Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለውለው ካብ ዓዲ ሃሎ

ክስገር ንዘይብሉ ቀንዲ ጉዳይ: ሓርማዝ ኣብ ቤት ክበሃል ሰሚዐ::  (elephant in the room) ኣብ ሓደ ቤት ንዘሎ ሓርማዝ ኣይርኣኽዎን ክበሃል ኣይክኣልን:: ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ብሩራዊ ኢዮበልዩ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ  ንዝተኣከበ ህዝቢ: ከይርእይ ኣዒንቱ ብመነጽር ኣጸልሚቱ

ክስገር ንዘይብሉ ቀንዲ ጉዳይ: ሓርማዝ ኣብ ቤት ክበሃል ሰሚዐ::  (elephant in the room) ኣብ ሓደ ቤት ንዘሎ ሓርማዝ ኣይርኣኽዎን ክበሃል ኣይክኣልን::

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ብሩራዊ ኢዮበልዩ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ  ንዝተኣከበ ህዝቢ: ከይርእይ ኣዒንቱ ብመነጽር ኣጸልሚቱ ነቲ ሓርማዝ ጎስዩ: ኣዒንቲ ህዝቢ ከደፍን ፈቲኑ:: ንሱ: ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ: እንግሊዝ: ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያን መግዛእትን ዘካየዶ ቃልሲ ንናጽነትን ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ዘጋጠመ ግዳማዊ ”ሸርሒ” ተዛሪቡ::እቲ ኣንፈት ንምስሓት ዝቐረበ መደረ ናብ ሓቂ ዝቐርብ እውን ኣይነበረን::

ኢሳያስ ብዛዕባ እቲ ምስ የመን: ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝተኻየደ ኩናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ግን ከኣ ንሓደ ዕላማ ንኤርትራ ንምንብርካኽ ብጃንዳ ዋሽንግተን ዝተሃንደሰ ብምባል ገሊጽዎ::ሳላ ምዕቡል ተክኖሎጂን ዘበነ ሓበሬታን ሚዛናዊ ስእሊ ክንረክብ በቒዕና ኢና::

ግጭት ኤርትራን የመንን

ኤርትራን የመንን ብባሕሪ ዝዳወባ ዝቐረባ ጎረባብቲ ሃገራት ኢየን:: ኣብ መንጎአን ብዙሓት ደሴታት ካብኣተን ፍሉጣት ደሴታት ዙቑር: ዓባይን ንኡስን ሓኒሽ ይርከባ:: እንግሊዝን ኢጣልያን ኣብተን ደሴታት ህላወ ከምዝነበረንን እታ ገዛኢት ኤርትራ ዝነበረት ኢጣልያ ኣብ ደሴታት ሓኒሽ መሕበሪ መራኽብ(light house) ስለ ዝነበራ እተን ደሴታት እጀታ ኤርትራ ኢየን ዝብሉ ወገናት ኣለው::ካብ 1938-1962 ደሴታት ሓኒሽ ንኡስን ዓባይን ኣካታዕቲ ከም ዝነበራን ደሴት ዙቑር ግን ዋንነት የመን ከምዝኾነት መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ:: ናጻ ኤርትራ ዶባታ ክትፈልጥ ክሊ ማያታ ከተነጽር ሕጋዊ መሰል ነይርዋ::22ሕዳር 1995 ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ የመን ዓብድ ኣል ከሪም ኣልዓርያኒ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ጰጥሮስ ሰለሙን ኣብ ሰንዓ የመን: ብ 7 ታሕሳስ ድማ ኣብ ኣስመራ ተዘራሪቦም:: ጉዳዮም ብዘተ ምስ ዘይፍታሕ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ሀግ ክሰግር ተሰማሚዖም::

ሓኒሽ ከቢር ሰለስተ ሓውሲ ደሴት ኣለዋ:: ኣብዛ ደሴት ውሑዳት የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ነይሮም:. ኣብ 1995 ሓደ ጀርመናዊ ኩባንያ ሆተልን መሐምበሲ ዕምቖት ክሃንጽ ብዝጀመረ 200 ወተሃደራት የመን ንሓለዋ ተመደቡ:: ኤርትራ ተግባራት የመን ዋንነት ንምርግጋጽ ዝግበር ስጉምቲ ኢዩ ብምባል ሕዳር 11 1995 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጰጥሮስ ሰለሙን የመን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ወተሃደራታ ክትስሕብ ኣጠንቀቐ::የመን ወተሃደራታ ብዘይምስሓባ ወተሃደራት ኤርትራ ብመራኽብ ኩናትን ሄሊኮፕተራትን ተሰንዮም ክብ 15-17ታሕሳስ 1995 ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ነተን ደሴታት ተቖጻጸሩ::ኣብ 1996 ወርሒ ነሓሰ ድማ ኣብ ደሴት ንኡስ ሓኒሽ ሰጊሩ:: ብኣቀማምጣአን ሓኒሽ ሰቒር (ንኡስ ሓኒሽ) ካብ ናብ ሓኒሽ ከቢር (ሓኒሽ ዓባይ) ናብ ደሴት ዙቑር ትቐርብ::  ኣብቲ እዋን እቲ ብዝተፈጥረ ግጭት ካብ ክልቲኡ ወገን ብዙሓት ወተሃደራት ሞይቶም::  ኢትዮጵያ: ምስሪ:ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበራት ሃገራት ዓረብ ዝወሰድዎ ተበግሶ ሽምግልና ፍረ ኣይሃበን:: ፈረንሳይ ምስ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ብዘካየደቶ ጻዕሪ ግን ኣብቲ እዋን እቲ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ምስራዊ ቡጥሩስ ቡጥሩስ ቃሊ ነቲ ግጭት ብዙህ ሂወት ሰብ ከይለከመ መዕረፊ ገይሩሉ::ብዘይካ እተን ኣብ ገማግም ማያት ኤርትራ ዝርከባ ደሴታት ዝበዝሓ ካብ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ እጀታ የመን ኮይነን::ኤርትራ ኣብቲ ማያት ዓሳ ናይ ምግፋፍ መሰል ተዋሂብዋ::

ሰለስተ ነጥብታት ጠንቂ እቲ ኩናት

1.ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጰጥሮስ ሰለሙን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ካድረታት: እቲ ከባቢ ነዳዲ ክርከቦ ስለዝኽእል ንዳሕራይ ጣዕሳ ከይኮነና ረጽሚ ከም እተኻየደ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር:: 2. መንግስቲ የመን ኣንጻር ተቓወምቱ ንክቃለስ ብመንገዲ ኤርትራ ብእስራኤል ንዝተዋህቦ  ሓገዝ ብዘይምኽፋሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ከም ዝኾነ ዝገልጹ ወገናት ኣለው::

  1. እስራኤል ንቀይሕ ባሕሪ ክትቆጻጸር ዘካየደቶ ድፍኢት ከም ዝኾነ ሰበስልጣን የመን ብሂብሩ(ቃንቃ እስራኤል) ንዝካየድ ዝነበረ መልእኽታት ረድዮ ብምጥላፍ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ከም ዝነበረ ይገልጹ:: በዚ ኮይኑ በቲ ኤርትራ ኣብ እግሪ ተኽላ ምስታ ኣብ ቃልሲ ደገፍ ዝሃበታ የመን ኣብ ግጭት ክትኣቱ ሕጋውን ሞራላውን መበገሲ ኣይነበራን::

ኢሳያስ ተዓጢቑ ንዝወልዖ ግጭት: ድሕሪ 20 ዓመት ”ቅድሚ ሕጂ ተላዒሉ ዘይፈልጥ ብግዳማዊ ሓይልታት ተወሊዑን ተሳዊሩን ዘስደምም ሕጋዊ መደምደምታ ተገይሩሉ” ብምባል ክገልጾ እንከሎ እንተዝሰምዕስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበሊ ዘሎ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰለሙን እንታይ ኮን ምበለ?

ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000)

”መቐጸልታ ናይ የመን: ሕጋውን ፖለቲካውን ምኽንያት ዘይነበሮ ብቡራኬን ቀጥታዊ ምትእትታውን ዋሽንግተን ብምስምስ ባድመ ዶባዊ ኩናት ተኣዊጁ” ብምባል ኢሳያስ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኩናት  ንኤርትራ ኣብ ፍጹም ዕብለላ ኣሜሪካ ንምእታው ከም እተኻየደ ተዛሪቡ::

ህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ወያነን ንደርግ ንምስዓር ኣብ እተኻየደ ዛዛሚ ኩናትን ቅድሚኡን ምሉእ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ገይሮም:: ድሕሪ ውድቀት ደርግ እውን መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ:ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ናይ ምውሳን ዘለዎ መሰል ብመትከል ደጊፉ ረፈረንደም ክካየድ ተሓባቢሩ::ኣብ 1993:ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝምድና ክልቲኡ ሃገራት ልዕሊ ኮንፈደረሽን ኢዩ ብምባል ገሊጽዎ:: ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ ቁስልና ኣይንሕከኽ ክብል ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ጽንብል ናጽነት እተዛረቦ ወትሩ ዝዝከር ኢዩ::

ኣብ 1997 ኤርትራ ናታ ባጤራ ምሕታም ኣብ ዝጀመረትሉ: እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ልውውጥ ንግዲ ብዶላር ይኹን ብለተር ኦፍ ክረዲት: ኣገልግሎት ወደብ ብኸመይ ይቐጽል: ጉዳይ ምጽራይ ነዳዲ ዓሰብ ዝብልን :ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ሓሊፉ ዝርአ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሓባራዊ ሽማግለ ቆይመን ይሰርሓ ነበራ::

ኣብቲ እዋን እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ዓዲ ምሩግ ዶብ ኤርትራ ብምእታው ንዝፈጸሞ ጥሕሰት ብዝምልከት: ኢሳያስ ከም ብሕታዊ ጉዳይ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ደብዳቤ ጽሒፉ:: ቀዳማይ ሚኒስተር ብወገኑ ነቶም ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ኡጉጉሙ ዝተባህሉ ዓፈር ንምህዳን ከምዝኣተው ሓቢሩ::

ካብ ሚኒስትሪ ዜና ክልተ ሰባት ተላኢኾም ኣብ ባድመ ኣብ ልዕሊ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብወተሃደራት ወያነ ዝፍጸም በደል ሰኒዶም:: ብኣንጻር እዚ ምዕባለታት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኣብ ዘካየድዎ ዝነበሩ ሰሚናር ኣብ ዶባት ዝካየድ ደቀቕቲ ነገራት እምበር: ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ከም ዘየልቦ ይሕብሩ ነበሩ::

ግንቦት6 1998 ተደጉሉ ዝነበረ ጥሙሕ ኢሳያስ ተተኮሰ:: ቅድሚኡ ሰራዊት ኤርትራ ዘይበጽሖ ዝነበረ ቦታታት ከባቢ ባድመ ብምስፋሩ ብእተላዕለ ግጭት ውሑዳት ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ተቐቲሎም:: ነዚ መበገሲ ብምግባር ብ12 ግንቦት ሰራዊት ኤርትራ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ኣምሪሑ ነቲ ፖሊስን ሚሊሽያን ዝዓስከሩሉ ባድመን ከባቢኡን ተቖጻጸሮ::ስሕሕህ ንጽባሒቱ ኢትዮጵያ ናብ ባይቶ ጸጥታ ወግዓዊ ጥርዓን ብምቕራብ ሰራዊታ ኣብ ተጠንቀቕ ገበረት::

ኢሳያስ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ጸዊዑ ብዛዕባ እቲ ባይቶ ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መግለጺ ካብ ድቃሱ ኣተንሲኦም ከም ዝነገርዎ ገሊጹ:: ንሱ ብዘይካዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብብሄራት ዝተገማምዐ ስለዝኾነ: ዓወት ናይ ኤርትራ ዘተኣማምን ከም ዝኾነ ብካርታ ኣሰንዩ ንካቢነ መግለጺ ሃበ::

እቲ ኩናት ኣብ ሰለስተ ግንባራት ልሒሙ ካብ ክልቲኡ ወገናት ኣማኢት ወተሃደራት ሞይቶምን ቆሲሎምን:: ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርት ኣስመራ: ነፈርቲ ኩናት ኤርትራ ኣብ መቐለ ደብዲበን:: ባይቶ ጸጥታ ነቲ ትግባር ኮነኖ:ፕረዚደንት ክሊንተን ብዝገበሮ ጻዕሪ ድማ ብነፈርቲ ንዘይምድብዳብ ክልቲኦም ወገናት ተሰማሚዖም::

ማዕረ ማዕረ እዚ ተበግሶ ሰላም ኣሜሪካን ርዋንዳን ኣርባዕተ ነጥብታት ስምምዕ ኣውጺኡ:: እቲ ኩነታት ክሃድእ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ኩናት ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበሮ ክምለስ ኣሚሙ:: ኢሳያስ ነዚ ብድርቅና ነጺግዎ ጥራይ ዘይኮነ: ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ብምዕራብ ወጽአት ማለት ኢዩ ብምባል ፈከረ:: ሚኒስተር ዜና በራኺ ገብረስላሴ ኣብ ባድመ በጺሑ ነቲ ኩነታት ተዓዚቡ እማመ ሰላም ኣሜሪካ ርዋንዳ መዋጽኦ ከም ዝኾነ ንኢሳያስ ዘቕረቦ ምኽሪ ተቐባልነት ሰኣነ::

