ዝወሰነ።
“ኣኽላባት ዝብኣሱ፡ ጸላኢኦም ሰጒጎም ምስ ተመልሱ!” ዝብሉኹም ከኣ ከምዚ’ዩ። ወራር ምስ ተቐልበሰ ንሓድሕዶም ፋሕብትን ኣትዩዎም! ድሕሪ እዚውን መላኺ፡ “ሹመኛን ጡጥን እናሓደረ የንዘልሕጥ!” ከም ዚብሃል፡ ኣብዛ ሃገር ስርዓት ደገዝማቲ መስሪቱ፡ ባዕሉ ኣውጻኢ ሕጊ፣ ባዕሉ ፈራዲ፣ ባዕሉ ፈጻሚ ብምዃን ፍጹም ምልኪ ኣንጊሱ፤ ቃሉ ንባዕሉውን ሕጊ ከም ዚኽውን ጌሩ፤ እንኮ ገርዳሊ (ፈራዲ) ህዝብን ሃገርን ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እዚ ስጉምቲ’ዚ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ኣይሃቦን። ከምቲ “መሰሎም ዘይረኸቡ ጓሶት፡ የምጽኡ ኣሶት! (መድሃኒት፡ መዋጽኦ) ዚተባህለ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕማም’ዚ ንምፍዋስ፡ ብስውርን ብጋህድን ካብ ምቅላስ ዓዲ ኣይወዓለን። ድሕሪ’ዚ ዝቐጸለ ስጉምቲ መላኺ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቶም በቲ ስጉምቲ ዕሚም ክብሉ ዝፈተኑ ህዝብን ተጋደልትን ካልኣይ ድሁድ (ልጓም) ምግባር’ዩ ኔሩ።
እወ። “ሓምሊ ብዘውጽኦ ነፍሲ፡ ኣይትኹራዕ ገብሲ!” ከም ዚብሃል፡ ደማሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂውን ህዝቢ ኤርትራ መስዋእቲ ከፊሉ ካብ ጥፍኣት ከምዘይኣድሓኖ፡ ብላዕሊ ኮይኑ፡ ሚኒስተራት፣ ጀነራላት፣ ጋዜጠኛታትን ስነ ጥበበኛታትን ብድሕሪ ምቕፋድ፡ ብምቕጻል፥ ንሰላማዊ ህዝቢ ንምክልባትውን ንነጋዶን ንሃብታማትን ኤርትራውያን ብዕሊ ተታሓሓዞም። ነቲ ሽዑ ዝወሰኖ፡ ‘ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽርካ ምእታው!’ ዚብል እከይ ውጥን ንምትግባር ከኣ ሰለስተ ዓበይቲ ማሕለኻታት ኣዳለወ። 1ይ፥ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነብር ዜጋ፡ ኣግኒስካ (ኣድኪኻ) ብኩፖን ብምቕላብ፡ ተመጽዋቲኻ ምግባር፣ 2ይ፥ ንመንበሪ ወይ ንትካል ዚኸውን ገዛ፡ ንእሙናት ኣገልገልቱን ንኻልኦት ተዓሰብቱን ብናጻ ብምዕዳል፡ ዕድመ ልክዖም ምእዙዛትካ ከም ዝኾኑ ምግባር፣ 3ይ፥ መሬት ደቀባት ብኢደ ወነንካ፡ ብዘይ ካሕሳ ካብ ዋናታት መንዚዕካ፡ ንኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብምሻጥን ብምክራይን፡ ብድሕሪኡ ንሳቶም ምእንቲ ድሕነት እቲ ዘስርሑዎ ኣባይቲ ክብሉ፡ ብቐጻሊ 2% እናኸፈሉን በደላቱ እናሸፈኑን ጠበቓታቱ ከም ዚኾኑ ምግባር’የን ኔረን።
እዚ ግን ኣብ ኣእምሮ የዋህን ተንኮለኛን ክልተ ዓይነት ስምዒት’ዩ ፈጢሩ። 1ይ፥ የዋህ ወይ ነዳይ ብመንግስቲ ዚሕገዝ ዘሎ ስለ ዚመስሎ፡ ነቲ ኣፍራዪ ኮይኑ ነብሱ ኪኢሉ ቶጎ (ቀረጽ) ብምኽፋል፡ ንዕብየት ሃገሩ እጃሙ ከየበርክት ኮነ ኢሉ ሓሊኹ ተጸባዪ ጌሩዎ ዘሎ መላኺ፡ ብጽቡቕ ዓይኒ ርእዩ ከመስግኖን ክምርቖን ከሎ። እቲ ካልኣይ ድማ ተንኮለኛን ተበላጽን ዚኾነ ሰብ ንነዊሕ ከይጠመተ፡ ነተን ንግዜኡ ዚረኽበን ዘሎ ሓለፋታት እናረኣየ፡ ነቐዝ ሃገር ኮይኑ፡ ወትሩ ኣብ በለጽ ኪነብር ስለ ዚደሊ፡ በቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሓውን ዘሎ ናይ ናብራ ጋግ ተፈሲሁ፡ ጊላነቱ ምስ ዘይፍጽም ወይ ድማ ካብ ዓለም ምስ ሓለፈ ናብ መንግስቲ ዚምለስ ብግዝያዊነት ዘንብሮ ጸጋ፡ ብናጻ ስለ ዚተዋህቦ፡ ብውልቃዊ ረብሓ ዓዊሩ፡ ንሽፍታ ስርዓት ዘገልግል ዘሎ ዜጋ’ዩ። ዚቕጽል ዝርዝር ናይዘን ሰለስተ ማሕለኻታት፡ ኣብ 2ይ ክፋል ተኸታተሉ።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08-07-2013

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • ida July 8, 2013

    We all know you can’t jail your way to power forever. There are worse things than living a stagnant life. Others want to go backwards 30 years and all the 100,000 lives we paid for our liberty. Eritreans will fight to the last drop of blood rather than to be called Ethiopians. Our liberty is the first priority. The only way to get eritreans to be one people is to make Eritrea the priority, not any other country. An independent, democratic Eritrea for eritreans by eritreans, no strings attached.

  • Kalighe July 8, 2013

    ስድቢ (ቅዋም) , ከተያ (መዕለቢ), ረዋዲ (ዓማጺ) , ገርዳሊ (ፈራዲ), ቀውፊ (ተቓውሞ) ……

    Please make it simple ..

  • sanay July 9, 2013

    you getting people close to the truth so keep doing that good work.

  • Forto July 9, 2013

    The people of Eritrea made history, and now history could be change by their action, if the people dared to seize control of their own destiny

  • Dawit Meconen July 9, 2013

    I think the writer is woyane agent, or a misguided Eritrea . I do not think any self-respecting and politically conscious Eritrean would write such denigrations on his own people and cheer woyane undeservedly.

    Lets not forget the 1990 secret interview of the now dead Meles Zenawi with Paul Henze where he covertly expressed his intimate knowledge of Isaias Afewerqi, who, he said, did not support Eritrean Independence. He had further stated that Isaias Was flowing with EPLFs to Independence because he had no power to stop it. The inference is clear: Isaias was, like a cobra, in wait to strike when opportunity made herself available to him.

    By now every one ought to know that Isaias Afewerqi is an ardent student of Machiavelli: he is unscrupulous murderer and treacherous, of which a mere mention of what he did to the remain of the Martyred Naizgi Kiflu is enough to demonstrate his bestial moral calibre.

    When Eritrea became officially a member of the UN, the unscrupulous Isaias Afewerqi, hidding behind his deceptive euphemism ( the two brotherly people should be able to cross borders without any legal obstacles), left the border undemarcated and Badme in the hands of woyane. Deeply however, he must have been laughing at the folly of his gullible comrades for easily going with his evil plot of burrying a time-bomb that would explode the country in the very near future.

    Some people may ask, but then why did he empowred the Commission to draw up the Constitution if he had the dream of exploding the country?

    Since inception,one of his tools of deception has always been evasion. The Constituion, as so many evasions in the past, was an illusion that would serve him in the future as insurance of trust by the people. Therefore, when he mysteriously explodes his evil plot to their faces, they would never second guess him as a possible perpetrator. Whatever rational he gives them, the scapegoats he provides them, they would accept it and stand behind him.

    Another typical of his con artistry is that he never dirts his hands in his dirty deeds. He always has foot-soldiers to do it for him and an alibi to wash his hands-off his crimes. His foot-soldiers have short span of life because he kills them to keep his secrets.

    How did he unravelled the 1998 war, the war he typically and falsely called ” woyane Invasion”?

    As I said above, the undemarcated border and Badme, were the Time-Bombs he had purposely burried to be exploded at apportune time in the future. As the above Interview made it crystal clear, Isaias Afewrqi and Melse Zenawi had intimate working relationship to bring about the gradual demise of Eritrea and establishment of Abai Tigrai on its ashes. This way why Meles, 1997, relieved Sye from his job as Defense Minsiter and sent him to Tigrai.

    Sye’s secret mission was to afford Isaias Afewerqi an alibi in setting off the time-bombs. Dutifully, Sye deported all Eritreans living in Badme after he expropriated their properties, and stirred up border disputes throughout the Eritrean-Ethiopian border. Isaias Afewerqi reacted formally by sending letters to Meles, whom he addressed as comrade, after which they formed a committee to investigate the issue. The committee ended, as expected, in failure. By that time, the border dispute was on the front pages of every Eritrean. Isaias Afewerqi senses the crescendo, the long awated golden opportunity to strike, and he did, but not before he created an alibi by travelling to Suadi Arabia.

    What is the crux of my writing?

    Isaias Afewerqi and Woyane are the same, two faces of one coin. Any one ,who does not see this fact, is an enemy of Eritrea. Stop fanning secterianism and factionalism to the benefit of the twin enemies. Unite , Stand Up for Your Country!!!!!!!!!!!

    • Semhar July 9, 2013

      Eritrea’s # 1 enemy are the mad dog ISAYAS wedi Medhin Berad and his blind followers!

    • ida July 9, 2013

      There is something wrong with a president who doesn’t warn his people not to go to Sinai or talk to Egypt to send soldiers to rescue them. He is the president. 4000 people perished under his watch. Thousands perished in Badme. Thousands jailed. Hitler never killed his own people. He is a devil.

  • Zeray July 9, 2013

    It is one thing to blame Issayas for the atrocities, but how about those who are around him? They empower him, they obey him, they collaborate with him and they are just as guilty. What the people know is the generals and colonels who are constantly harassing them without any cause. They have the responsibility to say No. We need the legacy of Forto and those who led and planted the seed of change grow into the formation of democratic Eritrea. Please understand: if an abusive husband constantly torturous his wife and children and the wife decides to live under this harassment we should begin to question the wife, and even the children if they are of age.

