Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊባይቶንደሞክራስያዊለውጢ (ኤሃባደለ) ጨንፈርሳንድያጎፍሉይኣኼባኣካይዱ

  ሃገራዊባይቶንደሞክራስያዊለውጢ (ኤሃባደለ) ጨንፈርሳንድያጎፍሉይኣኼባኣካይዱ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደምክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ሳንድያጎ ብዕለት 10/27/13 ኣኼብኡ ብምግባር ኣገደስቲ ነጥብታት ናይ ባይቶ ኣልዒሉ ዘትዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከምቲ ብህዝቢ ተስፋ ዝተገብረሉ ንተቓውሞ ቓልሲ ብጉቡእ መሪሑ ከም ዘይሰርሐ ዘይካትዕ ገምጋም ተዋህቦ። እቶም

 

ሃገራዊባይቶንደሞክራስያዊለውጢ (ኤሃባደለ)

ጨንፈርሳንድያጎፍሉይኣኼባኣካይዱ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደምክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ሳንድያጎ ብዕለት 10/27/13 ኣኼብኡ ብምግባር ኣገደስቲ ነጥብታት ናይ ባይቶ ኣልዒሉ ዘትዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ከምቲ ብህዝቢ ተስፋ ዝተገብረሉ ንተቓውሞ ቓልሲ ብጉቡእ መሪሑ ከም ዘይሰርሐ ዘይካትዕ ገምጋም ተዋህቦ። እቶም ቀንዲ ሽግራት ካኣ ብመሰረቱ ካብ ኣቀዋውምኡ ብኮታ ምኻኑን፡ ኣብ መንጎ ናይ ባይቶ መሪሕነትን ፈጻሚት ኣካልን ዘይምውህሃድ ምህላውን፡ ከምኡ እውን ንጹር ናይ ስራሕ መምርሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባታት ዓለም ዘይምህላውን ምኻኑ ኣኼባ ጨንፈር ኣስሚሩሉ። ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ሳንድያጎ፡ እዚ ዘሎ ባይቶ ዝለዓለ ቅርጻ ናይ ተቓውሞ ትካል ስለ ዝኾነ: ንዝረኣናዮ ጉድለታትን ናይ ስራሕ ዕንቅፋታትን ዝኾኑ ኣሪምና ንቐጻሊ ኣብ ትሕቲ ጽላል ባይቶ ተጠርኒፍና ኣበርኩቶ ቃልስና ንኽንቅጽል ብሓባር ተሰማሚዕና። ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣምራት ብምብጋስ እዞም ዝስዕቡ ለበዋታት ንኽሊትኡ መሪሕነት ባይቶ ብምምዝጋብ ኣኼብኡ ዛዘመ።

1. ውድባት ሕድሕዳዊ ዘተ ብምግባር፡ ጸቢብ ውድባዊ ስርሓት ኣወንዚፎም፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝፈላልዮም ነጥቢታት ዝዋጠጡ፡ ኣብ ዘራኽቦም ነጥብታት ጥራሕ ክሰርሑ እንዳኣተሓሳሰብና፡ እቲ ቀዳማይ ዕማሞምሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስራሕ ምኻኑ ተሰማሚዖም፡ ሽግር ህዝቢ ክፈትሑ ንላቦ።

2. ሃገራዊ ባይቶ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ከራጋግጽን፡ ብፍላይ ካኣ ምሁራት ኤርትራውያን ኣብ ምጽጋን እዚ ባይቶ ከሳተፍን ንላቦ።

3. ብውድባት ዝውነኑ ሰራዊት፡ ኣብ ትሕቲ ባይቶ ኣትዮም ብሓደ ናይ ባይቶ ሰራዊት እዚ ክምርሑን፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ ትሕቲ ጽላል ባይቶ ክኣትውን እሞ ነቲ ውጹዕ ዝኾነ ሃገራዊ ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ናይ ሓድነታዊ ቃልሲ ኣርኣያ ክኾኑን ንላቦ።

4. እቲ ኹሉ ናይ ባይቶ ጉድለታትን ጸገማትን ንምፍታሕ ካኣ ባይቶ ዝድለ ኣኼባ ገይሩ መንገዱ ከተዓራሪ ንላቦ።

5. ዝላዓሉ ኣካላት ናይ ባይቶ ናብ ህዝቢ ወሪዶም ብደረጃ ጨንፈራት ኣኼባታት ብምግባር ፖለቲካውን ፋይናንሳውን ጎስጓሳት ክገብሩ ንላቦ።

ኣብ መደምደምታ ኻኣ ኣባላት ጨንፈር ሳንድያጎ ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባን ርክባትን ብምግባር ሮቓሒ ዝኾነ ሃገራዊ ቃልሲ እጃሞም ከወፍዩ ተሰማምዑ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)

ጨንፈር ሳንድያጎ

ጥቅምቲ 27, 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT