Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃራምን ተሃራምን ዘይብሉ ኵናት፡ ኢትዮጵያ-ኤርትራ

ትኪ እንተሎ ሓዊ ኣሎ። ኵናት እንትሎ ሃራምን ተሃራምን ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ። መጀመርያ እዚ ለማቕነ ዘዛርብ ዘሎ  ዕደና ወርቂ ብሻን ወተሃደራዊ መደበር ማይዕዳጋን ተሃሪሙ ድዩ? ወይስ ኣይትሃርመን ዝብል ሕቶ ንመልስ። ከምቲ ናይ ትግርኛ ምሳሌ ዘይተፈስወ አይጭኖን

ትኪ እንተሎ ሓዊ ኣሎ። ኵናት እንትሎ ሃራምን ተሃራምን ክህሉ ናይ ግድን ኢዩ።

መጀመርያ እዚ ለማቕነ ዘዛርብ ዘሎ  ዕደና ወርቂ ብሻን ወተሃደራዊ መደበር ማይዕዳጋን ተሃሪሙ ድዩ? ወይስ ኣይትሃርመን ዝብል ሕቶ ንመልስ። ከምቲ ናይ ትግርኛ ምሳሌ ዘይተፈስወ አይጭኖን ዝበሃል፡ ምውቃዕ ተወቒዑ ኢዩ። ነቲ ወርቂ ዝዅዕት ዘሎ ካናደዊ ኩባንያ’ውን ከም ዝተወቐዐ ኣሚኑ ኢዩ። ካሊእ ክንርድኦ ዘለና፡ ሎሚ ከም ቀደም ነተን ዝተፈልጣ ናይ ዜና ማዕከናት ከም በዓል  ቢቢሲ(BBC)፤አልጀዚራ (Aljazeera)፤ ሲኤንኤን (CNN) ምጽባይ ኣየድልን። ቀጥታ ካብቲ ዝበሃል ዘሎ ቦታታት ብሞባይላት ናይ ዓይኒ ምስክር ከማሓላልፉ የኽእሉ ኢዮም። እዚ ድማ ከም ዜና እኹል ኢዩ። ስለዚ ምህራምስ ተሃሪሙ ኢዩ። እቲ ሕቶ ሃራሚኡ መን ኢዩ? ኢዩ። ነዚ ሕቶ’ዚ ክምልስ ዝግብኦ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ኢትዮጰያ ተለቪዠን ከም ዝሰማዕክዎ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ንቐዳማይ ሚኒሰትር ሃይለማርያም ደሳልኝ ከምዚ ክብል ምስሓተቶ  “ከምቲ ዝውረ ዘሎ ሓቂ ድዩ ነቲ ናይ ወርቂ ዕደናን ወተሃደራዊ መደበርን ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያ ኢያ ሃሪማቶ ዝበሃል?” ንሱ ድማ “ኣነ ነዚ ሕቶ’ዚ ንኽምልስ እሰከ መጀመርያ ተሃሪመ ዝብል ኣካል ይረኸብ።” በለ። እዚ መልሲ’ዚ ልክዕ ይመስለኒ። ተሓጓሚ እንከሎስ ሓጓሚ ይቕንዞ ከም ዝበሃል እቲ ዝህረም ዘሎ ኢዩ ክዛረብ ነይርዎ።

