Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ናብ ምክትታል ዶባትን ኢሚግሬሽንን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ከውጽእ ኣተሓሳሲቡ።

ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ 2 ሓምለ ናብ ምክትታል ዶባትን ኢሚግሬሽንን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፣ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ጸብጻብ ደንማርክ ተመርኵኵሱ ቀይሩዎ ዝጸንሐ መምርሒ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ስደትኛታት ሰሪዙ፣ ንኩነታት ናይቶም ኣብ ሃገሮም ዓመጽን ስቓይን

ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ 2 ሓምለ ናብ ምክትታል ዶባትን ኢሚግሬሽንን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፣ ነቲ ኣብ ሰንኮፍ ጸብጻብ ደንማርክ ተመርኵኵሱ ቀይሩዎ ዝጸንሐ መምርሒ ዑቕባ ዝሓቱ ኤርትራውያን ስደትኛታት ሰሪዙ፣ ንኩነታት ናይቶም ኣብ ሃገሮም ዓመጽን ስቓይን ዝወርዶም ዘሎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘንጸባርቕ ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ዝተምርኮሰ ሓድሽ መምርሒ ከውጽእ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሎሚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሁማን ራይትስ ዎች ዝተዘርግሐ ደብዳበ፣ “መንግስቲ እንግሊዝ፣ ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዑቕባ ካብ ምሃብ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ንኸይቅበል ዘለዎ ዕላማ ዕላማ ዝያዳ ዓዚዙዎ፣ ኣብ ዘይጭቡጥ ሓበሬታ ተመርኵሱ ዘውጽኦ መምርሒ ቅኑዕ ከምዘይኮነ፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ ሰነድ ዓቢ ምስክር ምዃኑ ኣገንዚቡ። ብህጹጽ ክእርሞ ድማ ተማሕጺኑ።

ብሰንኪ ‘ቲ ለውጢ ዘይብሉ እኳ ደኣ መመሊሱ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቲ ኣብ 2013፣ 14, 580 ዝነበረ ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ናይ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቁጽሪ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት 2014 ናብ 44,660 ክብ ከምዝበለ ‘ውን ጠቒሱ። ዳርጋ ኩሎም እዞም ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብሊብያ ኣቢሎም ብዘይውሑሳት ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ዝመጹ ምዃኖም ‘ውን የገንዝብ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT