Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሃይ ካብ ኤርትራ

14 ሕዳር 2015 ስርዓት ህግደፍ ብዘይተጸንዐን ብዘይ እኹል መሰናድኦን ከምኡ’ውን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከስዕቦ ዝኽእል ስነ-ኣእምሮኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ዕሽሽ ብምባልን ዝኣወጆ መስርሕ ምቅያር ባጤራ ናቕፋ፡ እቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር ዝበዝሐ ህዝብና ብስእነት ባጤራን ሕጽረት

14 ሕዳር 2015

ስርዓት ህግደፍ ብዘይተጸንዐን ብዘይ እኹል መሰናድኦን ከምኡ’ውን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከስዕቦ ዝኽእል ስነ-ኣእምሮኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ዕሽሽ ብምባልን ዝኣወጆ መስርሕ ምቅያር ባጤራ ናቕፋ፡ እቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝነብር ዝበዝሐ ህዝብና ብስእነት ባጤራን ሕጽረት ሃለኽትን ተወሳኺ ኣደራዕ ረኺቡ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ተገሊጹ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ መስርሕ ምቅያር ባጤራ ናቅፋ፡ እቲ በተኽ ኤርትራዊ ጥራይ ኣይኮነን ጸጊምዎ ዘሎ። ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ሰበስልጣን ዞባ ከሰላን፡ ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለዋ ስግረዶ ዶብን ጸጥታን ህግደፍን ገለ ምስ ህግደፍ ረብሓ ዘለዎም ነጋዶን’ውን እቲ ብስርቅን ጉቦን ደሊቦሞ ዝጸንሑ ሚልዮናት ኣረጊት ባጤራ ናቅፋ ምጉሓፉ ሓርቢትዎም ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ዝዓበየ ጸገም ግን፡ ሰበስልጣን ከሰላ ምስ መሻርኽቶም ወከልቲ ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንብረትን ሰባትን ኣብ ምስግጋርን ኩሊት ኤርትራውያን ብምሻጥን ኣብ ከሰላ ዝተኸዘነ ባጤራ ናቅፋ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅያር ሓድሽ ባጤራ ናቅፋ ምዕጥይጣይ ስለዘርኣየ፡ ሰበስልጣን ዞባ ከሰላ ጁባታቶም ዝመልእሉ ሓድሽ ባጤራ ናቅፋ ስለዝጎደሎም ዶባቶም ከምዝዓጽውዎን ኣብ ከሰላ ኣብ ዘይጋዊ ንግዲ ዝተዋፈሩ ስለያዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ወከልቲ ህግደፍ ከምዝሰጉን  ንህግደፍ ብትሪ ምስገለጹ፡ ስርዓት ኢሳያስ እቲ ጉዳይ ከይላባዕ ብምስጋእ ንሰበስልጣን ከሰላ ብምስጢር ናብ ኣስመራ ብምዕዳም፡ “ኩሉ ጠለብኩም ብዘይዏል ሕደር ከነማልኣልኩም ኢና’’ ብምባልን መተዓሻሸዊ እንግዶት ብምግባርን ነቲ ወጥሪ ከህድኦ ከምዝፈተነ እቶም ምንጭታት ገሊጾም። ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ሰራዊትን ህግደፍ፡ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ስርዓት ጥቡቕ ዕርክነት ዘለዎም ነጋዶ’ውን ንዓመታት ብጉቦን ብስርቅን ክእክብዎ ዝጸንሑ ዓሰርተታት ሚልዮን ኣረጊት ባጤራ ናቅፋ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተወሰነሎም ገደብ ግዜ ንምቅያር ስለዝጸገሞም፡ ምስ ሰበስልጣን ከሰላ ተሰማሚዕምን ጉቦ ከፊሎምን ኣብ ከሰላ ብሕቡእ ይቅይርዎ ከምዘለው ተፈሊጡ።

ከምዝፍለጥ፡ ስርዓት ህግደፍ ዘይሕጋዊ ንብረት ካብን ናብን ዘሰጋግረላ፡ ካብ ማእሰርቲ፡ ጥሜትን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ብምምላጥ ካብ ኤርትራ ክሃድሙ ዝፍትኑ ዜጋታት ዝጨውየላን ዝቀትለላን ብመሬት ትዋሰቦን ዝምድና ዝይበተኸትን ሃገር ሱዳን ጥራይ’ያ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Berhe Tenesea December 16, 2015

    PFDJ is a mafia organization, and ISSU is the boss. This organization is unfit to rule a country.
    Its main activity is to make money as much as it can while in power.
    As far as the people are concerned to PFDJ or Issu they are noon issue or they are a herd, that can be directed and kicked in any way they wonted.
    People get what they deserve.

  • Fanko December 16, 2015

    Thank you Assenna,
    This proves the mafia nature of the Eritrean economy and its ugly cooperation with the greedy Sudanese and Rashayda traffickers that are sucking the poor Eritrean blood.

  • yohannes December 16, 2015

    it is very sad to see all the chaos because of one person . i feel sympath for eritrean authorities and very disappointed his supporter in abroad. After all this problems eritrea will be stronger and lawful country.

  • Tesfay December 17, 2015

    May God help Father Semere. We all need to pray for his safety

  • Wuba December 20, 2015

    The new higdef’s mafia currency would not get any foreign recognition or value.
    Higdef would only use its mafia new currency with its shefatu and criminal organisations like the Bedouin and ISIS’s.

POST A COMMENT