ወይለከ! እሞ ስርዓት ህግደፍ ድኣ ስጋብ መኣስ ኢዩ ብሕቡእ እናተሃርመ ክነብር? ስርዓት ህግደፍ ዓሻ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ነግራት ተሓቢኡ ዝነብር ይመስሎ። በቲ ካልእ ወገን ድማ እቶም ዓያሹ ደገፍቱ ድኹም ከይብልዎ ስለ ዝፈርሕ ኢዩ ይመስለኒ። ካሊእ ኣዚያ እትገርመኒ ነገር ኣላ። ንሳ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ባድመ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጰያ ምህላዋ ይግዕር። ካሊእ’ኸ? መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ኢትዮ-ኤርትራ ዅናት ካብ ኤርትራ ዝሓዘቶ ቦታታት የለን ማለት ድዩ? ኣነ ዝፈልጦ ጥራይ ኣብ ምዕራባዊ ሽነኽ ኣከለጉዛይ ንኡስ ወረዳ ኣኽራን፡ ቅንቶን ክንንን ዝበሃላ ክልተ ኣበይቲ ዓድታት ስጋብ ሕጂ ኣብትሕቲ ውተሃደራዊ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ይርከባ። ብዛዕባ አዚ ቦታታት’ዚ ግን ስርዓት ህግደፍ ብሕም ኢሉ ክዛረብ ሰሚዕናዮ ኣይንፈልጥን። ልክዕ ኢዩ ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ወታደራዊ ዓቕሙ ከም ዝተዳኸመ ፍሉጥ ኢዩ። ዝሓለፈ ገዜ አቶ ኢሳያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት “ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ጐብለል ኮይናላ” ከምዝበሎ ልክዕ’ዩ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ካብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቀጺላ ብኹሉ ሸነኻቱ፡ብቑጠባዊ፡ወተሃድራዊ፡ፖልቲካውን ዲፕሎማስያዊን ሓያል ሃገር ከም ዝኾነት ዘይካ ሓድ ኢዩ።ኢሳያስ ዝፍሕረላ ዝነበረ ናይ ተንኮል ጉድጓድ ኢትዮጵያ ምስ ግብጺ ዝነበራ ናይ ናይል ሽግርውን ተዓቢሳ።ክልቲኤን ሃገራት ብሓንሳባ ክሰርሓ ተፈራሪመን።

እሞ አዚ ጉዳ ከምዚ ካብ ኮነ፡ ኢሳያስ ዓሪፉ ስቕ ዘይብል? ስለምንታይ ዓቕሚ ዘይብሉ ንኢትዮጵያ “ነታ ጐብለል” ዝተናኽፋ? ምሰዚ ኣተሓሒዘ፡ ሓደ ግዜ መስፍን ሓጎሰ ኣብ ዝጻሓፋ ጽሕፉ ዝጠቐሳ ጥቕሲ ክጠቅስ እፈቱ።መስፍን ሓጎሰ ኣብታ ዝጻሓፋ ጽሕፉ፡ ባህርያት ኢሳያስ ንምጥቃስ ከምዚ በለ፡

“ሓደ ግዜ ሓንቲ ዕንቅርቢት ሩባ ክትሳገር ውሑጅ ኮይኑዋ ኣብቲ ደንደስ ሩባ ኮፍ ኢላ ትጽበ ነበረት።ኣጋጣሚ ኮይኑ ወኻርያ’ውን ነቲ ውሑጅ ክተሳገር መጸትሞ፡ ዕንቅርቢት ከምዚ ክትብል ሓተተታ፡ ‘በጃኺን’ዶ ሓንጊርኪ ኣሳግርኒ’ በለታ። ምስጋርስ መሳገርኩዅ ግን ክትነኽስኒ እንድኺ? በለታ። ዕንቅርቢት ’ዋእ ዓሻ ዲኺ ተታሓሒዝና ውሑጅ ክወስደና? በለታ’ሞ ኣሚናታ፡ ሓንጊራ እናሳገረታ እንከላ፡ዕንቅርቢት ሆየ፡ ኣበታ ማእከል ውሑጅ ምስ በጽሐት ቀጭ ኣበለታ’ሞ። ወኻርያ ድማ፡’ኣቲ! እንታይ ድኣ ኮይንኪ’ ምስ በለታ።ዕንቅረቢተ ድማ መሊሳ፡ ‘እንታይ ክገበር ኢልክኒ ኣመለይ ኮይኑኒ’ በለታ ክብል ጸሓፈ።ሓው መስፍን ሓጎስ እዚ ምሳሌ’ዚ ዘጥቀሶ ምኽንያት ባህርያት ኢሳያስ ካብ ባህርያት ዕንቅርቢት ዘይፍለ ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ።

ኢሳያስ ኣብ ክንዲ ኣብ ውድዓዊ ኩነታት ዝተመስረተ እሞ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ውሳኔታት ዘሕልፍ፡ ካብ ባዕላዊ ስሚዒቱ ተበጊሱ ኣዕናዊ ተግባራት ፈጺሙ።ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ወተሃደራዊ ጐንጺ ፈጢሩ ብሰንኩ ብዙሓት ነብሳት ጠፊኦም። እዚ ፍጥረት’ዚ ብሰብኣዊ ቅትለት ዝሕተት ብርግጽ ገበነኛ ኢዩ።ብ1994 ኣብ ሱዳን፤ ቀጺሉ ኣብ ኢትዮጵያ ድሒሩ ድማ ኣብ ጂቡቲ ዝተኻየደ ውግኣት ትሓታቲ ኢዩ።ሕጂ ድማ ናይ ዓለም ዜና ማዕከናት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብ ናይ የመን  ጉዳይ ኢዱ የእቱ ኣሎ ይበሃል። እዚ ድማ ነቶም ሑቲ ዝበሃሉ ናይ የመን ዓመጽቲ ምልሻ  ኣብ ገማግም ቀይሕ-ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ሂቡዎም ይበሃል። እዚ ጉዳይ’ዚ ሓቂ እንተ ኮይኑ ሃገራት ኣዕራብ ብሙሉኤን ኣንጻሩ ዝለዓላ ይመስለኒ።

ኣነ’ውን ብወገነይ በዛ ሓንቲ ጽልልቲ ሓንጎል ዝምራሕ ስርዓት ኣይገብርን ኣይብልን። እሞ እዛ ሃገር’ዚኣ ናበይ ገጻ ኢያ እተምርሕ ዘላ? ኣብ መወዳእትኡ’ኸ እዚ ካብ ሞት ተሪፉ ዘሎ ህዝቢ ዕድሉ እንታይ ኢዩ?

ወዮ ሲንጋፖር ምዃን ብቓላት ህግደፍ ተበሊዑ። ሕልሚ ኮይኑ ተሪፉ። ሎሚ ናይ ሓደ ኤርትራዊ ራኢ ሲንጋፖር ወይ ድማ  ምዕባሌ ዘይኮነስ  ስደት ኰይኑ ተሪፉ።”ተሰዲደ ብኸመይ ሂወተይ የድሕና።” ዝተወልደ መንእሰይ ንስደት ኰይኑ ትስፋ ኤርትራ። ኣዝዩ ኢዩ ዘሕዝን።