ኣብቲ ንክልተ ዓመት ኣብ ባድመ: ጾሮና: ዛላ ኣንበሳን ግንባር ዓሰብን  ዝቐጸለ ኩናት: ሰራዊት ኤርትራ ብጽንዓትን ጅግንነትን መከተ::እንተኾነ ኤርትራ ብሰንኪ ዓንዳሪ ኣካይዳ ኢሳያስ ምኩራት ተጋደልቲን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣጥፍአት:: ሰራዊት ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዙ ድማ ኢሳያስ ነቲ እተሓሰሞ እማመ ሰላም በፍንጫ ተቐበሎ:: ሰራዊት ኤርትራ ብባረንቱ ምስ ተደፍአ ንሳሕል ምዝላቕ ክህሉ ከምዝኽእል የማነ ገብረኣብ ሽዑ ዝሃቦ መግለጺ:ንሓደገኛነት እቲ ኩነታት ዘነጽር ነበረ:: ብዘይካዚ ኢሳያስ ናብ ከባቢ ኣፍዓበት ክግዕዝ ተዳልዩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ::

ኤርትራ ኣስታት 20 ሽሕ ብሉጻት ደቃን ኣማኢት ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረትን ሃብትን ከሲራ:: ኣብ ዶባት ዝቕመጡ ዝነበሩ ህዝባ ብሰንኪ እቲ ኩናት ተመዛቢሎም: ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ 77 ሽሕ ድማ ተጠሪዞም::

ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብ2002 ብዝሃቦ ውሳኔ ባድመ እጀታ ኤርትራ ኮይና: ዛጊት ግን ዶባት ኣይተሓንጸጸን ጥራይ ዘይኮነ: ዝሰፍሕ ክፋል መሬት አርትራ ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ኣሎ::

ኣህጉራዊ ኮሚሽን ሀግ ኤርትራ ንኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሳ ኩናት ከም ዝወልዐት ኢሳያስ ብክታሙ ኣሚኑ ከብቅዕ : ድሕሪ 16 ዓመት ብኣሜሪካ ዝተደፍአ ኩናት ምባሉ ገና ዘይተጸምቆ ጥጅእ ከምዘለዎ ዘነጽር ኢዩ ይብሉ ተዓዘብቲ::

ዝምድና ኣሜሪካን ኤርትራን (1991-2000)

ኢሳያስ ምስ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ምርኻቡ: ፕረዚደንት ኤርትራ ኮይኑ ኣብ 1995 ወግዓዊ ምብጻሕ ፈጺሙ:: ኣብቲ እዋን እቲ ፕረዚደንት ክሊንተን ንሙሰቨኒ ናይ ኡጋንዳ: መለስ ዜናዊ ናይ ኢትዮጵያን ንኢሳያስን ትስፍዋት መራሕቲ ኣፍሪቃ ክብል ሞገሶም:: ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓብላልነት ንምርግጋጽ ምስ ኣሜሪካ ተጸጊዑ ኣንጻር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ተንቀሳቒሱ:: ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ንተቓወምቲ ተዋሂቡ:: ንምንቅስቓስ ሓርነት ደቡብ ሱዳን ወተሃደራዊ ደገፍ ምሃብ ከይተወሰነ: ሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር ሱዳን ኣብ እተኻየደ ውግእ ጸሚዱ ኣጥፊእዎም::

ኣብ 2002 ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ዶናልድ ራምስፊልድ ተራኺቡ :ነቲ ኣብ 2003 ዝተኻየደ ወራር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ደጊፉ:: ማዕከናት ዜና ኤርትራ ድማ ከም ጉዳየን መዓልታዊ ሸፈነ ሂበናኦ::

ረጽሚ ኤርትራ ጂቡቲ –

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ጎንጺ ከምዝነበረ ካብ ኢሳያስ ክሰምዕ ንፈለማ ጊዚኡ ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ኢዩ::ኤርትራን ጂቡቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኮይነን ዶባተን ብንጹር ኣተመልከተ ኣይኮነን:: ኣብ 16 ሚያዝያ 2008 ወተሃደራት ኤርትራ ሑጻ ክንሓፍስ ብዝብል ጉልባብ ኣብ ብክልቲኡ ሸነኽ ራስ ዱሜራ ዓስኪሮም:: ጂቡቲ ነቲ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ወተሃደራት ኤርትራ ክስሕቡ ሓቲታ::እንተኾነነ ኤርትራ ካብቲ ቦታ ብዘይምውጽኣ ኣብ ሰነ10-13/ 2008 ብዝተገብረ ምልውዋጥ ተኹሲ ካብ ኤርትራ 100 ሞይቶም ክንደኦም ተማሪኾም:: ኣብ ወተሃደራት ጂቡቲ እውን ተመሳሳሊ ጉድኣት ወሪዱ:: ኣብ 2009 ባይቶ ጸጥታ ክልቲአን ሃገራት ካብ ጎነጽ ክግትኣ ንዘሕለፎ ምሕጽንታ: ጂቡቲ ተቐቢላ ወተሃደራታ ስሒባ:: ኢሳያስ ግን ግጭት ከምዘይተኻየደ ክሒዱ ከብቅዕ ኣብ 2010 ብመንኝነት ቐጠር ወተሃደራት ቐጠር ኣብ ዶባት ክሰፍሩ ተሰማሚዑ::ድሕሪ 8 ዓመት ኣብ 2016 ድማ 4 ምሩኻት ወተሃደራት ጂቡቲ ለቒቑ:: ነቶም ብጂቡቲ እተማረኹ ወተሃደራት ኤርትራ ኢሳያስ ጠሊምዎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለው::