  • NEW HOPE ERITREA July 9, 2013

    ¨ክቡራት ድያስፖራውያን ኤርትራውያን¨

    ካብ መብዛሕትኹም ብኣእምሮን ኣርሒቕካ ብምሕሳብን እንተዘይኮይኑ ብትምህርቲ ይኹን ብተሞክሮ ዘይበልጸኩም ሓውኩም´የ።መብዛሕትኹም ኣብቲ ጽውጽዋይ ዝኾነ ዝተሰንዔ ታሪኽ ኤርትራን ብምእማን፣ገሌኹም ድማ ነበረያ ነበረ ወይ ኣዝግንኒ ምዃኑ እናፈለጥኩም፣እሞ እዚ ኩሉ ደም ኣጥፊእና ድኣ ኣብታ ዝቖምናያ ሓሶት ንጽናዕ እምበር ኢልኩም ከም ሰገን ርእስኹም ኣብ ሑጻ (ሃምበርገር)ቀቢርኩም ትርከቡ ኢኹም።መብዛሕትኹም ተሰቍሩኩም ምስቲ ኣነ ዝብሎ´ውን እናተሳማምዕኩም__ግን ነቲ ሽፍትነት ተጋደልቲ እንድሕር ከምዘለዎ ተቐቢልኩሞ፣ነቲ ዝሞተ ሓውኩም ዘመድኩም ታሪኹ ንኸይተጸልሙ እናፈራህኩም__ለይተ ለይቲ ሕልናኹም እናወቐሰኩም ኣብ ዓራት ትጋላበጡ ፣ባድዋይዘር ቢራ እንተዘየደንዚዝኩሞ ሓንጎልኩም ህድኣት ስለ ዘይረክብ መስተ ሰቲኹም ትድቅሱ።ምስ ወግሔት ግና ሰብ ከይፈርደልኩም ድማ ዓድናን ቃልስናን እናበልኩም ሕልሚ ሸፋቱ ናብ መባህረሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቐየረ ሽፍትነት ዝሓሸ ዝበልኩሞ ጎኑ እናፈተሽኩም ርትዖ ወይ ጃስቲፊኬሽን ትደልዩሉ።
    ኣነ ከም ኣነ, ስድራይ ገጽ ሰብ እናርኣኻ ኣይትዛረብ ,ንዝኣመንካሉ ጠጠው ኢልካ ተዛረብ, እንተተጋገኻ ድማ እወ ተጋግየ በል ኢሎም ዝምሃሩኒ__ብዝክኣለኒ __ስብ ሽቤት ብዘምጽእዎ መርገም, መንእሰያት ኣብ ድፋዕን ሲናይን ክሳቐዩ ክሰምዕ ደቂሰ ምሕዳር ስለ ዝኣበየኒ ፣እቲ ካብ ናይ ኩላትኩም ሓሶት ዝሳሲ ሓንጎል ተፈልየ ምንም እኳ ኣብ ናብራይን ሓዳረይን ብጌጋ ዝተመላእኩ፣ ጌጋ ከይፈጸምኩ ሰዓት ውን ከምዘይትሓልፍ እናፈለጥኩ፣ነታ ኩሉ ጊዜ ተቢዔ ጠጠው ዘይብለላ ሓቂ ፣ሕጂ ግን ህዝበይ እናዓረበ,መታን ሰላም ክብለኒ ነቲ ዓመጽን ፣ምጭዋይን፣ምእሳርን ምስቓይን ከም ንቡር ጌረ ክቕበል ይጽግመኒ።ነቲ ይፈትዎ ዝብሎ ህዝቢ ድማ እቲ ሽፍትነት ብሕልፊ እኳ ብሙዳዳ ሻዕብያ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዝፍጠር ሒዙ ኣቢሲንያዊ ሓይሊ ዝኾነ ምቅላዔይ ኣይከቋርጾን እየ።
    እቲ ተቝውሞይ ኣቢሲንያዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን፣ኣነውን ኣቢስያናዊ _፡ሓማሴናይን ሰረወታይን ትግራዋይ ናይ ኤርትራ ኣቢሲንያዊ እየ።ግን ህዝቢ ኤርትራ ንዕላማ ናይ ህግደፍ (ኢሳያስ)ከም ኮንዶም ኮይኑ ብሸፈጥ ከገልግል ደስ ስለ ዘይብለኒ እዩ።ከምቲ ደጋጊመ ዝበልኵዎ ኢትዮጵያ ኴንና ንንበር ኤርትራ ንዓይ ናይ ማፕ ፍቕሪ ስለ ዘይብለይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ውን ኣብ ሰብዓ እንተተመቓቐላ መንነተይን ንኣኹም ኣሕዋተይን ካብ ልበይ ኣይፍሕቆኩምን።
    ኣቢሲንያዊ ፕረሲደንት ኢሳያስ,ምንም እኳ ዕላምኡ ዝፈረመሉ ሰነድ እንተዘየሎ እውን __ኣብዲ ስለ ዘይኮንኩ, ነቲ ንሱ ረቂቕ ሜላ ተጠቒሙ ዘካይዶ ዓላማ, ማንም ጨጓር ዳንጋን ዘዋር ታክስን እንተዘይፈለጦ እኳ ፣ነዚ ከምዚ ከማይ ዝኣመሰለ ኤርትራዊ ክሊንተንን መለስን ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህቦ, ዋለኻ እዩ።
    እቲ ናተይ መስተውዓሊ ዝኾነ ሓተታ (ኣናሊሲስ)እዚ ዝስዕብ እዩ።ከሕጽሮ እየ መታን ከይብርትዓኩም።
    ከም ሓጺን ዘይልወ ኤቪደንስ (ማስረጃ)ከምጽኣልኩም ኣይክእልንየ።

    ኢሳያስ ብ1969 ናይ ጃንሆይ፣ኣስራተ ካሳ፣ሲ ኣይ ኤ ልእኽቶ ፈጻሚ ኮይኑ ይቕረብ እምበር__ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ውን ኔርዎ እዩ ይብል ኣነ (በዚ መስተውዓሊ ኣተሓሳስባይ)።ንኢትዮጵያ,ኤርትራ´ውን ዘጠቓለለት,ንኽገዝእ እዩ።እዚ ድማ ኣብቲ በረኻ ምዓልዲ ሑሹዅ ኢሉኒ ዘይኮነስ በቲ ታሪኽ ዝገልጾን ናተይ ኣደናቒ ዝኾነ ሓንጎልን ብምሕዋስ እየ ጨሚተዮ።።

    1)ኣሜሪካውያን፣ ጀብሃ,ናይ ዓረባዊ ዝንባሌ ኣጥቂዕዋ ምስ ፍልስጥኤም ትገብሮ ዝነበረት ምትሕብባር ኣብ ናይ ረብሓ ኣሜሪካን ,ህላወ እስራኤልን ሓደጋ ስለ ዘንጻላለወ ብሻዕብያን ወያነን( ኢትዮጵያዊ ሓይሊ) ከም ትስጎጕ ኮነ ፣እቲ መብዛሕትኹም ውግእ ሓድሕድ ትብልዎ፣ ኣነ ሓይሊ ኤርትራ (ምስ ዓረባዊ ዝምባሌኡን)ኣንጻር ሓይሊ ኢትዮጵያ (ወያነን ሻዕብያን) ይብሎ ።እቲ ትግራይ ትግርኚ ዝብል ቁንቁኛ ግን ብሸነኽ ተጋሩ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ___ዕላማ ኣቦና ወልደኣብ ዝነበረ እዩ።ኢሳያስ ሽዋዊ (ፊውዳላውን ኮሚኒስታውን )ዝኾነ ድሙር ርእይቶ ዘለዎ ጽንጽያ ከይተረፈ ክቋጻጸር ዝደሊ መራሒ እዩ።ትግራይ ህዝቢ (ኣብ ትግራይን ኤርትራን) ዘሎ ንምትሕብባር ድማ ንእሽቶ ዕላማ, ስለ ዝኾነ እዚ ተምቤነታይ ወሎየ ዝብሃል ጽውጽዋይ ናይ እንዳ ስዋን ኮሚኒትን ዕላል እዩ።ወያነ ሓልዮት ህዝቢ ውን ኣለዎ፣ብሓቂ ስልጣኑ እናሓለወ ድሌት ህዝቢ ካብ ድኽነት ኣውጺኡ ንህዝቢ ትግራይን ውድቡን ምስ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናማዕበለ ዓባይን ብርትዕን ኢትዮጵያ ይሃንጽ ኣሎ።

    2)እቲ ውግእ ባድመ ፣1998,ወያነ, ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ፣ከም ዕረ መሪርዎም ዝነበረ ጊዜ ክትከውን,ብባባ ኢሳያስ ተመሪጻ።ምኽንያቱ ፣ወያነ እንተወዲቑ ነቲ ስልጣን ክሕዞ ዝኽእል ኣብ ክልል ዘይኣምን ሃገራዊ ኢትዮጵያዊ ሓደ ሻዕብያ (ኢሳያስ) ስለ ዝነበረ፣እታ ስልጣን ብግዝያዊ ዶ ኣደይ ማርታ እናበለ ንግዚኡ __ ኢሳያስ ነገራት እናዘወረ ግን ሮመዳን መሓመድ ኑር መሳሊ(ኢትዮጵያዊ ) ፕረሲደንት ጌሩ ነታ ካብ ንእስነቱ ዝብሃጋ ኢትዮጵያ ኣሕቢሩ ክገዝኣ, ናይ 21 ክፍለዘመን ሃጼ ቴድሮስ ኮይኑ ካብኡ ሓይሉ ምስፍሕፋሕ እዩ።

    3)እዛ ኣብ ቁጽሪ 2 ዘላ ስለ ዘይሰለጠት ፣ኣብ 2000, ዓሰብ ገዲፍኩማ ውጹ ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እዚኣ ንወያነ set up__እያኔራ.ወያነ ግን ¨ንወዲ ነብሪ ዶ ዝላ ተላምዶ ከም ዝብሃል¨ ስትራተጂ ባባ ኢሳያስ ተረዲእዎም ጥራይ ዘይኮነስ ዓሰብ ንምሓዝ ውን ዓላማ ስለ ዘይነበሮም___ እቶም Prime Minister መለስ ተመለሱ ኢልዎም እንከሎ ዘይተመልሱ (ኣምሓራ) ሓይሊ __ምኽንያቱ ዕላምኦም ከተማታት ኤርትራ ንምሓዝ ዝነበረ __መለስ ሎጂስቲክ ስለ ዝኸልኦም ብሓይሊ ኤርትራ ሳላጣ ኮኑ።ንሱ እዩ ላዕለዋይ ሓላፊ ወትሃደራት ኔሩ… ዓሰብ እንተዝሕዙ ግን፣ህዝቢ ኤርትራ ውን, ለካ ሻዕብያ ሓቁ እዩ እዞም ¨ተንኮለኛታት¨ተጋሩ መሊሶም ክወሩና እዩ ኔሩ ዕላምኦ ተባሂሉ ህዝቢ ኤርትራ ብፍናን ምተዋግኤ፣ኢሳያስ ዘዳለዎም ተቓወምቲ ሓይሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩEritrean Sleeper cells,…. እቶም ክሊክ ናይ ስየ ጠቕሊሉ ዝሰጎጎምን, ኣዲስ ኣበባ ሓዊ ብሓዊ ክገብሩ ዝተመደቡ ኤርትራውያን, ዝነበርዎም __ወያነ ምስ ብጃማኦም ከለዉ ለይቲ መጺኡ ቀርቀብ ዘበሎም___ናቕፋ ምፈጠሩ ኔሮም።ግን እቲ ሊስታ ወያነ ስለ ዝነበሮም ብሓንቲ ለይቲ ጥራይ 80% ዝኾኑ ኣብ ቀይዲ ኣውዓልዎም።እዚ እንተዘይኮውን __ዶክተር ብርሃኑ ነጋ ፕረሲደንት፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ዋና ጽሓፊ ኮይኖም ምጸንሑ።ኣሜሪካ ስለ ዝሓተቱና ኢትዮጵያ ክንሕሉ ኢና ኢሉ ፣ነዞም ርእሲ ደርሆ ዝኾንኩም ደቂ ዓደይ ድማ መእመነኩም።
    4)ኢሳያስ ትግራዋይ ስለ ዝኾነ እዩ ንዴምህት ( TPDM) ናይ ትግራይ ኣብ ኤርትራ base ሂቡ ኣቐሚጥዎም, ዝብሃል ነብስኻ መሕሰሪን ዕሽነት ናታትኩምን ዘርኢ እዩ።ጎረቤት ኤርትራ ትግራይ እያ ዘላ።ካብኡ ዝሞሎቑ ይኹኑ ፣መብዛሕትኦም ድማ (ኣነ ይብል) ወያነ ዝልኣኾም ተጻናጸንቲ (spies)እዮም።ኢትዮጵያዊ (ኣቢሲንያዊ)ኣጀንዳ ዘለዎ ኢሳያስ እዞም ዴምህት ክልተ ነገር የቃንዕሉ።ሓደ ኢሳያስ ተሳዒሩ እንተተገልበጠ ውን፣ ወያነ ዕቡድ እንተዘይሲዕምዎም (እንተዘይተጸሊሎም) ነዛ ካብ ብዓል AIDS ንላዕሊ ሽግራትን ሕማምናትን ዝጸልዋ ኤርትራ ተመሊሶም ከምሓድሩ እንተፈቲኖም ምስ ሓዊ እዮም ክጻወቱ፣ስለዚ እሙናት ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ኤርትራነት ዘይኣምኑ ሓይሊ ዴምህት እዮም፣ንዝኾነ ኤርትራዊ ወዲ ዓሊ ዓይነት ዝኽምብሉ እዚኣቶም እዮም ። ኢትዮጵያ ነቶም ተቓወምቲ ኤርትራ እንተዘይዓቢዳ ኣዕጢቓ ኣይትልእኮምን።

    ስለዚ ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ነዚ ኣነ ሽንቲቤት እንዳሸንኩ ዝገጠምክዎ ውዲት,ንኽትርድእዎ መብዛሕትኹም ብዉሑድ ሓደ ወርሒ ወስደልኩም እዩ ። ኤርትራዊ ዝፈስ ስ ደም እምበር ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘለዎ 1981 ተባሪሩ ኣብ ጀርመን ዴንቸር ይቕይርን ከንቱ ኣኼባታትን እናገበረ ደቁ የዕቢ ኣሎ።ከም ኣማንኤል እያሱ ዝኣመሰለ ቅሉዕነት (honesty & openness) ዝደሊ ድማ ዝሕግዞ ብዙሕ የለን ። ስለዚ ንስኻትኩም እውን ሸፋቱ ዘምጽእዎ ኣርቲፊሻል ነጻነት እናሞጎስኩም ክትበልዩ ኢኹም። ጽንዓት ይሃበና።ጥፍኣትና እናመጸ እዩ።

    Happy whatever unless you think with your head like me ,instead of your emotions ,disaster awaits ,the choice is yours

    LONG LIVE TO ERITREAN PEOPLE
    THOUSAND DEATHS TO BANDITS & RAPISTS

    • ida July 9, 2013

      If you love Ethiopia go be Ethiopian. Don’t try to come to Eritrean discussion to try to convince Eritreans to be Ethiopian. Thanks but no thanks.

