ፈስቲቫል ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም ኣብ በይ ኤርያ

ሰፊሕ ፈስቲቫል ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ባሕቲ መስከረም ኣብ በይ ኤርያ፡ ከተማ ኦክላንድ፡ ካሊፈርነያ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ (U.S.A)

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማዕበል በይ ኤርያ ንኹሉ ኤርትራዊ/ዊት ዝሓቚፍ ፡ ነቲ ኽቡር ሃገራዊ በዓል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣሽሓት ቡሉጻት ጀጋኑና ተሰውኡሉ ናብ ናጽነት ዘብጸሔት ባሕቲ መስከረም፡ ንቐዳም ዕለት 13/9/2008፡ ብፈስቲቫል መልክዕ ብድምቀት ከነጸንብላ ተዳልዩ ሰለ ዘሎ ኩሉም ብኤርትራዊ ታሪኽኩምን መንነትኩምን እትሕበኑን ብኩነታት ሃገርና ህዝብናን እትግደሱን፡ ኣብ ቤይ ኤርያ እትነብሩ ኤርትራዉያን ዜጋታት ኣብ’ዚ ጽንብል እዚ ንክትካፈሉ ብትሕትና ንዕድም።

መደብ ኣበዓዕላ ሃገራዊ በዓል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝስዕብ እዩ::

1) ካብ ስዓት 11፡30 ናይ ንጉሆ ስጋብ ስዓት 5፡00 ድሕሪ ቀቲሪ  ኣብ Berkeley Marina (Shorebird Park), 201 University Ave, Berkeley, CA 94710, ባርቢኩን (Barbeque) ንስድራ ቤት ንቖልዑን ዘሐጉሱ ፍሉይ መደባት
2) ካብ ስዓት 6፡00 ናይ ምሸት ጀሚሩ ክሳብ ስዓት 2፡00  ኣብ Shattuck Ave & 55th St Oakland, CA 94609, ነቲ መዓልቲ ዘንጸባርቕ መደረን ባህላዊ ጸውታን ተዋዲዱ ኣሎ::
 
ብድሓን ምጹ!!

ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሃገራዉያን በዓላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማዕበል በይ ኤርያ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>