ብሻ በምህራሙ ገለ ዝሓዘኑ ኤርትራውያን  ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ካብቲ ዝወጽእ ዝነበረ ወርቂ’ኸ ህዝቢ እንታይ ጠቕሚ ረኺቡ? ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብጥሜት ሓለንጊ ዝግረፍ ዘሎ፤ ነቲ ኣብ ፈቖዶ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐ ዘሎ፤ ነቲ ኣብ ፈቖዶ ምድረ-በዳን ባሕርን ዝወድቕ ዘሎ መንእሰይ እንተይ ምምሕያሽ ኣምጺእሉ? ብወርቂ ብሻ ኣየናይ መንገዲ ተሰሪሑ? ኣየናይ ህንጻ ተሰሪሑ? መንእሳያት ካብ ስደት ዘድሕን ኣየናይ ስራሕ ተፈጢሩ?ኣየናይ ክሊኒካት ተሰሪሑ ህዝቢ ጥዕንኡ ክሕሎ? ካሊእ ይተረፍ ሎሚ ቁሩብ ሕሽ ዝበለ ናብራ ዘለዎ ንሱዳን’ዶ ኣይኮነን ከይዱ ዝሕከም ዘሎ? ስለዚ እዚ ዝበሃል ዘሎ ማሀረምቲ ዕደና ወርቂ ብሻን ወተሃደራዊ መደበር ማይ ዕዳጋን መን ይህረሞ ብዘየገድስ፡ ህዝቢ ዝሓዝነሉ ምኽንያት የለን። ብዘየካ ውሑዳት ዑሱባት ስርዓት ህግደፍ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ ነዚ መዘና ዘይብሉ መሪር ህዝባዊ ጭቆና መፍትሒኡ እንታይ ኢዩ? ሕጅ’ውን ፈቲና ጸሊእና መፍትሒኡ ቃልሲ ኢዩ። ፍታሕ ካባና ናባና ኢዩ።ርግጽ ኢዩ ተቓዋሚ ሓይልታት ብፍላይ ከኣ ባይቶ ድኹም ኢዩ።ይኹን’ምበር ወይ መተካእታ ክግበረሉ ኣለዎ ወይድማ ነቲ ዘሎ ተዋሲእኻ ምዕራይ ኢዩ። ካሊእ ትሰፋ ቆሪጽካ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣይ መፍትሒ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ትሰፋ ምቚራጽ እቲ ዝኸፍአ ነገር ኢዩ። ኣዝዮም ንጡፋት ዝነበሩ ተቓለስቲ ብጾት ትስፋ ክቖርጹ ከለው ክትርኢ ዘሕዝን ኢዩ።

ኣድሓኖም  ፍትዊ

03-04-2015

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • huria April 4, 2015

    brother you mentioned few places Eritrean that still occupied by Ethiopian forces since post Ethio-eritrian war but if you are Eritrean you have to know Eritrea ,Eritria is not only the area what you mention ,any way let come to the point ,in addition to what you mention a large villages and pocket places from in debubawi zoba and debubawi read sea is under the control of ethipian military ,semi area of xorona,egela ,zalambesa(the ertrian part),kebabi aditat monoksoyto,kolet,zegebla,semi part of nedwa ,eandali ,burea and uthers are under the control of Ethipia ..the resources of this villages are cleared out by the mindless negbors (Ethiopian) our people is kidnapped by Ethiopia and the mindlessPFJD,lets come together and call to justice and peace on the 13 anniversary day of the final biding decision beween the two countries

    • Simon G. April 5, 2015

      Huria,
      If you had read the whole topic, you wouldn’t ask this question. Read the whole article.

  • Ketty April 4, 2015

    Adhanom what you are writing does not make sense. First thing you are not sure of what happened substantiated with facts. Opposing the Eritrean Government should not mean siding with Ethiopia. After all Whether Eritrea is small in size, it is not a country of submissive people. Rather it is a country of patriots. What Huira commented above looks more Eritrean of concern. United we Eritreans will do miracle in all scenarios not only in war. As for me if it is true bombing economic site is a blunder. It happened in 1998 when TPLF bombed Hergigo electric generation plant when the issue was about Badme. Just imagine if Eritrea bombs Tekezze dam or Mesobo Cement Factory or some economic sites of Ethiopia. Eritrea is smart and will not do blunder as the backward enemies do.

    We will unite and triumph.

    • Simon G. April 5, 2015

      Ketty????

    • Semaynesh Tewelde April 5, 2015

      Ketty or zombie please grow up fast for your own good. Eritrea or Shaebia did worse than bombing Tekezze dam or Messobo Cement Factory, IT BOMBED SMALL CHILDREN’S PRIMARY SCHOOL & KILLED INNOCENT SMALL BOYS & GIRLS. You can’t just twist and turn the truths and the facts to your liking and convenience. Mr Adhanom’s article is very fair and does make good sense and it is you on the other hand who is not makins any sense.

  • Aida April 8, 2015

    the Evil dictator Isias he is a loserr i hope soon he go to hell, we Eritrean saffering a lot becuase of him

POST A COMMENT