      • NEW HOPE ERITREA July 9, 2013

        Brother Ida ,

        I do not think you understood my brilliant analysis.read it every hour for 2 monthes,then you would understand it.There is no single sentence that states I want us to be Ethiopians ,for that you have PFDj.

        • ida July 10, 2013

          I wouldn’t read anything you write egg head. This is the last time.

          • NEW HOPE ERITREA July 10, 2013

            IDA ,

            I was going to say thanks egg is a very nutritious food that pregnant women in china eat one egg everyday ,but then it is like writing on water.

            እምባሕ ጥራይ በል ወዲ ኤረይ ፣ወጋሕ ትበል ለይቲ።

  • Dawit Meconen July 9, 2013

    New Hope……

    There is no doubt you are Tigrawai but what compelled you not to write in our own Tigrigna brand and to imitate us ? Are you hidding something? I mean, are you uneasy about yourself. Say it loud, man, and be proud of your heritage, culture, language. Avoid imitating us. It is very irritatting, to say the least.

    By the way, about Isaias Afewerqi and rest of his gangs, Kisha, the two Yemanes etc., they will soon face the Eritrean justice.

    • MightyEmbasoyra July 9, 2013

      Dawit,
      You forgot to include the top generals and the people in charge of Isayay’s security. They are as guilty as the other people you have mentioned.

      • Dawit Meconen July 10, 2013

        MightyEmba,

        Strategically speaking, you make as few enemies as possible within any timeframe. Expose the negative natures and characters of the Perpetrator into tense focus under high-powered Microscope so that when the people see him naked, they will leave him in droves on their own.

        There is another reason why we should act in such strategic way: Law and Order and day to day functions of the State must always be preserved at all times. To that effect, we must strive hard to gain the confidence of the People, Armed Forces, police, Government employees etc.

        Remember: anarchy, begotten of recklessness, suits the twin woyanes. We must disappoint them by working like a consummate arhitect. We can do it and we will do it.

    • NEW HOPE ERITREA July 9, 2013

      Dawit Mekonen ,

      You are criticizing me half heartdely and you know it.Because unlike people like IDA you have brains,eventhough you have agenda ,you also have conscience.
      You could fool others …but not brilliant me !!! you are better than our Tigrinya brand, or Isaias wants us to say hezi instead of Hiji is bull crap & you know it.
      You know our people can be fooled by telling them that there is Chickens give milk ,mules give birth to mules ,Weyane invaded us….that is why you use worn out tactics.
      I am not buttering you up & people like Metsai Ertra can figure you out that you are articulate,able to see from different positions & you are being soft on me because you know ,I am hitting the hammer on the nail.
      We all have our tactics. I respect yours.

      The brilliant NHE

      • Dawit Meconen July 10, 2013

        New Hope…,

        I am proud Eritrean and I want you to be proud Tigraian as well. I proudly use my Tigrigna brand and I want you to use your own. We may have similarities but also we have difference and I want it to stay that way for ever. I do not like any one to imitate me and neither should you. Stay in your house, I will stay in mine.

      • Dawit Meconen July 10, 2013

        New Hope,
        Needless to say, I am proud Eritrean and I expect you to be proud Tigrian. I like to stay within my boundary, so should you. It offends me very much when some one imitates my langauge, so should you.

        You have to understand, the reason I hate Isaias Afewerqi is percisely because he surrepitiously conspired with Meles Zenawi to obliterate my country, my language, my heritages. I would not have hated him purely for his Tigrai Heritage. He made a mistake, he will pay for it!!!

        • NEW HOPE ERITREA July 10, 2013

          respected Dawit,

          You acting airhead is only a show ,you are way smarter than that.And I am unanimous on my opinion.

          bless you

POST A COMMENT