ንኢሳያስ ህልቂት ኤርትራውያን ኣሃዝ ጥራሕ ኢዩ:: ስቅያት መንእሰያትን ወለድን ድማ ኣላጋጭ ፖለቲካዊ ጸወታኡ ኢዩ:: ንግጭት ጂቡቲ ድማ ከይሓነኸ” ንኤርትራ ከኣ ካልእ ወጣጢ ግንባር ከፊትካ ኣብ ቀጻሊ ቅልውላው ንምቕርቃር ምእንቲ ክጥዕም ኣብ ዝኾነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ድሕሪ ናጽነት ጂቡቲ ኣብ 1977 ተላዒሉ ዘይፈልጥ ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ ዘይነበሮ ካልእ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ተፈብሪኹ” በለ::

የመን: ኢትዮጵያን ጂቡቲን ብኢሳያስ ምስ ተነኽሳ: ጉዳየን ብሕጊ ክርአ ጠሪዐን:: ኢሳያስ ኣብ ሰለስቲኡ ፍጻሜታት ብትዕቢት ተወጢሩ ዘካየዶ ወራር ተሳዒሩ ንክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ኣዋሪዱ::

ኣብ ብሩራዊ ኢዮበልዮ እቲ ሓርማዝ ኣብ ቤት ብዙሕ ኢዩ:: ኢሳያስ ግን ሓሶት ምሂዙ ብምድንጋር ስልጣኑ ምድልዳል እምበር ራህዋን ክብረትን ህዝቢ ዝዓጦ ኣይኮነን:: ቅዋም ቀቢሩ: ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብ ጎደጉዲ ኣሲሩን ቀቲሉን: መንእሰያት ኣንፊጹ: ንኤርትራ ቀቲልዋ ኣይዓገበን::ዝተረፈ ቁልዒ ናብ ሓሞክሽቲ ክቕይር: ክብርታት ኤርትራ ናብ ጎድፍ ክድርቢን ወደባት ኤርትራን ማዕድናታን ንባዕዳውያን ከስተልም ምእንቲ ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዮ የራኽበና ብምባል ፈኪሩ::

——————–  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • DEATH IN VAIN May 28, 2016

    ባባ ኢሳያስ እሞ _______እንታይዩ ዓጊቡ
    ኣብ ዘዝኣጎዶ ውግእ___ ብጽልሙት ዝስዕቡ
    ብዕራይ ወለደ ንኣምን_____ ህዝቢ ረኺቡ
    ደይ ኮንዶም ኢና___ ካብ ሻዕብያ ምዕምባቡ
    ኢትዮጵያዊ ቃልሲ ብኤርትራውነት ተግልቢቡ
    ሕጂ እውን ንኢህወደግ ብኦሮሞ ኣደብዲቡ
    ንቕዩማት ኣምሓራ ካበየ ኩርናዓቱ ኣኻኺቡ
    ክዕወት እዩ ፕላኑ __ናይ ወዲ ኣፎም መደቡ

  • AHMED SALEH !!! May 28, 2016

    I read latest development about high post Ethiopian official with
    a name Issayas and his cronies corrupted administration in regard
    Eritrean refugees . According given report at meskerem.net it is
    sad Eritreans became victims of humans greed .
    I hope those humble Eritreans who praise Ethiopia in that issue
    understand huge amount of international agencies financial assistance
    pour to guest country . My people kicked left and right in oppressive
    field inside and neighboring places (Sudan & Ethiopia) while smart
    cowardice profess to teach me my right .
    Day and night whining Issayas this Issayas that will encourage for opportunity to invite more Issayasism exploitation .
    For the sake of God nobody volunteered to investigate on those helpless
    Eritreans predicaments from the beginning of stories that shocked the
    whole world .

POST A COMMENT